ዓቕሚ ብዘይውደባ ኣይፍጠርን’ዩ

2015-11-23 22:56:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2832 times

ሰባት ኣብ ፖለቲካዊ ይኹን ካልእ መዳያት ኩሉ ግዜ መጻኢ ዝሓሸ ክኾነሎም ምጽባዮምን ምብሃጎምን ዝተለምደ እዩ። እዚ ድሌትን ባህግን ናይ ግሎም ጥራይ ከም ዘይኮነ ስለ ዝፈልጡ ድማ ምስቶም ከም ናቶም ድሌትን ባህግን ዘለዎም ወገናት ክደላለዩ ናይ ግድን እዩ። ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ከም ድሌቶም ድሌት ዘለዎም ወገናት ምድላይ ድማ ነቲ ኩሎም ዝደልይዎ ብሓባር ከዕውትዎ ቅኑዕ ኣገባብ ምዃኑ ስለ ዝግንዘቡ እዩ። እቲ ካልእ ናይዚ ምስጢር ድማ ካብ በይንኻ ኮይንካ ሓቢርካ ዝያዳ ዓቕምን ድምጽን ክፍጠር ስለ ዝከኣል እዩ። እቲ ምቅርራብ ናይ ቀጻልነቱ ውሕስነት ዝኸውን ዝምረሓሉ ሕግን ስርዓትን እንተዘይሃልይዎ ከምዘይዕወት ስለ ዝፈልጡ ከኣ ነዚ ብዘረጋግጽ ኣገባብ ክስርዑ ወይ ክውደቡ ይግደዱ። ከከም ምርጫኦም ናይ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ካልእ ስያመ ይሕዙ። እዞም ዝወደቡ ኣካላት ካብ ህዝቢ ዝፍጠሩ ኣብ ህዝባዊ ባሕሪ ዝነብሩ ብዓሳ ዝምሰሉ እዮም። ዓሳ ብዘይባሕሪ ክነብር ከም ዘይክእል እዚ ውዳበታት እ’ዚ’ውን ብዘይ ህዝቢ ክነብር ኣይክእልን እዩ።

ውዳበ ሓይሊ እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ብዘይ ውዳበ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ እውን የለን። ለውጢ ዝብህግ ግና ድማ ወሳንነት ውዳበ ዘይኣምን ኣካል እንተኾይኑ ነቲ ዝጭረሓሉ ለውጢ እውን ከረጋግጾ ፈጺሙ ኣይክእልን እዩ። ውዳበታት፡ ውድባት ይኹና ሰልፍታት ከምኡ’ውን ማሕበራት ነቶም ሕግታተን ተቐቢሎም ኣብ ትሕቲአን ዝተወደቡ ኣካላት እምበር ንህዝቢ ዝውክላሉ ሕጋዊ መሰል የብለንን። ንህዝቢ ኣይውክላን ማለት ግና ዝቃለሳሉ ዕላማ ነቶም ውሱናት ኣባላት ውድብ ወይ ሰልፊ ጥራይ ዝምልከት ዘይኮነስ ናይ መላእ ህዝቢ ኩለመዳያዊ ረብሓ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ። እዚ ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘእተወ ማለት ግና ከከም ባህሪ ናይቲ ውዳበ ክሰፍሕን ክጸብብን ይኽእል። ኩሉ ውዳበ ባህጊ ናይ ህዝቢ ከማልእ ዝተሰለፈ እዩ ማለት እውን ኣይኮነን። ህዝቢ ዝውጽዑ ሓይልታት እውን ጸረ-ህዝቢ ዓቕሚ ንምጥራይ ክውደቡ ናይ ግድን እዩ። ብዘይ ውዳበ ዝፍጠር ሃናጺ ኮነ ኣዕናዊ ዓቕሚ ምፍጣር ስለ ዘይከኣል።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና ሓሓሊፉ ካብዚ ዘይተወገነ ኩነታት ከም መዋጸኦ ተባሂሉ ካብ ዝቀላቐል እሞ ክትቅበሎ ዘጸግም ሓሳባት ሓደ ኣብ መንጎ ኣድላይነት ውደባን ግደ ህዝብን ዘሎ ዝንቡዕ ሚዛን እዩ። እቲ ንውድባትን ሰልፍታትን ሓሚቐን ብዝብል ዝወርድ በሊሕ ነቐፈታ ሓደ እዩ። እዚ ኣበሃህላዚ ዝጐድሎ ፍትሓውነት’ኳ እንተሃለወ፡ መሰረታዊ መሰል ምውዳብ ከም ሓጥያት ክውሰድ እንከሎ ከኣ ብዝያዳ ፍትሓዊ ኣይኮነን። ኣብ እቲ ውድብ ድዩ ሰልፊ ዘርኣዮ ድኽመት ምዝራብን ምንቃፍን እንተኾይኑ ጽቡቕ እዩ። ብፍላይ እቲ ነቐፈታ ምስ መተካእታኡ ክኸውን እነክሎ ድማ ዝያዳ ሃናጽን ንቡር ኣካይዳን ይኸውን። ንቁልቁል ዝኣፉ ውድባት ውድባት ስለ ዝኾና ጥራይ ንህዝቢ ጠሊመነኦን ኣግዲዐነኦን ምባል ግና ኣይኮነንዶ ክትቅበሎ ክትሰምዖ’ውን ዝስርንቕ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገደደ ድማ፡ ንህዝቢ ኣንጻር ውድባት ንክለዓል ምጽውዑ ደለይቲ ለውጢ መፍቶ ወጻዕቲ ንክኾኑ ኣፍደገ ዝኸፍት ምዃኑ እዩ። እዚ ነቐፈታ ፍትሓዊ ንክኸውን ቅድሚ ኩሉ ካብቲ ብጉልባብ ውድባት ንጥዑይን ንሕሙምን ኣብ ሓደ መጉእ ምውቃጥ ክወጽእ ኣለዎ። ደሓር እቲ ንውድባት ብዘይወዓለኦ ገበን ምኽሳስ ካብቲ ንዓኣተን ዝጐድኦ፡ ነቲ ከሳሲ ካብ መስመሩ ኣውጺኡ ዘህውትቶ ምዃኑ እዩ እቲ ዝያዳ ሓደገኛ። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ነዚ ብዝመሳሰል፡ “ንኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ እተን ኣባላቱ ዘይነበራ ውድባት እየን ኣፍሪሰነኦ” ዝሕመረቱ ሓሳብ ኣንቢብና። እቲ ከሳሲ ቅድሚዚ “እቲ ባይቶኸ ካብ መጀመርታኡዶ ኣብ ዘይፈርስ ባይታ ተደኲኑ ነይሩ?” ኢሉ ተዝሓትት ኣዝዩ መመልከዓሉ ነይሩ። ባይቶ ከም ሓደ ፖለቲካዊ ጽላል ኣብ ውድድር ክነብር ግና ባህርያዊ እዩ። ካብ ተወዳደርቲ ሓደ ክስዕር እቲ ካልእ ክሰዓር ግና ውሁብ እዩ። እንተ ክትስዕር ወይ ክትሰዓር ዝውስን ከኣ ውሽጣዊ ኩነታትካ እዩ።

“ህዝቢ ንውድባት ከይተጸበየ ንፖለቲካዊ ጉዳዩ ባዕሉ ክሕዞ ኣለዎ” ዝብል ኣበሃህላ ዕድሜኡ ነዊሕ እዩ። ጽቡቕ ድማ እዩ። ካብቶም ብድፉኑ ንህልዊ ውዱብ ሓይልታት ኣምሪሮም ዝቃወሙ ወገናት ክመጽእ እንከሎ ግና ትርጉሙ ኣይርደኣካን እዩ። ማለት ህዝቢ ጉዳዩ ባዕሉ ይሓዝ ማለት ኣብ ገገዝኡ ኮይኑ ንህግደፍ ይራገም ማለት ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ብተረደኦና ህዝቢ ንጉዳዩ ባዕሉ ይሓዞ ማለት፡ ነቲ ኩነታት ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ክውግኖን ከመሓድሮን ይግባእ ማለት እዩ። ዝያዳ ክበርህ እንከሎ ድማ ትርጉሙ እቲ ዝብህጎ ለውጢ ባዕሉ ከረጋግጾ ኣለዎ ማለት እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እዚ ድማ ብዘይካ ተወዲብካ ሓይልን ዓቕምን ብምፍጣር ብኻልእ ኣቋራጭ መንገዲ ከቶ ኣይመጽእን እዩ። ስለዚ ንህዝቢ ውድብ ይኹን ሰልፊ ኣየድልን እዩ ኢልካ ካብ ምጉስጓስ ናትካ ውድብ ፍጠር እንተኾይኑ እቲ መጸዋዕታ ዝንጸግ ኣይኮነን። እቲ ውደባ ብታሕቲ ይጀመር ብላዕሊ ከኣ መዕቀኒኡ እቲ ዝምስረተሉ ፖሊሲ እዩ ክኸውን። ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ከምኡ እውን ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ዝመላለስ ናይ ርክብ መስመራት ክህልዎ ድማ ናይ ግድን እዩ። እቲ ምውዳብ ነዘን ነብሰን ወዲበን ምስ ኩሉ ድኽመታተን ዝቃለሳ ዘለዋ ውድባት ምቅዋም ዓሊሙ ዝብገስ ዘይኮነስ፡ ንሳተን ክገብረኦ ዘይከኣላ ንምግባር እንተኾይኑ ጸገም የብሉን። እዚ ማለት ድማ እተን ተወዲበን ኣብ መድረኽ ቃልሲ ዘለዋ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ዘይሰለጠን ውድባት ካብቲ መድረኽ ይተኣለያልና ዘይኮነስ፡ ካብቲ እትነቕፎ ኣካይደአን ዝሓሸ ርኢቶ ሒዝካ ምውድዳረን እዩ እቲ ቅኑዕ ክኸውን ዝግበኦ።

ሓደ ነገር ክበርህ ዝግበኦ፡ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ ክሳብ ሕጂ ከም እንፈልጦ ዝኾነት ውድብ፡ ነቶም ብውሽጣዊ ቅዋማ ክቕየዱ፡ ቅሩባት ዝኾኑ ኣባላታ እምበር ናይቲ ምስኣ ዘይተወደበ ህዝቢ ወኪል እየ እትብል የለን። ምናልባት ግና “ርኢቶይ ንድሌት ህዝቢ ዘንጸባርቕ እዩ፡ እሞ ህዝቢ ምሳይ ይሰልፍ” ኢልካ ምጽዋዕን ምልዕዓልን እንተኾይኑ ንቡር እዩ። ነዚ መጸዋዕታ ተቐቢልካ፡ “ሕራይ ኣብ እዚ ውድብዚ ኣለኹ ወይ ድማ የለን እዚ መትከላቱ ንባህገይ ስለ ዘየንጸባርቕ ምርጫይ ካልእ ውድብ ወይ ሰልፊ እዩ” ናይ ምባል መሰሉ ከኣ ሕሉው እዩ። ግዜኡ ኣኺሉ፡ እዚ ሕጂ ኣብ መንጎ ህዝብን ውድባትን ዘሎ ዓለባ ሳሬት ምስተቐንጠጠ ውድባት ነናተን ምርጫ ሒዘን ናብ ህዝቢ ክቐርባ እየን። ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ንክረኽባ ድማ ክጽዕታ እየን። እዚ ኣብዚ እዋንዚ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓስ ከኣ ነቲ ናይ ሽዑ ነጻን ሰላማውን ናይ ርኢቶታት ውድድር መንጸፍ እዩ። ኣብቲ መድረኽቲ፡ ህዝቢ ብዝወስዶ ምርጫ እሞ ድማ ብሕገመንግስታዊ ውሕስነት ርኢቶኣ ተቐባልነት ዝረኸበ፡ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ግንባር ኣፋ መሊኣ ወኪል ህዝቢ እየ ክትብል እያ። ህዝብን ዝተሳዕራ ውድባት ከኣ ክምእዘዝዋ ክግደዱ እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣብዚ ዘለናዮ እዋን እውን ብዛዕባ ህዝቢ ብመን ይውከል ጌጋታት ኣይረአን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ግዜ ምምስራት ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ፡ ንምምቕራሕ መሪሕነት ኣብ ዝምልከት ካብቲ ጠቕላላ መናብር 60% ብመንገድ በርገሳዊ ማሕበራት ኣቢልካ ንወከልቲ ህዝቢ ክወሃብ። 40% ድማ ንወከልቲ ውድባት ክወሃብ ይበሃል ነይሩ። “ውድባትን ንህዝቢ ዘይውክላሉ በርገሳዊ ማሕበራት ከኣ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾናሉ ደኣ ከመይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ከም ዝነበረ ከኣ ዝዝከር እዩ። ብሓቂ ከኣ ውሱናት ብናቶም ድሌት ዝመስረትወን ማሕበራት’ውን ወከልቲ ህዝቢ ክኾና ኣይክእላን እየን። ንውድባት ”እንታይ ገይረን?” ኢልካ ምሕታት ጽቡቕ እዩ። ግና ድማ “ኣነኸ እንታይ እገብር ኣለኹ?” ብዝብል ክጅመር እንከሎ እዩ ኣድማዒ ዝኸውን።

23 ሕዳር 215

Last modified on Monday, 23 November 2015 23:59