ኣቕጣጫ መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ (ከባቢ ዳባት) ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥቓ ከተማ ዳባት ኣብ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ኣለምዋጭ  ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ኩነታት ከም ዝርከቡ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ናይቲ መደበር ኣብ ንመነባብሮ ሰባት ዘይምረጽ ቦታ ዝተደኮነ ብምዃኑ ኣደዳ ንህይወቶ ዝፈታተን ዛሕሊ ወዲቖም ምህላዎም፡ ቀዳማይ ጸገም ኮይኑ፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ቀረብ ዘየብሉ ምዃኑ ከኣ ካልእ ጸገሞም እዩ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ ሕክምናን ዝስተ ማይ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ቀረባት ዘይእኹል ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ብነፍሲ ወከፍ ሓደ ስደተኛ ኣብ ወርሒ ዝወሃብ መግቢ 7 ኪሎ ግራም ጥረ ስርናይ  ምዃኑ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ነዘን ስርናይ ቆሊኻ ንምብላዕ ወፊርካ እተምጸኦ ዕንጸይቲኳ ከምዘየለ ገሊጹ።

እቲ ካልእ ዝዓበየ ጸገም ኩነታት ጸጥታን ድሕነትን ኮይኑ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኩሉ ዝኣትዎ ሓለዋ ዘየብሉ መደበር ኣለምዋጭ፡  ካብኡ ወጺእካ ኣብ ከተማ ዳባት ገዛ ተኻሪኻ ምንባር እውን ጸጥታኡ ከም ዘየተኣማምን ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ወዲ 18 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ከተማ ዳባት ኣብ ሰዓታት ምሸት ተጨውዩ ምስተወስደ፡ እቶም መንንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ጨወይቲ፡ እቲ ዝተጨውየ ንክልቀቕ  ካብ 2 ክሳብ 1.5 ሚልዮን ብር ሓቲቶም ከም ዘለዉ እቲ ምንጪ ጠቒሱ፡

በዚ ኩነታት ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቱ ኣካላትን ተስፋ ዝቖረጹ ኣስታት 5 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ “ናብ ሃገርና ምለሱና” ኢሎም ከም ዝተመዝገቡን እቲ ምምዝጋብ ቀጻሊ ምህላዉን  ከኣ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም ትግርኛ ሓቢራ።

እዞም ኣብ ኣለምዋጭ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ብሰንኪ ውግእ ምስ ዓነወ፡ ካብኡ ዝሰገሩ ነባራት ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም።

 ሕብረት ኤውሮጳ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስምምዕ ኣልጀርስ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሰላምን ምርግጋእን  ሰሜን ኢትዮዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ ዘሪፖርተር ሓቢሩ። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መግለጺኡ፡ ምስቲ ንባድመ ንኤርትራ ዝወሰነ ብይን ዶብን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ  ዝተበጽሐ ውዕል ሰላምን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዳህሲሱ።

እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኩለ-መዳያዊ ህድኣት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከምኡ እውን  ሰላማዊ ዕቤት ምርግጋጽ ንኢትዮጵያን ነቲ ዞባን  ወሳኒ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣተሓሒዙ፡  ጐረባብቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ፡ ተጻብኦ ብቐጻሊ ናይ ምቁራጽ  ውዕል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገብራ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ናይቲ ሕብረት መግለጺ፡ ኣገዳስነት ስምምዕ ኣልጀርስ 2000ን፡ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018ን ጠቒሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ትግራይ ንክወጽእ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ንትግባረ  እቲ ህውከት ናይ ምቁራጽ ውዕል  ወሳኒ ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ገሊጹ።

ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር  2020 ንደሓር ናብ ትግራይ ምእታዉ ክቃወም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰላማዊ ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ’ውን፡ ጌና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዘይወጸን በደላት ይፍጸም ከምዘሎን ክሲ የሰምዕን ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።

ስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ተኸተመ፡ ንዕስራ ዓመታት፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት እቲ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ኣይተተግበረን። ኣብ 2018 ነቲ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ዓብይ ግደ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዘየሳተፈ  ዝምድና መንጎ ኤርትራን ትግራይን ምሕዳሱ፡  ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዝተባርዐ ውግእ ዝውሰድ ምዃኑ’ውን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቒሱ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውዕል ኢትዮጵያን ትግራይን “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ይወጹ” ክብል እንከሎ፡ ንሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡  “እንተላይ ካብ ባድመ ማለት ድዩ?” ዝብል ክንጸር ይግበኦ ነይሩ ክብል እውን ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይቲ ስምምዕ ኣተገባብራ ተቖጻጻሪ ኣካል ነዚ ከነጽሮ ከም ዝግበኦ እውን ኣመልኪቱ።

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውዳበታቱን ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስሉ ዘለዉ ምኽንያት ብቑዕን ርትዓውን  እዩ። ናይ ምቅዋሞም  ማእከላይ ሕመረት ድማ እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን  ኩለ-መዳያዊ ጭካነን በደልን እዩ። ህግደፍ ዝፍጽሞ በደላት ነዊሕ ዕድመን ስፍሓትን ስለ ዘለዎም፡ ወሰን ኢልካ ካብ ምዝርዛሩ፡ “ዘይፈጸሞ ዓይነት ግርፍዒ የለን” ኢልካዮ ምሕላፍ  ይምረጽ። ካብቲ ቀንዲ ቀንዱ  ኣብነት ንክኸውን ዝኣክል ንምጥቃስ ግና ህግደፍ፡  ብዘይሕገ-መንግስቲ ዝገዝእን ብህዝቢ ከይተመርጸ ዝመርሕን፡ ናይ ህዝቢ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝገፍፍ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝመሃርን ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ዝምስርትን ኣብያተ-ትምህርቱ ኣዕጽዩ፡ ናብ ውትህድርና ክስለፍ ዘገድድ፡ ናጽነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምርካብን ቁጠባዊ እቶት ምዕባይን ዘይፈቅድ፡ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ክፍታሕ ዝግበኦ ምስሕሓባት ኣተዓባብዩ፡ ውግእ ብምኽፋት ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ከምትዳመ ክገብር ዝጸንሐን ዝቕጽሎ ዘሎን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትን፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ሞት፡ ምምዝባል፡ ዕንወት ንብረትን ምጽሕታር ጽልኢ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን ስለ ዘይዓጀቦ፡ እናሓደረ ብዘስደምም ቅኒት ተጠሊዑ፡ “ኣይከሰርናን” ምባሉ ብዙሕ ትርጉም ዝሓዘለ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት መርኣያ እዩ። ድሕሪዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ “ኣድጊ ንዝገበረካስ ጠይቂ ግበሮ” ዝበሃል፡ ነቲ ብቓንዛኡን ክሳራኡን ዝጻወት ዘሎ ጠላም ጉጅለ፡ ብውሽጡ ዘይኮነ፡ ብዝስማዕ በሪኽ ድምጺ፡ “ንስኻ ኣይናትናን፡ ንሕና’ውን ኣይናትካን” ክብሎ መተገብአ። ከምኡ ዘይምግባሩ  ካብቲ ንህግደፍ መሊሱ ዘሻድኖ ዘሎ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን።

መራሒ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ፈዳሕዳሕ ኣብ ዝበለሉን ኣቐዲሙውን ኣብ ኤርትራ ኮይኑ “ኣይከሰርናን” ምስበለን፡ ብፍላይ ካብቶም ኣምለኽቱ፡ ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ ብዙሓት ነይሮም። ምስ ደጋገመሎም ግና ጠላም መልእኽቱ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ። መንፈስ ናይ ኣበሃህላኡ፡ ነቲ ቅድም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደልን ጥልመትን መሊሱ ዝድርዕ ብደዐ እዩ። ገለ ህግደፍ ኣብ ንቡር ኩነታት ዝነብር ኣካል ዝመስሎም ዘይቀበጹ ኤርትራዊ ወገናት፡ ኣብቲ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ መእረምታ ክገብር እናተጸበይዎ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ  ነቲ ዕብዳኑ መሊሱ ብዘበርኽ ደረጃ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ፡” ዝብል ሸርሑ ከተግብር ናብ ውግእ ትግራይ ተነቚቱ።

ህግደፍ ናብ ውግእ ትግራይ ዝኣተወ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናይ ቅድም ተግባሩ  ደም ከም ዝነበዐ  ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ “ኣበይ ከይበጽሕ” ብዝብል ንዕቀት  እዩ። ብሰንክዚ እኩይ ተግባሩ ከኣ እቲ ስንብራቱ ክሓዊ ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ፡ ብሞት፡ ብምስንካል፡ ደሃይ ብምጥፋእ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ሻቕሎት ሓዘን ደሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ ክዕንገለሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽበሉን ዝነበሮ ሃገራዊ ንብረትን ጸጋን ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ዓንዩ። ህግደፍ ግና ናይ ውግእ ነጋዳይ ስለ ዝኾነ፡ እንተስ ኣእሚኑ እንተስ ኣደናጊሩ፡ ናብ ህዝብና ዘይበጽሐ ሕቡእ  መኽሰብ ኣኻዕቢቱ ከም ዝኸውን ይግመት። እቲ ኩነታት ጌና ሕጂ እውን ኣብ መስርሕ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና እንታይ ከም ዝዘንብ ኣይተፈልጠን።

በደልን ገበንን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሃገር ንኤርትራን ልኡላውነታን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር፡ ናይ ህግደፍ ብሕታዊት ኩባንያ ስለ ዘይኮነት፡ ህግደፍ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ኣይክዋገየላን እዩ። ንኤርትራ ብሸሓኒ ዘረክቦም ዝመስሎም ህሩፋት መሻርኽቱውን ነዚ ከይዝንግዑ ነዘኻኽሮም። ካብቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ምውጥዋጥ ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ በብግዜኡ ቀይሕ መስመር እናሰገረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝበሎም ንኣብነት ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ። “ምትግባር ቀያድን ናይ መወዳእታን፡ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ዘልዕሉ ዝተጀመረ ሰላምና ክዘርጉ ዝደልዩ ወገናት እዮም፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንክመርሓና ንቓለዓለም ዘይኮነ፡ ብልበይ  ይፈቕደሉ ኣለኹ፡ ኣነ ከኣ ምስኡ ኣለኹ።”  ዝበሎ፡ ምልክት ሓደገኛ ክድዓት ስለ ዝኾነ፡ ወርትግ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። በዚ ተተባቢዕም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝምድሩን ዝጽሕፉን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን  ብዙሓት ምዃኖም ከኣ ዘቕስን ኣይኮነን።

ህግደፍ ነዚ ኩሉ ጉዱ ኣቐሚጡ፡ ናብዚ ሎሚ ኣወጻጽኣኡ ኣጸጊምዎ ዘሎ ውግእ ትግራይ ዝኣተወሉ ሓቀኛ ምኽንያት ሓቢኡ፡ “ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ እየ ናብ ውግእ ትግራይ ኣትየ”  ክብልን ነዚ ዘቃልሕሉ ብዙሓት ዘየገናዝቡ ኣፈኛታት ከዋፍርን እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክከታተሎ ጸኒሑ እዩ። ህግደፍ ብኽንዲዚ ደረጃ ክሕስውን ከተዓሻሽውን እንከሎ፡ እቲ መስዋእቱ ተዘንጊዑ ልኡላውነቱ  ዝተጋህሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደድሕሪ ናቱ ሓሸውየ ዝቆጻጸ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን። እዚ ግምቱ  ዘመልክቶ ከኣ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ምዃኑ  እዩ። ሕጂ ድማ እቶም ኣብ ትግራይ ዝጠፍኡ መንእሰያት ኣብ ምንታይ ጠፊኦም ከም ዝብሎም፡ እንግምቶ፡ኳ እንተኾነ ጽባሕ ከኣ ብጋህዲ ካብ ጠባሪ ልሳኑ እንሰምዖ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ህግደፍ ለጋጊቡ ብዘቕርበሉ ናይ ሓሶት ምኽንያት ክደዓዓስ ዘይኮነ፡ “ስለምንታይ፡ ንረብሓ መንከ?” ብዝብል ሕቶ ከዋጥሮን፡ ደጊም ምስኡ ከምዘየለ ከቕብጾን ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ሓላፍነት እዩ።

 

ናብ መቐለ ዝተጓዕዘ ልኡኽ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ

ብኣፈ-ጉባአ ፓርላማ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ 26 ታሕሳስ 2022 ከተማ መቐለ ከም ዝኣተወ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሓቢረን።  ኣብቲ ኣብ መንጎ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሰላም ዘተ ይሳተፉ ካብ ዝነበሩ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነትን ዶር  ጊደወን ጢሞቴዊስ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕግን ከምኡ እውን ሚኒስተራት ኣካል ናይዚ ልኡኽ ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይቲ ብሄራዊ ናይ ምምኽኻር ኮሚሽን ዝበሃል ትካል ኣባላት ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

እቲ ልኡኽ ኣብ መዓረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ኣብ ዝበጸሓሉ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል፡ መራሕቲ ሃይማኖትን  ካለኦት ኣካላትን ትግራይ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉ ተፈሊጡ።

እዚ ጉዕዞ ላዕለዎት ሰበሰልጣን ኢትዮጵያ ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ ዘሓለፈ ክልተ ዓመታት ንመጀመርያ ኮይኑ፡ ብውዕል ፕሮተርያን ናይሮብን ተኸቲሉ ዝካየድ ዘሎ እዩ። እዚ ጉዕዞ መስርሕ ሰላም ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዉ ዘመልክት ምዃኑ እተን ናይ ዜና ማዕከናት ጠቒሰን። ናይቲ ልኡኽ ጉዕዞ ናብ መቐለ ንትግባረ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም ከም ዝሕግዝ ድማ ተገሊጹ። 

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ  ዓሊ  ነቲ ተበጺሑ ዘሎ መስርሕ ሰላም  ብደረጃ ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝገምገምዎን ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ከም ዝርከብን ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።

Sunday, 25 December 2022 00:18

Dimtsi Harnnet Sweden 24.12.2022

Written by

ሕብረት ኤውሮጳ፡ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንኢትዮጵያ ዝመደቦ ሓገዝ ንምሃብን ዝምድናኡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ንምሕዳስን፡ ተጻብኦታት ብቐጻልነት ጠጠው ዘብል ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘይሰግሮ ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ደጊሙ ከም ዘሕደሰ ኣፍሊጡ። ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ድማ ከም ቀንዲ ቅድመ-ኩነት ተጠቒሱ።

እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ዘቋረጸ ውግእ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ሒደት መዓልታት ቅድሚ ምጅማሩ ክኸውን እንከሎ፡ እንደግና ሎሚ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላስ ቅድመ-ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ። ሕብረት ኤውሮጳ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ናብ 90 ሚልዮን ዩሮ ዝጽጋዕ ናይ በጀት ደገፍን ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዩሮ ናይ ልምዓት እዩ ነይሩ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ቅድሚ ውዕል ሰላም ፕሮተርያ’ውን በተደጋጋሚ ብዛዕባቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ዝፍቀደሉ ኩነታት ዝተመያየጡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ካብ መጀመርታኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከማለኦ ይግበኦ ዝበሎ ቅድመ-ኩነት ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ሎሚ ብባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ሓደሽ ዝቐረበ ሓድሽ ቅድመ-ኩነት፡ ነቲ ቅድም ክቐርብ ዝጸንሐ ቅድመ ኩነታ እውን ከምዘይለቐቖ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።

መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ ቅድም ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ንክወጽእ ብቐጻሊ ከም ቅድመ-ኩነት ከቕርቦ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሓድሽ ናይ 22 ታሕሳስ 2022 መግለጺኡ’ውን፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከም ቀንዲ ቅድመ-ኩነት እዩ ኣስፊርዎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት፡ ውዕል ሰላም ፕሮተርያ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ሃናጺ ግደ ክህልወን ጸዊዑ።

ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ኬንያ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ 2ይ ዙርያ ልዝብ ሰላም ብዓወት ከም ዝተዛዘመ፡ እቶም ኣዛተይቲ ሓቢሮም። እቲ 2ይ ዙርያ ዘተ ናይሮቢ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ዝገሉጹን ናብ ምሉእ ትግባረ ንምብጻሕ ተስፋ ከም ዘለዎን ዘረድኢን፡ ሓደ ካብቶም ኣዛተይቲ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሃገረ ኬንያ እሁሩ ከኒያታ እዮም።

ፕረሲደንት ኬንያ ነበርን ኣዛታይ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እሁሩ ከኒያታ፡ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም 21ን 22ን ታሕሳስ 2022 ተራኺቦም ዝዘተዩ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣዛተይትን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ  መቐለ ከም ዝራከቡ ሓቢሮም። ስለምንታይ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከምዘይተረኸቡ ግና ብዘይካቲ ኣብ ጽዑቕ ዘተ ምጽንሖም ካልእ ዝሃብዎ መብርሂ ኣይነበረን።

እሁሩ ከኒያታ ኣብቲ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ስለምንታይ በቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ካብ ትግራይ ዘይወጸ?” ብዝብል፡ ንዝተላዕለ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡  “ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ እዮም ተባሂሉ ስለ ዘሎ ክወጹ እዮም። ኣስማት ምጥቃስ ኣየድልን እዩ” ዝብል መልሲ ሂበምሉ።

ኣብ ርእሲዚ ከኒያታ፡ "ክልቲኦም ወገናት፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምክትታልን ንምቁጽጻርን ተኸታታሊ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምልከት ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ"  ኣብ ርእሲ ምባሎም፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም ዓመት ክኾነሎም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርዝር ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ደው ከብሉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቐጻሊ ክኣቱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ክምለሱን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን፡ ማዕረማዕረኡ ድማ ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ኣካላትን ካብ  ክልል ትግራይ ክወጽ ምስምምዖም ይዝከር።

Thursday, 22 December 2022 20:28

Dimtsi Harnnet Kassel 22.12.2022

Written by

ፕረሲደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣርጀንቲናዊ ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ፡ ታንዛንያዊ ሞሓመድ ቻንደ ኦትማን ኣቦመንበር ናይቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘዘ ኮሚሽን ክኢላታት ንክመርሑ ከም ዝመዘዝዎም ቤት ጽሕፈቶም ብ21 ታሕሳስ 2022 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣንበሳደር ቻንደ ኦትማን ናብዚ ሓላፍነት ዝተመዘዙ፡ ድሕሪ እተን ነዚ ኮሚሽን ኣደ ወንበር ኮይነን ክመርሐኦ ዝጸንሓ ኬንያዊት ኮሚሽነር ካሪ በቲ ሙሩንጂ ካብ ሓላፍነት ምልቃቐን እዩ።  ኣንበሳደር ቪላጋስ፡ ኣብቲ ሓድሽ ኮሚሽነር ዝመዘዝሉ ነተን ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓ ብድሌተን ዝለቐቓ ኮሚሽነር ኣመስጊኖም ሰናይ መጻኢ ተመንየሙለን።

እዞም ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ናይ ዝከታተል ኮሚሽን  ኣቦመንበር  ኮይኖም ተመዲቦም ዘለዉ ታንዛንያዊ፡ ቅድም፡ ናይ ሃገሮም ሓላፊ ፍትሒ ምንባሮምን ኣብ 2019-2020 ኣባል ናይቲ ኣሰራርሓ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዓለም ንክግምግም ዝተመደበ ናጻ ኣካል  ክኢላታት ኣባል ምንባሮም ከም ኣካል ተመኩሮኦም ተጠቒሱ።

ብዘይካዚ ዓቃብ ሕጊ ቤት ፍርዲ ገብነኛታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ሩዋንዳ፡ ኣብ ካምቦዲያ ናይ ሕቡራት ሃገራት መደባት ልምዓት ናይ ሕጊ ኣማኻሪ፡ ኣብ ሊባኖስ ኣባል ላዕለዋይ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰል፡  ኣብ ሱዳን ድማ ናጻ ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ኣብቲ ድሕረ-ባይተኦም ተጠቒሱ።

እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ጀሚሩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ካብ 4 ሕዳር 2020 ንደሓር ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምጽራይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ 2022 ድማ ኣብዚ ሓላፍነቱ ንክቕጽል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተናዊሕሉ።

እዚ ካብ ቅድሙ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበን ናብ ትግራይ ኣትዩ ከጻሪ ዘይተፈቕደሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 31 መጋቢት 2023 ኣብ ዝካየድ መበል 52 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል  ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ከቕርብ መደብ ተታሒዝሉ ከምዘሎ ኣብዚ መግለጺ ተሓቢሩ።

ወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሸምገልትን (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)

ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ብ21 ታሕሳስ 2022 ኣብ ናይሮቢ ከም ዝተራኸቡን እዚ ርክብ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከም ዝቕጽልን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ናይዚ ርክብ ዕላማ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይሮብን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም መስርሕ ትግባረ ምግምጋም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።

ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት  ዕጽዊ ኣኼባ፡ ብዘይካ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ፡ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃል፡  ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኢጋድን ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብዚ ርክብ ጉዳይ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምዘዙ ተቖጻጸርቲ ጀነራላት ዝሰርሕሉ ኣገባብ ብዝምልከት ተሰማሚዕካ ቀጥዒ ምሕንጻጽን እቶም ቀንዲ ዛዕባታት እዮም።

ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረዲአትኳ ብዝተወሰነ እንተጀመረ፡ ምስ ስፍሓት እቲ ተጸባይ ሓገዝ ክርእአ እንከሎ እኹል ኣይኮነን። ንሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ተለፎንን ባንክታትን ዝምልከት እውን ውሱን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይሰለጠን። ናይዚናይ ዘይምስላጥ ጠንቂ ድማ፡ ናይቲ ጐኒንጐኒ ምውራድ ዕጥቂ ክፍጸም ዝነበሮ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊትን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ ስለ ዘይተተግበረ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ዝጸንሐ ዕንቅፋት እዩ።

እዚ 3ይ ዙር ናይ ናይሮቢ ኣኼባ፡ ኣብ ዕጽዊ ከም ዝካየድን ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝወሃብን ተፈሊጡ። ኣብዚ ዘተ ካብ ክልቲኡ ወገናት ይሳተፉ ናይ ዘለዉ ብኣስማት ኣይተጠቕሱን። ክልል ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ዲያስፖራን ተቓወምቲ ውድባትን ዝተወከልሉ 11 ኣባላት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ሰይሙ ኣሎ።

ገለ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘብዎ ፖለቲከኛታት፡ ኣብቲ መስርሕ ትግባረ ስምምዕ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ዝከኣሎም ይጽዕሩ ከም ዘለዉን ብወገን ፖለቲከኛታት ግና ከምቲ ዝድለ ስሉጥ ከምዘየለን ይገልጹ።