ሎሚ’ምበር፡ ትማልን ጽባሕን ናትና ኣይኮኑን

2016-04-23 06:38:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3302 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ትማሊ እንተ ብጽቡቕ እንተ ብሕማቕ  ግቡኡ ፈጺሙ ዝሓለፈ ወጢጥና ናብ ሎሚ ከነምጸኦ ዘይንኽእል ምዕራፍ እዩ። እቶም ኣብቲ ናይ ትማሊ መድረኽ ክዋስኡ ዝጸንሑ ኣካላት ከኣ ውጽኢቱ እንታይ እዩ ብዘየገድስ ኣብቲ እዋኖም ቅኑዕ ኢሎም ዝኣመንሉ እሞ ድማ ዓቕሞም ዝፈቕዶ ግቡእ ፈጺሞም እዮም። ምናልባት ኣብቲ ዝሓለፈ ዘጣዕሶም እንተልዩ ኣብ ሎሚ ኮይኖም ክቕይርዎ ኣይክእሉን እዮም። ከምቲ ንትማሊ ናብ ሎሚ ከነምጸኦ ዘይንኽእል ጽባሕ እውን ናቱ ባህሪ ዘለዎ፡ እንተደለናዮ’ውን ናብ ሎሚ ከነምጸኦ ዘይንኽእል ታርኡ ዝጽበይ እዩ። ናይ ጽባሕ ተዋሳእቲ ድማ እዞም ሎሚ ዘለና ዘይኮናስ እቶም ጽባሕ ግዜኦም ሓልዮም መድረኽ ዝርከቡ እዮም። ውለድና ኣብ ሎሚ ኮይንካ ብዝሓለፈ ምጀሃር ከም ዘየድሊ ከስተምህሩ እንከለዉ “ ብናይ ዓሚ ብዕራይ ዝሓረሰ የለን” ይብሉ። ኣብ ክንዲ ግዜ ምስ ሓለፈ ምጠዓስ ኣብቲ ዘለኻዮ ግዜ፡ ማለት ሎሚ ትርጉም ዘለዎ ምስርሕ ናይ ግድን ምዃኑ ከዘካኽሩ እንከለዉ ድማ “ ግዜ ከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ይብሉ።

ሎሚ እምበር ትማልን ጽባሕንስ ናትና ኣይኮኑን ክንብል እንከለና፡ ብዛዕባ ሎሚ ክንሓስብ እንከለና ዝሓለፈ ተመኩሮ ኣየገድሰናን ማለት ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። ኣብ ሎሚ ኮይና ብናይ ጽባሕ ምዕባለ ኣይንሓስብን ማለት’ውን ኣይኮነን። ሎሚ ብናይ ትማሊ ተመኩሮ ከም ዝጽሎን ጽባሕ ከኣ ንናይ ሎሚ ተመኩሮ ክውከሶ ምዃኑን ከኣ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና እቶም ኣብ ናይ ሎሚ መድረኽ ዘለና ናብቲ ዝሓለፈ ክንመልሶ ወይ ናብቲ ናይ ጽባሕ ከነቐድሞ ዘይንኽእል፡  ኣብዚ ናትና መድረኽ ከነሳልጦ ዝግበኣና፡ እንተዘይተግቢርናዮ ንሕተተሉ ሓላፍነት ከም ዘለና ንምዝኽኻር ዝኣክል እዩ።

እቶም ሎሚ ነቶም ኣብ ቅድሚ ናትና ትውልዲ ዝነበሩ ወገናት ንንእዶምን ንወቕሶምን፡ ሎሚ ትማሊ ምስ ኮነ ከምኦም ወይ ክምረቕ ወይ ድማ ክንርገም ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እዛ ሎሚ ጽባሕ ምስ ኮነት ስምና ብኸመይ ከም ዝለዓል ሎሚ ባዕላትና ኢና እንውስኖ። ሎሚ ናይቶም ዝሓለፉ ወረስቲ ኮይና ምእንቲ ሕድሮም ተዘይተጊህና፡ ንሕና እውን በቶም ወረስትና ክንዝንጋዕ ከም እንኽእል ኣይንረስዕ። ቃልስና ከም ናይ ካልኦት ተመኩሮ ሰንሰለታውን ተወራራስን ምዃኑ ከኣ ንርእዮን ንሰምዖን ኣለና። ኣብዚ ናይ ሎሚ ናትና መድረኽ ኩሉ ክኢልና ክንጸንዕ ካብ ዘገዱዱና ምኽንያታት ሓደ ሕድሪ ናይቶም ዝሓልፉ ንዘይምጣላም እዩ። እዚ ሕድሪ እዚ ሎሚ ዝውዳእ ዘይኮነስ ናብቲ ናይ ጽባሕ ትውልዲ’ውን ዝሰግር እዩ። እንተኾነ በዚ ባህርያዊ ምርኽኻብ፡ ጽባሕ ክሰርሖ’ዩ ኢልና ከየራጠጥና፡ ኣብታ ዘለናያ ሎሚ ክንትግብሮ ዝግበኣና ክንትብር ታሪኻዊ ሓላፍነት ኣለና። ከምቲ ትማሊ ታሪኽ እዩ፡ ሎሚ ህያብ እዩ፡ ጽባሕ ግና ምስጢር እዩ ዝበሃል፡ ንዓና ሎሚ ልዕሊ ኩሉ ኣብ ኢድና ዘሎ እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ እቶም ጸረ-ህዝብነት ጉጅለ ህግደፍ ዝተረደኣናን ኣብ መሰረታዊ ለውጢ ንኣምንን ካብቶ ነቲ ጉጅለ ኮሓሒሎም ከቕርቡ ዝፍትኑን ዝድግፍዎን ኣዚና ንበዝሕ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ጉጅለ ካብ ዝባተኽ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ምስ ጉጅለ ህግደፍ ወጊኖም ዘለዉ ኣዝዮም ውሑዳት እዮም። ግዲኦም ጉዳይና ኣብ ምውሳን ደኣ መሰረታዊ ኣይኮነን’ምበር፡ ኣብቲ ናትና መስርዕ ዘሎ ግዳማዊ ሓይሊ እውን ካብቲ ንህግደፍ ዝድግፍ ከም ዝበዝሕ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ብዝሕናን ብልጫናን ግና ጌና ነቲ ስርዓት ብዘተኣማምን ደረጃ ኣይረታዕናዮን። ስለምንታይ? ኩልና ክንምልሶ ዝገበና መሰረታውን እዋናውን ሕቶ እዩ።

ተቓውሞና ሒዝዎ ዘሎ ንህግደፍ ኣወጊድካ፡ ሰላም፡ ዲሞክራስን ማዕርነትን ብዘውሕስ ምምሕዳር ናይ ምትካእ ኣቕጣጫ ቅኑዕ እዩ። ቅኑዕ ስለ ዝኾነ ጥራይ ግና ኣብቲ ንደልዮ ከብጸሓና ኣይከኣለን። ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ተቓውሞና ድሩት እዩ። እዚ ድሩትነት ዕድመ ወጻዒ ህግደፍ ኣብ ምንዋሕ ናቱ ኣበርክቶ ኣለዎ። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ ዕድመኡ ንምንዋሕ ናትና ናይቶም ተቓወምቱ ድኽመት ክምዝምዝ ግድን እዩ። ንሕና እውን ዓቕምና ደኣ ደሪቱና እምበር ናይ ህግደፍ ድኹም ጐድኒ መዝሚዝና ኣብ ረብሓ ፍትሓዊ ቃልስና ከነውዕሎ ቅኑዕ እዩ። ቀንዲ ጸገምና ግና ናይ ዓቕሚ ድሩትነት ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ነቲ ዝርካቡ ዓቕምና ብግቡእ ኣሕቢርና ኣንጻር ወጻዒ ህግደፍ ከነሰልፎ ዘይምብቃዕና እዩ። ስለዚ እቲ ቁምነገር ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ናትና ሎሚ ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። ኣብ ክንዲ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ምጥቃም ንድሕሪት ናብ ታሪኽ ወይ ንቕድሚት ናብ’ቲ ናይ ጽባሕ ምስጢር ጥራይ ምምዕዳው ከም ኣገባብ ቃልሲ ቅኑዕ ኣይኮነን’ሞ፡ ንሎሚ ናይ ብሓቂ ሎሚ ንግበራ። 

Last modified on Saturday, 23 April 2016 08:46