በሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ፡ ኢጎር ሞዝጎ

ኤርትራ ናይ ምዕራብ ሓይሊ ንምምጥጣን፡ ሩሲያ ኣብ ኣፍሪቃ ክትሁ ከም እትደሊ ኣምበሳደር ሩሲያ ኣብ ኤርትራ ኢጎር ሞዝጎ ምስ ማዕከን ዜና ሃገሩ ታስ/TASS፡ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ። ንሱ ኣተሓሒዙ መሪሕነት ኤርትራ፡ ሩሲያ ጸጥታን ሰላምን ፍሪቃ ንክተመሓድር  ክትጽውዕን ከተዕግብን  ከም ዝጸንሐ ጠቒሱ፡ ኤርትራ 1,200 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ገማግም ባሕሪን ክንድኡ ዝኸውን ገማግም ደሴታትን ከም ዘለዋ ኣብቲ ቃለ መጠይቑ ጠቒሱ።

እቲ ኣንበሳደር፡ ኤርትራ ነቲ ምዕራባውያን በይኖም ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣንጻር የመን ዝወስድዎ ዘለዉ ስጉምቲ ከምዘይትድግፎ ብምጥቃስ፡ ብኣንጻሩ ንምምጻእ መራኽብ ውግእ ሩሲያ ናብ ቀይሕ ባሕርን ኣብ መንጎ ኤርትራን ሩሲያን ኣብ ወርሒ ሓምለ 2022 ዝተኸተመ ስምምዕን ብጽቡቕ ከም እትቕበሎ ኣስሚሩሉ። ኣብዚ ቃለ መጥይቑ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ስምምዕ ክረኽቦ  ዝኽእል ጠቕሚ ኣየንጸባረቐን። 

ኢስያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ ኣብ መበል 33 ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዘስመዖ ቃል ነዚ ዘንጸባርቕ ነይሩ። ድሕሪ ካብ ደቡብ ኮርያ ምምላሱ፡ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ ግና፡ ሓቀኛ ግብሩ ሓቢኡ፡ ኣፍሪቃውያን ንካለኦት ናይ ርሑቕ ሓይልታት ከይተጸበና ጉዳና ንግበር ክብል’ዩ ፈቲኑ። ቃልብቓል ከኣ፡ “  ንሕና ንኻልኦት ክንሓሚን ክንራገምን ክንነብር ኣይኮንናን። ብኸምኡ ገይርካ ዝፍታሕ ሽግር የለን። ዕዮ ገዛና ንግበር። ኣረዳድኣና ነስምሮን ነቀራርቦን።” ብዝብል ነቲ ናብ ርሑቕ ዝጥምት ኣካይዳኡ ክሽፍኖ ፈቲኑ።

ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ግዜ ለይቲ ጥራይ ዘገልግል፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ወጻኢ ኣገልግሎት ክህብ፡ ኣዝዩ ግዜ ዝሓለፎን ዋግኡ ከኣ ካብቲ ዘመናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ኣዝዩ  ዝኸበረ ኢንተርነት ክወሃብ ምዃኑ ትካል ኤሪ-ተል ሓቢሩ። ብዛዕባ ተክኖሎጂ ኢንተርነት ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ኣገልግሎት ምናልባት ቅድሞ ዕስራን ካብኡ ንላዕልን ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ሎሚ ዳርጋ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ዝወጸ ብዘይቀዋሚ መስመር ተለፎን ዘይሰርሕ ምዃኑ ሓቢሮም።

ህግደፍ ነዚ ዝመረጸሉ ምኽንያት በቲ ሓደ ወገን ነቲ “ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት የለን” ዝብል ክሲ ንምሻፋን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዝርካቡ በዚ ኣገባብ ዝግበር ርክባት ንምቁጽጻር ንክጥዕሞ ምዃኑ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ይሕብሩ። እዚ ኣገልግሎት ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል፡ ሓደ መልእኽቲ ንምቕባል ኮነ ንምልኣኽ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወስድ ምናልባት እውን ረብሪብካ እትገድፎ ምዃኑ፡ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እዩ። ናይ ምስልን ድምጽን መልእኽቲ ምትሕልላፍ እሞ ከኣ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብዚ 5ይ ትውልዲ ብዝበሃል ዓይነት መራኸቢ ዋይፋይ ዝገነነሉ፡ መድረኽ ነዚ ኣገባብ ምምራጹ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ናብቲ ተክኖሎጂ ቅርበት ዘለዎም ኤርትራውያን ይገልጹ።

ብመሰረቱ ከኣ ኤርትራ ድሕሪ 33 ናይ ናጽነት ዓመታት “ምጅማር ኣገልግሎት ኢንተርነት”  ዝብል ዜና ምዝርግሑ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ድሕረት ከም ዘላ ዘመልክትን ዘሕፍርን ምዃኑ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ኢንተርነት ዝጥቀም ካብቲ ህዝቢ ካብ 1% ዝበልጽ ኣይኮነን።

ኣምበሳደር ነበር ኣደም ዑስማን

ኣብ ስዊዘርላንድ ብምምሕዳር ህግደፍ ዝለዓለ ግምት ተዋሂብዎ ተመዲቡ ክሰርሕ ዝጸንሐ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ ክሳብ ሎሚኳ ኩነታቱ ከዘራርብ እንተጸንሐ፡ ነቲ ስርዓት ራሕሪሑ ብወግዒ ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ተፈሊጡ። ኣብ ኤርትራዊ ጉዳያት ዝግደስ፡ ጋዜጠኛን ደራስን ማርቲን ፕላውት፡ ነዚ ብዝምልከት ብ9 ሰነ 2024 ኣብ ዘውጸኦ ሓበሬታ ንኣደም ዑስማን ተኪኡ ዝተመደበ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ኣደም  ፖለቲካዊ ዑቕባ ከም ዝሓተተ ኣረጋጊጹ ነቲ ተግባሩ “ሃገራዊ ክድዓት” ከም ዝበሎ ኣረጋጊጹ።

ኣደም ዑመር ብ2019 ናብ ኣምበሳደር ኮይኑ ክምደብ እንከሎ፡ ዝለዓለ ጽንዓትን ብቕዓት ካብ ዝነበሮም ኣንበሳደራት ተባሂሉ ዝተመርጸ ምንባሩ ዝጣቐሰ እቲ ሓበሬታ፡ ብመጀመርያ ብ2016 ናብ ጀነቫ ከም ኣባል ናይቲ ኤምባሲ ክምደብ እንከሎ’ውን፡ “መንእሰይ ዲፕሎማት” ብዝብል ብዝነበሮ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ብቕዓት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ምክልኻል ክስታት ኣንጻርቲ ህግደፍ ልዑል ግደ ዝነበሮ እዩ። ኣደም ንህግደፍ ከም ኣንበሳደር ኣብ ፈደረሽን ስዊዘርላንድ ጥራይ ዘይኮ፡ነ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት እውን ወኪል ዝነበረ እዩ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስ ዝፍለጣ ሃገራት ክነሳ፡ ኣምበሳደ ኣደም ኣንጻርቲ ሓቀኛ ጸብጻባት፡ ንኹሉ ክስታት ብምቅዋም ኣብ ኤርትራ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል የለን ብዝብል ሓቂ ብምሽፋን ዝፍለጥ ኣፈኛ ህግደፍ እዩ ነይሩ።

.እቲ ሓደሽ ኣምበሳደር ኤርትራ ኣብ ስዊዘርላንድ ሃብቶም ዘርኣይ፡ ብዛዕባቲ ጉዳይ ንደገፍቲ ህግደፍ ኣኪቡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣምበሳደር ኣደም ዑስማን፡ መንግስቲ ነጺጉ ዑቕባ ዝሓተተሉ ምኽንያት ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝፈልጦ ኢሉ፡ ነቲ ተግባር ብቑጠዓ ክድዓት እዩ ብዝብል ምግላጹ፡ ኣብቲ ስርዓት ንዘሕደሮ ሕርቃን ከም ዘንጸባረቐ  ማርቲን ፕላውት ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ባንክ ዓለም ናይ 2023 ናይ ወደበት ኣፈጻጽማ ብቕዓት መስርዕ ከውጽእ እንከሎ 405 ወደባት ኣብ ዘወዳደረሉ፡ ንወደባት ኤርትራ ኣብ ግምት ኣየእተወንን። “ኮንተይነር ፖርት ፐርፎርማንስ ኢንደክስ/CONTAINER PORT PERFORMANCE IDEX”: ኣብ ትሕቲ ዝብል መዕቀኒ ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ እቲ መምዘንታት፡ ናይ ካርጎ መራኽብ ብቕዓት፡ ኮንተይነራት ንምጽዓንን ንምርጋፍን ዝወስዶ ግዜን ዝኣመሰሉን ከም ዝርከቦ ተፈሊጡ።

ባንክ ዓለም ኣብ ዘካየዶ ሚዛን ወደብ ሶማሊላንድ በርበራ ኣብ መበል 106 ሰሪዑ ካብ ወደባት ትሕቲ ሳራ ቀዳመይቲ ኣስፊሩዋ። ኬንያዊት ውደብ ሞምባሳ መበል 328 ክትስራዕ እንከላ፡ ወደብ ጅቡትን ፖርት ሱዳንን ድማ ብቕደም ሰዓብ ኣብ መበል 379ን 388ን ተሰሪዐን።

ኣብቲ ናይ ውደባት ኣሰራርዓ ወደባት ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ኤስያ፡ ካብተን ቀዳሞት ዕስራ ብቑዓት 13 ኢድ ወሲደን። ጅቡቲ ኣብ ናይ 2022 ጸብጻብ ኣብ መበል 29 ጸኒሓ ከተብቅዕ  ኣብዚ ናይ 2023 ድማ ብ350 ደረጃ ነኪያ ናብ መበል 379 ብምውራዳ ኣንጻርቲ ጸብጻብ ሓያል ተቓውሞ ኣስሚዓ። ላዕለዎት ሓለፍቲ ጅቡቲ ኣተሓሒዞም ኣብ ባይታ ዝተራእየ ሓድሽ ነገር ኣብ ዘየለ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ጸብጻብ ምቕራቡ ቅቡል ኣይኮነን ኢለምዎ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ወፈራ ዘካይዳ ዝነበራ፡ ኢትዮጵያውያን ዘመሓድርወን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ዝነበረን ኣሰላልፋ ጌጋ ምዃኑ ተረዲአን የቃልዐኦ ከም ዘለዋ ገሊጸን። “መሃል መድያ”  እትበሃል፡ ደሳለኝ ብዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እትምራሕን “ሃሌታ ቁጽሪ-1” ዝተባህለ ብበላይ መንገሻ እትመሓደርን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ድሕሪ 2018 ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ዝነበራ  ኣብዚ እዋንዚ ርክበን ምስ ህግደፍ ኣቋሪጸን፡ ኣብ ጐኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰለፋ ብተደጋጋሚ ገሊጸን።

ኣመሓዳሪ “መሃል መድያ” ጋዜጠኛ ደሳለኝ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ከም መዓልቲ ናጽናትን ዝኣመሰሉን ናይ ኤርትራ ኣጋጣምታት ናብ ኣስመራ ከይዱ ንህግደፍ ዝድግፍ መደባት የዳሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ምኹኑይ ምዃኑ ኣምሲልካ ኣብ ምቕራብን፡ ህግደፍ ዝሓዞ ቀበለታት ትግራይ ናይ ኤርትራ ምዃኑን ኣብ ምምስካር ተጸሚዱ ከም ዝነበረ ባዕሉ ተናሲሑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመደ ሕቶ ባሕርን ወዳባት ኤርትራን ምስ ኣልዓለ ህግደፍ ንምሕጓስ  ደጋፊ ኤርትራ ከም ዝነበሩ ክልቲኦም ገሊጾም።

ኣማሓዳሪ ዩቱብ “ሓሌታው ሓደ” በላይ መንገሻ ብወገኑ “ኤርትራዊ ኢኻ” ክሳብ ዝበሃል፡ ብተደጋጋሚ ናብ ኣስመራ ይመላለስ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ካብ ኣስመራ ሓሊፉን ኣብ ባጽዕን ካለኦት ከተማታትን ኤርትራ ተጓዒዙ ንህግደፍ ዝድግፉ ጸብጻባት የቕርብ ከም ዝነበረን ምስ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ኤርትራ ቀጻሊ ዝምድና ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። “ኤርትራ ብጽምዋ ዝተዋሕጠት ሃገር”እያ”  ዝበለ በላይ መንገሻ፡ ኣብ ኤትራ ዝኾነ ነገር ክትስእልኳ ፍሉይ ፈቓድ ምርካብ ከም ዘድሊ ዝጠቐሱ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ናይ ጸጥታ ኣካላቱን እምበር፡ ምስቲ ለጋስን ደላይ ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ  ጸገም ከምዘይነበሮ ኣፍሊጡ።

ኣባል ጉንበት-7 ዝነበረ ጋዜጠኛ በላይ መገሻ፡ ምስ ህግደፍ ዘበኣሶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፡ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ከባብታትን ናብ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ዝለኽ ገንዘብ ዘመሓላልፉ ኤርትራውያን ከቃልዕ እየ ስለ ዝበለ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ማእከላይ ዞባ ትግራይ ዝርከብ፡ ዮሃንስ 4ይ መዓርፎ ነፈርቲ ኣኽሱም፡ ብምኽንያት ውግእ ዕንወት ኣጋጢምዎ ን4 ዓመታት ተዓጽዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ290 ሚልዮን ብር ተጸጊኑ 9 ሰነ 2024 ዳግማይ ስርሑ ጀሚሩ። ምኽፋት ናይቲ መዓርፎ ነፈርቲ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዘነበረ ስነ ስርዓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ፕረሲደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፡ ኣቶ መስፍን ጣሰው ዋና ፈጻሚ ስራሕ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያን ዘተፈላለዩ ሓለፍቲ ክልልን ዞባን ትግራይ ተረኺቦም።

ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ዝተኻየደ መስርሕ ጽገና ምድንጓዩ ጠቒሱ ኣብ መጻኢ እቲ መዓርፎ ነፈርቲ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንምድያቡ ጻዕሪ ንክገብር ናብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ጸዊዑ። ኣተሓሒዙ ከኣ ኣክሱም ብዩኒስኮ ዝተመዝገበት ናይ በጻሕቲ መስሕብ ዘለዋ ከተማ ብምዃና ናይቲ መንገዲ ኣየር ምኽፋት ረብሓኡ ብዙሕ ምዃኑ ጠቒሱ።

ኣቶ መስፍን ጣሰው ብወገኑ ነቲ መዓርፎ ነፍርቲ ንምጽጋን ዝተኻየደ ጻዕሪ ዘርዚሩ፡ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ዓለም ልዕሊ ሚእቲ፡ ብደረጃ ኢትዮጵያ ድማ ልዕሊ ዕስራ መስመራት ከም ዘለዉዎ ሓቢሩ። መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 3 ግዜ በረራ ኣለዉዎ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ መንገዲ ኣየር ትዮጵያ፡ ካብቲ  በረራኡ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዘቋርጽ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ዘሕለፈ መንዲ ኣየር ኤርትራ ብርኪ ንምግዛእ ዝነበሮ መደብ ከም ዝሰረዘ ዝተፈላለያ መድያታት ሓቢረን።

Sunday, 09 June 2024 07:52

Dimtsi Harnnet Sweden 08.06.2024

Written by

ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ ስእሊ መራሕቲ ኣፍሪቃ

ነቲ ኣብ ለካቲት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ምርጫ ኮሚሽነራት ዝምልከት ምድላው ከም ዝቐጸለን ሕጹያት ተወዳደርቲ ከም ዝተፈልጡን ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ቀጻሊ ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምክትሉ ከኣ ካብ ሰሜን  ስለ ዝኾነ፡ ንኣቦመንበርነት እቲ ኮሚሽን ዝቐርቡ ሕጹያት ተፈሊጦም ኣለዉ።

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡  ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ናይ ቅድም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ነበር ፎዚያ ዩሱፍ ኣደምን ምክትል ፕረሲደንት ሲሸልስ ነበር ቪንሲንት መሪቶንን ሕጹያት ኮይኖም ኣለዉ።

ብሕጊ ምርጫ ሕብረት ኣፍሪቃ መሰረት፡ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክኸውን እንከሎ፡  ዝተረፋ ዞባታት ኣፍሪቃ ከኣ ናይቶም 6 ኮሚሽነራት ቦታ ክሕዛ እየን። ኣብዚ መጻኢ ናይ ለካቲት ምርጫ፡ መራሕተን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ስልጣን ስለ ዝሓዙን ካልእ ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ከይሳተፋ ዝተኣገዳ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ጋቦን፡ ኒጀር፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ጊኒን ኣይክሳተፋን እየን።

ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ን4 ዓመታት ዝምረጽ ኮይኑ ን2ይ  4ተ ዓመታት ክወዳደር ይኽእል። በዚ መሰረት ክልተ ግዜ ተመሪጹ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ለካትቲ ስልጣኑ ዘብቅዕን ቻዳዊ መሓምድ ፋቂ እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ “ትካል ሓድሽ መስመር/ New Lines Institute” ዝተባህለ፡ ብዘካየዶ ዓሚቕ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከቦም ኣካላት ኣብ ግዜ ውግእ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘካየድዎ ወፍሪ ጽንተት ኣንጻር ሕብረትሰብ/genocide ከም ዝፈጸሙ፡ ኣብ ዘውጸኦ 120 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ ገሊጹ። እቲ ትካል ብዘካየዶ መጽናዕቲ ከም ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ጽንተት ሕብረትሰብ ፈጺሞም ተባሂሎም ዝኸሰሶም ኣካላት፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ዕጡቓት ሓይሊ ኣምሓራን እዮም።

እቲ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ኤርትራ ዝርከብዎም ሰለስቲኦም ኣንጻር ምሓይልታት ምክልኻል ትግራይ/TDF ዝተዋግኡ ኣካላት ካብቶም ንጽንተት ሕብረተሰብ ዘመልክቱ ረቛሕታት 4ተ ከም ዝፈጸሙ ጠቒሱ፡ ነቶም ረቛሕታት፡ ጃምላዊ ምቕትለት  ተጋሩ፡ ኮነ ኢልካ ስነ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ጉድኣት ምውራድ፡  ወሊድ ዝኽልክሉ ጽዩፋት ወሲባዊ ዓመጻት ምፍጻም ዝበሉ ዝብሉ ዝርዝር ኣስፊሩ።

ብዘይካዚ እቶም ኣብ ጽንተት ሕብረተሰብ ትግራይ ዝተሳተፉ ወተሃደራዊ ኣካላ፡ ብጥሕሰት ዓለም ለኻዊ ሕግታት ሰብኣዊ መሰላትን  እውን ከም ዝፈጸሙ ዝብቲ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣስፊሩ’ሎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ማሕበራዊ መራኸብታት እውን ኣብቲ ግዜ ውግእ ኣብ ምግዳት እቲ ጽንተትን ጥሕሰትን ኣሉታዊ ግደ ከም ዝነበረ ኣቃሊዑ። .

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሞን ዝወርድ ዘሎ ከይወሰኽካ ኣብ ትግራይ ዝወረደ ዕንወት ናብ ንቡር ንምምላስ ልዕሊ 2.5 ትሪሊዮን ብር ከም ዘድሊ ዝተፈላለዩ ኣካላት ይገልጹ’ለዉ።

Page 47 of 606