ኣብ ከተማ መቐለ ሮማናት ኣብ ዝበሃል ኣደባባይ፡ “ጽላል ሲቪላዊ ማሕበረሰብ ምዕራብ ትግራይ” ዝተባህለ ትካል ዝጸውዖ ተኸታታሊ ሰላማዊ ሰልፊ ይካየድ ከም ዘሎ፡ ማዕከናት ዜና ትግራይ ገሊጸን። ዕላማ ናይዚ “ይኣክል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕን ካለኦት ጭሮሖታትን ዝተመርሐ ሰልፊ፡ ካብ ወልቃይትን ካለኦት ከባብታትን ትግራይ ብሰንኪቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተኻየደ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ንክምለሱ መጸዋዕታ ንምቕራብን ተጽዕኖ ንምፍጣርን ምዃኑ እቶም ኣዳለውቲ ሓቢሮም።
ኣብቲ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ካብ ዝሰፈሩ ኣገደስቲ ዓንቀጻት “በቲ ውግእ ብኻለኦት ሓይልታት ዝተወስደ መሬት ክምለስን ብሰንኪቲ ውግእ ዝተመዛበሉ ተጋሩ ናብ መረበቶም ምምላስን” ዝብሉ ይርከብዎ። እንተኾነ ብፍላይ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ፡ ነቲ ሒዝዎ ዘሎ ኣብ ትጅቲ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ መሬት፡ “ብሓይሊ ተወሲዱ ዝነበረ ብሓይሊ ዘምለስናዮ መሬትና እዩ” ብዝብል፡ ካብኡ ክወጽእ ፈቓደኛ ኣይኮነን።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ነቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን “ናተይ ናተይ” ዝብልዎ ዘለዉ ክልተ ጫፋት ገዲፉ፡ መፍትሒ ኢሉ ዘቕረቦ እማመ ኣለዎ። እቲ እማመ “ዝተመዛበሉ ትግራዎት ናብ መረበቶም ክምለሱ፡ ምስተመለሱ ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሖ ነባራይ ብሓባር መራሕቶም ክመርጹ፡ ብዘይካ ናይ ፈደራል ናይ ክልቲኡ ክልላት ዕጡቓት ኣይኣትዉን፡ ፈደራላዊ ሰራዊት ጸጥታ የኽብር፡ እቲ ዝምረጽ መሪሕነት ርክቡን በጀቱን ብቐጥታ ምስ ፈደራል ይኸውን፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ብቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ብዝካየድ ረፈረንደም እቲ መሬት ንሓዋሩ ምስ ኣየንኡ ክልል ከም ዝመሓደር ይውሰን” ይብል።
እዚ እማመ ፈደራል ብወግዒ ብክልቲኡ ክልላት ተቐባልነት ኣይረኸበን። ኣብ ትግራይ ግና ነዚ እማመ እቲ ሓደ ተቐቢልዎ እቲ ካልእ ድማ ኣይተቐበሎን ዝብል ምክሳስ እዩ ዝንጸባረቕ ዘሎ። እቲ ነዚ እማመ ኣይተቐበሎን ዝበሃል ወገን፡ ኩነታት “ምሉእ ብምሉእ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበሮ ክምለስ ኣለዎ” ዝብል ሓሳብ ዘንጸባርቕ እዩ። “ንምምላስ ህዝቢ ቀዳምነት ዝህብን ንምምላስ መሬት ዘቐድምን” ዝብሉ መከራኸሪ ሓስባት ከኣ ዘሰሓሕቡ ዘለዉ እዮም።
እቲ ካልእ ዝተመዛበልቲ ንከይምለሱ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ምክፍፋል ተጋሩ ፖለቲከኛታት እዩ። ምኽንያቱ ውዕል ፕሪቶርያ ምትግባር ብዝብልከት፡ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብርዎ ምይይጥ ሓድነት ስለ ዘየብሉ ክብደት ክረኽቡ ኣይከኣሉን።
እቶም ኣብ መቐለ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዘለዉ ተመዛበልቲ ዘቕርብዎ መጸዋዕታ ከኣ ብዘይካ “ናብ መረበትና ምለሱና” ብዛዕባቲ ተፈጢሩ ዘሎ ዓንቃፊ ምስሕሓብ ዘቕርብዎ ሓሳብ የለን። ነዚ ሓፈሻዊ ኩነታት ተዓዚቦም፡ ምናልባት ኣብ ትግራይ ናብ ውግእ ሕድሕድ ዘእቱ ምዕባለ ከይፍጠር ዝሰግኡ ውሑዳት ኣይኮኑን።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር፡ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ከምዘይግባእ ተሰማሚዖም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣብ ክንዲ የማነ ገ/ኣብ ዘስነዮ መጋይሽቱን ኣብቲ ስሉሳዊ ኣኼባ
ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ግብጺ፡ ብስም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ኣብ ካይሮ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብላ ሃገር ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ክትሃንጽ ፍጹም ተቐባልነት ዘየብሉ እዩ ክብል ምግላጹ ኣህራም ኦንላይ (Ahram Online) ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ። ሚኒስተር ባድር ነዚ ዝገለጸ ኣብ መዛዘሚ ኣኼባ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን እዩ።
እቲ ሚኒስተር ዝምድና ሰለስቲአን ሃገራት ጽቡቕ ይቕጽል ከም ዘሎ ጠቒሱ፡ ቀጻሊ ስሩዕ ኣኼባታት ናይ ምክያድ መደብ ከም ዘለዎም እውን ኣስፊሩ። ቀጻሊ ኣኼባኦም ኣብ መቃድሾ ከም ዝኸውን ብምጥቃስ ድማ ኣብዚ ቀረባ ናይ መራሕቲ ሃገራት ኣኼባ ከም ዝህልዎም ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ግዜ መራሕቲ ሰለቲአን ሃገራት ኣብ ኣስመራ ተኣኪቦም ዝበጽሕዎ ኪዳን ከም ዘተግብሩ ከኣ ሓቢሩ።
ሚኒስተር በድር ዋላኳ ነቲ ኣብ መንጎ ሶማሊላንድን ኢትዮጵያን ቅድሚ ሓደ ዓመት በጺሐነኦ ዝነበራ ምርድዳእ ዝጻረር ብዝመልስ፡ “ኣንጻር ልኡላውነት ሶማሊያ ንዝውሰድ ስጉምቲ ንጻረሮ ኢና” እንተበለ፡ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወገኖም፡ ከም መቐጸልታ ናይ ኣንካራ ውዕሎም፡ ዝነበሮም ፍልልይ ከወግዱን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናኦም ናብ ንቡር ክመልሱን ምስምምዖም ኣዊጆም እዮም።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ብዛዕባ ጸጥታ ሶማሊያ ተመያይጥና ክብል እንከሎ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብወገኖም፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንምውሓስ ጸጥታ ክልቲአን ሃገራትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብሓባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ ኣስፊሮም እዮም። ምስዚ ኣተሓሒዙ ድማ ግብጺ ኣካል ናይቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ናብ ሶማሊያ ዝዋፈር ዓቃብ ሰላም ክትከውን እያ ክብል እንከሎ፡ ኢትዮጵያ ብወገና ተሪር ኣካሉ ናይ ምዃን ሕቶ ኣቕሪባ ኣብ ውድድር ስለ ዘላ ሕብረት ኣፍሪቃ ንምውሳን ተጸጊምሉ ዘሎ እዩ።
ምስዚ ኣተሓሒዘ ሰለስቲኦም ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ሓድነት ሱዳን ኣብ ምሕላው ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ ጠቒሱ። ብናይ ብዙሓት ትዕዝብቲ ዋላኳ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብስም ሰለስቲኦም እንተወጸ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ካብ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሶማሊያ ዘካይደኦ ዘለዋ ኢድ ኣእታውነት ዝተንጸባረቐሉ እዩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እቲ ኢስያስ ኣብ ኣስመራ ዘቖሞ ኪዳን ኤርትራ፡ ግብጽን ሶማሊያን፡ ሓደ ወርሒኳ ከይጸንሐ ዝኹለፍ ዘሎ እዩ ዝመስል። ምኽንያቱ ከኣ ጉዳይ ሶማሊያ ኢሳያስ ክዝውሮ ዝኽእል ዘይኮነ፡ ብዙሓት ጸለውቲ ወገናት ዝተሰለፍሉ ብምዃኑ።
መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድናአን ናብ ንቡር ክመልሳ፡ ናይ ሓባር ጸጥታአንን ቁጠባአንን ከሕይላን ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ ክሰርሓን ተሰማሚዐን። እዚ ዝተገልጸ መራሕቲ ክልቴን ሃገራት ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ፕረሲደንት ሸኽ ሓሰን ማሕሙድን ብ11 ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቦም ድሕሪ ዘካየድዎ ልዝብ ብዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ እዩ።
በቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ምሰረት፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ዋና ከተማ ክልቲአን ሃገራት ዲፕሎማሲያዊ ትካላቶም ናብ ዝነበሮ ብምምላስ፡ ናይ ሓባር ኣስተዋጸኦ ዘመዝግብሉን ዞባዊ ምርግጋእ ዘረጋግጽሉን ስረሓት ንክዓሙን ከም ዝተሰማምዑ ኣብቲ ርክቦም ኣረጋጊጾም። ኣብ ኣድላይነት ምርግጋእ ዞባዊ ኩነታት ናይ ሓብር ተረድኦ ንምሕዳር ዝያዳ ክጽዕሩ ምስምምዖም እውን ኣብቲ ናይ ሓባር መግለጺ ተመልኪቱ።
እቶም መራሕቲ ኣብ ምሕያል ናይ ሓባር ንግድን ወፍርን፡ ከምኡ ከኣ ናይ ሓባር ጸጥታ ኣብ ምውሓስን ጸረ ሰላም ሓይልታት ኣብ ምምካትን ከም ዝሰርሑ ክሰማምዑ እንከለዉ፡ ንክልቴቲኣን ሃገራት ዘራኽብ ትሕተ-ቅርጻ ኣብ ምዝርጋሕ ከም ዝሰርሑ ከም ዝተረዳድኡ ኣስፊሮም።
ምስ ብዝተተሓሓዘ፡ ነቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ ናይ ሓደ ዓመት ወጥሪ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2024 ኣብ ዋና ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ዝበጽሕዎ ስምምዕ ክዕቅብዎ ድልዋት ምዃኖም ደጊሞም ከም ዘረጋገጹ ኣብቲ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺኦም ኣፍሊጦም።
እዚ ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ሶማሊያን ግብጽን ብተበግሶ ኢሳያስ ዝፈጠረ “ኪዳን ኣስመራ” ዝብል ስም ዝተዋህቡ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ምንባሩ ብዙሓት ዝኣምንዎ ውዕል ከም ዝገትኦን ሓድሽ ኣሰላልፋ ከስዕብ ከም ዝኽእልን ይግመት።
ባህግና Bahgna Media 12.01.2025 ብምስምስ ንድሕሪት ዘይምለስ ውሳኔ ዶብ፡ ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን
Written by Bahgna MediaMedia
ብወይዘሮ ፎዚያ ሓሽም ዝተባህለት ኣገልጋሊት ዲክታተር ኢሳያስ፡ ስማዊት “ሚኒስትሪ ፍትሒ ኤርትራ” ዝምራሕ፡ ናይ 2024 መደባተይ ዝግምገምኩሉን ናይ 2025 ዓመታዊ ትልሚ ዝሕንጽጸሉን ሰሚናር ኣካይደ ምባሉ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዘገረመን ከም ዘቖጠዐን፡ ብዙሓት ኤርትራዊ ማሕበራዊ መድያታት ኤርትራ ኣንጸባሪቐ።
ኣብቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኣብያተ-ፍርድን ኣኽበርቲ ሕግን ተሳቲፈምዎ ዝተባህለ፡ ብ9 ጥሪ 2025 ዝተጋበአ ኮንፈረንስ፡ እታ ሚኒስተር ናይ 2025 ትልሚ ስራሕ ኣቕሪባ ተባሂሉ። ኣብቲ ትልማ ብዘይሕፍረት መስርሕ ፍትሒ ኣብ ኤርትራ፡ ማዕረቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ መነባብሮን ናይ ፍትሒ ባህግን ብዘሳኒ ክዕመም ከም ዝጸንሐ ዝብል ኣብ ባይታ ዘየለ ገምጋም እያ ኣቕሪባ። ንድሕሪት ተመሊሳ ድማ ኣብ ዓመተ-2025 መስርሕ ምሕያል ፍትሕን ምንዳፍ ሓደስቲ ሕግታትን ዝምልከት መደባት ከም ዘለዋ ጠቒሳ። እዚ ድማ ከምቲ ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ህዝቢ ንምዕሻው ዘይትግበር ቃል ዝኣትዎ መደንዘዚ መብጸዓ እያ ኣስሚዓ።
ነዚ ዝተኸታተሉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ብኩራት ፍትሒ ዝፈልጡን ኤርትራውያን፡ ኣብተን ልዕሊ 300 ዝኾና ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝሳቐዩ ዘለዉ ግዳያት ንዝያዳ 30 ዓመታት፡ ናብ ቤት ፍርዲ ምቕራብስ ይትረፍ፡ ኣበይ ተኣሲሮም ከምዘለዉኳ ዘይፍለጡ ከም ዘለዉ ዘኪሮም። እዞም ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ብዘይፍርዲ ይሳቐዩ ኣብ ዘለዉላ ኤርትራ ከምዚ ዝኣመሰለ ብደዐ ናይ ምስማዕ ድፍረት ከም ዘሕዘኖም ከኣ ጠቒሶም። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣቀራርባ ፊዚያ ሓሽም ካልእ ገጽ ንዕቀት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕገ-መንግስታዊ መቆጻጸርን ዋሕስን ኣብ ዘየብሉ፡ ብዝተፈላለዩ ግህሰታት ናይቲ ጉጅለ ይሳቐ ኣብ ዘለወሉ፡ “ኣብ ኤርትራ ፍትሓውን ፍርዳውን ኣገልግሎት ኣሎ” ምባል ጥራይ ወሲድካ፡ ክሳብ ክንደይ ህግደፍን ኣካላቱን ምስቲ ኤርትራዊ ክውንነትን ዝጻረሩ ምዃኖም ምግንዛብ ዘጸገም ኣይኮነን።
ስነ-ጥበባዊ ነጋሽ ተኪኤ፡ ኣብ ላጉየን ከበሳ ጭዋ ብ1941 እዩ ተወሊዱ። ኣብ 1959 ድማ ክኢላ ትራምፔት ኮይኑ ኣብ ፖሊስ ኦርኬስትራ ኤርትራ ንስነ-ጥበብ ከም ዝጀመሮ፡ ምስ ተለቪዝዮን ኤሪሳት ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ነጋሽ ሓደ ካብቶም ናይ 60ታት ህቡባት ስነ-ጥበባውያን ኤርትራውያን ኮይኑ፡ ኣብ ምድራፍ፡ ምህርም መሳርሒ ሙዚቃን ዜማታት ኣብ ምውጻእን ክኢላ ምንባሩ ድማ ኣብ ታሪኽ ህይወቱ ተጠቒሱ እኳ እንተሎ እንምስክሮ እውን’ዩ። ነጋሽ ተኪኤ ክሳብ 4ተ ኣልበም ደርፍታት ንህዝቢ ኤርትራ ዘበርኪቱ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ እንከሎ ድማ፡ “ወይዘሮ ፋና ዘመድ ኩልና፡ ወዮ ትባናስ ሃባና ደንጒኽናና” ከምኡ’ውን “ፍረወይኒ ፍረወይኒ፡ ናፊቐኪ ርኣይኒ” ብዝብሉ ደርፍታቱ ከኣ ዝያዳ ትፈላጥነት ነይርዎ።
ነጋሽ ካብ 1968 ጀሚሩ ኣባል ውሽጣዊ ስርርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ክቃለስ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብ 1975 ድማ ከም ኩሎም ኤርትራውያን ስነ-ጥበባውያን ንሜዳ ወጺኡ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ድሕሪ ወተሃደራዊ ፖለቲካውን ትምህርቲ ምውሳዱ ኣባል ክፍሊሙዚቃ ተሓኤ ኮይኑ ብሞያኡ ተመዲቡን ተቓሊሱን። ነጋሽ ነቲ ዝጸንሖ ናይ ዜማ ምውዳድ ክእለት ኣብ ሜዳውን ብምቕጻል፣ ነታ ብንጉሰ ሃይለ መንሰዓይ ዝተደርሰት “ኣይትደልን እያ ኤርትራ ናይ ጽባሕ” እትብል ህብብቲ መዝሙር ዜማ ዘውጽኤን ካብ ዝተሳተፉ ዘመርትን ድማ ነጋሽ ሓደ ነይሩ። ኣብ ግዜ ስደቱ ካብ ዝደረፈን ከኣ “ሓምድ ዓዋት፡ ሰምበለይ፡ ዋሕስ ህይወተይ፡ ካባይ ኣይትርሓቒ፡ ወይዘሮ በለጡን ወርሒ ደሚቓን” ዝኣመሰሉ ንታሪኽ ጀጋኑ ዝግልጽ፡ ክብሪ ሃገርን ከባብን ዘመጉስ ንፍቕርን ስኒትን ዋጋ ዝህብ መዛሙር ይርከብዎም።
ብሱዕድዓረብያ ኣቢሉ ናብ ሃገር ጀርመን ምስ ኣተወ፡ ኣብ ፍራንክፈርት ይካየድ ኣብ ዝነበረ ብተጋድሎ ሓርነት ኢርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝዳሎ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ካብቶም ንተጽዕኖ ህግሓኤ ነጺጎም ኣብ ዕላማ ተጋድሎኦም ጸኒዕም ዝተቓለሱ ሓደ ድማ ነጋሽ ነይሩ። ኣብ ካስል ኣብዝቐጸለ ፈስቲቫል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ’ውን ምስ ስዉእ ኢዮብ ሃይል ንስነ ጥበባዊ ክእለቶም ልክዕ ከምቶም ካላኦት ኣባላት ኣብ ስርሕ ተመዲቦም ዘካይድዎ ዕማማት ምዃኑ ተገንዚቦም፣ ብናጻን ብወንን ክኢላዊ ኣገልግሎት ካብ ዘበርከቱ እዮም።
እነሆ ድማ ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ቀዳማይ ሰሙን ወርሒ ጥሪ ዕለት 06.2025 ዓሪፉ ዝብል መርድእ ብከቢድ ሓዘንን ስንባደን ሰሚዕና። ነጋሽ ብዝገደፎ ቅርሲ ስነጥበብን ብደቑን እንዳተዘከረ ዝነብር እዃ እንተኮነ፡ ብስም ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕረፍቱ ዝተሰመዓኒ መሪር ሓዘን እናገለጽኩ፡ “ንመዋቲ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶ፡ ንቤተሰቡን ፈተውቱ ድማ ጽንዓትን ኣኻእሎን ይሃቦም” እናበልኩ፡ ናይ ሓዘንኩም ተሳታፊ ምዃነይ እገልጽ።
ገረዝጊሄር ተወልደ
ኣቦመንበር ሰዲህኤ
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፓ.ሓ.ኤ ምስ ዞባታት ኣመሪካን ኣውሮጳን ኣኼባ ኣካይዱ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ፖ.ሓ.ኤ
8 ጥሪ 2025
ላዕለዎት ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት ውደባ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ)፡ ብ5 ጥሪ 2025 ምስ ወክልቲ ዞባ ሽማግለ ሰሜን አሜሪካን ኣውሮጳን ተራኺቦም አኼባ ኣካይዶም። እዚ አኼባ`ዚ ብሓው ተሰፋይ ወ/ሚካኤል አባል ፈጻሚት ሽማግለ ፖ.ሓ.ኤን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውደባን፥ ከምኡ’ውን ብኣባላት ማ/ መሪሕነት ዝዀኑ ምምሕዳር ሽማግለ ቤት ጽሕፈት ውደባ. ዝተመርሐ ኰይኑ፡ ንኻልኣይ ዙር ዝግበር ዘሎ ምዃኑ`ዩ።
ኣኼባ፡ ብእንቛዕ ድሓን መጻእኩምን ርሑስ ቅንያት በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና ብዝብል ናይ ሰናይ ድሌት መልእኽቲ ክቡር ሓው ተስፋይ ወ/ሚካኤል ኢዩ ተኸፊቱ። ኣኼባ ዝዛረበሉ ዛዕባታት ንምንታይ ዝዓለመ ምዃኑን እንታይ ትጽቢት ይግበረሉን ኣመልኪቱ ሓጺር መብርሂ ሂቡ። አስዒቡ ማእከላይ መሪሕነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ) ብ30 ሕዳር 2024 ካልኣይ ምዱብ ኣኼባኡ አካይዱ ከምዝነበረ አዛኻኺሩ። ኣብኡ ዝጸደቑ መደብ ዕዮታት ንምትግባር ከኣ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚት ሽማግለ መደባተን ሰሪዐን ኣብ ስራሕ ተዋፊረን ከምዘለዋ ድሕሪ ምሕባር፥ እዞም ዝስዕቡ ንውዳበታት ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ኣውሮጳን ዝምልከቱ ሰለስተ ዛዕባታት ንምምይጥ ቀሪቦም።
1. ሓበሬታታት ብዛዕባ አቃውማ ውደባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት
2. ህልው ኩነታት ዞባ ሰሜን አሜሪካን ኣውሮጳን
3. ሓፈሻዊ መድረኻዊ መደባት ቤት ጽሕፈት ውደባ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካን አውሮጳን።
ተሳትፍቲ አኼባ፡ እቲ ዝድለ ሓበሬታታት ድሕሪ ምልውዋጥ፡ ወከልቲ ክልቲአን ሽማግለታት ዞባታት ህልው ኩነታት ዞባታቶም ኣመልኪቶም ንጹር ስእሊ ከርኢ ብዝኽእል ኣገባብ ዝርዝር ሓበሬታ ኣቕሪቦም። ክልቲኦም ዞባታት ድማ ነቲ ድሮ ተጀሚሩ ዝጸንሐ ስርሓት ኣብ ዝማዕበለ ደረጃ ከሰጋግርኦን ንስጡም ውዳበ ምቹእ ባይታ ክፈጥራ ዝኽእላ ድልዱላት ጨናፍር ክቖማን ዝከኣሎም ጻዕርታት ከካይዱ ምዃኖም ቃል አትዮም።
ብቤት ጽሕፈት ውድባ ንሓፈሻዊ መድረኻዊ መደባት ዝቐረበ ንድፊ ሓሳባት ዝድለ ምይይጥ ድሕሪ ምግባር፥ ከም ስሉጥ መሳርሒ ኮይኖም ከገልግሉን ንመጻኢ ክትግበሩን ዝበልዎም ኩሎም ተሳተፍቲ ዝተሰማምዕሎም 7 ነጥብታት ዝሓዙ መደባት ኣነጺሮም።
አብ መጨረሻ፡
- ኣብ ናይ ሰለስተ ኣካላት ውድባትና ዝጸንሐ ልምድታት/ባህልታት ክቀራረብን ክወሃሃድን ልዑል ጻዕርን ምርብራብን ክግበር፥
- ነፍስወከፍ ኣባል አብ ኩሉ ጽፍሒ ተወዲቡ ዝቃለስ ንቻርተር ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖ.ሓ.ኤ.) ብግቡእ ተረዲእዎ፡ ብእኡ መጠን ድማ ክሰርሓሉ ዝብሉ ለበዋታት ብምቕራብ ኣኼባኡ ዛዚሙ።
More...
ዲፕሎማሲያዊ ማሕበረሰብ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ከይንቀሳቐሱ ተሓቢሮም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣባላት ኤምባስታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ንዝገብርዎ ምንቅስቓስ ኣቐዲሞም ካብ ዝምልከቶ ኣካል መንግስቲ ፈቓድ ክሓቱ ከም ዝግበኦም ብደብዳበ ምግላጹ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቲ ደብዳበ ብስራሕን ብግልን ንዝግበር ምንቅስቓስ ፈልዩ ከም ዘይጠቐሰ ከኣ ምንጭታት ናይታ ጋዜጣ ሓቢሮም። እቲ ሚኒስትሪ ቅድሚ ሕጂ እውን ተመሳስሊ ደብዳበ ጽሒፉ ከም ዝነበረን ዳግማይ ክጽሕፍ ዝተገደደ ምኽንያት ገለ ዲፕሎማሲያዊ ኣካላት ሰለ ዘየኽበርዎ ምዃኑ ኣብቲ ደብዳበ ተጠቒሱ።
ሓደ በዓል መዚ ናይቲ ሚኒስትሪ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ሓያሎ ሰራሕተኛታት ኤምባሲታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ብዘይፈቓድ ናይቲ ሚኒስትሪ ናብ ትግራይ ክጐዓዙ ከም ዝጸንሑ ሓቢሮም። ብዘይካዚ ናብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን እውን ተመሳሳሊ ጉዕዞ ክካየድ ከም ዝጸንሓ እንተኾነ ናይቲ ምስ ሓለፍቲ ክልላት ዝግበር ርክብ ግቡእ ጸብጻብ ናብቲ መንግስቲ ክቐርብ ከምዘይጸንሐ ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዙ ከኣ መንግስቲ እዞም ዝተጠቕሱ ኣካላት ካብ ከተማ ክወጹ እንከለዉ ሓለዋ ናይ ምምዳብ ግደታ ከም ዘለዎ እውን ሓቢሩ።
ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ኢትዮጵያ ውግእ ትግራይ ኣብ ዝተጀመረሉ ግዜ’ውን ኣባላት ኤምባሲታትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ዘካይድዎ ኣኼባታት ከይተረፈ፡ ኣቐዲሞም ፈቓድ ንክሓቱ ኣፍሊጡ ከም ዝነበረ እቲ ዜና ሪፖርተር ጠቒሱ።
ተዓዘብቲ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መምርሑ ምውጻኡ፡ ነቲ ናብ ክልል ትግራይ ክግበር ዝጸንሐ ዋሕዚ ኣንበሳድራትን ሓለፍቲ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ንምቁጽጻር እዩ ይብሉ።
ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ፡ ዝተሓላለኸን ብነዊሕ ተመኩሮን ውረድ ደይብን ክሓለፍ ዝጸሐን ዘሎን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ከምኡ ብምዃኑ ከኣ ብቐሊሉ “ከምዚ ነይሩን እዩ” ኢልካ ብቐሊሉ ዝግለጽ ኣይኮነን። እንተኾነ ንህልዊ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በቲ ሓደ ወገን ህዝቢ ጠሊሙ ስልጣን ዝበሓተ፡ ዓመጸኛ ጉጅለ ህግደፍ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ፡ “ኤርትራ በዚ ዘላቶ ክትቅጽል ኣይትኽእል’ያ” ዝብል ነዊሕ ዝዕድመኡ እናሓደረ ድምጹ ዝብርኽ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ እዩ ኢልካ ምግላጾም ይከኣል። ኣብዚ ክልተ ደንበታት ዘይዋሳእ፡ ድምጹ ዘጥፈአ እቲ ዝበዘሐ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾነ ከኣ ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ እዞም ክልተእቲ ሓደ ኣንጻርቲ ካልእ ዝተሰለፉ ወገናት፡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት የለን ማለት ኣይኮነን። ኣብቲ ህግደፍ ናተይ ዝብሎ ደንበ፡ በብግዜኡ ዝተፈላለዩ መልክዕ ዝሓዙ ርኢቶታት ክቀላቐሉ ከም ዝጸንሑ ዝፍለጥ እዩ። ህግደፍ ብዘይካቲ ብግሉጽ ብደንበ ተቓውሞ ዘጋጥሞ እምቢታ፡ ኣብ ውሽጡ ገሊኡ ብጋህዲ ገሊኡ ድማ ብውሽጣዊ ምጉርምራም ንዝፍጠር ዘይምእዙዝነት ዝከላኸለሉ ስልትታት ኣዝዩ ጨካንን ዘይሰብኣውን እዩ። እቶም በብግዜኡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሰራዊትን ዘካይዶ፡ ምፍርራሕ፡ ምእሳር፡ ምስዋርን ብዘይፍርዲ ምቕንጻልን ካብቶም ኣብ ውሽጡ ንዝፍጠሩ ዘይምእዙዝነታት ንምውጋድ ዝወስዶም ስጉምታት እዮም። ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ክስደዱ ካብ ዝግደድዎም ምኽንያትታ እቲ ቀንዲ ካብዞም ርህራሀ ዘየብሎም ስጉምትታት ህግደፍ ንምድሓን እዩ ኢልካ ምግላጹ ይከኣል። እንተኾነ “ስደትከ መሰረታዊ መፍትሒ ድዩ ኣይኮነን?” ዝብል ሕቶ ጌና ኣብ ኤርትራውያን ኣዛራቢ ዛዕባ ኮይኑ ዝቕጽል ዘሎ እዩ።
ፖለቲካዊ ክብደት ናይቲ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ ዝጸንሐን ዘሎን ደንበ ተቓውሞ ጌና ክንድቲ ዝድለ ዘይተመሓደረ ዝተፈላለየ ኣተሓሳባ ዝሓቖፈ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ናይ ቃልሲ ዓቕሙን ግዜኡን ካብቲ ኣንጻር ህግደፍ ዘውዕሎ ንላዕሊ ኣብ ውሽጣዊ ምትህልላኽን ምስሕሓብን ከባኽኖ ከም ዝጸንሐ ከነእርሞ እምበር፡ ክንሓብኦ ዘይንኽእል ኣሉታዊ ተመኩሮ እዩ። ክሳብ ሎሚ ካብዚ ዘየሕጉስ ተመኩሮና ተማሂርና ከምቲ ክንኮኖ ዝግበኣና ዘይምዃና ከኣ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ብሰንክዚ ምፍልልያትካ ናይ ምምሕዳር ሕጽረት፡ ማዕጾ ህግደፍ ሰይሩ ዝኸፍት ዓቕሚ ክንፈጥር ዘይምኽኣልና ዘየቕስን ኮይኑ ዘሎ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ደንበ ተቓውሞ በቲ ዘርእዮ ድኽመት፡ ካብቲ ንገዛእ ርእሱ ተመሊሱ ዝጉድኦ፡ ንህግደፍ ዝጠቕሞ ይዓዝዝ ዝበሃል። ምኽንያቱ ዕድመ ህግደፍ ክሳብ ክንድዚ ምንውሑ ብዘለዎ ዓቕምን ህዝባዊ ተቐባልነትን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቲ ንለውጢ ዝቃለስ ዘሎ ኤርትራዊ ወገን ምዃኑ፡ ቅድሚ ሕጂውን ምርድዳእ ዝተበጽሓሉ ሓቂ ስለ ዝኾነ። እዚ እዩ ድማ “ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን” ወይ “ገ ኣንዳበሉኻ ዶ ትጋገ” ዘብለና።
ኣብ መንጎ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ናይ “ነቲ ካብ ቃልሲ ደስኪሉ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል መን ኣብ ጐኑ ኣሰለ?” ውድድር ከም ዘሎ ርኡይ እዩ። ደንበ ተቓውሞ ነቲ ኣብ ጐኑ ንክስለፍ ዝጽወዖ ደስኪሉ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ዝኣትወሉ ናይ ቃልሲ ቃል፡ ምስቲ ድሕሪ ምውጋድ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ዝረጋገጽ፡ ሰላም፡ ዕቤት፡ ዲሞክራሲ፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ምዕቃብ ኩሉ መሰላት ዝወሓስ ራህዋን ቅሳነትን ዝተሓሓዝ እዩ። ህግደፍ ብኣንጻሩ ዋና ባንክን ታንክን ኮይኑ ንግዜኡ ዝኣስርን ዝፈትሕን ዝቐትልን ዝምሕርን ኮይኑ ሃገር ብምሓዙ ስለ ዝምካሕ፡ ፡ መሳርሕየይ እንተዘኮንካ፡ ኣብ ገዛእ ዓድኻ ገዛን መሬትን ኣይትውንን፡ ከም ድላይካ ካብን ናብን ከባብታት ኤርትራ ኣይትንቀሳቐስን፡ ካብ ወጻኢ መጺእካ ኣብ ቤተሰባዊ ሓጐስን ሓዘንን ኣይትሳተፍን ሕሉፍ ሓሊፉ ከኣ ኣብ መሬት ሃገርካ ኣይትቕበርን ዝብል ምፍርራሕ እዩ ዘዘውትር።
ኣብ ክንዲ መጻኢ ኣማዕዲኻ ተቓሊስካ መሰላትካ ምውሓስ፡ ብሰንክ’ዚ ዓመጸኛ ምፍርራሕ ህግደፍ፡ ኣቋራጭ መንገዲ ብምምራጽ፡ “ቅዱም ኣይኽፋእ” ኢልካ ኣንጻር ረብሓኻ ኣብ ጐኒ ህግደፍ ምስላፍ ዝመርጹ ምህላዎም ንርእዮ ዘለና ግጉይ ሕርያ እዩ። እዚ ግምት ዘይኮነ ብዙሓት ርኢቶኦም “ብምስጢር ክዕቀበሎም” እናተሓሳሳቡ፡ ንህግደፍ “ምሳኻ ኣለና” እናበሉ፡ ኣምሪሮም ክነቕፉ ይስምዑ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ሓሓሊፉ ናይ ህግድፍ ድፍኢትን ዘይቅዱስ መጠበርን ተወሲኽዎ፡“ዕባራ ምኽንያታት” ብምፍጣር፡ ካብ ተቓውሞ ዘንዘልሕጡ ምህላዎም ዝስማዕን ዘሎ እዩ።
ኣብ መንጎ’ዞም ተጻረርቲ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተዋሳእቲ ወገናት፡ እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ሓጹር ጥሑሱ ሰዓብቱ ከብዝሕ ክቃለሱ ንቡርን ብግብሪ ክረአ ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ኣብዚ ተዓዋቲ ንምዃን ከኣ ነዊሕ ኢድን ሓያል ዓቕምን የድሊ። እቲ ቀንዲ መሳርሒ ግና ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ ወጊንካ ኣካይዳኻ ኣዋዲድካ ተበሃጊ ክትከውን ምኽኣል እዩ። ህግደፍ ብመንጽርዚ መመሊሱ ሰሓብነቱ ዘንቆልቁል እምበር፡ ብርትዓዊ ሚዛን ክረአ እንከሎ፡ ካብ ደንበ ተቓውሞ ወጺእካ ክትስዕቦ ዘብህግ ፖለቲካዊ መንነት የብሉን። ኣብቲ ናይ ቀደሙ ምጽሕታር ውግእን ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ምእታውን እንተዘይኮይኑ፡ ሓድሽ ግብራዊ ናይ ዲሞክራስን ልምዓትን ቋንቋን ግብርን የብሉን። እቲ ሓሓሊፉ ዘስምዖ ናይ ልምዓት፡ ወፍርን ሰላምን ዝመስል ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝምህዞ ተዘይኮይኑ፡ ዝትግበር ኣይኮነን። ምስዚ ኩሉ ግና ንፍሉይ ተልእኮ ካብ ቅድሞም ድዮም ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኣድብዮም ጸኒሖም ወይ ኣብ መስርሕ ብዘጥረይዎ ጣዕሳ ብዘየገድስ፡ “ንቃልሲ ዘየገልግሉ ሓረጋት” ብምምዛዝን ሓላይ ሃገርን ህዝብን መሲልካ ብምቕራብን፡ ሓሓሊፎም ናይ ህግደፍ ድምጺ ከቃልሑ ይስምዑ እዮም።
ስለዚ ሎሚ እውን በዚ ኮነ በቲ፡ እቲ መዋጸኦ ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮ ተማሂርካ፡ ኣብ መንጎ ህግደፍን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ዘሎ ፍልልይ ብግቡእ ተገንዚብካ፡ “ይኣክል ግዳይ ህግደፍ ምዃን“ ዝብል ጭረሖ ኣሕዲስካ፡ ብሓባር ክትወስዶ ዝግበካ ስጉምቲ ምውሳድ እዩ። ናብዚ ንምብቃዕ ድማ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግበእ ኣብ ናይ ሓባር መድረኽ ክትዋሳእ ምብቃዕ እዩ።
ሚካኤል ሩቢን ዝተባህለ ጸሓፍን ተመራማርን፡ ኣብታ ሃብታምን ብብዝሒ ህዝቢ 2ይ ደረጃ እትሕዝን ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ እትርከብ ኤርትራ ለውጢ ንክመጽ “መንግስቲ ኣሜሪካ ክትሕግዝ ኣለዋ” ክብል ኣብዚ ቀረባ ብዘውጸኦ ሰፊሕ ጽሑፍ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣሜሪካ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ማዕረ ናይ ኤውሮጳን ኤስያን ክትርእዮ ከምዘይጸንሐት እውን ኣስፊሩ።
ሩቢን ኤርትራ ብመንጽርቲ ኣብ 1993 ዝዓተረቶ ነጻነት፡ ብዕቤት ኣዝያ ክትስጉም ነይሩዋ ምስ በለ፡ ንታሪኻውነት ከተማ ኣስመራ ንኡዱ፡ ብሰንክቲ ኣብ ግዜ ነጻነት ተቓባልነት ዝነበሮ፡ ደሓር ግና ዝተጸልአ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብዙሕነት ኤርትራ ጠንቂ ዘይምርግጋእ ከም ዝኾነ ዝምልከት ዝርዝር ኣስፊሩ። ኢሳያስ መላኺ መንገዲ ተመኩሮ ግብጺ ወይ ኣዘርባጃንን ከም ዝመረጽ ከኣ ጠቒሱ። ናይቲ ዙምባበ ሃብታምን ብልጽግትን ክትከውን ዝምነ ዝነበረ፡ ብግብሪ ግና ኣብ ናይ 37 ዓመት ግዝኣቱ ናብ ውድቀት ዘምረሓ ሮበርት ሙጋበ ተመኩሮ’ ዝተኸተለ ከም ዝመስል’ውን ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ብምቕጻል ድማ ኢሳያስ ዘለዎ ናይ ምምሕዳር ዘይምብቕዓት ንምሽፋን፡ ናይ መራሒ ዒራቕ ነበር ሳዳም ሑሴን ተመኩሮ ተኸቲሉ ብተደጋጋሚ ኣብ ምውኣት ብምእታው ንኤርትራ ኣማሲኑ ንመንእሰያታ ናብ ባርነት ኣእትይዎም ኢሉ። በዚ መሰረት “ፍሪደም ሃውስ” ዝተባህለ ትካል ኣብ 2024 እውን ንኤርትራ ከም ሰሜን ኮርያ ከም ዝሰየማ ድማ ሓቢሩ።
ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ጨካን ምምሕዳር ኢሳያስ ካብ ባርነት ንምድሓን ናብ ስደት ኣምሪሖም ምድረ-በዳታትን ባሕርን ሓሊፎም ናብ ኤሮጳን ኣሜሪካን ከም ዝኣትዉ ብምሕባር ድማ፡ ምምሕዳር ኢሳያስ ዋላውን ኤርትራዊ ዜግነቶም ንዝገደፉ ብኢምባሲታቱ ኣቢሉ ገንዘብ ክኸፍሉ ከም ዘገድዶም ኣቃሊዑ። ከምቲ ልሙድ ኢምባሲታት ኣብ ምፍጣር ዝምድናን ባህሊ ሃገረን ኣብ ምልላይን እየን ክሰርሓ ዝግበአን ምስ በለ ከኣ፡ ናይ ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ዲፕሎማት ግና ገበናት ኣብ ምፍጻም እዮም ዝጽመዱ ክብል ኣብቲ ጽሑፉ ኣመልኪቱ። ብፍላይ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ሓላፍነቶም ተጠቒሞም፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታቶም እንተላይ ኣብ ሃገር ንዘለዉ ቤተሰቦም ተጽዕኖ ዝፈጥር ገበን ይፍጽሙ ክብል ኣስፊሩ።
ምካኤል ሩቢን፡ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኣንበሳደር ኤርትራ ኣብዚ ቀረባ ብዛዕባ ራብዓይ ግንብባር ህግደፍ ኣብ ወጻእን መራሒ ኢትዮጵያን ዝበሎ ዘይሓላፍነታዊ ኣገላልጻ ዳህሲሱ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝርከብ ኤምባሲን ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝዋስኡን ኤርትራውያን ካብቲ ዝተመደብዎ ቦታ ኣብ ዙርያ 25 ማይልስ ጥራይ ክንቀሳቐሱ ከም ዝፍቀደሎም ጠቒሱ፡ ክፍሊ ፍትሒ ኣሜሪካ እቲ ኤምባሲ ከም ሰራሕተኛታቱ ብዘይተመዝገቡ ንዝገብሮ ጥሕሰት ሕጊ ምንቅስቓስ ንክቆጻጸር ጸዊዑ።
ክፍሊ ገንዘብ ኣሜርካ ድማ ኣብ ልዕሊ ከም ሂንቦል ዝኣመሰሉ ገንዘባዊ ትካላት ኤርትራ ምቑጽጻሩ ከሕይል ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ድማ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ኤርትራ ክፍጠር ዝኽእል ሰለ ዘይፍለጥ መንግስቲ ሮናልድ ትራምፕ ነዚ እውን ክቕርበሉ ኣተሓሳሲቡ።
ኣዘርባጃን ሰለስተ ባንደራኣ ዘምበልብላ ዝነበራ ጃላቡ ብሓይልታት ኤርትራ ስለ ዝተታሕዛኣ ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ከም ዘቕረበት ሮይተርስ ሓቢራ። ወሃቢ ቃል ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪ ኣዘርባጃን ኣይዛን ሃጂዛዳ ብ8 ጥሪ 2025 ብዝሃቦ መግለጺ፡ እተን ጀላቡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2024 እየ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተታሒዘን።
ወሃቢ ቃል ኣይዛን ሃጂዛዳ ንሮይተርስ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብተን ብ7 ሕዳር 2024 ብሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ ጃላቡ ብጠቕላላ 18 ሰባት ከም ዝነበሩን ኩሎም ኣዘርበጃውያን ከም ዝኾኑን ኣፍሊጡ። እተን ጀላቡ ብመትረብ ስዊዝ ኣቢለን ናብ ኣቡዳቢ እናተጓዕዛ ብምኽንያት ሕማቕ ኩነታት ኣየር ናብ ማያዊ ክሊ ኤርትራ ምስ ኣተዋ እየን ተታሒዘን።
እተን ሲኤምኤስ ፋህሊያን፡ ሲኤምኤስ ኢጂድን ሴኤምኤስን-3ን ዝተሰምያ ጀላቡ፡ ኣብ ትሕቲ ናይ ኣዘርባጃን ክፍሊ ባሕሪ ካስፒያን ዝንቀሳቐሳ ዝነበራ ኮይነን፡ ዋላኳ ምስ ሓለፍቲ ኤርትራ ርክብ እንተገበራን ኣድላይ ዝበሃል ዝርዝር ሓበሬታ እንተቕረባን መፍትሒ ክረኽባ ከምዘይከኣላ ነቲ ኣዘርበጃናዊ ወሃቢ ቃል ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢራ። ኣብ ርእሲዚ መንግስቲ ኣዘርባጃን ብመንገዲ ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣቢላ ናብ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ መልእኽቲ ከም ዝሰደደት ኣፍሊጣ። ነተን ጃላቡን ሰራሕተኛታተንን ናይ ምፍታሕ መስርሕ ጌና ቀጻሊ ከም ዘሎ እውን ተሓቢሩ።