ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ድሑር ኣገልግሎት ኢንተርነት ከተተኣታቱ’ያ

2024-06-11 22:25:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 174 times

ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ግዜ ለይቲ ጥራይ ዘገልግል፡ ካብ ከተማ ኣስመራ ወጻኢ ኣገልግሎት ክህብ፡ ኣዝዩ ግዜ ዝሓለፎን ዋግኡ ከኣ ካብቲ ዘመናዊ ኣገልግሎት ዝህብ ኣዝዩ  ዝኸበረ ኢንተርነት ክወሃብ ምዃኑ ትካል ኤሪ-ተል ሓቢሩ። ብዛዕባ ተክኖሎጂ ኢንተርነት ኣፍልጦ ዘለዎም ወገናት ከም ዝሕብርዎ፡ እዚ ኣገልግሎት ምናልባት ቅድሞ ዕስራን ካብኡ ንላዕልን ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ሎሚ ዳርጋ ጠቕሊሉ ካብ ዕዳጋ ዝወጸ ብዘይቀዋሚ መስመር ተለፎን ዘይሰርሕ ምዃኑ ሓቢሮም።

ህግደፍ ነዚ ዝመረጸሉ ምኽንያት በቲ ሓደ ወገን ነቲ “ኣብ ኤርትራ ኢንተርነት የለን” ዝብል ክሲ ንምሻፋን በቲ ካልእ ወገን ድማ ነቲ ዝርካቡ በዚ ኣገባብ ዝግበር ርክባት ንምቁጽጻር ንክጥዕሞ ምዃኑ ክኢላታት ናይቲ ዓውዲ ይሕብሩ። እዚ ኣገልግሎት ኣብ ሱዳን ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ 20 ዓመታት ኣገልግሎት ዝህብ ዝነበረ ኮይኑ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ ክትጥቀመሉ ዘይትኽእል፡ ሓደ መልእኽቲ ንምቕባል ኮነ ንምልኣኽ ክሳብ ልዕሊ ሓደ ሰዓት ዝወስድ ምናልባት እውን ረብሪብካ እትገድፎ ምዃኑ፡ ብተመኩሮ ዝተረጋገጸ እዩ። ናይ ምስልን ድምጽን መልእኽቲ ምትሕልላፍ እሞ ከኣ ዘይሕሰብ እዩ። ኣብዚ 5ይ ትውልዲ ብዝበሃል ዓይነት መራኸቢ ዋይፋይ ዝገነነሉ፡ መድረኽ ነዚ ኣገባብ ምምራጹ ኣዝዩ ከም ዘሕዘኖም ናብቲ ተክኖሎጂ ቅርበት ዘለዎም ኤርትራውያን ይገልጹ።

ብመሰረቱ ከኣ ኤርትራ ድሕሪ 33 ናይ ናጽነት ዓመታት “ምጅማር ኣገልግሎት ኢንተርነት”  ዝብል ዜና ምዝርግሑ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ድሕረት ከም ዘላ ዘመልክትን ዘሕፍርን ምዃኑ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ናይ ኢንተርነት ዝጥቀም ካብቲ ህዝቢ ካብ 1% ዝበልጽ ኣይኮነን።

Last modified on Wednesday, 12 June 2024 00:32