ኤርትራ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ዘስዕብ ወተሃደራዊ ምትእትታው ደው ከተብሎ ኣመሪካ ከም ዝጸወዐት መርበብ ቢቢሲ/BBC ብ4 ጉንበት 2022 ብዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብ4 ጉንበት 2022 ኣብ ናይ ፌስቡክ ገጹ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ  የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ” ክብል ብትሪ ነቒፉ።

እቲ ኤምባሲ የማነ ገብረመስቀል፡ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ነታ ብስም ዘይጠቐሳ ዳይረክተር ትካል ዓለምለኻዊ ልምዓት ኣመሪካ ዩኤስኤኣይድ/USAID ብዛዕባ ኤርትራ ስኑዕ ሓበሬታ ትዝርግሕ ኣላ ኢሉ ድሕሪ ምኽሳሱ ግብረ-መልሲ ክህብ ከም ዝተገደደ እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኸበ ዜና ሓቢሩ።

እቲ ዜና፡ የማነ ገብብረመስቀል ብ29 ማዝያ 2022 “ዳይረክተር ዩኤሰአይድ ክትገልጾ ዝኸብድ ግጉይ ሓበሬታ ናይ ምዝርጋሕ ክእለት ኣለዋ” ከም ዝበለ ጠቒሱ፡ ከም ምንጪ ተጠቒማትሉ ዝበሎ ከኣ “ሁማኒታርያን” ዝበሃል መርበብ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ብተወሳኺ፡ "ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ዘይቅኑዕ ሓበሬታ ይዝርግሕ ኣሎ" ዝብል ግብረመልሲ ብምሃብ፡ "ሓይልታት ኤርትራ ጾታዊ ዓመጽን ቅትለት ቆልዑን ዝርከቦ ኣሰቃቒ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከምዝፈጸሙ፡ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ፡ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ሕቡራት ሃገራትን ሰኒዶሞ ዮም" ክብል ብትሪ ወቒሱ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ከውጽእን፡ ነቶም ግፍዕታት ዝፈጸሙ ብሓላፍነት ክሓቶምን ኤምባሲ ኣመሪካ ክጽውዕ እንከሎ፡ ኤርትራ ብወገና  ነቲ ሓይልታታ ኣብ ትግራይ ፈጺሞም ዝብሃል ግፍዕታትን ግህሰት መሰላትን ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ። 

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ትግራይ ጠቕሊሎም ክወጹ ምዃኖ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ገሊጾም ምንባሮም ዜና ቢቢሲ ኣዘኻኺሩ።

 ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ካብዚ ቀረባ ግዜ ጀሚሩ ብዓውታ ኣንጻር ግጉይ መግለጺታት ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ግብረ-መልሲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቓልቦ ብዙሓት ኤርትራውያን ይረክብ ምህላዉ ዝዝከር እዩ።

ንኤርትራውያን ልዕሊ ኩሉ ማዕረ እትብጸሓና፡ ብሓባር ከም ብሌን ዓይንና  እንሕልዋን ብእነፍቅራ ኣዴና እንምስላን ሃገርና ኤርትራ እያ። ካልኦት ብሓባር ዝብጽሑና ጸጋታት እንተለዉ እውን፡ ቀጻልነቶም ብህልውና ኤርትራ ዝውሰን እዩ። ኣብ ወሳኒ እዋን “ኤርትራ ወይ ሞት” እንብል ከኣ ንክብሪ ኤርትራ ከም ሃገር ንምዕዛዝ እዩ። ኤርትራ እዚ ዝተጠቕሰ ወሳኒ ህልውነኣ ዓቂባ ክትቅጽል ከኣ ኩልና ደቃ ኢና ነድልያ።

ኤርትራውነትና ዓቂብና እንለብሶም ብዙሕነትና ዘንጸባርቑን፡ ተገዲድና ዘይኮነ ብድሌትና እንስዕቦምን ካልኦት መግለጺ መንነት ኣለዉና። ብሄርና፡ ሃይማኖትና፡ ቋንቋና፡ ባህልና፡ ኣውራጃናን ካለኦትን መግለጺ መንነትና እዮም።  ኩሎም እዚኣቶም፡ ብዘይ ህልውና ልኡላዊት ኤርትራ ትርጉም የብሎምን። በዚ መሰረት ቅድሚቲ በዞም ዝተጠቕሱ መንነታት ኣቢልና ከነረጋግጾን ከነማዕብሎን እንደልዮ መሰላት ብጉዳይ ኤርትራ ከም ሃገር ክንግደስን ክንጭነቕን ግድን እዩ። ናይዞም ዝተጠቕሱ መለለይታት ዕቤትን ቀጻልነትን ምርግጋጽ ናይ ሰዓብቶም ሓላፍነት እዩ። ኤርትራ ከም ሃገር ክብራ ዓቂባ ክትቅጽል ግና ምፍልላይ ናይቲ ካልእ መንነትና ብዘየገድስ ኩልና ደቃ ኢና እንስለፈላ። ነቲ መሰረታዊ ጉዳይ ኤርትራውነት፡ ካለኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ኣትሒዝካ ንሓደ ካብቲ መግለጺ መንነት ብሄር ድዩ ወይ ቋንቋ ቅድሚት ምስራዕ፡ ገዛ ከይሓዝካ ብጉዳይ ናውቲ ገዛ ከም ምግዳስ ዝዓይነቱ ግጉይ ኣሰራርዓ ቀዳምነት ዝወስድዎ ብዙሓት እዮም።

ነዛ ንኹላትና ብማዕረ እትብጸሓናን ንቀጻልነታ ንኹልና እትደልየናን ኤርትራ ዝተወሰነ ኣካል እንተደለየ እውን “ናይ በይኑ” ክገብራ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ህልዊ ኩነታትና፡ ኤርትራውያን ሰልፊ ንኹን ውድብ፡ ማሕበር ንኹን ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ሃገር ንሃሉ ኣብ ወጻኢ፡ ዝኾነ ይኹን ነገራውን መንፈሳውን ዓቕሚ ይሃልወና ንኤርትራ ናይ በይኑ ክገብራ ዝኽእል የለን። ኤርትራውያን ብዝተወደበ ይኹን ብዘይተወደበ ኣገባብ ኣብ እንገብሮ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ፖለቲካዊ መስርሕ ብነገራዊ ዓቕሚ ድዩ ናይ ኣተሓሳስባ ዕምቆት ክንበላለጽ ንኽእል ኢና። እንተኾነ ዝኾነ ሓይሊ በዚ ውሱን ጸብለልትነቱ ተዓብዩን ንኻለኦት ኣግሊሉን ልጓም ጨቢጡን ርኻብ ረጊጹን ከቶ ንኤርትራ በይኑ ከጋልባ ኣይክእልን  እዩ። ምናልባት ግና ኣብቲ ብሓባር ዝግበር ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን መድረኽ ኣበርክቶኡ ዝሓሸ ክኸውን ይኽእል።  ኤርትራ እውን ንኹልና መምስ  ዓቕምና እያ እትደልየና እምበር፡ ነቲ ሓደ ኣቕሪባ ነቲ ካልእ እተርሕቕ ኣይኮነትን። ንካለኦት ብትዕቢት ኣግሊልካ “ከምቲ ኣነ ዘምጻእኩዋ ብኣይ ትለምዕ ብኣይ ትጠፍእ” ምባል ክሳብ ክንደይ ሓደገኛ ምዃኑ  ርሑቕ ከይከድካ ተመኩሮ ህግደፍን ኣሉታዊ ሳዕቤኑን ምድህሳስ እኹል እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ ሎሚ ዘላቶ መዋጥርን ስግኣትን ክትወድቕ ዝገበራ ናይ ጉጅለ ህግደፍ “ኣነ ጥራይ እየ ንኤርትራ ዘድልያ” በሃልነት ምዃኑ ርኡይ  እዩ። ብኣካይዳ ህግደፍን ዓይኖም ብጨው ዝተሓጽቡ ደገፍቱን እቲ ንኤርትራ፡ ዝሓልየላን ዝሓስበላን እቲ ጉጅለ ጥራይ እዩ። እዚ ከኣ ምስቲ ንኤርትራ ኩልና ደቃ ነድልያ ምዃና በብግዜኡ እተቕርቦ ናይ ኣድሕኑኒ መጸዋዕታ ብቐጥታ ዝጋጮ እዩ። ናይ ህግደፍ በሓትነትን ኣነ ጥራይ በሃልነትን ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ንሃገርና ናበይ ይወስዳ ከምዘሎን ኣብ ምንታይ ከም ዘውደቓን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ኤርትራ ሎሚ ዘላቶ ሻቕሎት፡ እቲ ናይ መወዳእታ ጸልማት ከምዘይኮነ ይግመት። ከምቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝበልናዮ፡ ኩነታት ከይተቐየረ ኣብ ኢድ ህግደፍ እንተቐጺላ እቲ ዝጽበያ ሓደጋ ካብዚ ዘላቶ ዘይምውጸኣ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዝኸፈአ ከይምዕብል ዘየስግእ ኣይኮነን። ግዳይ ናይዚ ኣብ ከባብና ዝዘንብ ዘሎ ሓደጋታት ጥሜት፡ ውግእን ምምዝባልን ከይትኸውን ውሕስነት የብላን። እንተ እቲ ንሃገርናን ህዝባን ዝሕምሶም ዘሎ ጉጅለ፡ ብናይ ሓባር ቃልስና እንተዘይቀይርናዮ ካብዚ ተሸኺልዎ ዘሎ ሓደገኛ ኣንፈት  ክወጽእ ትጽቢት እተንብረሉ ኣይኮነን።

ናይ ህግደፍ ጠኒኑ በቲ ሓደገኛ መንገዲ ምቕጻል ንዓና ዘሰክመና ሓላፍነት ብኽንድኡ ደረጃ ከቢድ እዩ። ናይ ለውጢ ሓይልታት እውን ሃገርና ንምድሓን ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝብል ኣምር ግቡእ ትርጉም ሂብና ኣብ ግብሪ ናይ ምውዓሉ ግደታ ኣለና። ምናልባት ካብቶም ብሓባር ኮይና ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ቃልሲ ከነካይድ ዝጸናሕና ንመጻኢ እውን ክንቅጽሎ ትጽቢት ተነቢሩልና ዘሎ ቅልጣፈና ግና፡ ማዕሪኡ ዘየለ ጽባሕ ንኤርትራ “ኣነ ይኣኽላ እየ”  ዝብል ሕልና ዘለዎ እንተልዩ ብኣግኡ ናብ ልቡ ክምለስ ይግበኦ። ኣብ ርእሲቲ ኤርትራ ኩሉኹም ኢኹም ተድልዩኒ እናበለት ትጣራዕ ምህላዋ፡ በይናዊ ጉዕዞ ዓዲ ከም ዘየእቱ ካብ ምግንዛባ ዝነቅል ምዃኑ ምግንዛብ ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት  ዝተወሰነ መምዘንታት እናመዘዘ “ኣነ ዝሓሸ ዓቕሚ ኣለኒ” ዝብል ሕልና ዘለዎ ወገን ይህልወና ይኸውን። እዚ ስምዒት ሓቅነት እውን ይህልዎ። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ” ዝብል ሓደ ወገን በይኑ ኣይምልሶን እዩ። እቲ ሓቀኛ ዝሓሸ ዓቕሚ ዘለዎ ኣብቲ ዝፍጠር ናይ ሓባር መድረኽ ብዘበርክቶ ኣስተዋጸኦን ዘሕድሮ ጽልዋን እምበር፡ ብዝመርጾ በይናዊ ጉዕዞ ዝግለጽ ኣይኮነን።

ብሓባር ተቓሊስና መጸዋዕታ ኤርትራ ንመልስ ክንብል እንከለና፡ ሸቶኡ ሓደ ክነሱ በበይኑ ዝወፍር ዘሎ ኣተሓሳስባታትና ኣቀራሪብና ናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ነጥሪ ማለት እዩ። ኣብዚ መስርሕ እንካን ሃባን ናይ ገሊኡ ወገን ኣተሓሳስባ ብመንጽር ህልውን መጻእን ኤርትራዊ ድሕነትን ረብሓን ተመዚኑ የዋጽእ ተባሂሉ ብምልኡ ይኹን ብኸፊል ቅቡል ክኸውን ይኽእል። ብኣንጻሩ ኣተሓሳስባኡ ተመዚኑ ብምሉእ ድዩ ብኸፊል ተቐባልነት ዘይረክብ ወገን ክህሉ’ውን ይኽእል። ኣብዚ ኤርትራ ምእንቲ ክትድሕን ሓሳቡ ዝተነጽጎ ወገን ነቲ ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ ምኽባር ትብዓት ክህልዎ ይግባእ። ኣብ ርእሲ’ዚ ነቲ ብኻልእ ወገን ዝቐረበ እሞ ተቐባልነት ዝረኸበ ከም ናቱ ወሲዱ ናይ ምትግባሩ ትብዓት ክውንን ድልዊ ክኸውን ግደታኡ እዩ። ጉዳይ ኣተሓሳስባ ጥራይ ዘይኮነ፡ ተሃዋስነት ሕቶ መሪሕነት እውን በዚ ኣገባብ እዩ ክመሓደር ዝግበኦ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ነቲ “ንኤርትራ ኩልና ኢና ነድልያ”  ዝብል ከነተግብረሉ እንኽእል ካልእ መንገዲ የብልናን።

ኤምባሲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ኣስመራ፡ ኤርትራ ሕግታት መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ከተኽብርን ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዝኣሰረቶም ክትፈትሕን፡ ኣብ ናይ ፌስ ቡክ ገጹ ተማሕጺኑ። እቲ ኤምባሲ ን3 ጉንበት ዓለም ለኸ መዓልቲ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ዝዘርገሖ ስምዕታ፡ ንሓያሎ ካብቶም ሓሳቦም ብምግላጾም ጥራይ ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ይሓቁ ካብ ዘለዉ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ብኣስማት ዘርዚሩ።

እቶም “ኣይንርሰዓኩምን ኢና” ብዝብል ነዚ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ፕረስ ምኽንያት ብምግባር  ብኣስማቶም ዝጠቐሶም፡ ዳዊት ይስሃቅ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ዳዊት ሃብተሚካኤል፡ ማቴዎስ ሃብተ፡ ፍሰሃየ ዮሃንስ፡ ኣማኑኤል ኣስራት፡ ተመስገን ገብረእየሱስ፡ ስዒድ ዓብደልቃድር፡ ዩሱፍ ማሕሙድ ዓሊን መድሃኔ ሃይለን እዮም።

እቲ ኤምባሲ ከም ዝገለጾ እዚ ዕለት ብደረጃ ዓለም ዝዝከረሉ ምኽንያት፡ መንግስታት  ኣድላይነቱ ተረዲኦም ንትግባረ ናይ ጋዜጠኛታት፡ ጸሓፍትን ምሁራትን መሰልን ናጽነትን ሓሳባ ምግላጽ ንከኽብሩ ንምዝኽኻሮም ምዃኑ ጠቒሱ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዞም ኣስማቶም ዝተጠቕሱን ካለኦት ብቅሉዕ ሓሳቦም ስለ ዝገለጹ ጥራይ ዝተኣስሩን ግዳያት ንክፈትሖምን ኣንጻር ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ኣንቢርዎ ዘሎ እገዳ ከልዕሎን ተማሕጺኑ።

ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣፍሪቃ፡ ኣብ ናይ 2007 ውሳነኡ ከም ዘመልከቶ፡ ኤርትራ ናይ ኣፍሪቃ ቻርተር ሰብኣውን ህዝባውን መሰላት ከም እትጥሕስ ኣመልኪቱ ከም ዝነበረ እዚ ናይቲ ኤምባሲ መልእኽቲ ኣዘኻኺሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ኩሉ መንግስቲ ኤርትራ ኣንጻር ፕረስ ዝገብሮ እገዳታትን ዘካይዶ ማእሰርትን ምስ ተልእኮን መንፈስ እቲ ቻርተር ሰብኣዊ መሰል ከም ዝጻረር ኣስፊሩ። 

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ናይ ሎሚ ዕለት 03 ጉንበት 2022 ንናይ ፕረስ ነጻነት ዝምልከት ዝወጸ ዓመታዊ ኣህጉራዊ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ ድማ፡ ኤርትራ ኣብ ኣተሓሕዛ ነጻ ፕረስ ኣብ መበል 179 ካላኣይቲ ብድሕሪት ተመይጊባ ምህላዋ ተረጋጊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብ መንጎ ኢራንን ሰሜን ኮርያን ምህላዋ ዘመልክት ጸብጻብ እዩ። እተን ብናይ ፕረስ ነጻነት ሕጋጋት ምሕላው ቅድሚት ዝስራዓ ሰለስተ ሃገራት ድማ ፊንላንድ፡ ኖርይን ሽወደንን ከምዝኾና ተፈሊጡ ኣሎ።  

 

 ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ልዑል ብቅዓት ብምርኣይ ታሪኽ ዝሰርሐ፡ ምስ ቤልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዎንትይ ጎቦርት ዝወዳደር፡ ኤርትራዊ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ፡ ምስታ ዝጸንሓ ክለብ ክሳብ 2026 ዘጽንሖ ውዕል ከም ዝፈረመ፡ ንወግዓዊ መርበብ እታ ክለብ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ሓቢራ።

በልጅማዊት ክለብ ኢንተርማርች-ዋግ፡ ኣብቲ ዘውጸኣቶ ዜና “ቢንያም ግርማይ ኣብ ገዝኡ ዘጽነሖ ስምምዕ ፈሪሙ” ብዝብል ሓጐሳ ከም ዝገለጸት እቲ ዜና ብተወሳኺ ገሊጹ። 

ኣብ ቻምፕዮን ዓለም ናይ መጀመርታ ዓወት ንኤርትራ ዘውሃባ ቢንያም ግርማይ፡ ኣብ ታሪኽ ውድድራት ክላሲክ ነዚ ዓወት ከመዝግብ ዝበቐዐ ናይ መጀመርያ ተቐዳዳማይ ጸሊም ኣፍሪቃዊ  ኮይኑ፡ ኣብ ታሪኽ ተመዝጊቡ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ውድድራት ዘካይዱ ዘለዉ ክኢላታት ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ፡ ዝነኣድ ዓወታት የመዝግቡ ከምዘለዉ ዝፍለጥ እዩ።

 

Sunday, 01 May 2022 07:57

Dimtsi Harnnet Sweden 30.04.2022

Written by