መስርሕ ምርጫ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ይቕጽል ኣሎ

2024-06-07 08:30:00 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 265 times

ካብ ማሕበራዊ መድያ ዝተወስደ ስእሊ መራሕቲ ኣፍሪቃ

ነቲ ኣብ ለካቲት 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መበል 38 ስሩዕ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ምርጫ ኮሚሽነራት ዝምልከት ምድላው ከም ዝቐጸለን ሕጹያት ተወዳደርቲ ከም ዝተፈልጡን ተሓቢሩ። በዚ መሰረት ቀጻሊ ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምክትሉ ከኣ ካብ ሰሜን  ስለ ዝኾነ፡ ንኣቦመንበርነት እቲ ኮሚሽን ዝቐርቡ ሕጹያት ተፈሊጦም ኣለዉ።

ማዕከን ዜና ቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡  ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ናይ ቅድም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ሶማሊያ ነበር ፎዚያ ዩሱፍ ኣደምን ምክትል ፕረሲደንት ሲሸልስ ነበር ቪንሲንት መሪቶንን ሕጹያት ኮይኖም ኣለዉ።

ብሕጊ ምርጫ ሕብረት ኣፍሪቃ መሰረት፡ ምክትል ኣቦመንበር ናይቲ ኮሚሽን ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ክኸውን እንከሎ፡  ዝተረፋ ዞባታት ኣፍሪቃ ከኣ ናይቶም 6 ኮሚሽነራት ቦታ ክሕዛ እየን። ኣብዚ መጻኢ ናይ ለካቲት ምርጫ፡ መራሕተን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ስልጣን ስለ ዝሓዙን ካልእ ዝተፈላለዩ ምኽንያታትን ከይሳተፋ ዝተኣገዳ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ጋቦን፡ ኒጀር፡ ማሊ፡ ቡርኪናፋሶን ጊኒን ኣይክሳተፋን እየን።

ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ን4 ዓመታት ዝምረጽ ኮይኑ ን2ይ  4ተ ዓመታት ክወዳደር ይኽእል። በዚ መሰረት ክልተ ግዜ ተመሪጹ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐን ኣብ መጻኢ ለካትቲ ስልጣኑ ዘብቅዕን ቻዳዊ መሓምድ ፋቂ እዩ።

Last modified on Friday, 07 June 2024 10:35