ቅዋም ሰልፍና: ጠማሪ ንኹልና

2017-08-14 17:48:50 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2245 times

ቅዋም ወይ ናይ ምምሕዳር ሕጊ: ውድብ፥ ሰልፊ ወይ ማሕበር ዝመሓደረሉ ቀያዲ ሕንጻጽ ወይ ውዕል  ዝገልጽ መሰረታዊ መምርሒ ወይ ንኣገባብ ኣሰራርሓን ርክባትን ዝቐርጽ እዩ። ሰባት፥ ብእኩብ ይኹን ብተናጸል ብዘይ እዚ ዝተጠቕሰ  ጠማሪ ሕጊ ወይ ቅዋም ዝገብርዎ ዝኾነ ይኹን ስራሓት፥ ወይ ንጥፈታት ናብ ቀይደ-በተኽነት እዩ ዘምርሕ።

ኣብ መስርሕ ቃልሲ “ሕጊ ኣይተኸተልካን ወይ እውን በቲ ዝመረጽካዮ መሪሕነት ዝወሃብ ውሳኔ ኣብ ግብረ ኣየውዓልካን” ስለ ዝተበሃልካ ምልኪ ነጊሱ ማለት ኣየስምዕን። ነዚ ዝገልጽ ኣብ ቅዋም ሰዲህኤ “ዓንቀጽ 3.10 ታሕተዎት ደረጃታት ሰልፊ፡ ንላዕለዎት ደረጃታት ይምእዘዙ፤ ላዕለዎት መሪሕነታት፡ ንሓሳባትን ለበዋታትን ኣባላት ብዕቱብነት ኣጽኒዖም፡ ግቡእን ፍጡንን መልሲ ይህቡ።” ይብል። ምኽንያቱ እቲ  ዝምረጽ መሪሕነት፡ ነቲ ሕጊ  ተኸቲሉ ኣብ ግብሪ ንኽውዕል ናይ ግድን እዩ ውሳኔ ክውስን። ሕጊ ከኣ ንናጽነታትን መሰላትን ሰባት ይኹን ንገዛእ ርእሶም እቶም ሕግታት ከይገሃሱ ዝከላኸል ምዃኑ ንኹልና ብሩህን ርዱእን እዩ። መሰልካን ናጽነትካን ኣውሒስካ፡ ንናይ ካልኦት መሰልን ናጽነትን እናኣኽበርካ፥  ንውሳኔታት መሪሕነት ብሕጊ ተማእዚዝካ ምኻድ ማለት ከኣ ሕጋውነት እምበር፡ እቲ መሪሕነት ይኹን መላእ ሰልፊ ልዕሊ ሕጊ ምዃኑ ኣየመልክትን እዩ።

ቅዋም ኣብ ሕብረተሰብ ይኹን ኣብ ማሕበራት ወይ ሰልፍታት ሕግን ስርዓትን ዘስፍን እዩ። እዚ መሰረታዊ ሰነድ ኣባል ናይታ ብሕጊ እትምራሕ፡ ማሕበር ወይ ሰልፊ ክስዕቦን ከኽብሮን ናይ ግድን እዩ። እዚ ቅዋም እዚ በቲ ነቲ ማሕበር ይኹን ወይ ሰልፊ ሕጊ ተኸቲሉ ንኽመርሕ ዝተመርጸ ኣካል ኣብ ግብሪ ዘውዕል እዩ።  ቅዋም ናይ ዝኾነ ይኹን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዶብ ወይ ደረት ሓላፍነታት ስለ ዘነጽር፡ ነፍሲ ወከፍ ብውልቂ ይኹን ብሓባር ኣብ ትሕቲ ሕጊ ምስ ዝርዕም ሽግራት ብቐሊሉ ክፍትሑ ይኽእሉ። ንዝተቐበልካዮ ቅዋም፡ ሓላፍነት ንዝተዋህቦም ሰብ መዚ ብውልቂ ስለ ዝጸላእካ ነቲ ብኣብዝሓ ዝተወሰነ ውሳኔታት እናኣቆናጸብካን “ሕጋዊ ኢየ” ምባል ናይ ዘይማዕበለ ወይ ዘይሰልጠነ ኣተሓሕዛ እዩ። ብመሪሕነት ዝውሰድ ውሳኔ ንኣኻ ዘየዕግብ እውን እንተኾነ ንድምጺ ብዙሓት ክትዓፍን ኣይትኽእልን ኢኻ።

ስለዚ ነቲ ቅዋም ክተግብር ዝተመዘዘ ኣካል ብምጽላእ፡ ንመሪሕነቱ ምንጻግ ነቲ ኣብ ቅዋም ሰልፍና “ዓንቀጽ 3.11 ኣብ ኵሉ ደረጃታት ሰልፊ፡ ውሳኔታት ብብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፤ ዝበዝሐ ድምጺ ዘይረኸበ ሸነኽ ድማ፡ ብውሳኔ ናይ ብዙሓት ይምእዘዝ፤ ውሑዳት ግቡኦም እናፈጸሙ፡ ኣብ ዘለውዎ ጽፍሒ ርእይቶኦም ብናጻ ክገልጹ መሰሎም ሕልው እዩ።” ብዝብል ሰፊሩ ዘሎ፡ ዘይምቕባል ከይዱ ከይዱ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ናብ ስርዓት ዝጎደሎን መንገዲ ዕግርግር ገጹ ስለ ዝደፍኣካ፡ ነቲ ዝጠምረካ ሕጊ በጣጢስካ ብናትካ ፍኑው ስምዒት ምኻድ “ናተይ ጥራሕ እዩ ቅኑዕ” ናብ ምባል ትዕዘር። እዚ ንኸይከውን እቲ ትግባረ ሕጊ ብኹሉ ብውልቂ ይኹን ብእኩብ ኣኽብሮትን ምእዙዝነትን ክህልዎ ዓቢ ኣገዳስነት ኣለዎ። ነዚ ዘነጽር ኣብ “ዓንቀጽ 4.4.3 ንሕግታትን መምርሕታትን ሰልፊ ምእዙዝ ይኸውን፤” ብዝብል ሰፊሩ ኣሉ። ጉዳየይ ኢልካ ምስትምቓሩ ከኣ የድሊ።

ሰባት ፍሉይ ባህርን ጠባይን ስለ ዘለዎም ገሊኦም ንሕግን ስርዓትን ዝሕልዉ፡ ዘኽብሩ፡ ዝምእዘዙን ዘተግብሩን ክኾኑ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ ሕግን ስነ-ስርዓትን ዝጥሕሱን ኣብያ ዘርእዩን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ንርእይቶኦም ዘይውክል ውሳኔ ኮይኑ ረኺቦሞ ነቲ ሕጊ ክጥሕስዎን ክሳብ ነቲ ኣድማሳውን ስነፍልጠታውን ሕጊ ወጃሃላይ ዝርእይዎን ዝንዕቅዎን’ውን ኣይሰኣኑን እዮም። እዞም ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ወይ ጠባይ ዘለዎም መትከላውያን ስለዘይኮኑ ንዕግርግርን ምፍልላይን ዝጐሃህሩ እምበር፡ ንነገራት ብልዙብ ሕድገታትን ምእዙዝነትን ኣቢሎም  ክህድእዎ ኣይደልዩን እዮም። ስለዚ ንሕግን ስርዓትን ኣኽቢርካ ምኻድ ማለት ነቲ ውሳኔ ዘሕለፈ ኣካል መሪሕነት ሓጊዝካ ወይ ጸጊዕ ሒዝካ ወይ’ውን እቲ መሪሕነት ልዕሊ ሕጊ ኮይኑ ማለት ኣይኮነን። ነዚ ብዝምልከት ኩሉ ኣባል ሰልፊ ነቲ ኣብ “ዓንቀጽ 4.4.9 ንሰልፊ ክኸፋፍል ዝኽእል ኩሉ ዓይነት ወስታታት ይከላኸል፤” ዝብል መልእኽቲ ብጽሞና ክግንዘቦ የድሊ። ኣብዚ ሓደ ክንዝንገዖ ዘይግበኣና፡ ሕግን መሪሕነት ነቲ ሕጊ ተኸቲሉ ዝውስኖ ውሳነታትን ፈላሊኻ ዝረኣዩን ዝረሓሓቑን ኣይኮኑን። ብመሰረቱ ሕጊ ዝግለጽ በቲ ከተግብሮ ዝምዘዝ ኣካል ዝውስኖ ውሳነታትን ዝወስዶ ስጉምትታትን እምበር በይኑ ህልውና የብሉን። ስለዚ ሕግን ውሳነታት መሪሕነትን ተደጋገፍቲ እምበር ተጻረርትን ተወዳደርትን ኣይኮኑን። መሪሕነት ክውስን እንከሎ ሕጊ ክኽተል ኣለዎ ምባል ግና ቅቡል እዩ።

ቅዋምና፡ ኣብቲ ውሳኔታት ኣብ ኣገባቡ ይኹን ኣፈጻጽማኡ በቲ መሪሕነት ገለ ጌጋታት ወይ ጉድለታት  ዝተፈጸመ እንተልዩ በቲ ግቡእ መስኖ ኣቢልካ ዕቃበኻን ትዕዝብትኻን፥ ከምኡ እውን ለበዋኻ ምግላጽ ዝኽልክል የለን።  እዚ እውን ኣብ “ዓንቀጽ 4.3.5 ውድባዊ ቦታ ብዘየገድስ፡ ብኣባላት ኮነ ብመሪሕነታዊ ኣካላት ንዝፍጸሙ ጕድለታትን ጌጋታትን ንምእራም፡ ወይ’ውን ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታትን ንጥፈታትን ሰልፊ ዘለዎ ትዕዝብቲ፡ ብውድባዊ መስኖ ኣቢሉ ርእይቶን ሃናጺ ነቐፌታን ከቕርብ መሰል ኣለዎ፤” ኢሉ ኣብሪህዎ ኣሎ። ስለዚ ሕጊ ኣኽቢርካ ምኻድ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ንኹሉ ዝምልከት፡ ኣዝዩ ኣገዳሲ ረቛሒ ናይ ስኒት፡ ሰላም፡ ፍቕርን ሕውነትን፥ ዝያዳ ድማ ንናይ ሓባር ሸቶ ብሓባር ምጉዓዝ ዝእምት እዩ። እምበኣር ልዕሊ ሕጊ ምዃን ዝመጽእ ነዚ ጥሒስካ ኣብ ታሕቲ ኮይኑ ንላዕሊ ዘገድድ ቅድመ-ኩነት ከተጻውድ እንከለኻ እዩ።

ሕጊ ሰብ ዝሕንጽጾ ኮይኑ፡ እንተስ ክትስዕቦ ወይ ዘይክትስዕቦ ኣብ ናትካ ተረድኦ ዝመርኰስ እዩ። ኣርሒቑ ዝርኢ ሓላፍነታዊ እንተኮይንካ፡ ዘጋጥም ጸገማት ወይ ሽግራት ኣብ ክንዲ ናይ ጥሕሰታት ዘራይ ኰንካ ምንቅስቓስ፥ ሕጊ ተኸቲልካ ንምፍትሑ ምጽዓር ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ኣገባብ ዘይምኽባር ብዝምለት ኣብ “ዓንቀጽ 5.3.8 ካብ ቅዋምን ሰልፋዊ ሕግታትን ወጻኢ ዝኾነ ምንቅስቓሳት፡ ወይ ጥሕሰታት ዘዘውተረ ጨንፈር ብመሰረት ውሳኔ መሪሕነት ንኡስ ዞባ ወይ ዞባ  ይውንዘፍ፡፡ ዝተወንዘፈ ጨንፈር ድማ ኣብ ኣኼባታት ንኡስ ዞባ ኮነ ዞባ ክሳተፍ ኣይክእልን፤” ብዝብል ሰፊሩ ኣሎ

እዚ ሕግን ስርዓትን ሓባራዊ ንክኸውን ዝኸዶ መገድን ዝግዝኣሉ መስርሕን ኣለዎ። ንሱ ከኣ ብጉባኤ ኣቢልካ ዝትግበር እዩ። ጉባኤ ከኣ ንኹሉ መሰላት፡ ሓላፍነታትን ግቡኣትን ኣነጺሩ ዘጽድቕ ብምዃኑ ተመሊስካ ክእረም ዘለዎ ውሳነን ሕግን ኣብ ቀጻሊ ጉባኤ ይዝረበሉ ፍታሕ ከኣ ይግበረሉ። እዚ’ውን ብልዝብ እምበር ብቆይቊን ጽልእን ወይ ሰባትን ትካላትን ብምዝልላፍን ኣይኮነን። ካልእ ኣብ መንጎ ክልተ ጉባኤታት ከኣ ነቲ ውሳነታት ጉባኤን ነቲ ሰልፊ ከመሓድር ይኹን ወይ እውን ዝመሓየሽ እንተልዩ ከመሓይሽን ብሕጊ መሰረት ክቕጽዕን ስልጣን ዘለዎ ባይቶ እዩ። ስለዚ እዚ ከበሃል እንከሎ ኣብቲ ጉባኤ ዝብጻሕ ስምምዕ ንኹልኻ ዝጠምረካ እምበር እንተደለኻ ትምእዘዞ እንተዘይደለኻ ከኣ ትነጽጎ ዝዓይነት ኣይኮነን። ስለዚ ቅዋም ብሓፈሻኡ ንመሰላት፡ ግቡኣትን ሓላፍነታትን ኣባላት ዝገልጽ ኮይኑ ነቲ ብመሪሕነት ዝውሰድ ውሳነ’ውን ኣጸቢቑ ዝገልጽ እዩ። ነዚ ብዝምልከት “ዓንቀጽ 4.5.4 ቅዋምን ንፖለቲካዊ ፕሮግራምን ሰልፍን መትከላቱን ዕላማታቱን ምስ ዝጻረር፤ ንክብሪ ሰልፊ ዝሃሲ መርገጽ ወይ ዘመተ ምስ ዘካይድ፤ ምስጢር ኣሕሊፉ ምስ ዝህብ። ከምኡ ከኣ ኣብ ዓንቀጽ 4.5.6 ካብ ላዕለዎት ኣካላት ንዝመጸ መምርሒታት ምስ ዝጥሕስ፤” ካብ ዘቕጽዕ ምኽንያታት እዩ።

ኣብ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቤ ኤርትራ በቲ ኣብ  ጉባኤታቱ ዘጽድቖ ቅዋም ኣቢሉ ዝምእዘዝን ዝኽተልን ምዃኑ ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐ ቅዋም ሓደ ብሓደ ምስ እንዝርዝሮ ንሓላፍነታትን ኣብቲ ሰልፊ ብቦታዊ፡ ዞናውን ሃገራውን ደረጃ ዝንቀሳቐሱ ክምኡ እውን ኣብ መንጎ እዞም ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝህሉ ዝምድናታት ብንጹር ኣብሪሁ ዝገልጾ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣንጻር ክብርታትን፥ እምንቶን  ሓሳባትን ናይ ሰልፊ ምኻድ ነቲ ኣብ ጉባኤ ዝተሰማማዕካሉ መትከላት፡ ሕንጻጻትን፥ ቀይድታትን ዘይምእማን ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ጉባኤ ዝተሰማማዕሉን፥ ኣብ ጉባኤ ዝተመርጸ መሪሕንተን ፈላሊኻ ዝርአ ኣይኮነን።

ስለዚ ኣብ ጉባኤ ዝተሓንጸጸን ነቲ ዝተሓንጸጸ ከተግብር ዝተመርጸ መሪሕነትን፡ ምንእኣስ ይኹን ምንጻግን ምጥሓስ ውሳኔታትን በቲ ሓደ ወገን ንግዝኣተ ኣብዝሓ ዝጻረር እዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ ካብ ሕጊ ዋጻኢ ከም ድላይካ ኣንጻር ሰልፊ ይኹን ኣንጻር መሪሕነቱ ዝካይድ ዕንደራ፡ ብሓጺር ኣገላልጻ ርትዓዊ ኣይኮነን። ካብኡ ብዝተረፈ ስርዓት ኢሳያስ ክብደት ናይ ቅዋምን ስርዓተ ሕግን ስለዝፈለጠ እዩ ንቅዋም ይኹን ሕጊ መወከሲ ከይከውን ከሎ ጋና ኣብ ግብሪ ንኸይውዕል ዝቐተሎ። ስለዚ ብቅዋም ተማእዚዝካን ሕጊ ብዝፈቐዶ እንተዘይተቐይድካን ፍኑው ዝኾነ ምሕደራ እዩ ዝፍጠር።

Last modified on Monday, 14 August 2017 19:52