ኣብ ጐኒ ህግደፍ ዝነበራ መድያታት ኢትዮጵያ ብኣንጻሩ ይስለፋ’ለዋ

2024-06-09 20:25:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 202 times

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ሰፊሕ ፖለቲካዊ ወፈራ ዘካይዳ ዝነበራ፡ ኢትዮጵያውያን ዘመሓድርወን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ዝነበረን ኣሰላልፋ ጌጋ ምዃኑ ተረዲአን የቃልዐኦ ከም ዘለዋ ገሊጸን። “መሃል መድያ”  እትበሃል፡ ደሳለኝ ብዝተባህለ ኢትዮጵያዊ ጋዜጠኛ እትምራሕን “ሃሌታ ቁጽሪ-1” ዝተባህለ ብበላይ መንገሻ እትመሓደርን ናይ ዩቱብ መድያታት፡ ድሕሪ 2018 ኣብ ጐኒ ህግደፍ ተሰሊፈን ዝነበራ  ኣብዚ እዋንዚ ርክበን ምስ ህግደፍ ኣቋሪጸን፡ ኣብ ጐኒ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ዝተሰለፋ ብተደጋጋሚ ገሊጸን።

ኣመሓዳሪ “መሃል መድያ” ጋዜጠኛ ደሳለኝ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ከም መዓልቲ ናጽናትን ዝኣመሰሉን ናይ ኤርትራ ኣጋጣምታት ናብ ኣስመራ ከይዱ ንህግደፍ ዝድግፍ መደባት የዳሉ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ብፍላይ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ምኹኑይ ምዃኑ ኣምሲልካ ኣብ ምቕራብን፡ ህግደፍ ዝሓዞ ቀበለታት ትግራይ ናይ ኤርትራ ምዃኑን ኣብ ምምስካር ተጸሚዱ ከም ዝነበረ ባዕሉ ተናሲሑ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመደ ሕቶ ባሕርን ወዳባት ኤርትራን ምስ ኣልዓለ ህግደፍ ንምሕጓስ  ደጋፊ ኤርትራ ከም ዝነበሩ ክልቲኦም ገሊጾም።

ኣማሓዳሪ ዩቱብ “ሓሌታው ሓደ” በላይ መንገሻ ብወገኑ “ኤርትራዊ ኢኻ” ክሳብ ዝበሃል፡ ብተደጋጋሚ ናብ ኣስመራ ይመላለስ ከም ዝነበረ ጠቒሱ፡ ካብ ኣስመራ ሓሊፉን ኣብ ባጽዕን ካለኦት ከተማታትን ኤርትራ ተጓዒዙ ንህግደፍ ዝድግፉ ጸብጻባት የቕርብ ከም ዝነበረን ምስ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ኤርትራ ቀጻሊ ዝምድና ከም ዝነበሮ ሓቢሩ። “ኤርትራ ብጽምዋ ዝተዋሕጠት ሃገር”እያ”  ዝበለ በላይ መንገሻ፡ ኣብ ኤትራ ዝኾነ ነገር ክትስእልኳ ፍሉይ ፈቓድ ምርካብ ከም ዘድሊ ዝጠቐሱ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራን ናይ ጸጥታ ኣካላቱን እምበር፡ ምስቲ ለጋስን ደላይ ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ  ጸገም ከምዘይነበሮ ኣፍሊጡ።

ኣባል ጉንበት-7 ዝነበረ ጋዜጠኛ በላይ መገሻ፡ ምስ ህግደፍ ዘበኣሶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኮይኖም፡ ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ከባብታትን ናብ ዕጡቕ ሓይሊ ኣምሓራ ፋኖ ዝለኽ ገንዘብ ዘመሓላልፉ ኤርትራውያን ከቃልዕ እየ ስለ ዝበለ ምዃኑ ሓቢሩ።

Last modified on Sunday, 09 June 2024 22:32