ከነዕኩኾ ዝግበኣና ተበግሶ

2015-11-18 14:56:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2575 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኣብዚ ዝሓለፈ ራብዕቲ (13-14 ሕዳር 2015) ኣብ ሃገረ ጀርመን ከተማ ፍራንክፈርት፡ ኣብ ሓደ ታሪኽዊ ኣዳራሽ ንኤርትራ ዝምልከት ዓውደ-መጽናዕቲ ተጋቢኡ ነይሩ። ነቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝወደበ፡ ምስጋና ዝግበኦ ጀርመናዊ ትካል መጽናዕቲ ፈልስበግ ይበሃል። ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ሓያሎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ በርገሳዊ ማሕበራትን ብውልቆም ክዕዘቡ ዝተዓደሙ ኤርትራውያንን ተሳቲፎም ነይሮም። እዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝዘተየሎም ዛዕባታት፡ በቲ ሓደ ወገን ህልዊ ኣሰካፊ ኩነታት ኤርትራ ዝዳህሰሱ ክኾኑ እንከለዉ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ “ኣብ መጻኢት ኤርትራኸ እንታይ ይገበር?” ዝብል ሕቶ ኣብ ምምላስ ዝዓለሙ ጉዳያት እውን ኣልዒሉ’ዩ።

ብዛዕባዚ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ከሎ ጌና ከይተጋበአ ጀሚሩ ብዙሓት ሕቶታት ክለዓሉ ጸኒሖም እዮም። ብመንጽር’ቲ ዝሓለፍናዮ ምትእምማን ዝተሓረሞ ተመኩሮ፡ ኣብ ከምዚ ንነብሮ ዘለና ህሞት፡ ሓደ ጉዳይ እንተተቐልቂሉ፡ ሕቶታት ምልዓል ዝተለምደ እዩ። እቶም ሕቶታት እቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ንዝተጋበኣሉ ቦታ፡ ንኣመራርጻ ተሳተፍቱ፡ ንመንነት እቲ ወዳቢት ትካልን እቲ ፍጻመ ዝተኻየደሉ ግዜን ዝምልከቱ እዮም። ነዞም ሕቶታት ንምምላስ ዝኾነ እዚ ጉዳይ ዝምልከቶ ኤርትራዊ ናቱ ግምት ክህብ ይኽእል እዩ። እቲ ውዱእ መልሲ ዝህብ ግና እቲ ዝዓደመ ኣካል እዩ። ንኣብነት ነቶም ተሳተፍቲ በየናይ መለክዒ መሪጽዎም ዝምልከት መልሲ ንተዓዳማይ ዘይኮነስ ንዓዳማይ ዝምልከት እዩ። በቲ ኮነ በዚ ግና እዞም ዝተላዕሉ ጉዳያት ስለምንታይ ይለዓሉ’ኳ ተዘይተባህለ እቶም መሰረታውያን ዛዕባታት ንሳቶም ኣይኮኑን። ቀንዲ መንቀሊኦም ከኣ እቲ ኣብ ሕድሕድና ሳዕሪሩ ዘሎ ዘይምትእምማን ምዃኑ ንጹር እዩ። “ብተመን ዝተዳህለስ ብልሕጺ ሰንበደ” ስለ ዝኾነ።

ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ኣበይን ብመንን ተላዒሉ ብዘየገድስ፡ እቲ ኣብቲ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝተላዕለ ጉዳያት “ክሳብ ክንደይ ኤርትራዊ እዋናዊ ዛዕባ ነይይሩ?” እዩ ክኸውን ዝግበኦ ዝብል ሚዛናት ምሃብ ዝሓሸ ኣዩ። እቲ ዛዕባ ዋላ’ኳ ብውሱናት ተሳተፍቲ ተተዘተየሉ ክሳብ ክንደይ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን ዝንባለን ሻቕሎትን ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ እቲ ግቡእ ቆላሕታ ክወሃቦ ዝግባእ ነጥቢ። ደሓር ኣብ ክንዲ ንመሰረታዊ ትሕዝቶ ናይቲ መጋባእያ፡ ኣፈጻጽማኡን ኣመራርጻ ተሳተፍቱን ዝኣመሰሉ ተክኒካዊ ዛዕባታት፡ ጽልዋ’ኳ እንተሃለዎም፡ ንዓኣቶም ጥራይ ንቕድሚት ምምጻእ ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሰየና ተመኩሮና ዝምስክሮ እዩ። ኣብ ሓደ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ፡ “ስለምንታይ ጉዳይ ስምረት ውድባት ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ይዝተየሉ” ዝብል ክርክር ዘኽፈለና ዋጋ ዝርሳዕ ኣይኮነን። ጉዳይና ሰፊሕ ኣእምሮን ነዊሕ ጉዕዞን ዘድልዮ ምዃኑ ኩልና ዘይንክሕዶ እዩ። ብመንጽር እዚ ተበግሶ ፍራንክፈርቲ ናይ ሓደ ጉዕዞ መጀመሪ እምበር ናይ ሓደ ምዕራፍ መዛዘሚ ኣይኮነን። ስለዚ እቶም ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ወገናት፡ ንመጻኢ ንናይ ብዙሓት ተሳትፎ ኣፍደገ ንምኽፋት ክጽዕቱ፡ እቶም ትማሊ ዘይነበሩ ድማ ኣብ መጻኢ ክሳተፉ ቅርቡነቶም ከርእዩ እዩ ዝግበኦም። ማለት፡ ሎሚ ካብ ትማሊ፡ ጽባሕ ድማ ካብ ሎሚ ዝሓሸ ክኸውን ከም ዝግበኦ እንዳ ብናን ንቕድሚት እንዳማዕደናን ኢና ክንጐዓዝ ዝግበኣና።

ዓውደ መጽናዕቲ ፍራንክፈርቲ ዝነበሮ ግሉጽነት ሓደ ብልጫኡ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዮም ድማ ተሳተፍቲ ንፖለቲካዊ እምነቶም ዘነጽር ሓጸርቲ ሓባሪ ጻብጻባት ምስ ኣቕረቡ፡ ብክታም ዓሰርተ ወከልቲ ተስተፍቲ ፖለቲካዊ ውድባትን በርገሳዊ ማሕበራት ኣሰንዮም፡ ኣብ ከመይ ዝኣመሰሉ መረዳድኢ ነጥብታት ከም ዝተሰማምዑ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣወጁ። ኣብቲ ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ 10 መረዳድኢ ነጥብታት ከይኣተኻ “ንሕና ሰብ ናይ ሓባር ሃገራዊ ዋኒን ኢና። እቲ ፍታሕ ከኣ ኣብ ውሱናት ዘይኮነስ ኣብ ኩልና እዩ ዘሎ።” ኢልካ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ከፍ ምባል፡ መሰረታዊ መፍትሒ ንጉዳይና ኣብ ምርካብ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። “ንተኣከብ ሽዑ ምኽሪ ክርከብ” ከም ዝበሃል። በቶም ኣብዚ መጋባእያ’ዚ ዘይወዓሉ፡ ብመልክዑ ዝተፈልየ ኮይኑ፡ ካብ ኤርትራዊ መስመር ከይወጸ በብኹርናዑ ዝካየድ ተመሳሳሊ መገባእያ’ውን ተመሳሳሊ ክብደት ክወሃቦ’ዩ ዝግባእ። ስለምንታይ ጽባሕ እቲ ንኹሉ ዝዕግብ ፍታሕ ካብዚ በብኩርንዑ ዝግበር ተበግሶታት እዩ ክውህለል።

ኣብዚ ዓውደ መጽናዕቲ ተበጺሖም ዘለወ ሓፈሻዊ መሰማምዒ ነጥብታት መብዛሕትኦም ሓደስቲ ስለ ዘይኮኑ “እንታይዶ ሓድሽ ጉዳይ መጺኡ እዩ” ከም ዝበሃል ፍሉጥ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ብሓሳብ ተሰማሚዕካ ከተብቅዕ ኣብ ተግባር ናይ ምጉርባስ ተመኩሮና ዝመጸ እዩ። እንተኾነ ንሕና ”ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፈሸልናዮ ሎሚ’ውን ክንፈሽል ኢና” ዝብል ጽልሙት ዘይኮነስ፡ “ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ፍሽለታትና ተማሂርና ካብ ሕጂ ንድሕሪትስ ኣይክንፈሽልን ኢና” ዝብል ትስፉው እምነት ኣሕዲርና፡ ነዚ ስምምዕና ናብ ምትግባር ገጽና ብናህሪ ክንምርሽ ይግበኣና። ንፍሽለት ሓደ መዓልቲ ስዒርና እነወግዶ እምበር፡ ከም መናብርትና ጌርና ክንርዕሞ ኣይግበኣናን’ዩ።

ካብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ፍራንክፈርት ዝተሰማማዓሉ መረዳድኢ ነጥብታት፡ “ኣብ ኤርትራ ደሞክራሲያዊ ለውጢ ብዝምልከት ብሓባር ምስራሕ። መንግስትን ሃይማኖት ምፍልላይን፡ መንግስቲ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ከም ዘረጋግጽ ምግባርን። ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምርግጋጽ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ዘትከለ ዝምድና ምምዕባል። ምርግጋጽ ዝያዳ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮን መንእሰያትን። ዓረብን ትግርኛን ከም ወግዓዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ምቕባልን፡ ናይ ኩሉ ቋንቋታት ኤርትራ ማዕርነት ምሕላውን።” ዝብሉ ነጥብታት ይርከብዎም። እዚኣቶም ብዝተወሰኑ ተሳተፍቲ ኣካላት ይጽደቑ እምበር ንዝኾነ ደላይ ፍትሒ ዘግልሉ ኣይኮኑን።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ኣብዚ መዳይዚ ሸቶኡ፡ ኩሎም ኤርትርውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ተኣማሚኖም ዝዋስእሉ ሰፊሕ መድረኽ ምፍጣር እዩ። እዚ ኣብ ሓጺር ግዜ ብኣቋራጭ ዝብጻሕ ከም ዘይኮነ ስለ ዝኣምን ከኣ፡ ናብዚ ንምብጻሕ ኣብ ዝሕግዙ መድረኻት ካብ ምስታፍ ኣይክበኩርን እዩ። ተሳትፎኡ ኣብ ዓውደ-መጽናዕቲ ፍራንክፈርት ከኣ ብመንጽር’ዚ ዝረአ እዩ። ኣብ ፖለቲካዊ ውሳነኡ “ሰደህኤ ምስ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ናይ ሓባር መድረኽ ንምፍጣር ኣብ ዝግበር ሪ፡ ንምዋቱ ከይተሓለለ ቀዳምነት ሂቡ ክሰርሕ ቅሩብ ምዃኑ ደጊሙ የረጋግጽ።” ኢሉ ምስፋሩ ድማ ነዚ እምነቱን ቅሩብነቱን ዝያዳ ዘትርር እዩ።

17 ሕዳር 2015

Last modified on Wednesday, 18 November 2015 16:08