ጓል 40 ዓመት ሱዳናዊት ኢንጅነር ኣሚና ዑስማን ሑመድ፡ ናይ “ግንባር ቀደም” ሽልማት ንምክልኻል ሰብኣዊ መሰል ኣብ ሓደጋ/ Front Line Defenders Award for Human Rights Defenders at Risk./ “ ከም ዝተዓወተት ኤኤፍፒን ካለኦት ማዕከናት ዜናን ሓቢረን። ኣሚና ዑስማን ብ2002 ደፊራ “ስረ ክኽደን እየ” ስለ ዝበለት፡ ጽኒሓ  ብ2013 ድማ “ርእሰይ ኣይሽፈንን” ስለ ዝበለት ተኣሲራ ከም ዝነበረት እቲ ዜና ብተወሳኺ ጠቒሱ።

ኣሚና ኣብ ዝሓለፉ 2ተ ዓሰርተ ዓመታት ምእንቲ መሰል ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ክትቃለስ ዝጸንሐት ኮይና፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ነቲ ኣብ ሱዳን ድሕሪ ውድቀት መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ኣብ ሱዳን ዝተኻየደ ወታደራዊ ዕልዋ ብምቅዋማ ተኣሲራ ዝተሳቐየት እያ። ኣሚና ዑስማን ካብተን ኣብ ኣፍጋኒስታን፡  ቤላሩስ፡ ዝምባብወን ሜክሲኮን ተመሳሳሊ ቃልሲ ከካይዳ ዝጸንሓ እሞ ሽልማት “ተኻላኸልቲ ሰብኣዊ መሰል  ኣብ ሓደጋ/ Human Rights Defenders at Risk  2022 ዝተዓወታ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ምዃና እቲ ዜና ኣስፊሩ።

ሱዳናዊት ኣሚና ዑስማን ሑመድ ምስ ኩሉ ጸገማት ካብ ቃልሳ ንሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ንድሕሪት ከይበለት ክትቅጽል ከም ዝጸንሐት እቲ ሽልማት ዝሃበ ኣብ ዱብሊን ዝመደበሩ ትካል “ቅድመ-ግንባራዊ ምክልኻል”  ነቲ ሽልማት ኣብ ዝሃበሉ እዩ ሓቢሩ። እዛ ተባዕ ሱዳናዊት ጓለንስተይቲ፡ ኣብ ግዜ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር ኣንጻርቲ  ሽዑ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኣዝዩ ጨቋኒ ሕጊ ብ2009 “ኣይፋል ንጭቆና ደቂ ኣንስትዮ”  ዝብል ተበግሶ ኣንቂዳ ዝነበረት እያ።

ምዕዋት ኣሚና ዑስማን ሑመድን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ሱዳን ካብ ምውጋድ መንግስቲ ዑመር ኣልበሺር ጀሚረን ክሳብ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሃገረን ዘሎ ቀጻሊ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ኣብነታዊ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብርእሲ እቲ ዝጸንሔን ሕጂውን ነዚ ክቐስመኦ ዝግባእ እወንታዊ ተመክሮ እዩ።

Sunday, 29 May 2022 00:04

Dimtsi Harnnet Sweden 28.05.2022

Written by

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ፡ ብስፍሓታ ብደረጃ ኣፍሪቃ ካብ 54 ሃገራት  መበል 37፡ ብደረጃ ዓለም ድማ ካብ 234 ሃገራት ኣብ መበል  101 እትስራዕ እያ። ኤርትራ እዚ ሎሚ ሒዛቶ ዘላ ቅርጽን ዶባትን ዝሓዘት መንግስቲ ኢጣልያ ከም ኣካል  ወራር ኤውሮጳ ናብ ኣፍሪቃ ብ1 ጥሪ 1890 “ግዝኣተይ” ኢሉ ድሕሪ ምእዋጁን ስምምዓት ምኽታሙን  እዩ። ድሕሪ ምድምዳም 2ይ ውግእ ዓለም፡ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዝጸንሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ናጻ ክወጻ እንከለዋ ዶባተን ምውሳን ዓብይ ጉዳይ ስለ ዝነበረ፡ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ኣብ ቀዳማይ ኣኼባኡ ነቲ ኩነታት መዚኑ፡ ምስ ኩሉ ጸገማቱ እቲ መግዛእታዊ ዶባት ጸኒዑ ንክቕጽል ኣጽዲቕዎ እዩ። ዶብ ኤርትራ ምስ ጐረባብታ እውን ኣካል እዚ ውሳነ እዩ። እዚ ውሳነ ናይ ኤርትራ ሃገራውነት ዝተመዝገቦ ፋይል ኣብቲ እዋኑ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ዝዓጸወ ተረኽቦ እዩ።

እንተኾነ መግዛእታዊ ሓይልታት ኢትዮጵያን ተሓጋገዝቶም ተረባሕትን፡ ንታሪኽን ሓቅን ጠማዚዞም ነዚ ዝተዓጽወ ፋይል ከፊቶም ንኤርትራ ካብ ሃገርነታ ኣውሪዶም ዓምጺጾም ናብ ኢትዮጵያ ከእትውዋ ፈቲኖም። ንህዝቢ ኤርትራ ነዚ ውዲቶም ተቐቢሉ ንክርዕሞ ብብዙሕ መተዓሻሸዊ መብጸዓታት ፈቲነሞ። ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ምቑራን ድማ ሓደ ካብቲ ፈተነታት ነይሩ። እንተኾነ ህዝብና  ነቲ ካብ ኤርትራዊ ሃገርነቱ ዘውርድ ውሳነ ኣይተቐበሎን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራ ከም ሃገር ንምውሓሳ ቃልሲ መሪጹ። እዚ ቃልሱ ከኣ ብዙሕ ውረድ ደይብ ሰጊሩን ክቡር ዋጋ ከፊሉን ተዓዊቱ ኤርትራ ብ1991 ናጻ ሃገር ኮይና። እዚ ተረኽቦዚ ነቲ ካብ ቀደሙ እውን “ሃገርነት ኤርትራ” መዝጊቡ  ተዓጽዩ ብኽብሪ ዝተዓቀበ ፋይል ዝያዳ ዓጽይዎ። እቲ 1,062,410 ኤርትራውያን ዝተሳተፍዎ ካብኣቶም 99.83% “እወ ንናጽነት” ዘድመጽሉ ረፈረንደም ድማ ነቲ ፋይል ዳግማይ ከምዘይግንጸል ኣትሪሩ ከቲምሉ።

ድሕሪዚ ነቲ ዝተዓጽወ ፋይል ገንጺልካ፡ ንኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ክትቅይር ምህቃን ስለ ዘይዕወት፡ ንሃቀንቱ ካብ ምድካም ሓሊፉ ዘምጸኦ ለውጢ የብሉን። ምስዚ ኩሉ ግና፡ ናይ ገለ ኣካላት ዘይርትዓዊ ሃቐነታት ክሳብ ሎሚ’ውን ዓዲ ኣይወዓለን። እቲ ሃቐነታት ካበይን ስለምንታይን ይመጽእ ኣሎ ርዱእ እዩ። ታምራት ነገራ ዝተባህለ ጋዜጠኛ “ኤርትራ ኣብ ውግእ ምስ ትግራይ ምስ ደኸመትልና ስንና እናመወጽና ኢና ናብ ኣስመራ ንጐዓዝ” ዝበሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ሓደ እዋን “ምስ ኤርትራ ክንድመር እንከለና ዓሰብ ንካፈል” ካልእ ግዜ ድማ “ትግራይ ንሓጺር ግዜ እያ ተዓጽያ፡ ኢትዮጵያ ግና 30 ዓመታት እያ ተዓጽያ ስለዚ ድሕሪ ሕጂ ክመውት ዝደሊ ንኣፍደገ ባሕሪ እዩ ክመውት ዝግበኦ” ዝበሎ፡ ደደቢት ናይ ዝተባህለት መዲያ ኣካየድቲ “ቀይሕ ባሕሪ ብታሪኽ ናይ ትግራይ እዩ” ኢሎም ዝመጐትዎ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ድማ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነን ዘንጸባረቖ ናይ “ንስምምዕ ኣልጀርስ ዳግመ-ርኢቶ ክንገብረሉ ኢና” ዝብል ዝንባለ፡  ደሚርካ ክምዘን እንከሎ፡ እቲ ዝተዓጸወ ፋይል ናይ ምግንጻል ሃቐነ ካብ ገለ ኢትዮጵያውያን ዝመጽእ ዘሎ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ምስዚ ግና ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይዕጸፍ ቃል ዘለዎም ኢትዮጵያውያን ወገናት የለዉን ማለት ግን ኣይኮነን። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ብምኽንያት መበል 31 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ሃገርና ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ዮሃና “…..ህዝቢ፡ ሰራዊትን መንግስትን ትግራይ፡ ኣብ ናጽነትን ልኡላውነትን ህዝቢ ኤርትራ ነቕ ዘይብል ጽኑዕ ህዝባዊ መስመሮም ንጻት ዘይሸራረፍን ቅዋሞም ደጊሞም የረጋግጹ……” ብዝብል ዘስፈሮ ኣብ ሓቂ ዘትከለ ርትዓዊ መርገጽ እዩ። 

ከምቲ “ወደን ከይሓምያስ፡ ሰበይቲ ወደን ይሓምያ” ዝበሃል  ከይኮነና፡ እቲ ድሌት ኣብቶም ዓው ኢሎም ዝዛረቡ ዘለዉ ዝነበረኳ እንተኾነ፡ ዝተዓጽወ ፋይል ንምግንጻል ዘተባብዕዎም ዘለዉ ካብ መራሒ ህግደፍ ጀሚርካ ዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ኣካላት ከምቲ “ኣድግስ ሃሊላ በላዒኣ ትጽውዕ” ዝበሃል ዘርእይዎ ዘለዉ ኤርትራዊ ሃገርነትን ልኡላውነትን ዝፍሑቕ ዝንባለታት ከም ዘጋደዶ ዝከሓድ ኣይኮነን። ህልዊ ዕርክነት ህግደፍን ፋኖ ኣምሓራን ናይዚ ምልክት እዩ።

እዚ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ስምዒት ንክኽሰት ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ምዃኑ ክንጸባረቕ ጸኒሑ እዩ። ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላው ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ዘይኮነ ብደረጃ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘየብለን ይፍለጥ። ካብዘን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት እተን 16 ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከባ እየን። ካብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ዓለም ዝሰፍሐት ቀዳመይቲ  ካዛኪስታን ክትከውን እንከላ ዝበዘሐ ህዝቢ ዘለዋ ከኣ ኢትዮጵያ እያ። ዝበዝሐ ህዝቢ ምውናን ግና ሕጊ ኮይኑስ ናይ ካልእ ኣፍደገ ባሕሪ ክውንን ዘኽእል ኣይኮነን። ኢትዮጵያ ካብ መዋስንታ፡ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነት፡ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ጅቡትን ሶማሊያን እውን ኣፍደገ ባሕሪ ኣለወን።

እቲ ሓቂ እዚ እንከሎ ደኣ “ስለምንታይ እቲ ናይ ኣፍደገ ባሕሪ ይግበኣኒ ዝንባለ ናብ ኤርትራ ይዓዝዝ?” ዘዛርብ እዩ። ሓቂ እዩ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘቀራርበን ታሪኽ ኣሎ። እንተኾነ እዚ ታሪኽ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ወይ ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ክጽንብር ዝኽእል ሕጋዊ ሓይልን ትርጉምን የብሉን። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብባህሊ፡ ቋንቋ፡ ዓሌትን እምነትን ዝተኣሳሰሩ ጐረባብቲ ህዝብታት ኣለዉ። ኣብ ማሕበራዊ፡ ንግዳውን መውስቦን እውን ርክባት ኣለዎም። እንተኾነ እዚ ኩሉ ተመሳሳልነቶም ተደማሚሩ፡ ካብ ጥቡቕ ጉርብትናዊ ምቅርራብ ሓሊፉ፡ ዓለም ለኻዊ ዶባት ኣፍሪሱ ዜጋታት ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ዘብሎም ኣይኮነን። እዚ ናይ ህዝብታት ምምስሳል ኤርትራ ምስ ሱዳንን ጅቡትን እውን ኣለዋ። ኢትዮጵያ ከኣ ምስ ሱዳን፡ ኬንያ፡ ጅቡቲ፡ ሶማልያን ደቡብ ሱዳንን ኣለዋ።

ጉዳይ ቁጠባዊ ተጠቃምነት እንተኮይኑ፡ ዘለናዮ ዘመን ምስ ጐረቤትካ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ርሑቕ እውን ክትዛመድ ዘገድድ እዩ። ኤርትራ ከም ምስተን ካለኦት ጐረባብታ፡ ምስ ኢትዮጵያ ትካላዊ ደረጃ ብዘውሓሰ ኣብ ሓባራዊ ረብሓ ዝተሰረተ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ንግዳውን መዳያት ዝምድና ክትገብር ምርጫኣ ዘይኮነ ግደታኣ እዩ። ጉዳይ ተጠቃምነት ወደባትን ባሕርን እውን ካብዚ ወጻኢ ዝርአ ኣይኮነን። ኤርትራ ንወደባታ ክጥቀማሉ ካብ ዝኽእላ ሃገራት ሓንቲ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነት እሞ እቲ ጠቕሚ ናይ ሓባር ስለ ዝኾነ ክትጉስጉሰሉ እውን ዝግበኣ እዩ። ኮታ እቲ ዝምድና ናይ ኣቕራባይ ዓዳጋይን እዩ። ስለዚ ተጠቃሚ ወደብ ዝልምነሉ ኤርትራ ከኣ ትልመነሉ ጌርካ ምርኣዩ ግጉይ እዩ። እዚ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ጥዕናኡ ዝሓለወ  ንክኸውን ድማ ፡ ዝተዓጽወ ፋይል ምግንጻል፡ ዘይዕወት ሃቐነ” ዕንቅፋትዩ’ሞ ይተኣለ።

ኣብ ኒውዮርክ ዝመደበሩ ትካል፡ ኮሚተ ተጣባቒ መሰል ጋዜጠኛታት (CPJ)፡ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ “ምኽባር ሕጊ” ብዝብል ዝኣሰርዎም ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ናይ መድያ ሰራሕተኛታትን ንክፈትሑ ሓቲቱ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ኢትዮጵያ ካብ 19 ጉንበት 2022 ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ጋዜጠኛታት ናይ ምእሳር ወፈራ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ክሳብ 28 ጉንበት 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ ልዕሊ 20 ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን ከም ዝተኣስሩን እቲ ምእሳር ቀጻሊ ከም ዘሎን ዝተፈላለዩ ምንጭታት ሓቢሮም።

ካብቶም ክሳብ ሕጂ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ብሕቲ መዲያ ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን፡ ሰንበቶ ኣሕመድ፡ ያየሰው ሽማልስ፡ ኣበበ ባዩ፡ በቃሉ ኣላምረው፡ ሰለሞን ሽሙየ፡ መስከረም ኣበራ (ደራሲትን ጸሓፊትን)፡ ተመስገን ደሳለኝ፡ ታድዮስ ታንቱ (ደራስን ጸሓፍን)፡ መኣዛ መሓመድ፡ ጋሻዬ ንጉሴ፣ ጌትነት ያለው፡ ሃብታሙ መለሰ ዳንኤል መስፍንን ቀለሙ ገላጋይን ዝበሃሉ ይርከብዎም።

በዚ ዝካየደ ዘሎ ሰፊሕ ናይ ጋዜጠኛታትን ናይ ሚድያ ሰራሕተኛታትን ማእሰርቲ ናይ ምዕጻው ሓደጋ ኣንጸላልይወን ካብ ዘሎ ናይ ብሕቲ ማሕበራዊ መዲያታት፡ ተራራ ኔትዎርክ፡ ገበያኑ፡ ኢትዮ-እውቀት፡ ኣልፋ፡ ኢትዮ-ፎረም፡ ዓሸራ፡ መጽሐት ፍትሕን ንስርን፡ ሮሃን ፊኒፎነ ኢንተግሬትን ዝበሃላ ይረከበን። ነቲ ኩነታት ዝከታተሉ ከም ዝብልዎ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘይካ ናይ መንግስትን ናይ ብሕቲ ኮይነን ን ሰልፊ ብልጽግና ዝድግፋን ኩለን ዝተፈልየ ሓሳብ ዘንጸባርቓ መዲያታት ክዕጸዋ እየ።

ከም ሚዛን ናይ ብዙሓት እቲ ዝያዳ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን መመሊሱ ዝገድድ ዘሎ ማእሰርቲ ምስ ናይ መዲያ ሕጊ ምጥሓስ ዘይኮነ፡ ምስ ፖለቲካዊ ኣረኣእያን እምነትን ዝተተሓሓዘ እዩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ባዕሉ ብዝገለጾ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ክልል ኣምሓራን ጥራይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 5 ሺሕ ፖለቲከኛታት ኣሲሩ ኣሎ። ኣብ ክልል ኦሮሚኣ እውን ሰፊሕ ማእሰርቲ ኣሎ።

ተዓዘብቲ ነዚ ናይ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ማእሰርቲ ጋዜጠኛታት፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ብ2001 ዝተወስደ ስጉምቲ ምእሳር ግዜጠኛታትን ምዕጻው መዲያታትን የመሳስልዎ። እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ እዞም ዝእሰሩ ዘለዉ ጋዜጠኛታትን ናይ መዲያ ሰራሕተኛታትን ኣብ ቤት ፍርዲ ቀረቦም ብጠበቓ ኣቚሞም ናይ ምክልኻል መሰል ኣለዎም።