ካልእ ተረኽቦ ጐረቤት ሃገር

2023-04-20 20:02:34 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1078 times

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ 1998-2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ፡ እቶም ቀንዲ ተዋሳእቱ ከይተረፉ “ትርጉም ዘይነበሮ” ዝበልዎ ውግእ ንኤርትራውያን ገዲፉሎም ዝሓለፈ ኣሉታዊ በሰላን ምክልባትን ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቲ ዝያዳ ዘጉሂ ከኣ በዚ ትርጉም ዘይነበሮ ውግእ ዘይተማህረ ጉጅለ ህግደፍ፡ ንኤርትራዊ መንእሰይ ኣብቲ  ደማዊ ውግእ ትግራይ ንምእታዉ ዝወሰዶ ናይ ጥፍኣት ስጉምቲ እዩ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ኤርትራዊ መንእሰይ ግዳይ ኩሉ ሕሰማት ዝኾነሉን ዝተነወረሉን ውግእ ትግራይ፡ ዝወረደ ክሳራ ናይ ቀረባ ግዜ ስለ ዝኾነ፡ ክሳብ ክንደይ ሰፊሕ ከም ዝነበረ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ዕምቆት ናይቲ ሰብኣዊ ክሳራ ንክፈልጥ ወግዓዊ መርድእ እዩ ዝጽበ ዘሎ። 

ብሓፈሻ ብሰንኪ’ቲ ተደጋጋሚ ጻሕታሪ ባህሪ ህግደፍ፡ ብፍላይ ከኣ በዚ ዳሕረዋይ ውግእ ትግራይ፡ ምስሊ ኤርትራ “ዘራጊቶ” ተባሂሉ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ዓለም ተደዊኑ እዩ። ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ንምሕዋዩ ግዜ ዝወስድ ዘይምትእምማን ተፈጢሩ ኣሎ። ኣብ ሕድሕድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ዝተፈጥረ ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥን ምርሕሓቕን እውን፡ ሓላፍነት ንዝስመዖን ኣርሒቑ ንዝጥምትን ወገን ብቐሊሉ ዘይግመት ሃስያን ትዕዝብትን ገዲፉ እዩ። ዘይተጋህደ ዝነበረ  ናይ ሕድሕድ ዝምባሌታትና እውን ኣፋሊጡና  እዩ።

ኣብ ጐረቤት ሃገር ዝፍጠር ህውከት፡ ከምቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብልዎ ብኣሉታ ይጸልወካ እዩ። ዘሊልካ ክትጥበሶ ግና ካልእ ሕቡእ ኣጀንዳ እንተዘይጸኒሑካ ናይ ግድን ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራዊ ተመኩሮና ነዚ ጉዳይካ ኣቐሚጥካ፡ ናብ ጉዳይ ካለኦት ኢድካ ምእታው፡ ብገለ ግሩሃት ኤርትራውያን ከም ትብዓትን ብልህነትን ይቑጸር ምህላዉ ዘሕዝን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ክልተ ብጥንቃቐ ክተሓዙ ዝግበኦም ተርእዮታት ጐረባብትና ይምዕብሉ ኣለዉ። እቲ ሓደ ውግእ ሕድሕድ ሱዳን እዩ።  እቲ ካልእ ድማ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራን ዝረአ ዘሎ ናብ ወተሃደራዊ ጐንጺ ዝዓረገ ምውጣጥ እዩ። ምናልባት ካብዚ ዞባና ወጻኢ እንተ ኣመዓደና ድማ ህግደፍ ተሃንዲዱ ዘምጸኦም፡ ናብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ’ውን ዝመጣጠሩ ዘለዉ፡ ምትፍናናት፡ ሩሲያ-ዩክረይ፡ ቻይና-ታይዋንን ምቁማት ምዕራባውያንን …….. ወዘተ ስግኣታት ኣለዉ።

ዝተፈላለዩ ወገናት ህግደፍ ብመንጽርቲ ናይ ክሳብ ሕጂ፡ ካብ ውሽጣዊ ጉዳይካ ንምህዳም፡ ናይ ጐረባብቲ ህውከት ናይ ምጉህሃር ተመኩሮኡ ነቒሎም፡ ኣብዚ ኣብ ሱዳን ተኣጒዱ ዘሎ ህውከት ክኣቱ እዩ ኢሎም ይግምቱ ኣለዉ። ካብ መጀምርታኡ ነቲ ህውከት ኣብ ምእጓዱ ከይነበሮ ኣይተርፍን’ዩ ዝብሉ’ውን ኣይተሳእኑን  ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዲክታተር ኢሳያስ ብዘይ ኣፍልጦ ማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ናብ ፖርት ሱዳን ዘካየዶ ብጽሖትን፡ ቅድሚ መንፈቕ ተቓወምቲ ምብራቕ ሱዳን ናብ ኤርትራ ዓዲሙ ክእክቦም ፈቲኑ ብማእከላይ መንግስቲ ሱዳን ምዕጋቱን ጠመተ ሩሲያ ኣብ ሱዳንን ኤርትራን ድማ ከም መበገስታት ንኢድ ኣእታውነቱ ዝውሰዱ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ እዚ ውግእ ቅድሚ ምጅማሩ ሓደ ወርሒ፡ ናይ ደሓን ከምዘይነበረ ክሕመ ዝጸንሐ፡ መገሻ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ ናብ ኤርትራ፡ ምስዚ ዝተጠቕሰ  ደሚርካ ዝውሰድ ዘሎ  ምልክት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ድሕሪ’ቲ ውግእ ምጅማሩ ህግደፍ ብድሕሪ መጋረጃ ከም ዝህሉ ዝተፈላለያ መድያታት ፖለቲከኛታት ብምጥቃስ ግምተን ይህባ ኣለዋ።

ንህዝቢ ኤርትራ ከገድሶ ዝግባእ ህግደፍ ናብ ሱዳን ኣትዩ ምስ መነኦም ከም ዝውግን ዘይኮነ፡ ብመሰረቱ ነቲ ጣልቃ ኣቲኻ ነቲ በዓል ጽቡቑ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ ህዝቢ ሱዳን ምንቛት እዩ ከወግዞ ዝግበኦ። ኣብዚ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ማሕበራትን መራሕቲ ዝተፈላለያ ሃገራትን ውግእ ጠጠው ኢሉ፡ ብሰላም ክፍታሕ ዝጽውዓሉን ዝሻቐላሉን ዘለዋ እዋን፡ ብዛዕባዛ ብዙሕ  ካብ ህዝብና ዝነብረላ ሱዳን፡ ከም ኤርትራውያን ናይ ሰላም ድምጽና ከነጥፍእ ወይ ህክውከት ከነተባብዕ ኣየጸብቐልናን ኣየምሕረልናን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ምእታዉ፡ ዝወረዶ መረረ ስለ ዝፈልጥ፡ ሎሚ ዘለዎ ምርጫ ድምጽኻ ሓቢእካ ምጽቃጥ ዘይኮነ፡ ዓው ኢልካ  ህውከትን ሳዕቤናቱን ምኹናን  እዩ።

እቲ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ዘጋጠመ፡ ካብዚ ናይ ሎሚ ናይ ሱዳን ጉዳይ ዝተፈልየ መልክዕ ከም  ዝነበሮ ዝከሓድ ኣይኮነን። ዘይሩዘይሩ ግና ክልቲኡ ዝጸልወና ጉዳይ ጐረባብቲ ስለ ዝኾነ፡ ብማዕረ ዘሕመናን ድምጽና ከነስመዓሉ ዝግበኣናን ምዃኑ ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና ጉዳይ ትግራይ-ኢትዮጵያ ንልኡላውነትና ዝያዳ ዝህድድን ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሃገርና ዝዋፈርን ዝዓጥቕን ምናብሩ ብምርሳዕ ኣይኮነን። እንተቲ ህግደፍ ኣብ ዘዝኣተዎ እንዳሰዓብካ ምቅልዑ ቀጻሊ ኣካል ቃልስና እዩ። መሰረታዊ ረብሓን ሰላምን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሃገሩን ወጻእን ዝረጋገጽ፡ ነቲ ህግደፍ ብሃገራውነት እናሸፈጠ፡ ዝኸፍቶ መደንዘዚ ኣጀንዳታት ብምርዓም ዘይኮነ፡ ካብ መሰረቱ ብምውጋዱ እዩ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ብምእታዉ ዝወረዶ ጉድኣት ካልእ መስካሪ ዘድልዮ ኣይኮነን። ቅድሚ ሕጂ ተደጋጋሚ ተመኩሮ እናሃለዎን  ብረቱ ኣንጻር ህግደፍ ከቕንዕ እናተጸውዐን፡ ቃል ህግደፍ ከየዕብር ክብል፡ ኣብ ዘይጉዳዩ ብምእታዉ ኤርትራውያን ከም ዝተቐየምዎ  ይግነዘብ እዩ ዝብል ግምት ኣለና። እንተኾነ ግንዛበኡ ብግሁድ “ብእምቢታ ኣንጻር ህግደፍ” ክሳብ ዘይተሰነየ፡ ካብ ወቐሳ ኣይክድሕንን እዩ። ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዘይጉዳዩ ብምእታው ጥራይ ዘይኮነ፡ ኤርትራ መዋፈሪትን መዕለሚትን ናይ ግዳም ሓይልታት ከምዘይትኸውን ናይ ምግባራ ሓላፍነት ከምዘለዎ’ውን ክዝንግዕ ኣይግበኦን። ኣብዚ እዋንዚ ኢትዮጵያውያን ስምረት ትንሳኤ ትግራይን ፋኖ ኣምሓራን ከምኡ እውን ሱዳናውያን ተቓወምቲ ኣብ ኤርትራ ብምስጢር ይዕለሙ ከም ዘለዉ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ዘሎ እዩ። ስለዚ ሰራዊት ኤርትራ  ካብ ጭራኻ ደጒልካ ኣዕናዊ ትእዛዝ ኢሳያስ ምትግባር ወጺኡ፡ ህዝባዊ ውገናኡ  ከርኢ ብዘላቶ ጸባብ ዕድል ካብ ምጥቃም ካልእ ምርጫ ከምዘየብሉ ነዘኻኽሮ።

ፖለቲካዊ ውዳበታት፡ ማሕበራትን ምልዕዓላትን ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ተፈቲነን እየን። ኣብቲ ፈተነ ናይ መርገጻት ዘርጠብጠብን ምግልባጥን ተራእዩ እዩ። ኣብ ጉዳይ ሱዳንከ፡ እዚ ናይ ኣተሓሳስባ  ዘርጠብጠብ፡ ካብ ተመኩሮ ብምምሃር ክእረም ድዩ ወይ ክድገም ኣብ መጻኢ ዝረኣይ እዩ። ጉዳይ ሱዳን ካብቲ ናይ ትግራይ ብዘይፍለ ክጸልወና ታሪኻዊ ምኽንያት ኣለዎ። ምኽንያቱ ህዝቢ ሱዳን ዋላ መንግስታት እንተተቐያየሩ፡ ካብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ጀሚሩ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምዕቋብ ዝተዘርግሐ ኣእዳዉ ክሳብ ሎሚ ዘይዓጸፈ ለጋስ ህዝቢ እዩ። ካብዚ ተመኩሮዚ ነቒሎም “ሱዳን ካለኣይቲ ሃገርና እያ”  ዝብሉ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ሎሚ እውን ኣብ ሱዳን ገለ ኣብ ፈቐዶ መደበር ስደተኛታት ተዓቚቦም፡ ገለን ድማ፡ ምስቲ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ህይወቶም ዝመርሑ’ሞ በዚ ውግእ ግዳይ ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ስለዚ ውግእ ሱዳን ዘሻቕለና ምእንቲ’ቲ ኣብኡ ዘሎ ህዝብና’ውን እዩ’ሞ፡ ንህዝቢ ሱዳን ራህዋን ሰላምን ንምነየሉ።

Last modified on Thursday, 20 April 2023 22:16