ሃገርና፡ መዋፈሪትን መዋግኢን ሓያላት ከይትኸውን

2020-08-13 16:27:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2314 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉጅለ ህግዲፍ ቀዳምነቱ ጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይኮነ፡ ብተደጋጋሚ ነጊሩና እዩ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ኩሉ መዳያት ብግብሪ በቲ ጉጅለ ዝረአ ዘሎ እውን ነዚ ዘረጋግጽ እዩ። እቲ ጉጅለ ከምዚ ዓይነት ምርጫ ምውሳዱ፡ ንጉዳይ ኤርትራን ህዝባን ተገዲስካ መፍትሒ ምርካብ ስለዘይክእል ድዩ ወይስ ስለዘይደልን ዘይሓልን?፡ ንዝብል ሕቶ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነናቶም መልሲ ከም ዝህልዎም ርዱእ ኮይኑ፡ ብመሰረቱ ግና ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ውህሉል ተመኩሮ፡ “ብኤርትራን ህዝባን ስለ ዘይግደስ እዩ” ኢልካ ምጥቕላል ዘጸግም ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ጉጅለ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ኣገዲስዎስ ናተይ ኢሉ ክምልስ ብዝህልዎ ውሱን ዓቕሚ እውን ስለ ዘይፍትን። ብኣንጻሩ ተመኩሮ ናይዚ ጉጅለ፡  ነቲ ብህዝቢ በብግዜኡ ዝቐርብ ዝርዝር ጸገማት መሊስካ ኣብ ምግዳድን ነቲ ህዝቢ  ካብ ሃገራዊ ጉዳዩ ኣብ ምግላሉን ምርሓቑን ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ።

እዚ ጉጅለ ብህዝቢ ኤርትራ ዘይምግዳሱ፡ ናይ ዓቕሚ ጉዳይ እንተዝኸውን፡ ኣብ ኤርትራ እዚ ዘይበሃል መልሲ ዝሰኣነ ሕቶታት ህዝቢ እንዳሃለወ፡ ኣፉ መሊኡ “ደጊም ብዛዕባ ኣርባዕተ፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮነ፡ ብዛዕባቲ ልዕሊ 400 ሚልዮን ህዝቢ ከባቢና ኢና እንሓስብን እንግደስን ኣይመበለን። ስለዚ “ብጉዳይ 400 ሚልዮን ህዝቢ እየ ዝሓስብ” ዝብል ኣካል፡ ብዛዕባ 5 ሚልዮን ዘይምግዳሱ ናይ ዓቕሚ ዘይኮነ ዘይምግዳስ ምዃኑ ምርዳኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ብንጹር ንምስፋሩ እቲ ጸገም ብጉዳይ ከባቢ ምግዳሱን ምሕሳቡን ዘይኮነ፡ ከምቲ “ቅድሚ ፈረስ ዓረብያ” ዝበሃል፡ ንጉዳይ ኤርትራ ከምዘይናትካ ጓሲኻ ቀዳምነትካ ናብ ዘይኮነ ጠለውጠለው ምባል እዩ። እንተ ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ሃገራት ናይ ርሑቕን ቀረባን ምጽልላው ሰማይ ዝዓርገሉ እዋን፡ ንዝምድና ምስ ከባቢና ሃገራት ምግዳስ ብዝምልከት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) እውን፡ ኣብቲ መደብ ዕዮኡ 10.2 ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፡” ብዝብል ኣነጺሩ ኣስፊርዎ ዘሎ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሓሳብ ግን ንህግዲፍን ሳዓብቱን መንቀሊኦም ኣይኮነን።

እንተኾነ ናይ ህግዲፍ ብኤርትራን ህዝባን ዘይምግዳስ፡ ዝለመዐት፡ ብሕጊ እትመሓደር፡ መሰረታዊ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላትን ነጻነት  እምነት ህዝባን ዝተሓለወላ፡ መንእሰያታ ዓዶም ዝሃንጹላ…… ወዘተ ሃገር ክትከውን ብዘይምግዳሱ ጥራይ ከም ዘይግለጽ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ ብዓብይኡ ንዘለዋ ጸገማት ዘይኮነ፡ ምስ ዘለዋ ጸገማት ንህልውነኣ ከም ሃገር እውን  ዝፈታተን መንግዲ ጥፍኣት ይሕዝ ስለ ዘሎ። ብቐረባ’ኳ ኣብ ጉዳይ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ሒዝዎ ዘሎ ኣገባብ ንህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ዘየርብሕ ውልቃውን ዘይግሉጽን መርኣያ እዩ። እዚ ናይ ኢትዮጵያ ዘይብሱል ዝምድናኡ በይኑ ፈሊኻ ዝረአ ዘይኮነ፡ ምስቲ ንከም ሕቡራት ኤማራት ዓረብ ዝኣመሰላ ካዝነአን ብዶላር ዘህጠራ ኣብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ፈቒዱለን ዘሎ ወተሃደራዊ መደበራት ደሚርካ ዝረአ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ መሰልጠንታት ኤርትራ ከም ዝረኣዩ ብሰፊሑ ዝዝረብ ዘሎ እዩ። ናይ ኤርትራ ናይ ስለያ ኣባላት ኣብ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ይዓዩ ኣለዉ፡ ዝበሉ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያታት ሓበሬታ እውን ብዙሓት እዮም። ነዚ ሓበሬታታት ምስቲ ኢሳያስ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና እንሕውሰሉ እምበር፡ ስቕ ኢልና እንርእዮ ኣይኮነን” ዝበሎ ኣስተብሂልካ  ብደቂቕ ተኸታቲልካ እተጽነዕ እምበር “ እዚ ሓሶት እዩ” ኢልካ እትሓልፎ ኣይኮነን።  እነሆ ኣብዚ እዋንዚ ከኣ መንግስቲ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ወተሃደራዊ መደበር ክትከፍተለን መዲባተን ካብ ዘላ ሽዱሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ኤርትራ ሓንቲ ምዃና ብማዕከናት ዜና ይጥቀስ ኣሎ።

ወሃብ ቃል ጉጅለ ህግዲፍ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ዝበሎ፡ ብናይ ቀረብ (ሎጂስቲክስ) ማእከል ኣማኻንዩ፡ ነቲ ናይ ሩስያ ምኽፋት ወተሃደራዊ መደበር ኣብ ሃገርና ክኽሕዶ ፈቲኑ። እዚ ምስ ተመኩሮ ናይቲ ድሕሪ ዕጻይምጻጻይ ደሓር እቲ ጉጅለ ዝተኣመነሉ ናይ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ኣጀማምራ ወተሃደራዊ መደበር  ኣብ ከባቢ ወደባዊት ከተማ ዓሰብ ዝመሳሰል እዩ። ካብዚ ጉጅለ ህግዲፍ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ደገደገ ምምዕዳው፡ እቲ ዲክታቶር ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይበጽሕ ነገራዊ ረብሓን ዝናን ከም ዝረኸበሉ ተዓዚብና ኣለነና። ብግብሪ ወርቂ መዳልያታት ክስለም፡ ሚልዮናት ዶላር ክቕበልን ከም “ናይ ሰላም መልእኽተኛ” ክምጐስን ተዓዚብና ኣለና።

ብዘይካዚ መራሒ ጉጅለ ህግዲፍ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ካብቲ ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ዓዲ ሃሎ ተኾርምዩ፡ ከንጸላልዎ ዝጸንሐ፡ ተነጽሎን ናይ ህልውና ስግኣትን ወጺኡ መዛምድትን መጋይሽትን ክረክብ ዘኽኣሎ እዩ። ብኣንጻሩ እዚ ህግዲፍ ምስ ናይ ግዳም ሓይልታት ተመሳጢሩ ዝኸፍቶ ዘሎ ወተሃደራዊ መደበራትን ዝፍሕሶ ዘሎ ተንኮላትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ቁጠባዊ ራህዋን ማሕበራዊ ቅሳነትን ዝረኽበሉ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ውዲታትን ዘይቅዱስ ምትእስሳራትን ንሓዋሩ ንኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ የመንን ሊብያን ዝረአ ዘሎ ጸላእቲ ዝዕድመላን ኣብ ቀረባ እውን ናበይ ገጹ ከም ዝምዕብል ዘይፍለጥን ሓደጋ ዝሓቖፈ እዩ። ዶሮ’ኳ ሓያሎ  ኣተሓሕዛ ህግዲፍ ኣብ ጉዳዮም ባህ ዘይበሎም ኢትዮጵያውያን ወገናት ዲክታቶር ኢሳያስን ጉጅለኡን ካብ ጉዳዮም ኢዶም ከልዕሉ ስምዕታታት ከቕርቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ዒራ ደኣ ህዝቢ ኤርትራን ህግዲፍን “ከብድን ሕቖን” ኮይኖም ከም ዘለዉ ካብዞም ኢትዮጵያውያን ዝተሰወረ ኣይኮነን እምበር፡ እዚ ናይ “ካብ ጉዳይና ኢድኩም ኣልዕሉልና” ስምዕታ ኣብ ህግዲፍ ዝድረት ዘይኮነ ናብ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝመጣጠር እዩ። ካብዚ ብዘይተፈልየ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እውን፡ ህዝቢ ኤርትራ እንተኾነ ንህግዲፍ ከእድቦ፡ እንተዘየለ ከኣ ኣደዳ ናይቲ ንሱ ዝኣጉዶ ሓዊ ከይከውን ብቐጻሊ ይጽውዕ ኣሎ።

ስለዚ ንሕና ናይ ልኡላውነትና ቀጻልነትን ናይ ህዝብና ድሕነትን ዘገድሰና ኤርትራውያን፡ ምስቲ ካልእ ኣንጻር ህግዲፍ ንቃለሰሉ ዛዕባታት፡ “ሃገርና መዋፈሪትን መዋግኢትን ሓያላት” ከይትኸውን፡ ነዚ ንናይ ግዳም ሓይልታት መሬት ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እንዳቆረሰ  ወተሃደራዊ መደበራት እንዳከፈተ ዝጣላዕ ዘሎ ኣዕናዊ ሓይሊ ኣምሪርና ክንቃለሶ እውናዊ እዩ።

Last modified on Thursday, 13 August 2020 18:34