ኤርትራ፡ ቻይና ኣብ ዝወደበቶ ኮንፈረንስ ኣይተሳተፈትን

2022-06-22 07:51:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 828 times

ቻይና ዝወደበቶን ዝመወለቶን ቀዳማይ ኮንፈረንስ ቻይናን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ብ20-21 ሰነ 2022 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተኻየደን ኤርትራ ከምዘይተሳተፈትን ጋዜጣ ዋሽንግተን ፖስት ሓቢራ። ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቻይና ዙ ቢንግ፡ ኣብዚ ኮንፈረንስ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ሃገሮም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ጸገማት ብሽምግልና ብምፍታሕ፡ በቲ ሓደ ወገን ጽልወኣ ንምሕያልን ቁጠባዊ ወፍራ ንምዕቃብ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ሃገራት  ጸጥታአን ከውሕሳን ልምዓትን ቅኑዕ ምምሕዳርን ንከሕይላን ክትሕግዝ ቅርብቲ ከም ዝኾነት ኣፍሊጦም። ኣተሓሒዞም ከኣ  “ኣነ ንገዛእ ርእሰይ  ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝደልየኦ ኣገባብ  ሽምግልና ከዳሉ ቅሩብ እየ”  ከም ዝበሉ እቲ ዜና ሓቢሩ።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ብምቕጻል፡ እዚ እስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ በታ ኣብዚ እዋንዚ ብሰንኪቲ  ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ውግእ ኣብ ሓያል ወጥሪ ዘላ ኢትዮጵያ እዩ ዝምእከል ኢሎም። ኣብዚ ኮንፈረንስ ብደረጃ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ወይ ምክትላት  ዝተሳተፋ ሃገራት፡ ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ኡጋንዳን ጅቡትን ክኾና እንከለዋ ኤርትራ ግና ከምዘይተሳተፈት ዋሽንግተን ፖስት ኣብቲ ዝዘርግሓቶ ዜና ሓቢራ።

እቲ ዜናዊ ጸብጻብ ኣተሓሒዙ እዛ ኣብ ውግእ ትግራይ ምስ ኢትዮጵያ ወጊና ዝጸንሐት  ኤርትራ፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ኣብ ዝበጽሕዋ ኣብዚ ኮንፈረንስ ንክትሳተፍ ተዓዲማ ከም ዝነበረት ጠቒሱ። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ነዚ ብኩራት ሃገሩ ካብዚ ኮንፈረንስ ብዝምልከት ተሓቲቱ መልሲ ከምዘይሃበ እውን ኣብቲ ዜና ሰፊሩ።

ነዚ ብኩራታ ካብዚ ኮንፈረንስ ዝተዓዘቡ ወገናት፡ ጸገም ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ድዩ ወይ ምስ ቻይና? ዝብል ሕቶ የቕርቡ ኣለዉ።

Last modified on Wednesday, 22 June 2022 10:06