ኣየናይ’ዩ ሓቂ፡ እቲ ዝበሃል ወይ እቲ ዝግበር

2017-08-16 22:31:55 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2089 times

ሰባት ብውልቂ ኮነ ብውዱብ ኣገባብ፡ ኣብ ዝኾነ ፖለቲካዊ ይኹን ዘይፖለቲካ ዛዕባ ኣብ ውድድር እዮም ዝነብሩ። ኣብ ውድድር ክትነብር እንከለኻ ከኣ ኣብ ናይ “ናተይ ይሓሽ” መስርሕ ኢኻ እትሕንብስ። እቲ ናይ መወዳእታ ውሳነ ከኣ ብድሌትካ ዘይኮነ በቲ ኣመራጽታት ዝቐርበሉ ኣካልዩ ዝውሰን። እቲ ውሳነ ከኣ በቲ እትብሎ ዘይኮነስ በቲ እትገብሮ እዩ ዝቅየስ።

ሰባት ብውልቂ ይኹን ብውዱብ ናተይ ንዝብልዎ ክስስዑ ዘገርም ኣይኮነን።  እቲ ዝገብርዎ ሕማቕ ሓቢኦም ከምቲ ዝብልዎ ክኾነሎም ከኣ ይደልዩ። ናይቲ ናብ ዕዳጋ ዝወረደ ኣተሓሳስባኦም ገዚኡ ደጋፊኦም ወይ ሰዓቢኦም ክኸውን ዝደልይዎ ኣካል፡ ነቲ ዝብልዎ ብተግባር ከየረኣገጸ፡ ከምዘለዎ ክወስደሎም ይደልዩን ይደፋፍኡን። እቲ ገዘኣይ ግና ነቲ ናብ ዕዳጋ ዝወርድ ኣተሓሳስባ እንተ ክገዝኦ ወይ ክነጽጎ ኣብቲ ናይ ሸየጥቲ ሃርገፍገፍ ጥራይ ኣይምርኮስን። ብኣንጻሩ ብመንጽር ናቱ መምዘኒ እዩ ዝቕበል ወይ ዝነጽግ። እቶም “ዝበልኩኻ ጥራይ ስምዓኒ በሃልቲ” ግና ዋላ ነዚ መስርሕ ይረድእዎ ከምቲ “ክበልዕ ዝበለስ ገደል ኣፉ” ዝበሃል  ኣብ ባዶ ተግባር ይሃልኩ እሞ፡ ተቐባልነት ኣይረኽቡን ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ እውን ኣብ ትዕዝብቲ ይወድቁ። እቲ ኣዝዩ ዝኸፈአ ከኣ ኣብ ሓደ ጉዳይ ትማሊ ዝብልዎ ዝነበሩ ይርስዕዎ’ሞ፡ ሎሚ ምስቲ ናይ ትማሊ ዝላተም ሓሳብ ኣምጺኦም፡ ባዕላቶም ተገራጭዮም ናይ ተዓዛቢ ውሳነ ከይተጸበዩ ወዲቖም ይስበሩ።

ትማሊ ኣካይዳ ሰልፍና ወይ ውድብና “ኩሉ ዝግበር ብመሰረቱ ዲሞክራስያዊ እዩ።” ዝብሉ ዝነበሩ ሎሚ ተገልቢጦም “የለን ሰልፍና ዘይደሞክራስያዊ እዩ”  ክብሉ እንከለዉ ኣብ ገዛእ ርእሶም ተገራጭዮም ካብ  ሓቀኛ ዕዳጋ ይወጹ ከም ዘለዉ ኣይርደኦምን። ኣብ ሰልፎም ዘሎ ስፍሓት ናይ ዲሞክራስያዊ መድረኽን ተሳትፎን “እቲ ቅርጻ ኣሎ፡ ማእከላይ ባይቶ ኣሎ፡ ጨናፍር ኣሎ። ብብደረጃኡ ከኣ ከባብያዊ ዝኾና ኣካላት ኣለዋ” ዝብሉ ዝነበሩ ኣካላት፡ ደሓር ብዝኾነ መንገዲ ምስ ኮረዩ “ሰልፍና ብናይ  እገለ ውልቃዊ ልዕልና ዝተዓብለለ እዩ’ ክብሉ እንከለዉ ኣይገርምንዶ። መዓስ እዚ ጥራይ ትማሊ “ዲሞክራሲ ማለት  ውሑዳት ዝበልዎ ምቕባል እንተኾይና፡ ዘገርምን እዩ” ብዝብል ቃና ንልዕልና ግዝኣት ኣብዝሓ ዝጣበቑ ዝነበሩ ደሓር ሕብሮም ቀይሩ “እቶም ብዙሓት ነቶም ውሑዳት ወይ እቶም ላዕለዎት ነቶም ታሕተዎት እንተዘይተማእዘዝዎም ክሳድና ንሴፍ”  ኢሎም ኣፎም መሊኦም ሕንኮም ጠቕሊሎም ኣብ ኣደባባይ ክዛረቡ እንከለዉ   ምስምንታይ ይቑጸር።

እዚ ኩሉ ተደሚሩ ውሽጣዊ ድሌት፡ ስምዒትን ስስዕትን ዋላ ነቶም እንተስ ብተመኩሮ ወይ ብትምህርቲ “ንሕና ኢና” ኢሎም ዝንየቱ ከም ዘዕውሮም ንርእዮ ዘለና እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ዕድመ ናይቲ ብህርፋን ተደፊኡ ጽልኢ ሰኒቑ ዝበሃል ሓጺር እዩ። እቲ ክዉን ሓቂ ግና ቦታኡ ኣይለቅቕን እዩ። ኣብ ሓደ ውድብ ናይ ኣረኣእያ ፍልልይ ክፍጠር ባህርያዊ እዩ። ካብቲ ፍልልይ ኣየናይ ይስዕር ኣየናይከ ይሰዓር ግና በቲ እቶም ተወዳደርቲ ዝምድርዎ ጥራይ ኣይኮነን ዝውሰን። እቲ ዝንገሮ ኣካል ፍርዱ ክህብ ግብራውን መትከላውን መወከሲ ይደሊ እዩ። ናይቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዝተፈጥረሉ ውድብ ወይ ትካል ቃል ኪዳን ዝኾነ ቅዋም ወይ መደብ ዕዮ ይውከስ። ካብዚ ሓሊፉ “ነቲ ዝገብሮ በቲ ዝብሎ ክሽፍኖ ይኽእል እየ” ኢሉ ዝንየት የጋጥም እዩ። ንኣብነት ንመሰረታዊ ደሞክራስያዊ መትከላት እንዳ ጠሓሓስካ “ንሓድነት ናይቲ መትከላቱ እትጥሕሶ” ውድብ ወይ ሰልፊ ይሰርሕ ኣለኹ እንተበልካ፡ እቲ ሰማዒ ብውሽጡ ከም ዝስሕቀካ ምግንዛብ ኣድላዪ’ዩ። ሓንሳብ እንድሕሪ ካብቲ መስመር ወጺእካ ግና ብውሽጣዊ ህርፋንን ቅርሕንትን ስለ እትሰክር ኣይርደኣካን ይኸውን።

ካብ መስመር ክትወጽእ እንከለኻ፡ ናይቲ “ንሓድነቱ ይሰርሕ” ኣለኹ እትብሎ ሰልፊ ይኹን ውድብ መሪሕነት ንጌጋኻ ብዝምጥን “ከምዚ ተቐጺዕካ ኣለኻ” ተባሂልካ ክነስኻ፡ ንምንታይ ተተንከፍኩ ኢልካ  ዕምቡራ ምፍጣር፡ ብተግባር  ከምቲ እትብሎ ከምዘይኮንካ ዘመልክት እዩ። እዚ ባህርያት እዚ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ኣብ ዝርከቡ ሰባት ዘጋጥም እዩ። ምሁርነት፡ ገዲምነት፡ ምኩርነት’ውን ኣይክውለልካን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜስ ከምቲ “ናይ ሎሚ ገደደ፡ ስያብ/ለባም/ምሁር ዝዓበደ” ዝበሃል ኣብዚታት’ኳ ይገድድ። እቲ ካልእ ኣብ ከምዚ ኩነታት ዘጋጥም ግናይ ከኣ፡ ነቲ መሪሕነታዊ ኣካል ብመምርሒ መሰረት ዝወስዶ ስጉምቲ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ሓቢእካ፡ ናትካ ናይ ስንባደ ትርጉም ክትህቦ ምፍታን እዩ። ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ኣብ ሓደ ውድብ ቅዋማውን ስርዒታውን ስጉምቲ ክውሰድ እንከሎ፡ በቲ ሓደ ወገን እቲ ውሳነ ይምጠጥ። ካብዚ ሓሊፉ ናይቲ ስጉምቲ ምኽንያት  ሰልፋዊ ወይ ውድባዊ ስነስርዓታዊ ጥሕሰት ክነሱ “ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ”  ከም ዝተወስደ መሲሉ ተገላቢጡ ይቐርብ። ነዚ ብዘይካ “ሰራቕ ሞባእሲ ባዕሉ ይለፋለፍ” ኢልካዮ ምሕላፍ ካልእ መግለጺ የብሉን።

እምበኣር ሰባት ከምዚ ዓይነት ግልቡጥ ሓባአሬታ ክቐርበሎም እንከሎ’ውን፡ ነቲ ዝበሃል ኣይስምዕዎን ነቲ ዝጸሓፍ ኣየንብብዎን ኣይበሃልን። ኣብ መወዳእታ ኣብቲ ዝበሃል ናቶም መርገጽ ክወስዱ እንከለዉ ግና ቀንዲ መወከሲኦም እቲ ዝበሃል ዘይኮነስ እቲ ዝግበር ክኸውን ግድን’ዩ። እዚ ኣካይዳ ቀንዲ ጠቕሙ ነቲ ናይ ሓሳቡ ደግፍ ዝረክብ ወይ ዝስእን ወገን ዘይኮነ፡ ንናይቲ ግቡእ ሚዛን ዝህብ ርትዓውነት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ቀንዲ ቆላሕታናን እምነትናን ኣብቲ ተኾሓሒሉ ዝቐርብ በሃሊ ዘይኮነ፡ ኣብ ትሕዝቶ’ቲ ዝብሎ ክኸውን ይግበኦ። ገለ ወገናት ግና በቲ ደጋዊ መንነቶም እምበር፡ በቲ ዝብልዎ ዝምዘኑ ኣይመስሎምን እዩ። ደሓር ሓደ ጉዳይ ኣይንረስዕ፡ ከምቲ “ቆልዓ ምፍታው ምስ ንፋጡ” ዝበሃል  ንውድብን መትከላቱን፡ ክንእደካን ከመጉሰካን እንከሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክግስጸካን ዓገብ ክብለካን እንከሎ’ውን ዓቲብካ ከተኽብሮ ግድን እዩ።