ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኡጋንዳ ዝተረፋ 5 ኤርትራውያን ስፖርተኛታት

2022-06-23 16:45:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 915 times

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021  ኣብ ኡጋንዳ ዝተኻየደ ውድድር ኲዕሶ እግሪ ሃገራት ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ  ሴካፋ  ትሕቲ 20 ዓመት ዝዕድምአን ደቂ ኣንስትዮ ትሳተፍ ካብ ዝነበረት ጋንታ ኤርትራ  ከይተመልሳ ዝተረፋ ሓሙሽተ ስፖርተኛታት፡ ንህይወተን ብምስጋእ  ተሓቢአን ኣብ ስዉር ቦታ ምህላወን ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን ሓቢራ።

ብመሰረት ሓበሬታ ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን እተን ተሰዊረን ዘለዋ ስፖርተኛታት ልዋም ሰለሞን፡ ዮርዳኖስ ኣብርሃም፡ ሻማት ፍጹም፡ ራሄል ሚኪኤልን ትርሓስ ሃብተን ዝተባህላ እየን። በቲ ሓበሪታ ናይታ ጋዜጣ መሰረት እዘን ስፖርተኛታት ክሳብ ሕጂ ኣብ ውሑስ ቦታኳ እንተሃለዋ ገና ብዘይግሉጽ እየን ዝነብራ ዘለዋ፡

ጋዜጣ ዘ-ጋርድያን ኣብ ሓበሬታኣ፣ ካብ 2009 ንደሓር ጥራይ ልዕሊ 60 ኣባላት ሃገራዉያን ጋንታታት ስፖርት ኤርትራ ብምኽንያት ዞባዉን ኣህጉራዉን ውድድራት ካብ ሃገር ምስ ወጹ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዕቑባ ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ። ኤርትራዉያን ስፖርተኛታት ደቀንስትዮ ብኸምዚ ኣገባብ ክሃድማ ከኣ እቲ ናይ ወርሒ ሕዳር 2021 ናይ መጀመርታ እዩ።  

ቅድሚኡ ብ2019 ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሴካፋ 7 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ሃዲሞም ኣብታ ሃገር ዑቕባ ሓቲቶም ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ።

ወሃቢ ቃል ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ብዛዕባ ጠንቂ ህድማ ናይዘን ስፖርተኛታትን ህልዊ ኰንታተንን ተሓቲቶም፡ ኣብ ጉዳይ ውልቀሰባት ርኢቶ ክህቡ ፈቓደኛ ከምዘይኮኑ ገሊጾም። ብባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ዝተመዙ ተኸታታሊ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ግና፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽእዎ ሰፊሕ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ግዱድ ውትህድርና፡ ጃምላዊ ማእሰርቲ፡ ምስዋርን ምስቓይን ዝጠቓልል ግህሰታት ከም ዝካየድ ኣቃሊዖም። ኣተሓሒዞም ከኣ ደቂ 14 ዓመት ዕሸላት ከይተረፉ ናብ ዓውዲ ውግእ ክኣትዉ ከም ዝግደዱ ኣስፊሮም።  እዚ ዘስካሕክሕ ኩነታት ኤርትራውያን ንክስደዱን በብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ምስ ወጹ ናብ ሃገሮም ንከይምለሱን ምኽንያት ከም ዝኾነ ከኣ ናይቶም ኮሚሽነር ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይ ብዙሓት እምነት እዩ።

Last modified on Thursday, 23 June 2022 18:48