ዓመታዊ ጉባኤ ሰደህኤ ጨንፈር ሽወደን ቁ. 1 ብዓወት ተዛዚሙ።

2017-08-20 16:27:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2837 times

ብዕለት 19 ነሓሰ 2017 ጨንፈር ቁ. 1 ኣብ ሃገር ሽወደን ኣብ ትሕቲ ትካላዊ ቃልስና ዋሕስ ዓወትና!!! ዝብል ጭርሖ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ጕባኤኡ ኣካይዱ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ዶ/ ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን ናይ ሰላምታን እንቋዕ ደሓን መጻእኩምን መልእኽቱ ድሕሪ ምቕራብ: ምልኣተ ጉባኤን ኣጀንዳ ጉባኤን ብድምጺ ኣኼበኛታት ኣኼበኛታት ጸዲቑ።

ቀጺሉ ድማ፡ ሓው ኢሳቕ ወልደማርያም፡ ኣቦ ወንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ፡ ንጉባኤ ዝለኣኾ ናይ ደገፍ መልእኽቲ  ተነቢቡ። ሓው ጽሃየ ቀለታ፡ ኣቦ መንበር ሰ.ደ.ህ.ኤ. ጨንፈር ሽወደን ቁ.2፡ ብኣካል ኣብ’ቲ ጕባኤ ተረኺቡ፡ ንህዝብና ካብ ኣርዑት ምልካውነት ንምንጋፍ ዝግበር ቃልሲ መሪር ቃልሲ ክሕይልን ሓድነት ሰልፊ ክዕቆብን ኩሉ ዝከኣል ጻዕርታት ክግበር ድሕሪ ምዝኽኻር። ምእንቲ ሰላምን ፍትሕን ዕጥቅና ብዝያዳ ከነደልድል ከም ዘሎና ድማ ኣስሚርሉ። ብሓፈሻዊ ከኣ ንኣሰካፊ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን ዝገልጽ ጭርሖ ጉባኤ: ብሩህን ሓባርን ጻዊዒት ምዃኑ ብምእማት፣ ንቀጻሊ’ውን ሓባራውን ስጡምን ቃልሲ ከም ዘደሊ ኣብሪሁ።

እዚ ንምሉእ ሰላምን ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ መሰረት ዝገበረ ጉባኤ: ኣብቲ ንኣርባዕተ ሰዓታት ዝወሰደ ስርሑ: ኣብ ፖለቲካዊ፡ ውደባውን ገንዘባውን መዳያት ጨንፈር ዘበርከቶ ተራን ተሳትፎን ብግቡእ ገምጊሙ፤ ንዝመጽእ ዓመት ክዓሞ ዘለዎ መደብውን ሓንጺጹ። ቀንዲ ካብኡ ንፖለቲካዊ መደብን ቅዋምን ሰልፊ ብግቡእ ምኽታልን ኣብኡ መሰረት ዝገበረ ንሓድነትን ሓባራዊ ስራሕን ተቛውሞ ደምበ እጃሙ ክጻወትን ዝብል ነበረ።

Congress Branch 1

ብድሕር’ዚ። ንዓመት 2017/2018 እተገልግል መሪሕነት ብደሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ። ኩሉ ስርሓት ሰልፊ ኣድማዒ ዝኽውን ድማ ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ምድልዳልን ቀጻሊ ናይ ተሃድሶ መስርሕ ምክያድን ምዃኑ ድማ ጉባኤ ኣረጋጊጹ። ንህልዊ ጸገማት ሰልፊ ብምጥማት: ናይ ርእይቶ ፍልልይ ንቡር መስርሕ ፖለቲካ ምዃኑ ብምእማን: ንዝገሃዱ ሽግራት ንምፍታሕ ዝውሰዱ ስጕምትታት ግን፡ ካብ ሕጋውን ቅዋማውን ኣሰራርሓ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይብሉ ኣስሚሩሉ።

ጕባኤ፡ ነቲ ብስም ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣንጻር ሰልፍን ሕጋዊ መሪሕነትን ዝካየድ ዘሎ፡ ንረብሓ ህዝብን ሃገርን ዘየገልግል ናይ ጸለመ ወፈራታት ምዃኑ ብምእማት፡ ብምሉእ ድምጺ ኣብ ጐድኒ ሕጋዊ መሪሕነቱ ምህላዉ ኣረጋጊጹ። ንኹሎም ግዳይ ናይ’ዚ ወፈራ ዝዀኑ ንጹሃት ተቓለስቲ ድማ፡ ኣብ ቀልቦም ተመሊሶም ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ መገዲ ክመርጹ ጉባኤ ጸዊዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ንህልው ኩነታት ደምበ ተቛውሞ ዳህሲሱ: ውሽጣዊ ኩነታቱ ገምጊሙ: ኣብ ዲፕሎማስን ዜናን ህዝባዊ ጉዳያትን ምስ ኩለን ናይ ተቛውሞ ፖለቲካውያን ውድባትን ሰልፍታትን ሓቢሩ ክሰርሕን ክቃልስን ዘኽእል እማመ ምቕራቡ ጉባኤ ኣመጒሱ። ብሓፈሻኡ ከኣ መሪሕነት ሰልፍና ኣብዚ ዝሓለፈ ናይ ክልተ ዓመት ግዜ መሪሒነቱ ንዝዓመሞም ጉዳያት ንኢዱ።

ክብርን ሞጎስን ንሰማእታትና
ዓወት ንፍትሓዊ ቃልስና
ውድቀት ንህግደፋውያን
ንሓባራዊ ስራሕ ምስ ኩሎም ሓይልታት ደምበ ተቓውሞ ንበገስ።

Last modified on Sunday, 20 August 2017 18:42