መንገዲ ዓወት ደኣ መዓስ ልሙጽ ኮይኑ

2015-08-23 17:16:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3358 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ሰባት ሕማቕ ፖለቲካዊ ኩነታት እንተጋጢምዎም፡ ንምውጋዱ ክቃለሱ ባህርያዊ እዩ። እዚ ባህርያዊ ሓቂ እዚ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተራእዩ እዩ። ንሕና ኤርትራውያን’ኳ ኣብ ከምዚ መስርሕ ናትና ኣብነት ኣለና። ስለምንታይ ኣንጻር ወጽዓ ናይ ምቅላስ ናይ ዝያዳ ሚእቲ ዓመት ተመኩሮ ስለ ዘለና። እቲ ራህዋን ቅሳነትን ንምምጻእ እትቃለሶ ናይ ግዳም ወራሪ ወይ ውሽጥዊ ወጽዓ ክኸውን ይኽእል። ንሕና ከዓ ኣንጻር እዞም ክልተ ወጽዕታት ተቓሊስናን ንቃለስ ኣለናን። ከምቲ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ነጻነትና ዘዕቆብና ሓርነትና ከም እነዕቁብ ከዓ ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ ኣንጻር ግዳማዊ ወራሪ ይኹን ኣንጻር ውሽጣዊ ወጻዒ ልሙጽ ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። እቲ ጉዕዞ ናብ ዓወት ብቓልሲ፡ ነናይ ገዛእ ርእሱ ምዕራፋት ዘለዎ ጸዋግን ኩርኳሕን ነይሩ ሕጂ እውን ከምኡ ኣሎ። ከምኡ እንተዘይከውን ከዓ “ቃልሲ” ዝብል መጺጽ ስም ኣምበይተዋህቦን። ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓደ ጸገም ተወግድ፡ ካልእ ጸገም ድማ ግዜኡ ሓልዩ ይመጽእ እሞ ንዓኡ’ውን ትፈትሖ። እቲ መስርሕ ከዓ ክሳብ ዓወት ከምኡ ኢሉ ይቕጽል። እቲ ዝምዝገም ዓወት እውን መልክዑ ደኣ ይቕየር እምበር ካብ ቃልሲ ዓዲ ዘየውዕል ናይ ወለዶታት ምትኽኻእ’ዩ።

ጉዕዞ ቃልሲ ኣጠርሚምካ ዝኽየድ ጣማጣማ ዘይኮነስ፡ ርግእ ኢልካ ዝሓለፈ ትግምግመሉን፡ “ኣብ መጻኢኸ እንታይ ይገበር?” ኢልካ ነብስኻ ትሓትሓስበሎም መዝለሊ ቦታታት እውን ኣለዉዎ። ኣብ ከምዚ መስርሕ ጉባአ ናቱ ዓብይ እጃም ኣለዎ። ከምዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ዘካየዶ 2ይ ጉባአኡ። ጉባአ ብባህሪኡ ዝሓለፈ ገምጊምካ መጻኢ ዕማም እተማዕድወሉ መድረኽ እዩ። ነቲ ዝሓለፈ ገምጋም ከተጽፍፍን መጻኢ ኣገደስቲ ዕማማት ከተዕውትን፡ ከምቲ ናብ ጠስሚ ክትበጽሕ እቲ ርግኦ ክሕቆን ግድን ዝኸውን፡ ዝተፈላለዩ ሓሳባት ክሳብ ዝጻዕዩ ክሕቆኑ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ መስርሕ ሓሳብ ናይ ምሕቋን በቶም ናይ ሓሳባት መመንጨውቲ ካላት ናይ “ናተይ ይሓይሽ፡ የለን ናተይባ ይበልጽ” ምፍሕፋሕ ክህልው ልሙድ እዩ። እዚ ካብ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ዝመጽእ ናይ ሓሳባት ምፍሕፋሕ ናይቲ እዚ ተግባር ዝፍጸመሉ ሰልፊ ወይ ውድብ ጥዕና እምበር፡ ከምቲ ገለ ወገናት ብገርሂ ድዩ ብጉርሒ ዝብልዎ ናይ ባእስን ፍልልይን መርኣያ ኣይኮነን። ናይ ሕሳብ ፍልልይን ምፍሕፋሕን ዘየብሉ ፖለቲካዊ መስርሕ መንገዲ ደሓን ከም ዘይኮነ ንምግላጽ ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ዘንበብኩዎ ሓንቲሓሳብጥራሕዘስምዕሰብወይ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ከምእቲሓንቲዓይነትመግቢጥራሕዝምገብሰብኣካላቱእናመንመነዝኸይድ እሞመወዳእትኡ ንሕማምን ስንክልናን ዝቃላዕ’ዩ ዝቑጸር” ዝብል ሓሳብ ኣብዚ ምጥቃሱ ኣገዳሲ ይመስለኒ። እቲ ቁምነገር እቲ ከካብ ኩርናዑ ክምጩ ዝጸንሐ ናይ ሓሳብ ፍልልይ ኣብ መወዳእታ ተኣውሊሉዶ ኣይተኣውለለን ዝብል እዩ ዝኸውን።

“ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ዘካየዶ 2ይ ጉባአኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ንኣብነት ኣብ ውሽጣዊ ሓድነቱ፡ ዝምድና ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራን ርክብ ምስ ጐረባብቲ ሃገራትን ናይ ሓሳብ ፍልልያት ኣንጸባሪቖዶ ኣይፋሉን?” ተባሂሉ እንተዝሕተት፡ እቲ ናይ ጥዕና መልሲ ኣየናይ እዩ። “ፍልልይ ነይሩ ደሓር ግና ብስምምዕ ተኸምቲኡ” ዝብል ወይስ “ምንም ኣይተንጸባረቐን” ዝብል። እዚ ሰልፊ ናይ ብዙሓት ውህደት እዩ። ናይ ብዙሓት ማለት ኣካላዊ ብዙሕነት ጥራይ ማለትና ኣይኮነን። ቀንዲ ቆላሕታና ብዙሓት ሰባት መምስ ናይ ሓሳባት ብዝሕነቶም ዝተሰለፍሉ ማለትና እዩ። ብናይ ሓሳባት ብዙሕነት ዘይስነ ኣካላዊ ብዙሕነት ግና ማዕባሊ ከይዲ ዘየብሉ ናይ ግኡዛን ብዙሕነት ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። እዚ ዳሕረዋይ ዘይማዕባሊ ብዙሕነት ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ኮነ ናይ ካልእ ፖለቲካዊ ምትእኽካብ ናይ ብዙሕነት መርኣያ ክኸውን ከዓ ባህርያዊ ኣይኮነን።

ጉባአ ብዙሓት ዝሳተፍዎ ኮይኑ፡ ናይ ዝተወሰኑ ባእታታት ግደን ድምጽን ዝያዳ ጐሊሑ ዝረኣየሉ ተኾነ እውን ዘሰንብድ ኣይኮነን። ከምቲ ገለ ወሃብቲ ርኢቶ ዝብልዎ፡ እዞም ባእታታት ኣብ ገሊኡ ዛዕባ እንዳተሰማምዑን እንዳተነኣኣዱን፡ ኣብ ገሊኡ ዛዕባ ድማ እንዳተፈላለዩን እንዳተነቓቐፉን ኣብ መዛዘሚ ግና ናብ ሓደ መዕለቢ እንዳመጹ ዘሰላስልዎ መስርሕ ነይሩ ተተባለስ እንታይ እዩ ኣበሩ። ንኣብነት ኣብ ተመኩሮ ሰደህኤ፡ ወልደየሱስ ዓማር፡ መስፍን ሓጐስ፡ ተስፋሚካኤል ዮሃንስ፡ ተስፋይ ደጊጋ ወይ ሓምድ ድራር፡ኣየናይ እዩ ንሰልፍና ናብ ዝሓሸ መንገዲ ዝወስድ መንገዲ? ካብ ዝብል፡ ዝተፈላለየ ሓሳባት ኣንቂዶም ፍልልያት እንተዘንጸባርቑ እሞ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሓደ ናይ ሓባር መደምደምታ እንተመጹስ፡ ከመይ ጌርካ እዩ ከም ናይ ስግእኣትን ቀራና መንገድን ምልክት ዝውሰድ። በዚ መስርሕ ምጉዓዝከ ኣብ ቀራና መንገዲ ምህላው ድዩ፡ ወይስ መንግዱ ኣነጺሩ ኣብ ስሩዕ ግና ብዙሕ ቃልሲ ዝሓትት ናይ ዓወት መንገዲ ዘሎ እዩ ክበሃል ዝግበኦ? ብእምንቶና እዚ ዘይልሙጽ፡ ግና ድማ ልሙጽ ናይ ዓወት ሜዳ ዘማዕዱ መስርሕ ቃልሲ እዩ።

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ በበይኖም ድሕረባይታ ዘለዎም ኣብ ዝተወሰነ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ብጎቦ ዓይኒ ክረኣኣዩ ዝጸነሑ፡ ካብ ናይ ታሪኽ ቤት ማእሰርቲ ወጺኦም፡ ንመጻኢ ብሓባር ከማዕደዉ ዝወሰኑ ሓይልታት ውህደት እዩ። ነዚ ውህደት እዚ ኩሉ ምጥርጣራትን ምስሕሓባትን ኣወጊድካ ኣብ ዘተኣማምን ተሪር ሓድነት ምብጻሑ ነዊሕ መስርሕን ዕጉስ ተወፋይነትን ዝሓትት እምበር፡ ኣብ መስመሪ ጉባአ ጥራይ ዝውዳእ ኣይኮነን። እዚ ዕማም ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ኣካላት ናይቲ ሰልፊ ብዘበርክትዎ ናይ ሕድሕድ ምቁጽጻር ዘይተፈልዮ ዝተናወሐ ቃልሲ እምበር ብውሱናት ሓለፍቲ ብኣቋራጭ ዝሳለጥ ዕማም ኣይኮነን። ሰልፍና ነዚ መስርሕ ሓድነት ክጅምሮ እንከሎ፡ ኣብ ዓወት ንምብጽሑ፡ ነዊሕ ግዜ፡ ውረድ ደይብ መስርሕን ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝኽፈል ዋጋን ከም ዘድልዮ ብምርዳእ ስለ ዝኾነ፡ ብየማነ ጸጋም ብዝነፍስ ድኽመታት ናይ ምንብድባድ ሓሸውየ ኣይክሽበርን እዩ። እቶም ኣብ ቅድሚኦም ንዝረአ ኣውንታ “ጸጋም ዕዩይ” ገይሮም፡ ዘየለ ድኽመት ምሂዞም ናይ ምርሕሓቕ “ዕበይለይ ዕበይለይ” ክጻወቱ ዝደልዩ ወገናት “ደርሆስ ብኣምዑት ደቃ ትጻወት” ዝብል ምስላ ከስተብህሉ ይግበኦም። ከምቲ ዝብልዎ እንተኸውን’ውን፡ ኣብ ዝኾነ ውድብ ዘጋጥም ጸገም ኣብቲ ውድብ ተደሪቱ ከይተረፈ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ጸገም ምዃኑ ከስተብህሉ መተገብኦም። ህዝባዊ ሓልዮት ከዓ ነታ ዝርካባ ንእሽቶይ ሓቅን ኣውንታት እንዳ ኣዕኮኽካ እምበር፡ ዘየለ ወይ እውን ኣዝዩ ንኡስ ጸገም ብምንብድባድ ኣይኮነን ዝግለጽ። በዚ ኮነ በቲ ጉዕዞና ናብቲ ዘይተርፍ ዓወት ቀንዲ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ሰልፍና ዝውሰንን’ዩ እሞ፡ “ብዕራይ ናብ ዘበለ እንተበለ ዕርፍና ነጽንዕ።”

23 ነሓሰ 2015

Last modified on Sunday, 23 August 2015 19:19