ኣብ ኣስመራ ሓበሬታ ዘርጊሕክን ብዝብል ዝተቐጽዓ ትካላት

2023-04-17 19:46:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 833 times

ኣብ ከተማ ኣስመራ “ሓበሬታ ዘርጊሕክን” ብዝብል 25 መሸጢ  መሳርሒ  ኤለክትሮኒክስ ንሓደ ወርሒ ክዕጸዋን ነፍሲ ወከፈን 10 ሺሕ ናቕፋ ክኸፍላ ከም ዝተወነን፡ ሓንቲ ካብ ልሳናት ጉጅለ ህግደፍ ዝኾነት ኣብ ትሕቲ ”መንግስታዊ ሚኒስተር ዜና” ናይቲ ጉጅለ እትመሓደር፡ ኤሪቲቪ/ERITVI” ብ14 ሚያዝያ 2023 ኣብ ዘቃለሓቶ ዜና ተኣሚና።

እታ ተለቪዥን ንኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጠቒሳ ከም ዝሓበረቶ፡ እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ጨንፈር “ሕግን ስርዓትን” ብዝባሃል ህግደፋዊ ትካል እዩ። እተን ትካላት ዝተኸሰሳሉ ምኽንያት “ምስ ባህሊ ኤርትራ ዘይከይድ ፍልምታት ብዩቱብ ዘርጊሐን” ብዝብ ናይ ሓሶት ሸፈጥ እዩ።

ነቲ ተግባር ብቐረባ ዝተኸታተልዎ ኣካላት ከም ዘቃለዕዎ ግና፡ እቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኣስመራ ብዩቱብ ዝዝርግሑ ዘለዉ ቬድዮታት፡ ከምቲ እታ ተለቪዥን ዝበለቶ ኣንጻር ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘይኮኑ፡ ንጸረ ህዝቢ ተግባራት ምምሕዳር ህግደፍ ዘቃልዑን ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንለውጢ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ዝተቐድሑ  ኣገደስቲ ቃለ-መጠይቓት ካለኦት ፖለቲካ መልእኽታትን እዮም።

ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ኢንተርኔት ዕጽዋ፡ እቲ ብውሽጠ-ውሽጢ ዝዝርጋሕ ዘሎን ነቲ ጉጅለ ዓቕሉ ዘጽብበሉን ቪድዮታት፡ ካብ ሱዳን ኢትዮጵያን ካለኦት ዝሓሸ ናይ ኢንተርኔት ዓቕሚ  ዘለዎ ከባብታትን ብሞባይላት ተጻዒኑ ናብ ኤርትራ ዝኣትው እዩ። ኣካላት ጸጥታ ህግደፍ ከምዚ ዓይነት ጥርጠራ ስለ ዝሓድሮም ሓደሓደ ግዜ ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ከይተረፈ ካብ መገሻ ናይ ዝተመልሱ ሰባት ሞባይላት ከም ዝፍትሹ ዝሕብሩ ኣካላት’ውን ኣለዉ፣

ሓይልታት ጸጥታ ህግደፍ ነቲ ምቁጽጻር ከስፍሕዎ መደብ ስለ ዘለዎም፡ ተዓዘብቲ ኤሪቲቪ እቲ ናይ ኤለክትሮኒካ ትካላት ምዕጻውን ምቕጻዕን ኣብ ኣስመራ ተደሪቱ ክተርፍ ኣይግበኦን ከም ዝበሉ ኣምሲሎ ምልዕዓላት የከይድ ስለ ዘለዉ  ካብ ኣስመራ ወጻኢ ዘለዉ ዝምልከቶም ኣካላት፡ ከሎ ጌና ክጥንቀቑን ካልእ ሜላታት ክበላሓቱን ይግበኦም።

Last modified on Monday, 17 April 2023 21:53