ቅዋማዊ ኣሰራርሓ፡ መለለዪ ሰዲህኤ’ዩ

2020-08-23 07:35:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2730 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ 4ተ ዓመት ሓደ ግዜ ጉባአ የካይድ። ኣብዚ ጉባአኡ ከከምቲ ጉባአ ዝካየደሉ ግዜ ብዙሓት ዓበይቲ እዋናዊ ኤርትራውን ከባብያውን ዛዕባታት ይለዓሉ፡ ይዝተየሎምን ውሳነታት ይወሃቦምን። ብዝያዳ ከኣ እቲ ሰልፊ ኣብ መንጎ ክልተ ጉባአታት ከዕውቶ ዝቃለሰሉን ዝልለየሉን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ኣካላቱ ዝምርሕሉ ቅዋምን የጽድቕ። ካብዚ ሓሊፉ ሓጋጊ ኣካል ማእከላይ ባይቶ ይመርጽ። እዚ ባይቶ ከኣ ኣብ ስሩዕ ኣኼባኡ መደባት ዘተግብር ፈጻሚ ሽማግል ይመርጽ።

ማእከላይ ባይቶ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ስሩዕ ኣኼባ የካይድ። ኣብዚ ኣኼባኡ ናይቲ  መደባት ሰልፊ  ከፈጽምን መዓልታዊ ህይወት ሰልፊ ክከታተልን ሓላፍነት ወሲዱ ክመርሕ ዝጸንሐ ትካል ፈጻሚ ሽማግለ ዓመታዊ ጸብጻብ ተቐቢሉ ይመዝንን የጽድቕን። ኣብ መጻኢ ዓመት ክዕመሙ ናይ ዝግበኦም ስረሓት ኣቕጣጫን ፖሊሲን ከኣ ይስእል። እዚ እቲ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኮይኑ፡ እዚ ሓጋጊ ኣካል ሰልፊ ከከም ኣድላይነቱ ፍሉያት ኣኼባታት እውን የካይድ እዩ። እቲ ኣብዚ ነፍሲ ወከፍ ዓመታዊ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ዝምረጽ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 4ተ ወርሒ ስሩዕ ኣኼባኡ የካይድ። ከከም ኣድላይነቱ ፍሉይ ኣኼባታት እንዳካየደ  ክሳብ ስሩዕ ኣኼባኡ ክጸንሑ ዘይክእሉ ህጹጻት ጉዳያት ይርእን ይመዝንን። ትካላዊ ኣሰራርሓ ሓደ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብታ ብህግዲፍ እትምራሕ ኤርትራ በዂሩ ዘሎን ናይቲ ጸገማት ቀንዲ ጠንቂ ምዃኑን ኩልና እንርደኦ እዩ።

ብመሰረዚ ትካላዊ ኣሰራርሓን ባህልን ሰዲህኤ ማእከላይ ባይቶ ድሕሪ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ ብ15-16 ነሓሰ 2020 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብዚ ኣኼባኡ ኣብ ዝሓለፈ ዓምት ዝተዓሙ ስረሓት መዚኑ፡ ኣብ መጻኢ ዓመት ክዕመሙ ዝግበኦም መደባት ኣመልኪቱ ከኣ፡ ንዝርዝራዊ ኣተገባብራኦም ነቲ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባ ዝተመርጸ ፈጻሚ ሽማግለ ሓላፍነት ሂቡ። ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባኡ፡ ነቶም ብዝተፈላለዩ ትካላት ሰልፊ ዝተዓሙ ኣውንታዊ ሰረሓት ንኢዱ፡ ምትዕርራይ ዘድልዮም ኣሚቱ፡ ኣብ መጻኢ ካብኡ ዝያዳ ክስራሕ ዘኽእል መደባት ሰሪዑ። እዚ መድረኽዚ ሓጋግን ፈጻምን ትካላት ሰልፊ ዝተሓሳሰብሉን ድላይነት ተሓታትነት ዝረኣየሉን እዩ።

ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ቃልሲ፡ ናብ ዝሓሸ ለውጢ ይብርኽ ከም ዘሎ ተረዲኡ። ንኹሎም ሓቢርካ ዘቃልስ ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ቅሩብነት ዘርኣዩ ወገናት ኣመጒሱ። ሰዲህኤ ጉጅለ ህግዲፍ ንምስዓርን ኣብ ክንድኡ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካልን ሓቢርካ ምቅላስ መተካእታ ከምዘየብሉ ብምርዳእ በብደረጃኡ ማለት፡ ካብ ኣብቲ ዘረዳድኣካ ሓቢርካ ምስራሕ ክሳብ ፍጹም ሓድነት ዘለዉ መማረጽታት ንምትግባር ቅሩብ ብምዃን ክስረሓሉ ከም ዝጸንሐ ተገንዚቡ።  ኣብ መጻኢ እውን ነዚ መሰረታዊ ዕማም  ብምሉእ ዓቕሙ ከም ዝደፍኣሉ ቅሩብነቱ ኣሕዲሱ።

ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ዝተፈላለዩ መልከዓት ዝሓዘ በደል ዝያዳ ይገድድ ከም ዘሎ፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል፡ ተላጋቢ ቫይረስ ኮቪድ-19 ተወሲኽዎ ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ናይ ጥምየት ሓደገኛ  ኩነታት ከም ዘሎ ተረዲኡ። ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ዝካየድ ቃልሲ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ክሕይል ኣብ ዝድለየሉ ዘሎ እዋንን፡ ንጉጅለ ህግዲፍ ምድጋፍ ከም ነውሪ ክውሰድ ኣብ ዝግበኦ ግዜን እቲ ጉጅለ ህዝብን ሃገርን ለኪሙ ናብ  ጸድፊ እንዳተጓዕዘ፡ “ኣጆኻ” ዝብልዎን ዘይግበኦ ሚዛን ሂቦም ዝንእድዎን ኤርትራዋያን ኮኑ ዘይኤርትራውያን ወገናት ናብ ልቦም ክምለሱ ኣትሪሩ ኣተሓሳሲቡ።

ኩሉ ከም ዝርደኦ ኣብዚ እዋንዚ ገበናት ጉጅለ ህግዲፍ፡ ሕገመንግስታዊ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ምምሕዳርን ትካላዊ ምትሕስሳብን ብምንፋግ ጥራይ ዝግለጽ ኣይኮነን። ካብዚ ብዝገደደ ህልውና ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ዝለዓለ በደልዩ ዝፍጽም ዘሎ። ኣኼባ ባይቶ ነዚ ገበንን ጥልመትን ኮኒኑ፡ ንመጻኢ እውን እቲ ጉጅለ ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ስለ ዘይምለስ፡ እቲ ሃገር ናይ ምድሓን ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ሃገር ኮነ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ህዝብና ነዚ ሓደጋ ቀዳምነት ሰሪዑ ብሓባር ንክቃለሶ ማእከላይ ባይቶ ጸዊዑ። ካብ ብዙሓት ጠንቅታት ናይዚ ኣብ ኤርትራ ዘንጸላሉ ዘሎ ሓደጋ፡ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ዘየብሉ፡ ስልጣን ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀሰብ ምውዳቑን ኢደ-ወነናዊ ኣካይዳ ምስዕራሩን እዩ።

ኣብ ርእሲዚ ከምቲ ኣብቲ ድሕሪ ኣኼባ ዝወጸ “መግለጺ 2ይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ” ዝተመልከተ፡ ባይቶ ዝመዘኖ ካልእ ጉዳይ ኣብ ኢትዮጵያን ከባቢናን ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍን ዘይቅሱንን ምዕባለ፡ ሓድሽ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይን እዩ። እዚ ምዕባለ ሰፊሕ ዝርዝርን ብዙሓት ተዋሳእትን ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ ንኤርትራውያን ዘገድሰና፡ ዘሰክፈናን ብፍሉይ ቆላሕታ ክርእዮ ዝግበናን ከኣ ዲክታተር ኢሳያስ ብጉልባብ ምሕዳስ ዝምድና ምስ ኢትዮጵያ፡ ብልኡላውነትና ዘርእዮ ዘሎ ምዕልባጥ እዩ። ባይቶ ነዚ ብዝምልከት ሰፊሕ ምይይጥ ኣካይዱ፡ ሰዲህኤ ንውሳነታት ጉባአ ሰልፊ መሰረት ገይሩ ኣብዚ መዳይዚ ዝምረሓሉ ናይ ዝምድና ፖሊሲ ኣጽዲቑ። ከም ነጸብራቕ ናይዚ ፖሊሲኡ ከኣ፡ ብዓብይኡ ዲክታቶር ኢሳያስ በቲ ዋጋ ብዙሓት ሓርበኛታት ዝኾነ ልኡላውነትና ከይጣላዕን ንሱ ብዝኸፈቶ ናይ ጥፍኣት ኣፍደገ ኣትዮም፡ ኤርትራዊ ልኡላውነትና ንድሕሪት ንምምላስ ዝደናደኑ ወገናት ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር ናይ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ናይ ብሕቲ ንብረት ከምዘይኮነት ተረዲኦም ኢደ-እግሮም ክእክቡ ኣተሓሳሲቡ። ብኣንጻሩ ኤርትራዊ ልኣላውነቱ ኣብ ዝተዓቀበሉ፡ ኣብ ሰላም፡ ናይ ሓባር ረብሓን ጣልቃ ዘይምትእትታውን ዝተሰረተ ፍትሓዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንክፍጠር ንዝሰርሑ ፍትሓውያን  ወገናት ኣተባቢዑን ንኢዱን።

Last modified on Sunday, 23 August 2020 09:39