የማነ ገ/ኣብ ሳዕቤን እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ተኣሚኑ

2023-04-14 07:38:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 877 times

ኣማኻሪ ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ የማነ ገ/ኣብ (ማንኪ)፡ ኣብ 2021 ብሕቡራት መንግስታት ኣሪካ  ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ህግደፍ ዝተወሰነ እገዳ ካብ ተጠቃምነት ስዊፍት (SWIFT/Society for Worldwide Interbank Financial Transactions) ስለ ዘውጸኦም፡ ክሳብ ክንደይ የጨንቖም ከምዘሎ ተኣሚኑ። የማነ ነዚ ዝተኣመነ፡ ኣና ጋሪሶን ምስ ዝተባህለ ኣብ ማዕከን ዜና ብላክ ኣጀንዳ ሪፖርት (BLACK AGENDA REPORT)፡ እትጽሕፍ ጋዜጠኛ ኣብ ዘካየዶ እሞ: ብ12 ማዝያ 2023 ዝተሓትመ ቃለ መጠይቕ እዩ።

የማነ እቲ ማህሰይቲ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ ኣብ ዓለም ለኻዊ ንግዲ ብሓፈሻ ብኤውሮን ዶላርን ብፍላይ ድማ ብዶላር ክትጥቀም እንከለኻ፡ እቲ ምትሕልላፍ ገንዘብ ብናይ ኣሜሪካ ባንክታት እዩ ዝካየድ፡ ስለዚ እተን ባንክታት ነቲ መስርሕ ይዓግቶኦ ኢሉ። ብስንክዚ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ካብ ስዊፍት ዝተኣገዳ ሃገራት፡ መስርሕ ምስግጋር ዶላር ክፍጽማ ስለ ዘይክእላ ኣብ ጸገም ይወድቃ ክብል ተኣሚኑ። ካብዚ ንምውጻእ ብዛዕባ ዝጥቀምዎ ሜላ ምስ ተሓተተ ከኣ፡ ምዕራባውያን ንምምሕዳር ህግደፍ ስለ ዝጸልእኦን ክንጽለኦ ከም ዝጽዕራን ጠቒሱ ምስ ከም ሩሲያን ቻይናን ጥራይ ክሰርሑ ከም ዝቕሰቡ ኣመልኪቱ።

ማንኪ፡ ብዘይካ ካብ ስዊፍት ምውጻእ ካልእ እገዳ እንተልይዎም ምስ ተሓተተ፡ ኣመሪካ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ ናይ ኤርትራ ዲፕሎማሲያዊ ተልእኮ ናይ ባንክ ሕሳባት ዓጽያቶ እያ ምስ በለ፡ እዚ ማለት ድማ እቲ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ዳርጋ ጠጠው ኢሉ እዩ። ምኽንያቱ ክዝርዝር እንከሎ፡ ከኣ ክራይን ናይ ካልኦት ኣድለይቲ ኣገልግሎትን ክፍሊት ምፍጻም ከምዘይከኣል ጠቒሱ። ኣተሓሒዙ ድማ  ኣመሪካ ብሰንክዚ እገደኣ ንዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ኤርትራ ብዝለዓለ ደረጃ ከም ዝጐደኣቶ ጠቒሱ። ምስዚ ኣሜሪካ ዶላር ናብ ናቕፋ ከምዘይሽረፍ ስለ ዝገበረት፡  ኤርትራውያን ካብ ወጻኢ ናብ ቤተሰቦም ክልእኹ  ከም ዝጽገሙ ኣይሓብአን። ካብዚ ንምውጻእ ኣብዚ መስርሕ ምልኣኽ ገንዘብ ኣዝዩ ዝማዕበለሉ ግዜ ዶላር ናብ ኤርትራ ብጁባ ሰባት ጥራይ ከም ዝኣቱ ኣስፊሩ።

እቲ እገዳ ኣህጉራዊ ሕብረተሰብ ኣብ ኤርትራ ንግድን ወፍርን ንምክያድ ክሳብ ክንደይ ይጸልዎ ኣብ ዝብል ድማ፡ ምስ ኤርትራ ንግዳዊ ስረሓት ዘካይዳ ኩባንያታትን ኮርፖረሽናትን ኣብ ትሕቲ እገዳ ብምዃና ምሳና ክሰርሓ ኣዝዩ የጨንቐን’ዩ። ንገዛእ ርእሰን ኣብ ጌጋ ወዲቐን ግዳይ እገዳ ኣመሪካ ከይኮና ይሰግኣ እየን ይብል። ብዘይካዚ ኣብቲ ናይ ቅድሚዚ ናይ 2021 ዝነበረ እገዳ ብዛዕባ ዘጋጠሞም ጸገማት እውን ሓያሎ  ተዘክሮታት ኣቃሊዑ።

ጉጅለ ህግደፍ ነዚ ስንብራት እገዳ ሓቢኡ፡ ዝመጸ እገዳ እንተመጸ ዘውርደልና ማህሰይቲ የለን እናበለ ከደናግርን ክሓብእን ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Friday, 14 April 2023 09:53