ምስ ህዝብናኸ ንናበብዶ’ለና?

2015-11-13 20:58:35 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2394 times

ብዓዲ ይኹን ብወጻኢ እንዋሳኣ ኤርትራዊ ውዳበታት ጭረሖታትና ኮነ ፖለቲካዊ መንቀሊና “ኣነ ካብ ህዝቢ፡ ብህዝቢ ንህዝቢ እየ” ዝሕመረቱ ምዃኑ ባዕላትና እንምስክሮ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓደ ዛዕባ፡ ንኣብነት ኣብ ሰላም ይኹን ኣብ ደሞክራሲ ወይ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ዝያዳ ሓደ ምርጫ የብሉን። ስለዚ እቶም ፍልልይ ከም ዘለና እንኣምን ኤርትራዊ ፖአቲካዊ ኣካላት “ናትና እባ ናትና እባ ቅኑዕ’ኳ እንተበልናዮ ከቶ ናይ ሓደና እምበር ናይ ኩልና ርኢቶ ቅኑዕ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ምናልባት’ውን ብመንጽር ባህጊ ህዝብና፡ ናይ ኩልና’ውን ቅኑዕ ዘይክኸውን ይኽእል። ማለት ነቲ መሰረታዊ ድሌት ህዝብና ኩልና ከነንጸባርቖ እንተዘይክኢልና።

“ኣነ ምእንቲ ህዝበይ’የ” ክንብል እንከለና፡ ከምቲ ግቡእ ኣነ ንድሌት ህዝበይ ተረዲአ ኣለኹ፡ ህዝበይ እውን ዕላማይ ንረብሕኡ ምዃኑ ይርዳእ እዩ ማለትና ክኸውን መተገበኦ። ኣብዚ ድሌት ህዝቢ ምርዳእን፡ ንድሌት ህዝቢ ማእከሉ ብዝገብር መትከል ተቐይድካ ምኻድን በበይኑ ምዃኑ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። ልዕሊ ድሌትን ባህግን ህዝቢ፡ ናቱ ከም ውልቀ ባእታ፡ ውድብ ወይ ማሕበር ከቐድም ሃንደፍደፍ ዝብል ሓይሊ፡ ህዝቢ ብዝማእከሉ መትከላት ኣይቅየድን እዩ። ብድሌት ህዝቢ ዘይቅየድ ኣካል ብመን ከማይ ስለ ዝስንዳሕ፡ በዚ ጠጠው ኣይብልን እዩ። ኣብቲ ከም መቃለሲ መድረኽይ ኢሉ ዝመረጾ ውዳበ’ውን እንዳጸበበ እዩ ዝኸይድ። ንኣብነት ዲክታቶር ኢሳይያስ ይኹን ውድቡ ህግደፍ፡ ድሌት ህዝቢ ጥራይ ኣይኮነን ዘየኽብር፡ ሓፈሻዊ መሰል ናይቶም ኣብታ ጉጅልኡ ዝዋስኡ ኣካላት እውን ኣየኽብርን እዩ። ማለት ኣብ ዘይደሞክራሲያዊ ትካል ዝዋስኡ ኣካላት ደሞክራሲያዊ ጸጋ ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም።

ከም ፖለቲካዊ ውድባት፡ “ጽባሕ ንህዝብና ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ከምዚ ተኾነ እዩ ዝሕሾ፡ የለን ከምዚ እንተኾነባ” ኣብ ዝብሉ ኢና እንፈላለ ዘለና። ንፍቶ ንጽላእ ከዓ ገሊኡ ካብቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዘይጥጡሕ ሜዳ ንውድድር ዝቐርብ መወዳደሪ ፖሊሲታት መብዝሕትኡ ናይ ሸፈጥ እዩ። “ምርጫ ህዝብና ከምዚ እዩ” ብዝብል ጭረሖ ተጐልቢብካ ጸቢብ ስምዒታትካ ከተዕውት ሒዅ ምባል ድማ ኣብዚ እዩ ዝንጸባረቕ። ገለ ሓይልታት፡ ናይ ህዝቢ ዘይኮነ ክንሱ “ናይ ህዝቢ እዩ” ዝብል ሓሳብ ሃንዲሶም ክጭርሑን ክሕንጽጹን እንከለዉ፡ ሓደ ካብቲ ዘቕርብዎ ምኽንያታቶም ነቲ ሓቀኛ ድሌት ናይ ህዝቢ ካብ ዘይምርዳእ ዝነቅል ክኸውን ይኽእል። ገለ ድማ ድሌት ህዝቢ ጠፊእዎም ዘይኮነስ ካብ ረብሓ ህዝቢ ዝተፈልየ ጸቢብ ረብሓኦም ከዕውቱ ስለ ዝመርጹ እንዳተረድኡ ዝተፈልየ ጸቢብ ተጻራሪ መንግዲ ክሕዙ ይውስኑ።

ኣብ ደንበ ተቓውሞና፡ ዋንነት መሬት፡ ኣተሓሕዛ ብሄራትን ሃይማኖትን፡ ኣገባብ ቃልሲ፡ ዝምድና ሓይልታት ተቓውሞ፡ ዝምድና ምስ ጐረባብቲ ሃገራት … ወዘተ ኣብ ዝምልከቱ ጉዳያት ፍልልይ ኣለና። ነናትና መርገጺ ተቐባልነት ንክረክብ ድማ ንወዳደር። እዚ ውድድር ግና እቲ ወሳኒ ግደ ዝለዎ ህዝቢ ኣኤርትራ ኣብ ዘይሳተፎ ሜዳ እዩ ዝካየድ ዘሎ። ውድድርና መብዛሕትኡ ግዜ መሰረታዊ ትሕዝቶ ናይ መርገጽካ ኣብ ምንጽብራቕ ዘተኮረ ዘይኮነ ናይ መወዳድርትኻ ርኢቶ ኣናኢስካ ኣብ ምቕራብን ኣብ ምጽልላምን ዝተመስረተ እዩ። ኣብ ክንዲ ብኣኻ ጀሚርካ “ኣነኸ እንታይ ገይረ” ምባል፡ ናይ ካልኦት ድኽመት ከተመዓዱን ከተተዓባብን ምውጥዋጥ ከኣ ካልእ ናይ ድኽመትና መግለጺ እዩ። እው ንሓደ ኣካል “ስለምታይ ኣብዚ ዛዕባዚ፡ ከምዚ ዓይነት መርገጽ ሒዝካ?” ኢልካ እንተሓቲትካዮ መልሱ “ድሌት ህዝብና ኣብ መጻኢት ኤርትራ ከምኡ ስለ ዝኾነ” ዝብል መልሲ ከም ዝህበካ ርዱእ እዩ። ኣበየናይ ህዝቢ ዘሳተፈ መጽናዕቲ ተመርኲሱ እዩ ከምኡ ዝብል ዘሎ ንዝብል ሕቶ ግና እንድዒ። ከይዱ ከይዱ እቲ ምርጫ ኣብ ክኸውን ይግበኦ ዝብል ኣስገዳድነት ዝምስረት እዩ። እዚ ድማ ህዝቢ ምስ ልሳኑ እንከሎ ባዕለይ ክዛረበልካ ዝዓይነቱ ዓመጽ እዩ።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ውዱእ ጌርካ ክትወስዶን ካለኦት ንክቕበልዎ ከተገድደሉ እንተፈቲንካ እዩ ዘጸግም እምበር እዚ እዩ ናተይ ቅኑዕ ምባል ዘጸግም ኣይኮነን። ዝሓለፈ ተመኩሮን ቃልስን ህዝቢ ኤርትራን ባህርያት ናይቲ ንምፍታሑ ትቃለሰሉ ዘለኻ ጸገምን፥ ኣብ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓን ኣብግምት ኣእቲኻ፡ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት እንታይ ምዃኑ ምእማትን ኣካል ፖሊሲኻ ምግባሩን ኣይከኣልን እዩ ማለት ኣይኮነን። ነጻን ዲሞክራሲያውን መድረኽ ኣብ ዝረኸበሉ ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ውዱእ መልክዕ ዘትሕዞ’ኳ እንተኾነ፡ ቅድሚኡ ጉዳይ ሃይማኖት፡ ጉዳይ ብሄርን ጉዳይ ከበሳን መታሕትን ናይ ሎሚ ቀዳማይ ጸገሙ ኣይኮነን ምባል ዘጸግም ኣይከውንን እዩ። ቀዳማይ ድሌቱን ትጽቢቱን፡ ሃይማኖቱ ኮነ ብሄሩ ብዝየገድስ ዲክታቶርነት ጸላኢኡ ስለ ዝኾነ ንሱ ክውገደሉ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዕዙዝ ኣገዳስነት ምዕቃብ ሓድነት መሬትን ህዝብን ዘለዎ መርገጽ እውን ንጹር ስለ ዝኾነ ከም ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ተቖጺሩ ብደረጃ ፖሊሲ ተተታሕዘ ካብ ክውንነት ዝርሕቕ ኣይኮነን። ምስ’ዚ ኩሉ ግና እዚ “ናይ ህዝቢ ድሌት ኣብ መጻኢት ኤርትራ እዩ” ኢልና ንጠቕሶ ዘለና፡ ህዝቢ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ኣብ ዝወነነሉ መድረኽ፡ ብዘይ ተጽዕኖ ክሳብ ዘየድመጸሉ ውዱእ ድሌቱ ጌርካ ክውሰድ ኣይከኣልን። ህዝቢ ኤርትራ ዘድልዮ መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ተዓቂኑ ዘስፍዮ እምበር፡ ካብ ወጻኢ ዝመጾ ወይ ብሓደ ውድብ ዝግዘኣሉ ምስሩሕ (ready made) ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝገረሞም ወገናት፡ “እቲ ውድባት ድዩ ንናይ ህዝቢ ድሌት ማእከሉ ገይሩ፡ እዚ እዩ ናተይ መማረጺ ክብል ዝግበኦ፡ ወይስ እቲ ህዝቢ እዩ ብዘይተሳትፎኡን ኣፍልጦኡን ብሓደ ናይ ኣባላቱ ጥራይ ውክልና ብዘለዎ ፖለቲካዊ ትካል ዝተሓንጸጸ ፖሊሲ ክርዕም ዝግደድ?” ኢሎም ክሓቱ ምስማዕ ዝተለምደ እዩ። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት፡ ህግደፍ ኣይኮነን ንድሌት ህዝብና ንክምእዘዝ ዝጭነቕ፡ ህዝብና እዩ ይፍተዎ ኣይፍተዎ ነቲ መንቀሊኡ ዘይፈልጦ በረኸኛ ፖሊሲ ህግደፍ ክቕበል ዝቕሰብ ዘሎ። ንሕና ደለይቲ ለውጢ እምበኣር ብእንጻሩ ኢና ክንጐዓዝ ዝግበኣና። ድሌት ህዝቢ ቅድሚት ክንሰርዕን ኪኖ ጭረሖ ብተግባር ክንምእዘዘሉን ከኣ ይግበኣና።

13 ሕዳር 2015

Last modified on Friday, 13 November 2015 22:10