ዶር ገብረ፥ ክልተ መልሓስ ኣብ ሓደ ርእሲ
ኣብ ፈስቲቫል ፍራንክፈርት ዝቐረበ ኣስተምህሮን ምስኡ ዝተኣሳሰር ቁምነገርን
Written by Festival 2017 Frankfurt2ይ ክፋል
ሓንቲ ሃገር እትምረሓሉ ቅዋም የድልያ
ኣብ ቀዳማይ ክፋል ብዛዕባ ሃገር ምህናጽ እንታይን እንታይን ከምዘድልያ ተገሊጹ ነይሩ። ንሱ ድማ እቲ መጀመርያ እታ ሓዳስ ውልዶ ሃገር ብቅኑዕ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ክትመሓደር መሰጋገሪ መድረኽ ኣቢላ ክትጎዓዝ ይግባእ። እዚ መሰጋገሪ መድረኽ እዚ ግዝያዊ መንግስቲ ዝምረጸሉን ቅዋም ዝንደፈሉ ቅጥዕታትን ኣገባባትን ይሰርዕን’ዩ። ኣብዚ በቲ ዝተመርጸ ግዝያዊ ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ኣቢሉ ንመስርሕ ግዝያዊ መንግስትን፥ ንከመይነት ምሕንጻጽ ቅዋምን ይሰርዕን መደባት የውጽእን። ኣብዚ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ምሁራን፡ ዓበይቲ ዓዲ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ክኢላታትን ምኩራትን ዘለውዋ ሽማግለ ብምቛም፡ ነቲ ንድፊ ናይ ቅዋም ትነድፍ። እዚ ንድፊ ዝወሰደ ግዜ ይውሰድ ማለት ኣዝዩ ግዜየ ዘይበልዕ ኮይኑ ናብ ህዝቢ ብምውራድ ዝኣክል መጽናዕትን ርእይቶታትን ተዋህሊሉ ብህዝቢ ይጸድቕ። ብድሕሪ እዚ ከኣ ኣብ ምርጫ ይእቶ።
ቅድሚ ኣብ ምርጫ ምእታው ግና እቲ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ስርዓተ መንግስትን ዲሞክራስን የድልዮ ክውስን ኣለዎ። እዚ ቅድሚ ምውሳኑ ከኣ ብዛዕባ እንታይነት ዲሞክራስን ዓይነታት ዲሞክራስን መትከላት ዲሞክራስን በተን ድሮ ቈይመን ዝነበራ ሰልፍታትን ሲቭል ማሕበራትን ኣቢሉ ጽቡቕ ኣፍልጦን ተረድኦን ንኽህልዎ ይሕግዛ እየን። እዚ ኩሉ እናተኻየደ ከሎ ድማ፥ እቲ ሕጊ ናይ ምቛም ሰልፍታትን በርጌሳውያን ማሕበራትን ተጻፊፉ ክጸንሕን ብኡ መሰረት ከኣ ሰልፍታት ኣብ ሓንቲ ሃገር ክህልዋ ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ኣብ ደገ ዝነበራ ወይ ኣብ ውሽጢ ዝነበራ ተመሓዚየን ኣብዝሓ ሰልፍታት ዝቖማሉ ባይታ ተመድሚዱ ክጽንሕ ኣለዎ።
ካብዚ ቀጺሉ ብዛዕባ ፖለቲካ (ስያሳ) ቁሩብ ምጥቃስ ኣድላይነት ኣለዎ። ምኽንያቱ ፖለቲካ ንገዛእ ርእሱ ፍልጠት ስለዝኾነ፥- (ዓለም ብስያሳ ኲዕሶ ብሞሳ ይበሃል) ብጉዳይ ሕብረትሰብ ከመይ ክመሓደር ከምዘለዎ ዝግደስ እዩ። እዚ ከኣ ናይ ሕብረትሰብን ደውላን ስራሕ ኣዩ። ፖለቲካ ወይ ስያሳ በቶም መራሕቲ ዝፍጸሙን ዝድረኹን ተግባራትን ተረኽቦታትን ንሕብረተሰብ ብዝረአ መንገዲ ክትንክፍ ዝኽእል እዩ። ቆላሕታና እምበኣር ብዛዕባ እዞም ንረብሓና ዝትንክፉ ነገራት ክንግደስ እዩ። ፖለቲካ ወይ ስያሳ ስነምግባር እዩ። ስለዚ ኣብ መነጎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሓደ ሕንጻጽ ክሕንጸጽ ኣለዎ። ምኽንያቱ ከኣ ስነምግባር ዘይብሉ ፖለቲካዊ ምምኽኻር፥ ወይ ውሳኔ ምውሳድ ወይ ተግባር ስለዘየለ።
ንነፍስኻ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ሰላማዊ ህይወት ዘለዎ ናብራ ንምምራሕ፥ ምስ ካልኦት ሰባት ሓቢርካ ተኸኣኢልካን ተሰማሚዕካን ብሓባር ናይ ምንባር ባህሪ ናይ ወዲ ሰብ ብተፈጥሮ ዝረኽቦን ኣብ ህይወት ተመኩሮ’ውን ዘማዕብሎ ክእለት እዩ ማለት ከበሃል ይከኣል፡፡ እዚ ሓቢርካ ናይ ምጉዓዝ ልምዲ ካብ ቤተሰብ ጀሚሩ ብጉርብትና፥ ብዓሌት፥ ብሃይማኖት ምምስሳል እናዓበየ ሃገር ክሳብ ምምስራት ይበጽሕ። ብመስርሕ እውን ሓድነት ሓይሊ ምዃኑ የረጋግጽ። እዞም በብደረጃኡ ዝፍጠሩ ምትእኽኻብ ኣብ መንጎኦም ፍልልያት ምህላው ዘይከሓድ እዩ። ፍልልይ ኣብ መንጎ ብሃገር ደረጃ ብዝተጠራነፉ ሰባት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ማናቱ ኣሕዋት እውን ይረአ እዩ። ኣህዛብ ፍልልያቶም ከምዘለዎ ኮይኑ ብሓባር ዝተኣሳስሮም፥ ብዘቀራርቦምን ብዘሕለፍዎ ታሪኻዊ ሓድሕዳዊ ዝተመስረተ ሓድነትን ፈጢሮም ብዶብ ዝተወሰኑ ሃገር መስሪቶም ሓቢሮም ይነብሩ። ካብ ሓድነት ዝርከብ ብርክት ዝበሉ ረብሓታት ከምዘለዉ ኣዚዩ ግሉጽ እዩ። ንሓድነት ዝጸልእ ብሓድነት ዘይጥቀምን ዝጓዳእን ጥራሕ እዩ። ልክዕ እዩ ሓድ ሓደ ሰባት ምትእኽኻብ ዝፈጥሩ ንሕማቕ ነገር እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ነዚ ኩሉ ሓቢርካን ተኸባቢርካን ምንባር እምበኣር ዲሞክራሲ ዝብል ፖለቲካዊ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓልን ምፍላጡን የድሊ። ነዚ ንምፍላጥ ከኣ ዓይነታት ዲሞክራሲ ሓደ ብሓደ ምጥቃስ ኣዝዩ ጠቓሚ እዩ።
ገለ ካብ ዓይነታት ዲሞክራሲ እዞም ዝስዕቡ እዮም፥-
ቀጥታ ዲሞክራሲ
ህላዌ ቀጥታ ዲሞክራሲ፡-ድሌታት ህዝቢ ናብ ህዝባዊ ፖሊሲ ባዕሉ እቲ ህዝቢ ክትርጎሞ ኢንከሎ እዩ። ንኣብነት ከም ህዝባዊ ውከሳ።
ውክልናዊ ዲሞክራሲ
መልክዕ ናይ ቀጥታ ዲሞክራሲ ኣገባብ ዝሓዘ ኮይኑ፡ እቶም ኣብ ክንዲ ህዝቢ ኮይኖም ዝውስኑ ብኣገባብ ናይ ምዱብን እዋናውን ምርጫታት ዝተመርጹ ፖለቲከኛታት ካብ መዝነቶም ክወርዱን ቁጽጽር ክግበረሎምን ዝከኣል እዩ።
ጸገማት ናይ ቀጥታዊ ዲሞክራሲ
-ህዝቢ ንዝተሓላለኸ ሕቶታት ዘይክርዳእ ይኽእል’ዩ።
-ምናልባት ዝበዝሑ ንውሑዳት ከግሊሉ ይኽእሉ’ዮም
-ተግባራዊ ኣይኮነን
-ህዝቢ ኣብ ክንዲ ብርትዓዊ ዝሓስብ ናብ ስምዒታዊ ክዘዙ ይኽእል’ዩ
-ኣብ ህዝባዊ ግዲ ዘይምግባር ክስስዕብ ይኽእል
- ብተወሳኺ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ክፈጥር ይኽእል
- ብመንጽር ገንዘብን ግዜን ከኣ ክቡር እዩ
-ንንእሽቶ ጉጅለ ህዝቢ ጥራይ ከኣ’ዩ ከገልግል ዝኽእል
ኦሊጋርኪ፥
ኦሊ ብቋንቋ ግሪኽ ውሑድ ከኸውን ከሎ ጋርኪ ከኣ ግዝኣት ማለት እዩ ትርጉሙ ። እዚ ሓደ ኣገባብ ቅርጻ ናይ ስልጣን ኮይኑ እቲ ስልጣን ብተግባር ኣብ ውሑድ ቁጽሪ ሰብ ዝተመስረተ እዩ።
መኳንንቲ፥
እዚ ቀጥታ ትርጉሙ (ምሩጽ ወይ ብሉጽ ግዝኣት እዩ)Arsto= ብሉጽ: cracy = ግዝኣት ወይ ምሕደራ። እዚ ኣገባብ ናይ መንግስቲ እዚ ብውሑዳት ፈላጣት ዜጋታት ዝግዛእ እዩ።
elitism:-.
ምሁርነት፥
እዚ እምነት እዚ ወይ ኣመለኻኽታ ገለ ውልቀሰባት እዩ። ምሁር ኢሎም ዝምስርቱ፥ ሕሩያት ጉጅለታት፥ ብፍልጠት፥ ሃብቲ፥ ፍሉይ ስልጠና ወይ ልምምድ ዘለዎም ካብ ውሽጢ ህዝቢ ዝተመርጹ እዮም።
ክለፕቶክራሲ፡
ናይ ሰረቕቲ ግዝኣት -ብልሽውና ብመለኽቲ መንግስታት እዩ። ቃል ናይ ግሪኽ ኮይኑ ቀጥታ ትርጉሙከኣ፥ Klepto= ሰርቂ cracy = ግዝኣት ወይ ምሕደራ ማለት እዩ። ሓደ ግዝኣት ወይ መሕደራ መንግስቲ ናይ ዝኾነ ዓይነት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት መዝመዝትን ሃብቲ ሃገር ዘመትትን እዮም።
ዲሞክራሲ ፥
ደቂ ሰባት ንናይ ሽርክነት ፕሮጀክትታት ንምምዕባል ፍልልያቶም ብዘየግድስ ስነሓሳባቶም ኣብ ልዕሊ ናይ ካልኦት ሰናይ ህይወት ተጽዕኖ ከይገበሩ፥ ሓቢሮም እንተዘይዘትዮም ዲሞክራሲ ህይወት ኣይህልዎን፡፡ ብዘይ ዘተ፥ ሽርክነት ፕሮጀክትታትን ሸነኻዊ ተጽዕኖ ወይ ጸቕጢ እዩ ዝኸውን። ድሕሪ እዚ ኩሉ እቲ ሕሉፍ ምስቲ ብቅዱስ መደብ ዝጀመረ ጻዕርታት ይጉሕፎ መወዳእትኡ ከኣ ብምልኪ ይድምድም። ስለዚ ዲሞክራሲ ማለት እንታይ ማለት እዩ።? ዲሞክራሲ ግሪኻዊ ቃል ኮይኑ ስልጣን ናይ ህዝቢ ወይ ከኣ ናይ ህዝቢ መንግስቲ ማለት እዩ። ዲሞ ህዝቢ ክራሲ ከኣ ስልጣን፥ ምምሕዳር። ብ1860 ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት ዝነበረ ኣብረሃም ሊንከለን ካብቲ ውሩይ ጥቅስታቱ ንዲሞክራሲ ከምዚ ክብል ይጠቕሶ፥ ”ዲሞክራሲ ማለት መንግስቲ ናይ ህዝቢ፥ ብህዝቢ ንህዝቢ እዩ” እዘን ናይ፥ ብ፥ ን፡ ዝብላስ እንታይ ማለት ኮን ይኾና ሓደ ብሓደ ንርኣየን፡
ናይ፥- ስልጣን ካብ ህዝቢ ይምንጩ፥ ህዝቢ ልኡላውነት ስልጣን ኮይኑ ንስልጣንእንተስ ባዕሉ (ቀጥታዊ ዲሞክራሲ) ክጥቀም ወይ ከኣ ውክልና ክህብ (ውክልናዊ ዲሞክራሲ) እዩ።
ብ፥- ስልጣን ህዝቢ ብዝመረጾ ተወካሊ ኣቢሉ ወይ ከኣ ብቐጥታዊ ግዝኣት ዜጋታትይሰርሕ።
ን፥- ስልጣን ንረብሓ ህዝቢ ዘገልግል ኮይኑ ዝሰርሕ እዩ። እዚ እቲ ጽቡቑ እቲ ረብሓሓባራዊ ምዃኑ እዩ።
ጽንሰ ሓሳብ ዲሞክራሲ
ዲሞክራሲ ከም ኣገባብ ናይ ህይወት (ምንባር) ዝቑጸርን ምስ ኣመለኻኽታን ግምታትን ሓባራዊ ተመኩሮ ናይ ውልቀ ሰባትን ብዛዕባ ሓቢርካ ናይ ምንባርን እዩ። ስለዚ ዲሞክራሲ ዘይንቀሳቐስ ሓሳብ ዘይኮነስ እንታይ ደኣ ብርቱዕን ንጡፍን ክልወጥ ዝኽእል መስርሕ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል።
ጽንሰ ሓስብ ዲሞክራስያዊ ክብርታት
ናጽነት፥ ማዕርነትን ፍትሕን ክብርታትን ወይ መትከላትን ዲሞክራሲ ከም እኒ ሓውሲ ናጻ፥ ምትሕብባር፡ ሽርክናዊ ወይ ተሳትፎኣዊ ምግባር ውሳኔ ንናይ ማሕበረኮም ስምዒት እዮም። ማዕርነት፥ ኣኽብሮት፥ ፍትሒ፥ ናጽነት፥ ሓቅነት፥ ጽቡቕ ድሌት፥ ምትሕብባር፥ ተጻዋርነት፥ ተገንዝቦ ወይ ስምዒት፥ ሓላፍነት፥ ንፍልልያት ምቕባል፥ ድሕነት፥ ሰላምል ምዓት፥ ፍጹምነት ወይ ምልኡነት ብቑዕነት ኣብ ትግባረ ዝውዕሉ ዲሞክራሲያዊ ክብርታት እዮም።
ኣብዚ ዝተጠቕሰ ንዲሞክራሲ ብግቡእ ንምትግባር ትምህርቲ ጥራሕ ኣይኮነን ምንጪ ናይ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ንምምስራት እንታይ ደኣ ስድራቤት፥ መድያን ካልኦት ትካላትን እውን ነዚ መስርሕ እዚ የበርክቱ እዮም።
መስርሓት ዲሞክራሲያውነት ንውጽኢታዊን ስሉጥ ስራሓትን ንነዊሕ-ግዜ ርግኣትን ናይ ዘመናዊ ደውላ ንቁጠባን ቅድመ ተደላይነት ዘለዎም እዮም።
ዲሞክራሲ ናይቲ ካልእ ድምጺ ምስማዕን፥ ምርኣይን፥ ድሌታትን ክብርታትን ኣብቲ ስርዓት ናይ ምውህሃዶም ኣብ ቀጻሊ ወይ ነባሪ ፈተነ ዝተመስረተ እዩ።
ዲሞክራሲ መለለዪ ባህሪ ናይ ፖለቲካዊ ስርዓት ጥራሕ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ከም ናይ ጠባይ፥ ምህናጽ ርእይቶን፡ ምግባር ውሳኔን ኣብ መዓልታዊ ህይወት (ስድራ፥ ቤትትምህርቲ፥ ጎረበት፥ ማእከላት መንእስይ) ምኽንያት ናይ ሓቢርካ ምንባር ኣገባብ እውን እዩ።
ተሳትፎ ሰብኣዊ መሰል እዩ፥ተሳትፎ ንነፍሰ-ምዕባሌ፥ ክእለት፥ ብቕዓታት፥ ባህግታት፥ ነፍሰ-ምትእምማን ንዋጋ ዘለዎ ምንጭታት ዘሰስን ወሳኒ እዩ። ተሳትፎን ውጽኢታውን ዘላቕነትን ፕሮጀክትታትን (ውጥናትን) መስርሓትን ዘዛይድ እዩ፡፡ ህዝቢ ኣብዚ መስርሕ ኣዚ እንተዘይተሓወሰ ዲሞክራሲ ሕጋውነቱ ንናይምምራሕ ሓይሉ ንክስሕትወይ ክስእን እዩ።
ዲሞክራሲያዊ ስርዓተ-መንግስቲ መሰልን ናጽነትን ውልቀ ሰብ ብዕሊ ዝፈልጦምን ዝከላኽለለሎምን እዮም። ከምኡ እውን ትግባረ ናይ ፖለቲካዊ ስልጣን ብግዝኣተ-ሕጊ ድሩት እዩ። ስለዚ ዲሞክራሲ ክዕወት ንጡፍ ተሳትፎ ህዝቢ ወይ ዜጋታት ናይ ግድን እዩ።
ዲሞክራሲ ክዕወት imbear ንጡፍ ተሳትፎ ዜጋታት የድልዮ
ዶክቶር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን “ሕጅስ ኣይበዝሓን ዶ” ብዝብል ኣርእስቲ ንዶክተር ገብረ ምኽሪ ክልግስ ፈቲኑ እዩ። ዶክተር ገብረ ግን ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከጸልም ተታሒዝዎ ዘሎ ዕላማ ደው ከብሎ ፍቓደኛ ኣይኮነን። ዘረብኡ ኣብ ክንዲ ዝንኪ መሊሱ በዚሑ፡ እምብዛ ብምብዝሑ ድማ ኣዝዩ ኣሰልቻዊ ኮይኑ ኣሎ። ብብዝሒ ዘረባን ብጸወታ ቃላትን ክገብሮ ዝደሊ ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እንተሰለጠሉ ከፍርሶን ክድምስሶን እንተዘይከኣለ ድማ ዝናኡ ብምብልሻው ከዳኽሞ’ዩ ሕልንኡ። ሓደ ነገር ብዘይጥርጥር ከረጋግጸሉ ዝደሊ ግን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ በዚ ዶክተር ገብረ ተበጊስሉ ዘሎ ኣሉታዊ ወስታ ክፈርስን ክድምሰስን ከምዘይኮነ እዩ። ካብዚ ከንቱ ኣሉታዊ ፈተነ ወጺኡ ኣወንታዊ ተራ ክጻወት እናመዓድኩ “ኣይፋልካን ዶክተረ” ብዝብል ኣርእስቲ ገለ መብርህን መአረምታን አቕርብ ኣለኹ።
መንዩ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
እቲ ቀንዲ ንመንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝገልጽ ትሕዝቶ እንታይ እዩ ኣብ ዝብል ንውሱን ክብጻሕ ዝድለ ዘሎ ዕላማ ብዝንቡዕ መንገዲ ክቐርብ ክትዕዘብ ከለኻ ብሓቂ የሕዝን እዩ። ድሕረ-ባይትኦም ጀብሃን ሻዕብያን ዝኾኑ ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምህላዎም ንቓልስና ዝሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ይኹንእምበር ካብ ኣገዳሲ ረቛሒ ምዃን ሓሊፉ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ዝገልጽ ቀንዲ ትሕዝቶ ገርካ ምቕራቡ ብፍላጥ ንውሱን ዝድለ ዘሎ ዕላማ ንሓቅታት ኣዘምቢዕካ ምቕርብ እዩ።
1- ድሕረባይቶኦም ጀብሃን ሻዕብያን ዝኾኑ ብሓደ ኣብ ሓደ ውድብ ክቃለሱ ሓዲሽ ኣይኮነን። ቅድሚ ናጽነት ሓደ ክፋል ሳግም ኣብ ህዝባዊ ግንባር ተጸንቢሩ’ዩ፡ ዘምህረት፡ ቶቲልን ካልኦትን ኣብ ላዕላዋይ ጽፍሒ ህዝባዊ ግንባር ተቐሚጦም እዮም። ብዛዕባ’ዚ ብዙሕ’ዩ ተደሪፉ ኣገዳሲ ምዕባለ ከኣ’ዩ ነይሩ። ይኹንእምበር እዚ ንመንነት ህዝባዊ ግንባር ዝገልጽ ወይ ዝቕይር ቀንዲ ትሕዝቶ ኣይነበረን።
2- ግንባር ድሕነት ዘቖሙ ድሕረ ባይቶኦም ጀብሃን ሻዕብያን ዝኾኑ እዮም። ካብ ሻዕብያ ኣድሓኖም፡ ዓብደላ ኣደምን ክንጠቅስ ንኽእል፡ ካብ ጀብሃ ድማ ስውእ ኣሕመድ ናስር፡ ስውእ ዶክተር ሃብተ ክንጠቅስ ንኽእል። እዚ ኣገዳሲ ምዕባለ እኳ እንተነበረ ንመንነት ግንባር ድሕነት ዝገልጽ ወሳኒ ረቛሒ ኣይነበረን።
3- ድሕሪ ናጽነት ካብ ከብዲ ህዝባዊ ግንባር ንህዝቢ ኤርትራ መሊኹ ዝረግጽ ሓይሊ ምስ ወጸ ብርግጽ ኩነታት ተቓያይሩ እዩ። እቶም ታሪኻውያን ተቓወምቲ ህዝባዊ ግንባርን እቶም ካብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ወጺኦም ንምልኪ እተጻራሩ ኣካላትን ክራኸቡን ብሓደ ክሰርሑን ዕድል ተኸፊቱ እዩ። ነዚ ከም ጸጋ ምርኣይ ከኣ ግቡእ እዩ።
4- ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ክቃራረባ ከለዋ፡ ነቶም ታሪኾም ሻዕብያን ጀብሃን ዝነበሩ ከነስምሮም ብሓደ ከነስርሖም ኣለና ብዝብል ኣይተበገሳን። ነዚ እቲ እዋንን ኩነታትን ባዕሉ ኣምጽእዎ እዩ ነይሩ። ድሮ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ቅድሚ ምምስራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እተፈላለየ ድሕረ ባይታታት ዘለዎም ብሓደ ሓቢሮም ክሰርሑ ሓደ ውድብ ክምስርቱን ተራእዮም እዮም። እዚ እቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ዝርርብን ሓድነትን እተን ክልተ ውድባት ማለት ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ኣይነበረን። ብፍላጥ ንእትደልዮ ዕላማ ከገልግል ነዚ ክትደዋውሶ ምፍታን ግን ንታሪኽ ብዝንቡዕ ኣገባብ ምንባቡን ምቕራብን እዩ። ዝርርብን ሓድነትን ሰልፊ ዲሞክራስን ሰልፊ ህዝብን ዕላምኡ ነቶም ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ኣካላት ኣብ ሓደ ምምጻእ እዩ ነይሩ። ነሱ’ዩ እቲ ዕላማ፡ ንሱ ድማ’ዩ ቀንዲ ትሕዝቶ’ቲ ሓድነት። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓድነት ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ኣካላት እዩ። እቶም ተመሳሳሊ ርእይቶ ዘለዎም ካብ እተፈላለየ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ምዃኖም ከኣ ተወሳኺ እምበር ቀንድስ ኣይነበረን፡ ኣይኮነን።
5- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እተመስረተ ክህሉን ክቕጽልን ንውሉድ ወለዶ ከም መሳርሒ ዲሞክራስያዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ክመሓላለፍን እዩ። እቶም ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኮይንና ንሕጊ ዲሞክራሲ ብኽብረት ጨቢጥና ንግዝኣተ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ሰልፍናን ኣብ ሃገርናን ክረጋገጽ እንቃለስ ዘለና ንጉዳይ ድሕረባይታት፡ ልዕሊ ዝግብኦ ደረጃ ክምጠጥን ቀንዲ መግለጺ ሰልፍና ክኸውን ፍጹም ኣይንድግፍን። ምኽንያቱ ጉዳይ ድሕረባይታት ቀዋሚ ትሕዝቶ ሰልፍና ዘይኮነ ካልኣውን ተቐያያርን ስለ እንቖጽሮ እዩ።
6- ብእምነትና ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሓዲሽ ወለዶ ብምዕባለ ክትካእ እዩ። እዚ ማለት ድማ ድሕረባይቶኦም ጀብሃን ሻዕብያን ዝኾኑ እናሓለፉ እናተቐየሩ፡ ምስ ሑሉፍ ሓርነታዊ ተሞክሮና ቀጥታዊ ስምዒታዊ ምትእስሳር ዘይብሎም ኣባላት ሓዲሽ ወለዶ እናወረሱ ክኸዱ ምዃኖም ስለ እንኣምን እዩ። ከምዚ ዝመስል ምዕባለ ምምጽኡ ድማ ንሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕዝትኡ ይኹን መንነቱ ፍጹም ክቕይሮ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ድሕረ ባይታታት ቀንዲ መግለጺ መንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዘይኮነ።
7- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንልዕላውነት ሕግን ንዲሞክራስን ዝቃለስ ሰልፊ እዩ። እዚ ካብ’ቶም ቀንዲ ዘይቅየሩ ትሕዝትኡን መግለጺ መንነቱን እዩ። ነዚ ትሕዝትኡ እዚ ክቕይር ዝሕልን፡ ንድምጺ ብዙሓት ዝንዕቕ፡ ንብሕጊ እተመርጸ መሪሕነት ዘይምእዘዝን፡ ብዘይጥርጥር ንመንነት ሰልፊ ዲሞክራሲ ክፍሑቕ ዝደሊ ዘሎ ዝምባለ እዩ። ዶክቶር ገብረ መራሕን ቀንዲ ተሓላቕን ክምዚ ዝመስል ዝምባለ ምዃኑ ድማ ብሓቂ’ዩ ዘሕዝነኒ። ኣይፋልካን ዶክተር ብዝብል ኣርእስቲ ክጽሕፍ ዝገደደኒ ውን፡ ዶክተር ንነብሱ ተዳናጊሩ ንኻልኦት ኣብ ምድንጋር ተዋፊሩ ከምዘሎ ይዕዘብ ስለዘለኹ እዩ። ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ብዶክተር ዝምራሕ ዘሎ ኣጸላሚ ወፈራ ብጽንዓትን ብቆራጽነትን ክምክትዎ ምዃኖም ጥርጥር የብለይን። ኩሉ ኣጸላሚ ወፈራ ከኣ ነዊሕ ዕድመ የብሉን፡ ኣጸላሚ ወፈራ ዶክተር ውን ከም ኩሎም ኣጸለምቲ ወፈራታት፡ ግዜኡ ሓልዩ ክበንን ክብሪ ክስእንን ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ክቕጽል እዩ።
Uppsala Hosts Annual Congress of EPDP Branch-1 in Sweden
Written by EPDP Information OfficeOn 19 August 2017, the first branch of the Eritrean People's Democratic Party (EPDP) in Sweden held its annual congress in academically famed city of Uppsala under the slogan: "Law-based struggle guarantees victory of our cause!"
Opened by welcoming remarks of the out-going branch chairman, Dr. Habtemichael Tekle, the EPDP Branch-1 annual congress heard a moving solidarity message sent by the All-Europe Zone chairman, Mr. Ishaq Woldemariam.
EPDP Branch-2 chairman, Mr. Zehaie Keleta, who attended the congress at observer-level also presented an inspirational speech in which he recounted the challenges being faced by the Eritrean people and their struggle for a better future and urged the Uppsala congress participants to counter those challenges with redoubled resolve to win.
The branch annual congress, which went on for four hours, exhaustively discussed political, organizational and financial issues related to the branch and its performances in each sector of activity. The congress also took time to discuss the effective ways in implementing future programme of action and the paramount importance of each member to fully understand the party's political programme and the constitution. Also discussed and applauded was the renewed attention being given by the EPDP to joint work with sister organizations in the opposition camp.
Likewise, the Uppsala congress of EPDP Branch-1 frowned upon misguided elements bent at unnecessary mud-slinging on this worthy party and its committed and steadfast leadership and reaffirmed branch members' principled support to the EPDP Central Council and the Executive Committee.
The annual Branch-1 Congress was concluded after adopting the future action plan and electing a new branch leadership for a one-year term.
ሻሙናይ ስሩዕ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳም ዕለት 26 ነሓሰ 2017 ክጅምር ኢዩ።ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (ካብ ክፍላ 2016 ክሳብ ክፍላ 2017) ናይ ዘካየዶም ንጥፈታት፡ ሃለዋት ህዝብን ደምበ ተቓውሞን ዝምልከት ጸብጻብ ክሰምዕን ክመያየጥን ኢዩ።
ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣኼባ ዝዛረበሎም ጕዳያት፡ እማመ ሰዲህኤ ንሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ሓይልታትን ምስ ተቓወምቲ ውድባት ዝካየድ ልዝብን፡ መስርሕ ምሕዳስ ሰልፍን ጕዳይ ዞባ ሰሜን ኣመሪካን ዘጠቓልል ክኸውን ኢዩ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ከም’ቲ ኣብ ነፍስወከፍ ዓመታዊ ኣኼባኡ ዝገብሮ፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ኣቦ መንበርን ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ክመርጽን ንውጽኢት ኣኼባ ዝምልከት መግለጺ ከውጽእን ኢዩ።
ብዕለት 19 ነሓሰ 2017 ጨንፈር ቁ. 1 ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብ ትሕቲ ትካላዊ ቃልስና ዋሕስ ዓወትና!!! ዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ጕባኤኡ ኣካይዱ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ዶ/ ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን ናይ ሰላምታን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መልእኽቱ ድሕሪ ምቕራብ: ምልኣተ ጉባኤን ኣጀንዳ ጉባኤን ብድምጺ ኣኼበኛታት ኣኼበኛታት ጸዲቑ።
ቀጺሉ ድማ፡ ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም፡ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡ ንጉባኤ ዝለኣኾ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ተነቢቡ። ሓው ጽሃየ ቀለታ፡ ኣቦ መንበር ሰ.ደ.ህ.ኤ. ጨንፈር ሽወደን ቁ.2፡ ብኣካል ኣብ’ቲ ጕባኤ ተረኺቡ፡ ንህዝብና ካብ ኣርዑት ምልካውነት ንምንጋፍ ዝግበር ቃልሲ መሪር ቃልሲ ክሕይልን ሓድነት ሰልፊ ክዕቆብን ኩሉ ዝከኣል ጻዕርታት ክግበር ድሕሪ ምዝኽኻር። ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ዕጥቅና ብዝያዳ ከነደልድል ከም ዘሎና ድማ ኣስሚርሉ። ብሓፈሻዊ ከኣ ንኣሰካፊ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ዝገልጽ ጭርሖ ጉባኤ: ብሩህን ሓባርን ጻዊዒት ምዃኑ ብምእማት፣ ንቀጻሊ’ውን ሓባራውን ስጡምን ቃልሲ ከም ዘደሊ ኣብሪሁ።
እዚ ንምሉእ ሰላምን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ዝገበረ ጉባኤ: ኣብቲ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ስርሑ: ኣብ ፖለቲካዊ፡ ውደባውን ገንዘባውን መዳያት ጨንፈር ዘበርከቶ ተራን ተሳትፎን ብግቡእ ገምጊሙ፤ ንዝመጽእ ዓመት ክዓሞ ዘለዎ መደብውን ሓንጺጹ። ቀንዲ ካብኡ ንፖለቲካዊ መደብን ቅዋምን ሰልፊ ብግቡእ ምኽታልን ኣብኡ መሰረት ዝገበረ ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ተቛውሞ ደምበ እጃሙ ክጻወትን ዝብል ነበረ።
ብድሕር’ዚ። ንዓመት 2017/2018 እተገልግል መሪሕነት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ኩሉ ስርሓት ሰልፊ ኣድማዒ ዝኽውን ድማ ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ምድልዳልን ቀጻሊ ናይ ተሃድሶ መስርሕ ምክያድን ምዃኑ ድማ ጉባኤ ኣረጋጊጹ። ንህልዊ ጸገማት ሰልፊ ብምጥማት: ናይ ርእይቶ ፍልልይ ንቡር መስርሕ ፖለቲካ ምዃኑ ብምእማን: ንዝገሃዱ ሽግራት ንምፍታሕ ዝውሰዱ ስጕምትታት ግን፡ ካብ ሕጋውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣስሚሩሉ።
ጕባኤ፡ ነቲ ብስም ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ሰልፍን ሕጋዊ መሪሕነትን ዝካየድ ዘሎ፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘየገልግል ናይ ጸለመ ወፈራታት ምዃኑ ብምእማት፡ ብምሉእ ድምጺ ኣብ ጐድኒ ሕጋዊ መሪሕነቱ ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ንኹሎም ግዳይ ናይ’ዚ ወፈራ ዝዀኑ ንጹሃት ተቓለስቲ ድማ፡ ኣብ ቀልቦም ተመሊሶም ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ መገዲ ክመርጹ ጉባኤ ጸዊዑ።
ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንህልው ኩነታት ደምበ ተቛውሞ ዳህሲሱ: ውሽጣዊ ኩነታቱ ገምጊሙ: ኣብ ዲፕሎማስን ዜናን ህዝባዊ ጉዳያትን ምስ ኩለን ናይ ተቛውሞ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢሩ ክሰርሕን ክቃልስን ዘኽእል እማመ ምቕራቡ ጉባኤ ኣመጒሱ። ብሓፈሻኡ ከኣ መሪሕነት ሰልፍና ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ክልተ ዓመት ግዜ መሪሒነቱ ንዝዓመሞም ጉዳያት ንኢዱ።
ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና
ውድቀት ንህግደፋውያን
ንሓባራዊ ስራሕ ምስ ኩሎም ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ንበገስ።
ሰባት ብውልቂ ኮነ ብውዱብ ኣገባብ፡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ይኹን ዘይፖለቲካ ዛዕባ ኣብ ውድድር እዮም ዝነብሩ። ኣብ ውድድር ክትነብር እንከለኻ ከኣ ኣብ ናይ “ናተይ ይሓሽ” መስርሕ ኢኻ እትሕንብስ። እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከኣ ብድሌትካ ዘይኮነ በቲ ኣመራጽታት ዝቐርበሉ ኣካልዩ ዝውሰን። እቲ ውሳነ ከኣ በቲ እትብሎ ዘይኮነስ በቲ እትገብሮ እዩ ዝቅየስ።
ሰባት ብውልቂ ይኹን ብውዱብ ናተይ ንዝብልዎ ክስስዑ ዘገርም ኣይኮነን። እቲ ዝገብርዎ ሕማቕ ሓቢኦም ከምቲ ዝብልዎ ክኾነሎም ከኣ ይደልዩ። ናይቲ ናብ ዕዳጋ ዝወረደ ኣተሓሳስባኦም ገዚኡ ደጋፊኦም ወይ ሰዓቢኦም ክኸውን ዝደልይዎ ኣካል፡ ነቲ ዝብልዎ ብተግባር ከየረኣገጸ፡ ከምዘለዎ ክወስደሎም ይደልዩን ይደፋፍኡን። እቲ ገዘኣይ ግና ነቲ ናብ ዕዳጋ ዝወርድ ኣተሓሳስባ እንተ ክገዝኦ ወይ ክነጽጎ ኣብቲ ናይ ሸየጥቲ ሃርገፍገፍ ጥራይ ኣይምርኮስን። ብኣንጻሩ ብመንጽር ናቱ መምዘኒ እዩ ዝቕበል ወይ ዝነጽግ። እቶም “ዝበልኩኻ ጥራይ ስምዓኒ በሃልቲ” ግና ዋላ ነዚ መስርሕ ይረድእዎ ከምቲ “ክበልዕ ዝበለስ ገደል ኣፉ” ዝበሃል ኣብ ባዶ ተግባር ይሃልኩ እሞ፡ ተቐባልነት ኣይረኽቡን ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ እውን ኣብ ትዕዝብቲ ይወድቁ። እቲ ኣዝዩ ዝኸፈአ ከኣ ኣብ ሓደ ጉዳይ ትማሊ ዝብልዎ ዝነበሩ ይርስዕዎ’ሞ፡ ሎሚ ምስቲ ናይ ትማሊ ዝላተም ሓሳብ ኣምጺኦም፡ ባዕላቶም ተገራጭዮም ናይ ተዓዛቢ ውሳነ ከይተጸበዩ ወዲቖም ይስበሩ።
ትማሊ ኣካይዳ ሰልፍና ወይ ውድብና “ኩሉ ዝግበር ብመሰረቱ ዲሞክራስያዊ እዩ።” ዝብሉ ዝነበሩ ሎሚ ተገልቢጦም “የለን ሰልፍና ዘይደሞክራስያዊ እዩ” ክብሉ እንከለዉ ኣብ ገዛእ ርእሶም ተገራጭዮም ካብ ሓቀኛ ዕዳጋ ይወጹ ከም ዘለዉ ኣይርደኦምን። ኣብ ሰልፎም ዘሎ ስፍሓት ናይ ዲሞክራስያዊ መድረኽን ተሳትፎን “እቲ ቅርጻ ኣሎ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣሎ፡ ጨናፍር ኣሎ። ብብደረጃኡ ከኣ ከባብያዊ ዝኾና ኣካላት ኣለዋ” ዝብሉ ዝነበሩ ኣካላት፡ ደሓር ብዝኾነ መንገዲ ምስ ኮረዩ “ሰልፍና ብናይ እገለ ውልቃዊ ልዕልና ዝተዓብለለ እዩ’ ክብሉ እንከለዉ ኣይገርምንዶ። መዓስ እዚ ጥራይ ትማሊ “ዲሞክራሲ ማለት ውሑዳት ዝበልዎ ምቕባል እንተኾይና፡ ዘገርምን እዩ” ብዝብል ቃና ንልዕልና ግዝኣት ኣብዝሓ ዝጣበቑ ዝነበሩ ደሓር ሕብሮም ቀይሩ “እቶም ብዙሓት ነቶም ውሑዳት ወይ እቶም ላዕለዎት ነቶም ታሕተዎት እንተዘይተማእዘዝዎም ክሳድና ንሴፍ” ኢሎም ኣፎም መሊኦም ሕንኮም ጠቕሊሎም ኣብ ኣደባባይ ክዛረቡ እንከለዉ ምስምንታይ ይቑጸር።
እዚ ኩሉ ተደሚሩ ውሽጣዊ ድሌት፡ ስምዒትን ስስዕትን ዋላ ነቶም እንተስ ብተመኩሮ ወይ ብትምህርቲ “ንሕና ኢና” ኢሎም ዝንየቱ ከም ዘዕውሮም ንርእዮ ዘለና እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ዕድመ ናይቲ ብህርፋን ተደፊኡ ጽልኢ ሰኒቑ ዝበሃል ሓጺር እዩ። እቲ ክዉን ሓቂ ግና ቦታኡ ኣይለቅቕን እዩ። ኣብ ሓደ ውድብ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክፍጠር ባህርያዊ እዩ። ካብቲ ፍልልይ ኣየናይ ይስዕር ኣየናይከ ይሰዓር ግና በቲ እቶም ተወዳደርቲ ዝምድርዎ ጥራይ ኣይኮነን ዝውሰን። እቲ ዝንገሮ ኣካል ፍርዱ ክህብ ግብራውን መትከላውን መወከሲ ይደሊ እዩ። ናይቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዝተፈጥረሉ ውድብ ወይ ትካል ቃል ኪዳን ዝኾነ ቅዋም ወይ መደብ ዕዮ ይውከስ። ካብዚ ሓሊፉ “ነቲ ዝገብሮ በቲ ዝብሎ ክሽፍኖ ይኽእል እየ” ኢሉ ዝንየት የጋጥም እዩ። ንኣብነት ንመሰረታዊ ደሞክራስያዊ መትከላት እንዳ ጠሓሓስካ “ንሓድነት ናይቲ መትከላቱ እትጥሕሶ” ውድብ ወይ ሰልፊ ይሰርሕ ኣለኹ እንተበልካ፡ እቲ ሰማዒ ብውሽጡ ከም ዝስሕቀካ ምግንዛብ ኣድላዪ’ዩ። ሓንሳብ እንድሕሪ ካብቲ መስመር ወጺእካ ግና ብውሽጣዊ ህርፋንን ቅርሕንትን ስለ እትሰክር ኣይርደኣካን ይኸውን።
ካብ መስመር ክትወጽእ እንከለኻ፡ ናይቲ “ንሓድነቱ ይሰርሕ” ኣለኹ እትብሎ ሰልፊ ይኹን ውድብ መሪሕነት ንጌጋኻ ብዝምጥን “ከምዚ ተቐጺዕካ ኣለኻ” ተባሂልካ ክነስኻ፡ ንምንታይ ተተንከፍኩ ኢልካ ዕምቡራ ምፍጣር፡ ብተግባር ከምቲ እትብሎ ከምዘይኮንካ ዘመልክት እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብ ዝርከቡ ሰባት ዘጋጥም እዩ። ምሁርነት፡ ገዲምነት፡ ምኩርነት’ውን ኣይክውለልካን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜስ ከምቲ “ናይ ሎሚ ገደደ፡ ስያብ/ለባም/ምሁር ዝዓበደ” ዝበሃል ኣብዚታት’ኳ ይገድድ። እቲ ካልእ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዘጋጥም ግናይ ከኣ፡ ነቲ መሪሕነታዊ ኣካል ብመምርሒ መሰረት ዝወስዶ ስጉምቲ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ሓቢእካ፡ ናትካ ናይ ስንባደ ትርጉም ክትህቦ ምፍታን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኣብ ሓደ ውድብ ቅዋማውን ስርዒታውን ስጉምቲ ክውሰድ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን እቲ ውሳነ ይምጠጥ። ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ስጉምቲ ምኽንያት ሰልፋዊ ወይ ውድባዊ ስነስርዓታዊ ጥሕሰት ክነሱ “ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ” ከም ዝተወስደ መሲሉ ተገላቢጡ ይቐርብ። ነዚ ብዘይካ “ሰራቕ ሞባእሲ ባዕሉ ይለፋለፍ” ኢልካዮ ምሕላፍ ካልእ መግለጺ የብሉን።
እምበኣር ሰባት ከምዚ ዓይነት ግልቡጥ ሓባአሬታ ክቐርበሎም እንከሎ’ውን፡ ነቲ ዝበሃል ኣይስምዕዎን ነቲ ዝጸሓፍ ኣየንብብዎን ኣይበሃልን። ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ዝበሃል ናቶም መርገጽ ክወስዱ እንከለዉ ግና ቀንዲ መወከሲኦም እቲ ዝበሃል ዘይኮነስ እቲ ዝግበር ክኸውን ግድን’ዩ። እዚ ኣካይዳ ቀንዲ ጠቕሙ ነቲ ናይ ሓሳቡ ደግፍ ዝረክብ ወይ ዝስእን ወገን ዘይኮነ፡ ንናይቲ ግቡእ ሚዛን ዝህብ ርትዓውነት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ቀንዲ ቆላሕታናን እምነትናን ኣብቲ ተኾሓሒሉ ዝቐርብ በሃሊ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕዝቶ’ቲ ዝብሎ ክኸውን ይግበኦ። ገለ ወገናት ግና በቲ ደጋዊ መንነቶም እምበር፡ በቲ ዝብልዎ ዝምዘኑ ኣይመስሎምን እዩ። ደሓር ሓደ ጉዳይ ኣይንረስዕ፡ ከምቲ “ቆልዓ ምፍታው ምስ ንፋጡ” ዝበሃል ንውድብን መትከላቱን፡ ክንእደካን ከመጉሰካን እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክግስጸካን ዓገብ ክብለካን እንከሎ’ውን ዓቲብካ ከተኽብሮ ግድን እዩ።
ቅዋም ወይ ናይ ምምሕዳር ሕጊ: ውድብ፥ ሰልፊ ወይ ማሕበር ዝመሓደረሉ ቀያዲ ሕንጻጽ ወይ ውዕል ዝገልጽ መሰረታዊ መምርሒ ወይ ንኣገባብ ኣሰራርሓን ርክባትን ዝቐርጽ እዩ። ሰባት፥ ብእኩብ ይኹን ብተናጸል ብዘይ እዚ ዝተጠቕሰ ጠማሪ ሕጊ ወይ ቅዋም ዝገብርዎ ዝኾነ ይኹን ስራሓት፥ ወይ ንጥፈታት ናብ ቀይደ-በተኽነት እዩ ዘምርሕ።
ኣብ መስርሕ ቃልሲ “ሕጊ ኣይተኸተልካን ወይ እውን በቲ ዝመረጽካዮ መሪሕነት ዝወሃብ ውሳኔ ኣብ ግብረ ኣየውዓልካን” ስለ ዝተበሃልካ ምልኪ ነጊሱ ማለት ኣየስምዕን። ነዚ ዝገልጽ ኣብ ቅዋም ሰዲህኤ “ዓንቀጽ 3.10 ታሕተዎት ደረጃታት ሰልፊ፡ ንላዕለዎት ደረጃታት ይምእዘዙ፤ ላዕለዎት መሪሕነታት፡ ንሓሳባትን ለበዋታትን ኣባላት ብዕቱብነት ኣጽኒዖም፡ ግቡእን ፍጡንን መልሲ ይህቡ።” ይብል። ምኽንያቱ እቲ ዝምረጽ መሪሕነት፡ ነቲ ሕጊ ተኸቲሉ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ናይ ግድን እዩ ውሳኔ ክውስን። ሕጊ ከኣ ንናጽነታትን መሰላትን ሰባት ይኹን ንገዛእ ርእሶም እቶም ሕግታት ከይገሃሱ ዝከላኸል ምዃኑ ንኹልና ብሩህን ርዱእን እዩ። መሰልካን ናጽነትካን ኣውሒስካ፡ ንናይ ካልኦት መሰልን ናጽነትን እናኣኽበርካ፥ ንውሳኔታት መሪሕነት ብሕጊ ተማእዚዝካ ምኻድ ማለት ከኣ ሕጋውነት እምበር፡ እቲ መሪሕነት ይኹን መላእ ሰልፊ ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ ኣየመልክትን እዩ።
ቅዋም ኣብ ሕብረተሰብ ይኹን ኣብ ማሕበራት ወይ ሰልፍታት ሕግን ስርዓትን ዘስፍን እዩ። እዚ መሰረታዊ ሰነድ ኣባል ናይታ ብሕጊ እትምራሕ፡ ማሕበር ወይ ሰልፊ ክስዕቦን ከኽብሮን ናይ ግድን እዩ። እዚ ቅዋም እዚ በቲ ነቲ ማሕበር ይኹን ወይ ሰልፊ ሕጊ ተኸቲሉ ንኽመርሕ ዝተመርጸ ኣካል ኣብ ግብሪ ዘውዕል እዩ። ቅዋም ናይ ዝኾነ ይኹን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዶብ ወይ ደረት ሓላፍነታት ስለ ዘነጽር፡ ነፍሲ ወከፍ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምስ ዝርዕም ሽግራት ብቐሊሉ ክፍትሑ ይኽእሉ። ንዝተቐበልካዮ ቅዋም፡ ሓላፍነት ንዝተዋህቦም ሰብ መዚ ብውልቂ ስለ ዝጸላእካ ነቲ ብኣብዝሓ ዝተወሰነ ውሳኔታት እናኣቆናጸብካን “ሕጋዊ ኢየ” ምባል ናይ ዘይማዕበለ ወይ ዘይሰልጠነ ኣተሓሕዛ እዩ። ብመሪሕነት ዝውሰድ ውሳኔ ንኣኻ ዘየዕግብ እውን እንተኾነ ንድምጺ ብዙሓት ክትዓፍን ኣይትኽእልን ኢኻ።
ስለዚ ነቲ ቅዋም ክተግብር ዝተመዘዘ ኣካል ብምጽላእ፡ ንመሪሕነቱ ምንጻግ ነቲ ኣብ ቅዋም ሰልፍና “ዓንቀጽ 3.11 ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሰልፊ፡ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፤ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይረኸበ ሸነኽ ድማ፡ ብውሳኔ ናይ ብዙሓት ይምእዘዝ፤ ውሑዳት ግቡኦም እናፈጸሙ፡ ኣብ ዘለውዎ ጽፍሒ ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ መሰሎም ሕልው እዩ።” ብዝብል ሰፊሩ ዘሎ፡ ዘይምቕባል ከይዱ ከይዱ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ናብ ስርዓት ዝጎደሎን መንገዲ ዕግርግር ገጹ ስለ ዝደፍኣካ፡ ነቲ ዝጠምረካ ሕጊ በጣጢስካ ብናትካ ፍኑው ስምዒት ምኻድ “ናተይ ጥራሕ እዩ ቅኑዕ” ናብ ምባል ትዕዘር። እዚ ንኸይከውን እቲ ትግባረ ሕጊ ብኹሉ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ኣኽብሮትን ምእዙዝነትን ክህልዎ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ዘነጽር ኣብ “ዓንቀጽ 4.4.3 ንሕግታትን መምርሕታትን ሰልፊ ምእዙዝ ይኸውን፤” ብዝብል ሰፊሩ ኣሉ። ጉዳየይ ኢልካ ምስትምቓሩ ከኣ የድሊ።
ሰባት ፍሉይ ባህርን ጠባይን ስለ ዘለዎም ገሊኦም ንሕግን ስርዓትን ዝሕልዉ፡ ዘኽብሩ፡ ዝምእዘዙን ዘተግብሩን ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ ሕግን ስነ-ስርዓትን ዝጥሕሱን ኣብያ ዘርእዩን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ንርእይቶኦም ዘይውክል ውሳኔ ኮይኑ ረኺቦሞ ነቲ ሕጊ ክጥሕስዎን ክሳብ ነቲ ኣድማሳውን ስነፍልጠታውን ሕጊ ወጃሃላይ ዝርእይዎን ዝንዕቅዎን’ውን ኣይሰኣኑን እዮም። እዞም ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ወይ ጠባይ ዘለዎም መትከላውያን ስለዘይኮኑ ንዕግርግርን ምፍልላይን ዝጐሃህሩ እምበር፡ ንነገራት ብልዙብ ሕድገታትን ምእዙዝነትን ኣቢሎም ክህድእዎ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ ንሕግን ስርዓትን ኣኽቢርካ ምኻድ ማለት ነቲ ውሳኔ ዘሕለፈ ኣካል መሪሕነት ሓጊዝካ ወይ ጸጊዕ ሒዝካ ወይ’ውን እቲ መሪሕነት ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ብዝምልከት ኩሉ ኣባል ሰልፊ ነቲ ኣብ “ዓንቀጽ 4.4.9 ንሰልፊ ክኸፋፍል ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ወስታታት ይከላኸል፤” ዝብል መልእኽቲ ብጽሞና ክግንዘቦ የድሊ። ኣብዚ ሓደ ክንዝንገዖ ዘይግበኣና፡ ሕግን መሪሕነት ነቲ ሕጊ ተኸቲሉ ዝውስኖ ውሳነታትን ፈላሊኻ ዝረኣዩን ዝረሓሓቑን ኣይኮኑን። ብመሰረቱ ሕጊ ዝግለጽ በቲ ከተግብሮ ዝምዘዝ ኣካል ዝውስኖ ውሳነታትን ዝወስዶ ስጉምትታትን እምበር በይኑ ህልውና የብሉን። ስለዚ ሕግን ውሳነታት መሪሕነትን ተደጋገፍቲ እምበር ተጻረርትን ተወዳደርትን ኣይኮኑን። መሪሕነት ክውስን እንከሎ ሕጊ ክኽተል ኣለዎ ምባል ግና ቅቡል እዩ።
ቅዋምና፡ ኣብቲ ውሳኔታት ኣብ ኣገባቡ ይኹን ኣፈጻጽማኡ በቲ መሪሕነት ገለ ጌጋታት ወይ ጉድለታት ዝተፈጸመ እንተልዩ በቲ ግቡእ መስኖ ኣቢልካ ዕቃበኻን ትዕዝብትኻን፥ ከምኡ እውን ለበዋኻ ምግላጽ ዝኽልክል የለን። እዚ እውን ኣብ “ዓንቀጽ 4.3.5 ውድባዊ ቦታ ብዘየገድስ፡ ብኣባላት ኮነ ብመሪሕነታዊ ኣካላት ንዝፍጸሙ ጕድለታትን ጌጋታትን ንምእራም፡ ወይ’ውን ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታትን ንጥፈታትን ሰልፊ ዘለዎ ትዕዝብቲ፡ ብውድባዊ መስኖ ኣቢሉ ርእይቶን ሃናጺ ነቐፌታን ከቕርብ መሰል ኣለዎ፤” ኢሉ ኣብሪህዎ ኣሎ። ስለዚ ሕጊ ኣኽቢርካ ምኻድ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንኹሉ ዝምልከት፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ ናይ ስኒት፡ ሰላም፡ ፍቕርን ሕውነትን፥ ዝያዳ ድማ ንናይ ሓባር ሸቶ ብሓባር ምጉዓዝ ዝእምት እዩ። እምበኣር ልዕሊ ሕጊ ምዃን ዝመጽእ ነዚ ጥሒስካ ኣብ ታሕቲ ኮይኑ ንላዕሊ ዘገድድ ቅድመ-ኩነት ከተጻውድ እንከለኻ እዩ።
ሕጊ ሰብ ዝሕንጽጾ ኮይኑ፡ እንተስ ክትስዕቦ ወይ ዘይክትስዕቦ ኣብ ናትካ ተረድኦ ዝመርኰስ እዩ። ኣርሒቑ ዝርኢ ሓላፍነታዊ እንተኮይንካ፡ ዘጋጥም ጸገማት ወይ ሽግራት ኣብ ክንዲ ናይ ጥሕሰታት ዘራይ ኰንካ ምንቅስቓስ፥ ሕጊ ተኸቲልካ ንምፍትሑ ምጽዓር ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኣገባብ ዘይምኽባር ብዝምለት ኣብ “ዓንቀጽ 5.3.8 ካብ ቅዋምን ሰልፋዊ ሕግታትን ወጻኢ ዝኾነ ምንቅስቓሳት፡ ወይ ጥሕሰታት ዘዘውተረ ጨንፈር ብመሰረት ውሳኔ መሪሕነት ንኡስ ዞባ ወይ ዞባ ይውንዘፍ፡፡ ዝተወንዘፈ ጨንፈር ድማ ኣብ ኣኼባታት ንኡስ ዞባ ኮነ ዞባ ክሳተፍ ኣይክእልን፤” ብዝብል ሰፊሩ ኣሎ
እዚ ሕግን ስርዓትን ሓባራዊ ንክኸውን ዝኸዶ መገድን ዝግዝኣሉ መስርሕን ኣለዎ። ንሱ ከኣ ብጉባኤ ኣቢልካ ዝትግበር እዩ። ጉባኤ ከኣ ንኹሉ መሰላት፡ ሓላፍነታትን ግቡኣትን ኣነጺሩ ዘጽድቕ ብምዃኑ ተመሊስካ ክእረም ዘለዎ ውሳነን ሕግን ኣብ ቀጻሊ ጉባኤ ይዝረበሉ ፍታሕ ከኣ ይግበረሉ። እዚ’ውን ብልዝብ እምበር ብቆይቊን ጽልእን ወይ ሰባትን ትካላትን ብምዝልላፍን ኣይኮነን። ካልእ ኣብ መንጎ ክልተ ጉባኤታት ከኣ ነቲ ውሳነታት ጉባኤን ነቲ ሰልፊ ከመሓድር ይኹን ወይ እውን ዝመሓየሽ እንተልዩ ከመሓይሽን ብሕጊ መሰረት ክቕጽዕን ስልጣን ዘለዎ ባይቶ እዩ። ስለዚ እዚ ከበሃል እንከሎ ኣብቲ ጉባኤ ዝብጻሕ ስምምዕ ንኹልኻ ዝጠምረካ እምበር እንተደለኻ ትምእዘዞ እንተዘይደለኻ ከኣ ትነጽጎ ዝዓይነት ኣይኮነን። ስለዚ ቅዋም ብሓፈሻኡ ንመሰላት፡ ግቡኣትን ሓላፍነታትን ኣባላት ዝገልጽ ኮይኑ ነቲ ብመሪሕነት ዝውሰድ ውሳነ’ውን ኣጸቢቑ ዝገልጽ እዩ። ነዚ ብዝምልከት “ዓንቀጽ 4.5.4 ቅዋምን ንፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሰልፍን መትከላቱን ዕላማታቱን ምስ ዝጻረር፤ ንክብሪ ሰልፊ ዝሃሲ መርገጽ ወይ ዘመተ ምስ ዘካይድ፤ ምስጢር ኣሕሊፉ ምስ ዝህብ። ከምኡ ከኣ ኣብ ዓንቀጽ 4.5.6 ካብ ላዕለዎት ኣካላት ንዝመጸ መምርሒታት ምስ ዝጥሕስ፤” ካብ ዘቕጽዕ ምኽንያታት እዩ።
ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቤ ኤርትራ በቲ ኣብ ጉባኤታቱ ዘጽድቖ ቅዋም ኣቢሉ ዝምእዘዝን ዝኽተልን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐ ቅዋም ሓደ ብሓደ ምስ እንዝርዝሮ ንሓላፍነታትን ኣብቲ ሰልፊ ብቦታዊ፡ ዞናውን ሃገራውን ደረጃ ዝንቀሳቐሱ ክምኡ እውን ኣብ መንጎ እዞም ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝህሉ ዝምድናታት ብንጹር ኣብሪሁ ዝገልጾ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣንጻር ክብርታትን፥ እምንቶን ሓሳባትን ናይ ሰልፊ ምኻድ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝተሰማማዕካሉ መትከላት፡ ሕንጻጻትን፥ ቀይድታትን ዘይምእማን ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ጉባኤ ዝተሰማማዕሉን፥ ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕንተን ፈላሊኻ ዝርአ ኣይኮነን።
ስለዚ ኣብ ጉባኤ ዝተሓንጸጸን ነቲ ዝተሓንጸጸ ከተግብር ዝተመርጸ መሪሕነትን፡ ምንእኣስ ይኹን ምንጻግን ምጥሓስ ውሳኔታትን በቲ ሓደ ወገን ንግዝኣተ ኣብዝሓ ዝጻረር እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ሕጊ ዋጻኢ ከም ድላይካ ኣንጻር ሰልፊ ይኹን ኣንጻር መሪሕነቱ ዝካይድ ዕንደራ፡ ብሓጺር ኣገላልጻ ርትዓዊ ኣይኮነን። ካብኡ ብዝተረፈ ስርዓት ኢሳያስ ክብደት ናይ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ስለዝፈለጠ እዩ ንቅዋም ይኹን ሕጊ መወከሲ ከይከውን ከሎ ጋና ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዝቐተሎ። ስለዚ ብቅዋም ተማእዚዝካን ሕጊ ብዝፈቐዶ እንተዘይተቐይድካን ፍኑው ዝኾነ ምሕደራ እዩ ዝፍጠር።
ራዲዮ ድምጺ ሓርነት 12/08/2017 إذاعة صوت الحرية
Written by Radio Demtsi Harnnet From SewedenMore...
كليمة رئيس حزب الشعب الديمقراطي الارتري في مهرجان ارتريا للعام 2017م
Written by منقستئاب أسمرومالسادة والسيدات الأكارم
في البدء أرحب بكم وأقدر حضوركم الكريم وتلبيتكم دعوتنا لمشاركتنا فعاليات مهرجان ارتريا للعام 2017م بفرانكفورت بألمانيا. والشكر والتقدير موصولان للجنة التحضيرية للمهرجان وساعدها الأيمن الرابطة الديمقراطية الارترية لإعدادهما المهرجان بهذه الصورة الجميلة.
يأتي مهرجان هذا العام وارتريا تعاني من شح المياه، الكهرباء، العدل، الأمن وحقوق الانسان، تدفق هجرة الشباب، اشتداد قبضة دكتاتورية إسياس أفورقي علي جميع مجالات الحياة، استباحة الأرض الارترية ومياهها وأجوائها من قبل القوى الأجنبية، الي جانب تسبب سياسات أفورقي الخرقاء في وقوع أراضٍ ارترية واسعة تحت الحكم الاثيوبي المباشر، فضلاً عن غيوم الحرب التي تظلل سماء العلاقة بين ارتريا واثيوبيا من جهة وارتريا وجيبوتي من جهة. أما علي صعيد المعارضة فيأتي المهرجان وهي تعيش أضعف حالاتها من تمزق وتناحر وتقوقع علي الذات.
لا شك أن هذا الوضع الارتري السيئ داخلاً وخارجاً يتجه بارتريا نحو الانحدار المتسارع الي مصير الدولة الفاشلة، الأمر الذي يفرض علي كل حادب علي مصلحة شعبه ووطنه المبادرة بالإسهام في انتشال بلاده من هذا النفق المظلم، وإلا فإن التاريخ لن يرحم أحداً ممن يتقاعسون عن هذه المهمة الوطنية.
للخروج من هذه الأحوال المتردية قام المجلس الوطني لحزب الشعب الديمقراطي الارتري بدراسة وتقييم التجارب السابقة للعمل المشترك بين قوى المعارضة وما كان ينشأ بينها من أطر مظلية شاملة أو جزئية. وبذلك توصل التقييم الي أن أهم عيوب ومعيقات العمل المشترك ظلت تتمثل في الآتي:
1/ فشلنا في ترتيب الأولويات
2/ قضاء الوقت فيما لا يجدي فتيلاً كالمكايدة والتنافس دون أسباب وجيهة.
وانطلاقاً من هذا التشخيص العلمي الدقيق لعيوب وأمراض المعارضة نقترح العناصر الأربعة أدناه للانطلاق من منصة جديدة للعمل المشترك، ألا وهي:
1/ الحفاظ علي السيادة الوطنية لارتريا
2/ إسقاط نظام الهقدف الدكتاتوري واجتثاث مؤسساته القمعية
3/ إبدال النظام الدكتاتوري بنظام شعبي ديمقراطي متعدد الأحزاب.
4/ الإقرار بحكم القانون وجميع الحريات والحقوق الديمقراطية للمواطنين
حزبنا يتقدم بهذا الطرح لجميع قوى المعارضة بلا استثناء أحد لتتخذ منها حجر الأساس نحو بناء مظلة وطنية جامعة. كما يرى الحزب أن تنشئ المظلة ثلاث لجان للعمل الدبلوماسي والاعلامي والجماهيري التعبوي. علي أن يكون شرط الانتماء لتلك اللجان قائماً علي الإيمان بالتغيير والخبرة العملية والسياسية وليس بالضرورة الانتماء الي إحدى قوى المظلة أو تمثيلها.
السادة والسيدات:
هذا الطرح بالطبع ليس الوحيد والنهائي، إنه قابل للتعديل حذفاً وإضافة، قابل للأخذ والرد، لكن بشرطٍ واحد هو أن ما نتفق عليه جميعاً من حذف أو إضافة لابد له من أن يكون مهمة اليوم وليس الغد.
ما طرحناه مشروعاً للعمل المشترك لتنظيمات المعارضة الارترية لا يمنع الوحدة أو التقارب أكثر بين مكونات المظلة المتطابقة أو المتقاربة برامجياً، علي أن لا يؤدي ذلك الي اتخاذ هذه الأطر الأضيق بديلاً للإطار المظلي الجامع، ومن هنا أعلن لكم أن حزبنا علي استعداد للانضمام الي أي مشروع مظلي أفضل من مشروعه الحالي يتسم بالديناميكية والقابلية للتطبيق العملي.
السادة والسيدات:
بهذه المناسبة يناشد حزبنا كافة القوى العسكرية الأجنبية الخروج من ارتريا، وإيماناً منه بعدم جدوى الحل العسكري للنزاع الحدودي بين ارتريا واثيوبيا من جهة وارتريا وجيبوتي من جهة، يناشد أطراف النزاع التقيد بالمعاهدات الدولية المعنية والبحث عن حلول سلمية.
كما يناشد حزبنا الحكومة الاسرائيلية وقف انتهاكاتها لحقوق المهاجرين الارتريين وأن تعاملهم وفق اتفاقيات اللجوء الدولية.
كذلك يدعو الحزب دول الاتحاد الاوربي الي إعادة النظر في دعمها للنظام الدكتاتوري وقفل حدودها أمام اللاجئين الارتريين تحت حجة وقف تدفق الهجرة الي تلك البلدان.
نناشد الجيش الارتري أن يقف بجانب شعبه وحقوقه وأن يواجه بحزم الطبيعة الخرقاء لنظام اسمرا الدكتاتوري الأرعن.
يشيد الحزب بالجهود النضالية الدؤوبة لمنظمات المجتمع المدني وتجمعات المثقفين في كشف وتعرية نظام أفورقي والعمل علي تمتين وحدة قوى المعارضة الوطنية.
ختاماً لا يسعني إلا أن أتمنى لمهرجاننا النجاح وأن يكون منبراً وموسماً للوحدة والتجانس والتفاهم بيننا في جميع المجالات.
لنتحد ليكون زندنا الأقوى وصوتنا الأعلى
منقستئاب أسمروم
رئيس الحزب
3 أغسطس 2017م
ክቡራት ወከልቲ ፖለቲካውንን ሲቪካውንን ማሕበራት ኤርትራ ብሓበራ
ክቡራት ዕዱማት ኣጋይሽናን
ኣቐዲመ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንዕድሜና ኣኽቢርኩም ኣብ ናይ 2017 ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ ፍራንክፈርት ክትካፈሉ ንዝመጻእኩም ኣጋይሽና ክብ ዝበለ መጐሰይ ክገልጸልኩም እፈቱ።
ቀጺለ ንኣሰናዳኢት ፈስቲቫል ኤርትራን ንኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበርን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ፈስቲቫል ንምእንጋድ ዝገበርዎ ጻዕሪ ዘሎኒ ኣድናቖትን መጐስን ክገልጸሎም ክብሪ ይስምዓኒ፤ ክብረት ድማ ይሃብኩም።
ናይ ሎሚ ፈስቲቫል ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፡ ህዝቢ ኤርትራ ብስእነት ማይ፡ መግቢ፡ መብራህቲ፡ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰልን ሰላምን ኣብ ዝሳቐየሉን ማእለያ ዘይብሎም መንእሰያትና ንስደት ኣብ ዘምርሕሉን፥ ምልኪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፍወርቂ፡ኣብ ኵሉ መዳያት ናይ ህይወት ዜጋታትና ኣብ ዝኸረረሉ፥ መሬት፡ቀላያትን ሰማያትን ኤርትራ መዐንደሪ ናይ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ሰራዊት ልፍንቲ ኣንጻር የመን ኣብ ዝዀነሉ፤ ብሰንኪ ግጉይ ፖሊሲታት ስርዓት ኢሳያስ፡ሰፊሕ መሬት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ጐበጣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከበሉ፡ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ናይ ውግእ ድነ ኣብ ዝዝምብየሉ፤ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ደምበ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡መኣዝኑ ኣጥፊኡ ዕንይንይ ኣብ ዝብለሉን ናይ ምብትታን ምፍንጫልን ተረኽቦታት ኣብ ዝዓምበበሉን ሃለዋት ኢና ንርከብ ዘሎና።
እዚ ክልቲኡ ተረኽቦታት ተደማሚሩ ንኤርትራ ናብ ፍሽልቲ ሃገር ምዃና ዘምርሕ ምልክታት ስለዝዀነ፡ኵሉ ብህዝቡን ሃገሩን ዝሓስብ ኤርትራዊ ዜጋ፡ ንህዝብን ሃገርን ካብ ብርሰት ንምድሓን ቆሪጹ ክብገሰሉ ዘለዎ ናይ ኣፈርክቡ ሃለዋት ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ። ሎሚ፡ ማዕረ’ቲ ተነቢሩልና ዘሎ ሓላፍነት ኰና እንተዘይተረኺብና፡ ጽባሕ ብታሪኽ ክንሕተትን ክንውቀስን ምዃና ክንርስዕ ኣይግባእን።
ካብ’ዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ዝሓለፉ ተመኵሮታት ምቛም ጽላላት ተቓወምቲ ሓይልታት፡ ከም ቀንዲ ጕድለት ወይ ሕጽረት ኰይኖም ንቕድሚት ንኸይንጕዓዝ ሓሊኾም ሒዞምና ዝጸንሑ ዕንቅፋታት ቀዳምነትና ክንሰርዕ ዘይምኽኣልን ኣብ ፋይዳ ዘይብሉ ናይ ህልኽን ኣሉታዊ ናይ ውድድር መንፈስን ተጸሚድና ምጽናሕናን ምዃኖም ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ
ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ገምጊሙ።
ስለ’ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ነዞም ዝስዕቡ 4 ነጥብታት ወይ ዕላማታት ልዕሊ ኵሎም ካልኦት ቀዳምነታት ሰሪዕና ብሓባር ክንሰርሓሎም ከምዘሎና ይኣምን። ንሳቶም ከኣ፦
1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ ፡
2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ ጨቆናዊ መሓውራቱን
3. ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም
4. ብግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ኤርትራ ምእማን ኢዮም።
ኣብ’ዞም ዕላማታት እዚኣቶም ዝተሰረተ ኵሎም ተቓወምቲ ውድባት ዝሳተፍሉ ሓደ ናይ ሓባር ጽላል ምቛም ናይ ዘለናዮ መድረኽ እዋናዊ ዕማም ኢዩ ንብል። እዚ ጽላል’ዚ ድማ፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝዋስኣ ብውክልና ዘይኰነስ ብኽእለትን ብቕዓትን ናይ ዝምዘዝሉ ዕማም ዝምረጹ ኮሚቴታት ማለት ዲፕሎማስያዊ ኮሚቴ፡ ዜናዊ ኮሚቴን ናይ ህዝባዊ ዕዮ ኮሚቴን ይህልዋኦ።
እዚ ተብግሶ’ዚ፡ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ዘይኰነስ፡ ብልዝብ ኣብ መንጎ ዝምልከቶም ኣካላት ክውሰኾን ክጐድሎን ከምዝኽእል ርዱእ ክኸውን ይግባእ። እቲ ዝውሰኽ ይኹን ዝጐድል ግን፡ ኵላትና እንሰማምዓሉን ናይ ጽባሕ ዘይኰነስ ናይ ሕጂ ዕማማት ክኸውን ኣለዎ።
ኣቕሪብናዮ ዘለና እማመ ሓባራዊ ዕዮ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ፡ ንተመሳሰልቲ መደብ ዕዮ ዘለዎም ውድባት ክጸናበሩ ዝዕንቅፍ ወይ ዝኽልክል ኣይኰነን። መተካእታ ናይ’ቲ ዘሎ ጽላላት ጌርካ ክውሰድ እውን ኣይግባእን። ካብ’ዚ ብሰልፍና ተኣሚሙ ዘሎ ዝሓሸ ተበግሶ እንተደኣ ቀሪቡልና ድማ፡ ንዕኡ ተቐቢልና ክንሰርሕ ድልዋት ምህላውና ከረጋግጸልኩም እፈቱ።
ክቡራትን ክቡራንን
ኤርትራ፡ ብዋሕዚ ስደተኛታት፡ ኣብ ዓለም ኣብ ሳልሳይ ደረጃ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ከኣ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዓ ትርከብ። ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ዚ ስደት’ዜ ከኣ፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓትን ፖሊሲታቱን ኢዮም።
ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ንዋሕዚ ስደተኛታት ንምጕዳል፡ ብሓደ ሸነኽ ሓለዋ ዶባቶም ከጠናኽሩ፤ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነቶም ዲክታቶርያውያን ዘይተኣደነ ገንዘብ ክልግሱ ይርኣዩ ኣለዉ።
እዚ ግን፡ ንዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዘሻድን ንነጋዶ ደቂ ሰባት ድማ ዘርብሕ እምበር ንዋሕዚ ስደተኛታት ደው ከብል ከምዘይኽእል ብግብሪ ይርአ ኣሎ።
ዋሕዚ ስደተኛታት ከኽትም ነቲ ጠንቂ ናይ’ቲ ጸገም ዝዀኑ ዲክታቶርያውያን ስርዓታት ምልጋስ ወይ ምእላይ ኢዩ ዘድሊ። ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፡ ነቶም ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓታት ዝቃለሱ ዘይመንግስታዊ ተዋሳእቲ (ተቓወምቲ ፖለቲካውን ሲቪካውን ውድባት) ክድግፉ፡ ነቶም ስደተኛታት ድማ፡ ናይ ዘዘለዉሉ ከባቢታት ቋንቋታት ተማሂሮም ወፊሮም ዝኣትውሉ ስራሕን ሞያውን ኣካዳምያውን ትምህርትን ዝረኽብሉ ዕድላትን ብምፍጣር፡ ምስ ኣዕቆብቶም ዝዀኑ ኣህዛብ ተዋሃሂዶም (integrated ኰይኖም) ዝነብርሉ ኵነታት ክመቻችኡሎም ኢዩ ዝግባእ።
ክቡራትን ክቡራንን
· በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰዲህኤ፡ ንዲክታቶርያውያን ስርዓታት ዝውሃብ ዝዀነ ይኹን ደገፍ ደው ክብል ይጽውዕ፤
· ናይ ፖለቲካ ይኹን ናይ ሕልና እሱራት ብቕጽበት ክፍትሑ ይሓትት፤
· ንዅሎም ናይ ግዳም ወተሃደራዊ ሓይልታት ካብ ኤርትራ ብቕጽበት ክወጹ ይጽውዕ፤
· ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ኣብ መንጐ ኤርትራን ጅቡትን ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓባት ብውግእ ከምዘይፍታሕ ካብ ዘለዎ ጽኑዕ መርገጺኡ ተበጊሱ፡ ኵሎም ሸነኻት ናይ’ቲ ጐንጺ፡ ብኣህጕራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ክቕየዱን ሰላማዊ መፍትሒታት ከናድዩን ይጽውዕ።
· ናይ ኤርትራውያን ሲቪላውያን ማሕበራትን ናይ ስነኪነት ጕጀለታትን ውልቀሰባትን ንስርዓት ኢሳያስ ንምቅላዕን ንሓድነት ደምበ ተቓውሞ ንምሕያልን ዝገብርኦ ዘለዋ ጻዕርታት ክብ ዝበለ ናእዳኡን መጐሱን ይገልጽ።
ጽን ኢልኩም ብምስማዕኩም አመስግን
ሓቢርና ንስራሕ ከነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ከነስምዕ
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
5 ነሓሰ 2017
ሓደ ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ውዳበ ናብቲ ዘማዕድዎ ሸቶ ንምብጻሕ ክዓሞም ዝግበኦ ዕማማት ተደራረብቲ እዮም። ተደራራብነቶም ብብዙሕ መልክዕ ዝግለጽ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ርሑቕን ቀረባን ወይ ግዳማውን ውሽጣውን ኢልካ ምጥቃሶም ይከኣል። ብዘይካዚ ህዝባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ ማሕበራዊ.. ወዘተ መዳያት ብዝብል ምዝርዛሮም እውን ይከኣል። እዞም ዕማማት በበይኖም ነጻጺልካ ዝዕመሙ ዘይኮኑስ ኣብ ሕድሕዶም ምጽልላው፡ ምድግጋፍን ምድርራብን ዘለዎም እዮም።
ኣብዚ እዋንዚ ብመንጽር ኤርትራዊ ህልዊ ፖለቲካዊ ኩነታት፡ እቲ ቀዳማይ ናይ ሰዲህኤ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሎም ናይ ለውጢ ሓይልታት ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ምውጋድ እዩ። እዚ ቀዳምነት ዝወሃቦ ኮይኑ፡ እቲ ስርዓት ምስ ወደቐኸ ብምንታይ ይትካእ? ዝብል ሕቶ እውን “ደሓር ምስ ወደቐ ነርክበሉ” ኢልካ፡ ጓሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኮነን። እዚ ማለት ኣብቲ ቀዳማይ ዕማም ክትዋሳእ እንከለኻ ነቲ ካለኣይ ዕማም እውን ከተቕልበሉ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ እዚ ናይ ኣቓልቦ ግሉጽነት ኣብ ምስላጥ እቲ ቀዳማይ ዕማም ናቱ ጽልዋ ስለ ዝህልዎ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ሰልፊ ዝዋሰኣሉ ናይ ውሽጥን ግዳምን ዕማማት ኣለዉዎ። እዞም ዕማማት ከምቲ ብዛዕባ ቀዳማይን ካለኣይን ምዕራፋት ይጸላለዉ ዝበልናዮ፡ ውሽጣውን ግዳማውን ሰልፋዊ ገጻት እውን ተደጋገፍትን ተጸላለውትን እምበር፡ ነቲ ሓደ ዓሚምካ ክሳብ እትውድእ፡ ነቲ ካልእ ዘይትትንክፎ ማለት ኣይኮኑን።
እቲ ዕማም ክትግበር እንከሎ ግና ኣብ ዝተወሰነ መድረኽ፡ ንቀዳማይን ካልኣይን ወይ ንውሽጣውን ግዳማውን ዕማማት ኣብ ኩሉ ማዕረ ክትሰርዖም ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ነቲ ሓደ ዝያዳ እቲ ካልእ ካብ ዘለካ ናይ ግዜ፡ ንዋትን ሓፈሻዊ ዓቕምን ነቲ ሓደ ዝያዳ ቀዳምነት ሂብካ ክትስልዕ ትኽእል። እዚ ኣሰላልዓ ዓቕሚ ቀዋሚ ዘይኮነ ምስ ግዜን ኩነታትን ክለዋወጥ ዝኽእል እዩ። ሓደ እዋን ኩሉ ዓቕምኻ ናብ’ቲ ሓደ ዕማም ተዛይድ። እዚ ማለት ግና ነቲ ካልእ ዕማም ምሉእ ብምሉእ ትዝንግዕ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ሓደ እዋን ዝያዳ ዓቕምኻ ናብ ውሽጣዊ ጉዳይ ተድህብ ግና ድማ ነቲ ግዳማዊ ኩነታትን ዝምድናታትን ከቶ ጠጠው ኣይተብሎን። እዚ ኣድላይ ዝኾነሉ ኣብቲ ሓደ ዕማም ዝረጋገጽ ኣውንታዊ ውጽኢት ነቲ ካልእ ኣብ ምዕዋት እውን ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ እዩ።
እዞም ዕማማት ውሽጣዊ ይኹን ግዳማዊ፡ ብቐጻሊ ኣብ መስርሕ ዝሳለጡ እምበር ኣብ ሓደ ቦታን ግዜን ኣኺልዎም ኢልካ እትዓጽዎም ኣይኮኑን። ንኣብነት ኣብ ጉዳይና እቲ ቀዳማይ ዕማም ዝበልናዮ ምውጋድ ስርዓት ህግደፍ ብናይ ግዜ ኮንትራት፡ ኣብ ውሽጣዊ ኩነታት ጥራይ ተሓጺርካ “ክሳብዚ ዕለትዚ ክውዳእዩ” ኢልካ ዘይትግድቦ ክሳብ ዓወት ዝቕጽል መስርሕ እዩ። በዚ ምኽንያት እዩ ከኣ ነቲ ካልእ ዕማም ዓጺኻ ኣብዚ ጥራይ ምጽማድ ዘይከኣል። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ኩለ-መዳያዊ ኣቓልቦኻ ዝያዳ ናብዚ ከም ዘድህብ ምግባር ግና ቅኑዕ እዩ። ኣብዚ ውሽጣውን ግዳማውን ዝምልከት እውን ከምኡ እዩ። ኣብቲ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝያዳ ጻዕቂ ዘድልዮ ዕማም ክህሉ እንከሎ፡ ናብኡ ተድህብ ግና ድማ ነቲ ናብ ደገ ዝጥምት፡ ንኣብነት ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ፖአቲካዊ ናይ ተቓውሞ ውድባት ብሓባር ምስራሕ ዝምልከት ሓጢጥካ እትገድፎ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ነቲ ከተዕውቶ እትመጣጠሮ ዕላማ በይንኻ ስለ ዘይትውደኦ። ብመንጽር እዚ ናብ ህልዊ ኩነታት ሰዲህኤ ክንመጽእ እንከለና፡ ንውሽጣዊ ኩነታት ኣድህቦ ሂብካ ናይ ምእላይ ዕማም ዝያዳ ሰልፋዊ ኣድህቦ ዝሓትት እዩ። ከምኡ ከኣ ይግበር ኣሎ። እዚ ግና ነቲ ምስ ካለኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ዘስርሕ ዝምድና ንምፍጣር ዝግበር ቃልሲ ጠቕሊልካ ዓጺኻ ኣይኮነን። ውሽጣዊ ሰልፋዊ ዕማም መስርሕ እምበር ናይ ዝተወሰነ ግዜ ተግባር ኮይኑ፡ ድሕሪ ዝተወሰነ ጉዳይ ተወዲኡ ኢልካ ናብ ካልእ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ሓደ ጉዳይ ይፍጠር መልክዕ ይሕዝ፡ ምስ ግዜን ምዕባለን ከኣ ካልእ ዛዕባ ይመጽእ ንሱ እውን ይእለ። እቲ መስርሕ ከኣ ብኸምኡ ይቕጽል።
ምስ ካልኦት ሓይልታት ዝግበር ብሓባር ናይ ምስራሕ ዝምድና እውን ነብሱ ዝኸኣለ መስርሕ እዩ። ይዕወት ይፈሽል። ይወድቕ ይትንስእ። እቲ መስርሕ ክሳብ ዓወት ይቕጽል። እቲ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ኩነታት ንምዕቃብ ዝግበር ቃልሲ ነቲ ግዳማዊ ዕማም ኣብ ምዕዋት ናቱ ኣበርክቶ ኣለዎ። እቲ ኣብ ግዳማዊ ኩነታት ምስ ተመሳሳሊ ወጽዓ ኣወጊድካ ብዲሞክራሲ ኣብ ምትካእ ናይ ሓባር ራኢ ዘለዎ ኣካላት ዝግበር ቃልሲ ከኣ፡ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ዝግበር ቃልሲ ዝምግብ እምበር ዝጻረር ኣይኮነን።
ኣብዚ እዋንዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ውድባት ኤርትራ ብሓባር ናይ ምስራሕ እማመ ኣቕሪቡ ኣሎ። ነዚ እማመ ብዙሓት ውድባትን ወገናትን ክንእድዎ እንከለዉ ምላሾም ከስምዑ ትጽቢት ዝተነብረሎም ከኣ ኣለዉ። ካብዚ ሓሊፉ እዚ መጸዋዕታ ቀሪብሉ ተቓውሞ ዘርኣየ የለን። እዚ ከኣ ንወድዓውነት ናይቲ እማመ ዘመልክት እዩ። ሰዲህኤ ነዚ ናይ ብሓባር ንቃለስ መልእኽቲ ከቕርብ እንከሎ፡ ነቲ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ህይወት ንምሕላው ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ዘንጊዑ ኣይኮነን። ካብ ክልቲኡ ናበይናይ ዝያዳ ዓቕሙ ይምድብ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ፡ ንክልቲኡ እዩ ዝሰርሓሉ። እዚ እማመ ከምቲ ገለ ዘይሰብ ደሓን ዘንበድብድዎ፡ ነቲ ሓደ ኣጉሊሕካ ነቲ ካልእ ንምሕባእ ዝተታሕዘ ዘይኮነ፡ ክልቲኦም ኣብ መድረኽ ትዋሰኣሎም ነናቶም ባህርይን መስርሕን ዘለዎም መድረኻውያን እዮም። ገለገለ ወገናት እቲ ሓደ ጠጠው ኢሉ፡ ኣብቲ ሓደ ጥራይ ክስራሕ ኣለዎ ዝብልዎ ከቶ ናይ ደሓን ኣይኮነን። ምናልባት ግና ዝያዳ ዓቕምና ናበየናይ ዕማም የድህብ ከዛርብ ዝኽእል እዩ።