በቃሉ ኣላምረው ዝርከቦም፡ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም

2024-06-18 03:32:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 137 times

ጋዜጠኛታት፡ በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናየን ቴድሮስ ዘርፉን

በቃሉ ኣላምረው፡ በላይ ማናየን ቴዎድሮ ዘርፉን ዝተባህሉ ኢትዮጵያውያን ናይ ግሊ ጋዜጠኛታት ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓደ ዓመት ብዘይፍርዲ ማእሰርቲ፡ ብ17 ሰነ 2024 ከም ዝተፈትሑ መርበብ ኢትዮ-ኢንሳይደር ሓቢራ። እዞም ጋዜጠኛታት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ንክንድዚ ዝኣክል ግዜ ምእሳሮም፡ ፍትሓዊ ከምዘይኮነ፡ ብምጥቃስ ንመንግስቲ ምስ ከሰሱ እዮም  ብፖሊስ ተፈቲሖም።

በቃሉ ኣላምረው፡ መስራትን ኣመሓዳርን “ኣልፋ መዲያ፥ በላይ ማናየ ሪፖርተር “ኢትዮ-ኒውስ” ከምኡ ድማ ቴድሮስ ዘርፉ ጋዜጣኛ “ምነሊክ-ቲቪ” እዮም። እዞም ጋዜጣኛታት ብምኽንያት እቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተኣዋጀ ሰዓት እቶእቶ ኣብ ክልል ዓፋር “ኣዋሽ ኣርባ” ኣብ ዝበሃለ ጽኑዕ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ዝጸንሑ እዮም።

እዞም ጋዜጠኛታት ዝተኣስሩ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣንጻር ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዋጋእ ዘሎ ዕጡቕ ሓይሊ ፋኖ ደጊፍኩም ብዝብል ክኸውን እንከሎ፡ ዝፍትሑ ዘለዉ ከኣ እቲ ናይ ክልል ኣምሓራ ናይ  እገዳ ግዜ ካብ ዝሓልፍ ድሕሪ 10 መዓልታት እዩ።

በቃሉ ኣላምረው ቅድም “ኣውሎ-መድያ” ናይ ዝተባህለ መድያ፡ ደሓር ከኣ ናይ “ኣልፋ-ተለቪዥ” መስራትን መራሕን ዝነበረ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ  ብዛዕባ ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ኣብቲ  ውግእ ርትዓውን እዋኣንውን  መደባት ብምቕራብ ዘቃልዕ ዝንነበረ ተባዕ ጋዜጠኛ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ እቶም ቅድሚ ልዕሊ 20 ዓመታት ብዘይካ ሓሳብ ህዝቢ ምንጽብራቕ፡ ካልእ ገበን ዘይነበሮም 16 ኤርትራውያንን ጋዜጠኛታት፡ ምስተኣስሩ ክሳብ ሎሚ ኣይኮነንዶ ክፍትሑስ ብዛዕባ ሃለዋቶም እውን ሓበሬታ ኣብ ዘየብሉ ምዃኑ ኣዝዩ የሕዝን።

Last modified on Tuesday, 18 June 2024 05:38