ኣቕጣጫ መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ (ከባቢ ዳባት) ካብ ማሕበራዊ መዲያ
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥቓ ከተማ ዳባት ኣብ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ኣለምዋጭ ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ኩነታት ከም ዝርከቡ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ናይቲ መደበር ኣብ ንመነባብሮ ሰባት ዘይምረጽ ቦታ ዝተደኮነ ብምዃኑ ኣደዳ ንህይወቶ ዝፈታተን ዛሕሊ ወዲቖም ምህላዎም፡ ቀዳማይ ጸገም ኮይኑ፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ቀረብ ዘየብሉ ምዃኑ ከኣ ካልእ ጸገሞም እዩ።
እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ ሕክምናን ዝስተ ማይ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ቀረባት ዘይእኹል ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ብነፍሲ ወከፍ ሓደ ስደተኛ ኣብ ወርሒ ዝወሃብ መግቢ 7 ኪሎ ግራም ጥረ ስርናይ ምዃኑ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ነዘን ስርናይ ቆሊኻ ንምብላዕ ወፊርካ እተምጸኦ ዕንጸይቲኳ ከምዘየለ ገሊጹ።
እቲ ካልእ ዝዓበየ ጸገም ኩነታት ጸጥታን ድሕነትን ኮይኑ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኩሉ ዝኣትዎ ሓለዋ ዘየብሉ መደበር ኣለምዋጭ፡ ካብኡ ወጺእካ ኣብ ከተማ ዳባት ገዛ ተኻሪኻ ምንባር እውን ጸጥታኡ ከም ዘየተኣማምን ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ወዲ 18 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ከተማ ዳባት ኣብ ሰዓታት ምሸት ተጨውዩ ምስተወስደ፡ እቶም መንንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ጨወይቲ፡ እቲ ዝተጨውየ ንክልቀቕ ካብ 2 ክሳብ 1.5 ሚልዮን ብር ሓቲቶም ከም ዘለዉ እቲ ምንጪ ጠቒሱ፡
በዚ ኩነታት ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቱ ኣካላትን ተስፋ ዝቖረጹ ኣስታት 5 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ “ናብ ሃገርና ምለሱና” ኢሎም ከም ዝተመዝገቡን እቲ ምምዝጋብ ቀጻሊ ምህላዉን ከኣ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም ትግርኛ ሓቢራ።
እዞም ኣብ ኣለምዋጭ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ብሰንኪ ውግእ ምስ ዓነወ፡ ካብኡ ዝሰገሩ ነባራት ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም።
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ስምምዕ ኣልጀርስ ንሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ ወሳኒ’ዩ ኢሉ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሕብረት ኤውሮጳ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኣብ ግብሪ ምውዓል ስምምዕ ኣልጀርስ 2000 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንሰላምን ምርግጋእን ሰሜን ኢትዮዮጵያን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣገዳሲ ምዃኑ ምግላጹ ዘሪፖርተር ሓቢሩ። ባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ መግለጺኡ፡ ምስቲ ንባድመ ንኤርትራ ዝወሰነ ብይን ዶብን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላምን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ዳህሲሱ።
እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኩለ-መዳያዊ ህድኣት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ከምኡ እውን ሰላማዊ ዕቤት ምርግጋጽ ንኢትዮጵያን ነቲ ዞባን ወሳኒ ምዃኑ ኣስፊሩ። ሕብረት ኤውሮጳ ኣተሓሒዙ፡ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ እዚ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝተበጽሐ፡ ተጻብኦ ብቐጻሊ ናይ ምቁራጽ ውዕል ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣውንታዊ ኣበርክቶ ክገብራ ተሪር መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።
ናይቲ ሕብረት መግለጺ፡ ኣገዳስነት ስምምዕ ኣልጀርስ 2000ን፡ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን 2018ን ጠቒሱ፡ ሰራዊት ኤርትራ ብቕልጡፍን ምሉእ ብምሉእን ካብ ትግራይ ንክወጽእ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን፡ ንትግባረ እቲ ህውከት ናይ ምቁራጽ ውዕል ወሳኒ ምዃኑ ከም ዝኣምኑ ገሊጹ።
ክልል ትግራይ፡ ሰራዊት ኤርትራ እቲ ውግእ ካብ ዝጅመር 2020 ንደሓር ናብ ትግራይ ምእታዉ ክቃወም ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ድሕሪ ሰላማዊ ውዕል ደቡብ ኣፍሪቃ ምኽታሙ’ውን፡ ጌና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከምዘይወጸን በደላት ይፍጸም ከምዘሎን ክሲ የሰምዕን ከምዘሎ እቲ መግለጺ ኣዘኻኺሩ።
ስምምዕ ኣልጀርስ ምስ ተኸተመ፡ ንዕስራ ዓመታት፡ ኣብ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት እቲ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይተተግበረን። ኣብ 2018 ነቲ ኣብ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ዓብይ ግደ ዝነበሮ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ዘየሳተፈ ዝምድና መንጎ ኤርትራን ትግራይን ምሕዳሱ፡ ከም ቀንዲ ጠንቂ ናይቲ ዝተባርዐ ውግእ ዝውሰድ ምዃኑ’ውን፡ ሕብረት ኤውሮጳ ጠቒሱ። ኣብዚ ዳሕረዋይ ውዕል ኢትዮጵያን ትግራይን “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ይወጹ” ክብል እንከሎ፡ ንሓይልታት ኤርትራ ምዃኑ ርዱእ ኮይኑ፡ “እንተላይ ካብ ባድመ ማለት ድዩ?” ዝብል ክንጸር ይግበኦ ነይሩ ክብል እውን ኣብቲ መግለጺኡ ጠቒሱ። ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ናይቲ ስምምዕ ኣተገባብራ ተቖጻጻሪ ኣካል ነዚ ከነጽሮ ከም ዝግበኦ እውን ኣመልኪቱ።
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ህዝቢ ኤርትራን መሪሕ ውዳበታቱን ኣንጻር ህግደፍ ዝቃለስሉ ዘለዉ ምኽንያት ብቑዕን ርትዓውን እዩ። ናይ ምቅዋሞም ማእከላይ ሕመረት ድማ እቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ኩለ-መዳያዊ ጭካነን በደልን እዩ። ህግደፍ ዝፍጽሞ በደላት ነዊሕ ዕድመን ስፍሓትን ስለ ዘለዎም፡ ወሰን ኢልካ ካብ ምዝርዛሩ፡ “ዘይፈጸሞ ዓይነት ግርፍዒ የለን” ኢልካዮ ምሕላፍ ይምረጽ። ካብቲ ቀንዲ ቀንዱ ኣብነት ንክኸውን ዝኣክል ንምጥቃስ ግና ህግደፍ፡ ብዘይሕገ-መንግስቲ ዝገዝእን ብህዝቢ ከይተመርጸ ዝመርሕን፡ ናይ ህዝቢ መሰል ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ዝገፍፍ፡ መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ክንዲ ዝመሃርን ንቡር ማሕበራዊ ህይወት ዝምስርትን ኣብያተ-ትምህርቱ ኣዕጽዩ፡ ናብ ውትህድርና ክስለፍ ዘገድድ፡ ናጽነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ምርካብን ቁጠባዊ እቶት ምዕባይን ዘይፈቅድ፡ ብሕጋውን ሰላማውን ኣገባብ ክፍታሕ ዝግበኦ ምስሕሓባት ኣተዓባብዩ፡ ውግእ ብምኽፋት ኤርትራ ምስ ጐረባብታ ከምትዳመ ክገብር ዝጸንሐን ዝቕጽሎ ዘሎን ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።
ህግደፍ ብህዝቢ ኤርትራ ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትን፡ ብሰንኩ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክወርድ ዝጸንሐ፡ ሞት፡ ምምዝባል፡ ዕንወት ንብረትን ምጽሕታር ጽልኢ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታትን ስለ ዘይዓጀቦ፡ እናሓደረ ብዘስደምም ቅኒት ተጠሊዑ፡ “ኣይከሰርናን” ምባሉ ብዙሕ ትርጉም ዝሓዘለ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ኮይኑ፡ ብዓብይኡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት መርኣያ እዩ። ድሕሪዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ “ኣድጊ ንዝገበረካስ ጠይቂ ግበሮ” ዝበሃል፡ ነቲ ብቓንዛኡን ክሳራኡን ዝጻወት ዘሎ ጠላም ጉጅለ፡ ብውሽጡ ዘይኮነ፡ ብዝስማዕ በሪኽ ድምጺ፡ “ንስኻ ኣይናትናን፡ ንሕና’ውን ኣይናትካን” ክብሎ መተገብአ። ከምኡ ዘይምግባሩ ካብቲ ንህግደፍ መሊሱ ዘሻድኖ ዘሎ ተረኽቦታት ሓደ ምዃኑ ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን።
መራሒ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ፈዳሕዳሕ ኣብ ዝበለሉን ኣቐዲሙውን ኣብ ኤርትራ ኮይኑ “ኣይከሰርናን” ምስበለን፡ ብፍላይ ካብቶም ኣምለኽቱ፡ ኣእዛኖም ምእማን ዝሰኣኑ ብዙሓት ነይሮም። ምስ ደጋገመሎም ግና ጠላም መልእኽቱ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ። መንፈስ ናይ ኣበሃህላኡ፡ ነቲ ቅድም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደልን ጥልመትን መሊሱ ዝድርዕ ብደዐ እዩ። ገለ ህግደፍ ኣብ ንቡር ኩነታት ዝነብር ኣካል ዝመስሎም ዘይቀበጹ ኤርትራዊ ወገናት፡ ኣብቲ “ኣይከሰርናን” ዝበሎ መእረምታ ክገብር እናተጸበይዎ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ ነቲ ዕብዳኑ መሊሱ ብዘበርኽ ደረጃ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ፡” ዝብል ሸርሑ ከተግብር ናብ ውግእ ትግራይ ተነቚቱ።
ህግደፍ ናብ ውግእ ትግራይ ዝኣተወ፡ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ናይ ቅድም ተግባሩ ደም ከም ዝነበዐ ዘንጊዑ ዘይኮነ፡ “ኣበይ ከይበጽሕ” ብዝብል ንዕቀት እዩ። ብሰንክዚ እኩይ ተግባሩ ከኣ እቲ ስንብራቱ ክሓዊ ዝነበሮ ህዝቢ ኤርትራ መሊሱ፡ ብሞት፡ ብምስንካል፡ ደሃይ ብምጥፋእ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ልዕሊ ሻቕሎት ሓዘን ደሪቡ። ህዝቢ ኤርትራ ክዕንገለሉን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክረኽበሉን ዝነበሮ ሃገራዊ ንብረትን ጸጋን ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ዓንዩ። ህግደፍ ግና ናይ ውግእ ነጋዳይ ስለ ዝኾነ፡ እንተስ ኣእሚኑ እንተስ ኣደናጊሩ፡ ናብ ህዝብና ዘይበጽሐ ሕቡእ መኽሰብ ኣኻዕቢቱ ከም ዝኸውን ይግመት። እቲ ኩነታት ጌና ሕጂ እውን ኣብ መስርሕ ስለ ዘሎ፡ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ደበና መዓት ኣብ ልዕሊ ህዝብና እንታይ ከም ዝዘንብ ኣይተፈልጠን።
በደልን ገበንን ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሃገር ንኤርትራን ልኡላውነታን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ። እንተኾነ ኤርትራ ናይ ህዝባ እምበር፡ ናይ ህግደፍ ብሕታዊት ኩባንያ ስለ ዘይኮነት፡ ህግደፍ ናብ ዕዳጋ ኣውሪዱ ኣይክዋገየላን እዩ። ንኤርትራ ብሸሓኒ ዘረክቦም ዝመስሎም ህሩፋት መሻርኽቱውን ነዚ ከይዝንግዑ ነዘኻኽሮም። ካብቲ ንልኡላውነት ኤርትራ ናብ ሓደጋ ዘቃልዕ ምውጥዋጥ ህግደፍ፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ በብግዜኡ ቀይሕ መስመር እናሰገረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ዝበሎም ንኣብነት ምጥቃስ ኣገዳሲ እዩ። “ምትግባር ቀያድን ናይ መወዳእታን፡ ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ዘልዕሉ ዝተጀመረ ሰላምና ክዘርጉ ዝደልዩ ወገናት እዮም፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝብታት እዮም ዝብሉ ሓቅን ታሪኽን ዘይፈልጡ እዮም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንክመርሓና ንቓለዓለም ዘይኮነ፡ ብልበይ ይፈቕደሉ ኣለኹ፡ ኣነ ከኣ ምስኡ ኣለኹ።” ዝበሎ፡ ምልክት ሓደገኛ ክድዓት ስለ ዝኾነ፡ ወርትግ ክዝንጋዕ ዘይግበኦ እዩ። በዚ ተተባቢዕም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዝምድሩን ዝጽሕፉን ዘለዉ ኢትዮጵያውያን ብዙሓት ምዃኖም ከኣ ዘቕስን ኣይኮነን።
ህግደፍ ነዚ ኩሉ ጉዱ ኣቐሚጡ፡ ናብዚ ሎሚ ኣወጻጽኣኡ ኣጸጊምዎ ዘሎ ውግእ ትግራይ ዝኣተወሉ ሓቀኛ ምኽንያት ሓቢኡ፡ “ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ እየ ናብ ውግእ ትግራይ ኣትየ” ክብልን ነዚ ዘቃልሕሉ ብዙሓት ዘየገናዝቡ ኣፈኛታት ከዋፍርን እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክከታተሎ ጸኒሑ እዩ። ህግደፍ ብኽንዲዚ ደረጃ ክሕስውን ከተዓሻሽውን እንከሎ፡ እቲ መስዋእቱ ተዘንጊዑ ልኡላውነቱ ዝተጋህሰ ህዝቢ ኤርትራ፡ ደድሕሪ ናቱ ሓሸውየ ዝቆጻጸ ዘሎ ይመስሎ ይኸውን። እዚ ግምቱ ዘመልክቶ ከኣ ንዕቀቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ደረቱ ዝሓለፈ ምዃኑ እዩ። ሕጂ ድማ እቶም ኣብ ትግራይ ዝጠፍኡ መንእሰያት ኣብ ምንታይ ጠፊኦም ከም ዝብሎም፡ እንግምቶ፡ኳ እንተኾነ፡ ጽባሕ ከኣ ብጋህዲ ካብ ጠባሪ ልሳኑ እንሰምዖ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበኣር፡ ህግደፍ ለጋጊቡ ብዘቕርበሉ ናይ ሓሶት ምኽንያት ክደዓዓስ ዘይኮነ፡ “ስለምንታይ፡ ንረብሓ መንከ?” ብዝብል ሕቶ ከዋጥሮን፡ ደጊም ምስኡ ከምዘየለ ከቕብጾን ኣብ ቅድሜኡ ዘሎ ሓላፍነት እዩ።
ናብ መቐለ ዝተጓዕዘ ልኡኽ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ
ብኣፈ-ጉባአ ፓርላማ ፈደራላዊ መንግስት ኢትዮጵያ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ፡ ኢትዮጵያ 26 ታሕሳስ 2022 ከተማ መቐለ ከም ዝኣተወ መንግስታውን ዘይመንግስታውን ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሓቢረን። ኣብቲ ኣብ መንጎ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ናይ ሰላም ዘተ ይሳተፉ ካብ ዝነበሩ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣማኻሪ ብሄራዊ ድሕንነትን ዶር ጊደወን ጢሞቴዊስ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕግን ከምኡ እውን ሚኒስተራት ኣካል ናይዚ ልኡኽ ክኾኑ እንከለዉ፡ ናይቲ ብሄራዊ ናይ ምምኽኻር ኮሚሽን ዝበሃል ትካል ኣባላት ከም ዝርከብዎ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።
እቲ ልኡኽ ኣብ መዓረፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ መቐለ ኣብ ዝበጸሓሉ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ክልል፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ካለኦት ኣካላትን ትግራይ ኣቀባብላ ከም ዝተገብረሉ ተፈሊጡ።
እዚ ጉዕዞ ላዕለዎት ሰበሰልጣን ኢትዮጵያ ናብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ ኣብ ዘሓለፈ ክልተ ዓመታት ንመጀመርያ ኮይኑ፡ ብውዕል ፕሮተርያን ናይሮብን ተኸቲሉ ዝካየድ ዘሎ እዩ። እዚ ጉዕዞ መስርሕ ሰላም ኣብ ደሓን ኩነታት ምህላዉ ዘመልክት ምዃኑ እተን ናይ ዜና ማዕከናት ጠቒሰን። ናይቲ ልኡኽ ጉዕዞ ናብ መቐለ ንትግባረ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ውዕል ሰላም ከም ዝሕግዝ ድማ ተገሊጹ።
ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ነቲ ተበጺሑ ዘሎ መስርሕ ሰላም ብደረጃ ካቢነ ሚኒስተራት ከም ዝገምገምዎን ተስፋ ኣብ ዝህብ ደረጃ ከም ዝርከብን ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።
ሕብረት ኤውሮጳ፡ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ፡ ምውጻእ ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝርከቦ ቅድመ-ኩነት ኣቕሪቡ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤሕብረት ኤውሮጳ፡ ብ22 ታሕሳስ 2022 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ንኢትዮጵያ ዝመደቦ ሓገዝ ንምሃብን ዝምድናኡ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን መዳያት ንምሕዳስን፡ ተጻብኦታት ብቐጻልነት ጠጠው ዘብል ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዘይሰግሮ ቅድመ-ኩነት ምዃኑ ደጊሙ ከም ዘሕደሰ ኣፍሊጡ። ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ድማ ከም ቀንዲ ቅድመ-ኩነት ተጠቒሱ።
እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝህቦ ሓገዝ ዘቋረጸ ውግእ ትግራይ ብ4 ሕዳር 2020 ሒደት መዓልታት ቅድሚ ምጅማሩ ክኸውን እንከሎ፡ እንደግና ሎሚ ዝምድናኡ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ንምምላስ ቅድመ-ኩነት ኣስፊሩ ኣሎ። ሕብረት ኤውሮጳ ቅድሚ ሕጂ ንኢትዮጵያ ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ናብ 90 ሚልዮን ዩሮ ዝጽጋዕ ናይ በጀት ደገፍን ኣስታት ሓደ ቢልዮን ዩሮ ናይ ልምዓት እዩ ነይሩ።
ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኤውሮጳን፡ ቅድሚ ውዕል ሰላም ፕሮተርያ’ውን በተደጋጋሚ ብዛዕባቲ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ዝፍቀደሉ ኩነታት ዝተመያየጡ ክኾኑ እንከለዉ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ግና ካብ መጀመርታኡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከማለኦ ይግበኦ ዝበሎ ቅድመ-ኩነት ካብ ምቕራብ ዓዲ ኣይወዓለን። እዚ ሎሚ ብባይቶ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ሓደሽ ዝቐረበ ሓድሽ ቅድመ-ኩነት፡ ነቲ ቅድም ክቐርብ ዝጸንሐ ቅድመ ኩነታ እውን ከምዘይለቐቖ እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ካብ ቅድም ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ትግራይ ንክወጽእ ብቐጻሊ ከም ቅድመ-ኩነት ከቕርቦ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሓድሽ ናይ 22 ታሕሳስ 2022 መግለጺኡ’ውን፡ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ከም ቀንዲ ቅድመ-ኩነት እዩ ኣስፊርዎ። ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ጐረባብቲ ኢትዮጵያ ዝኾና ሃገራት፡ ውዕል ሰላም ፕሮተርያ ኣብ ግብሪ ንክውዕል ሃናጺ ግደ ክህልወን ጸዊዑ።
2ይ ዙርያ ልዝብ ናይሮቢ፡ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ተዛዚሙ
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣብ ኬንያ ንክልተ መዓልታት ዝተኻየደ 2ይ ዙርያ ልዝብ ሰላም ብዓወት ከም ዝተዛዘመ፡ እቶም ኣዛተይቲ ሓቢሮም። እቲ 2ይ ዙርያ ዘተ ናይሮቢ ብዓወት ከም ዝተዛዘመ ዝገሉጹን ናብ ምሉእ ትግባረ ንምብጻሕ ተስፋ ከም ዘለዎን ዘረድኢን፡ ሓደ ካብቶም ኣዛተይቲ፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ሃገረ ኬንያ እሁሩ ከኒያታ እዮም።
ፕረሲደንት ኬንያ ነበርን ኣዛታይ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እሁሩ ከኒያታ፡ ከም ዝገለጽዎ፡ እቶም 21ን 22ን ታሕሳስ 2022 ተራኺቦም ዝዘተዩ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኣዛተይትን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ከም ዝራከቡ ሓቢሮም። ስለምንታይ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ከምዘይተረኸቡ ግና ብዘይካቲ ኣብ ጽዑቕ ዘተ ምጽንሖም ካልእ ዝሃብዎ መብርሂ ኣይነበረን።
እሁሩ ከኒያታ ኣብቲ ሓጺር ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ሰራዊት ኤርትራ ስለምንታይ በቲ ኣቐዲሙ ዝተበጽሐ ስምምዕ መሰረት ካብ ትግራይ ዘይወጸ?” ብዝብል፡ ንዝተላዕለ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ “ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ኩሎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ እዮም ተባሂሉ ስለ ዘሎ ክወጹ እዮም። ኣስማት ምጥቃስ ኣየድልን እዩ” ዝብል መልሲ ሂበምሉ።
ኣብ ርእሲዚ ከኒያታ፡ "ክልቲኦም ወገናት፡ ትግባረ ናይቲ ስምምዕ ንምክትታልን ንምቁጽጻርን ተኸታታሊ ጉጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝምልከት ምሉእ ምትሕብባር ከምዝገብሩ ተሰማሚዖም ኣለዉ" ኣብ ርእሲ ምባሎም፡ እዚ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ዓመት፡ ንኢትዮጵያውያን ናይ ሰላም ዓመት ክኾነሎም ዘለዎም ተስፋ ገሊጾም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርዝር ዘተ፡ ክልቲኦም ወገናት ጐንጺ ደው ከብሉ፡ ሰብኣዊ ሓገዝ ብቐጻሊ ክኣቱ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ክምለሱን ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን፡ ማዕረማዕረኡ ድማ ሓይልታት ወጻኢን ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፈደራል ወጻኢ ዝዀኑ ዕጡቓት ኣካላትን ካብ ክልል ትግራይ ክወጽ ምስምምዖም ይዝከር።
ፕረሲደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣርጀንቲናዊ ኣንበሳደር ፈደሪኮ ቪለጋስ፡ ታንዛንያዊ ሞሓመድ ቻንደ ኦትማን ኣቦመንበር ናይቲ ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘዘ ኮሚሽን ክኢላታት ንክመርሑ ከም ዝመዘዝዎም ቤት ጽሕፈቶም ብ21 ታሕሳስ 2022 ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ኣንበሳደር ቻንደ ኦትማን ናብዚ ሓላፍነት ዝተመዘዙ፡ ድሕሪ እተን ነዚ ኮሚሽን ኣደ ወንበር ኮይነን ክመርሐኦ ዝጸንሓ ኬንያዊት ኮሚሽነር ካሪ በቲ ሙሩንጂ ካብ ሓላፍነት ምልቃቐን እዩ። ኣንበሳደር ቪላጋስ፡ ኣብቲ ሓድሽ ኮሚሽነር ዝመዘዝሉ ነተን ኣብ ሓላፍነት ዝጸንሓ ብድሌተን ዝለቐቓ ኮሚሽነር ኣመስጊኖም ሰናይ መጻኢ ተመንየሙለን።
እዞም ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ናይ ዝከታተል ኮሚሽን ኣቦመንበር ኮይኖም ተመዲቦም ዘለዉ ታንዛንያዊ፡ ቅድም፡ ናይ ሃገሮም ሓላፊ ፍትሒ ምንባሮምን ኣብ 2019-2020 ኣባል ናይቲ ኣሰራርሓ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ዓለም ንክግምግም ዝተመደበ ናጻ ኣካል ክኢላታት ኣባል ምንባሮም ከም ኣካል ተመኩሮኦም ተጠቒሱ።
ብዘይካዚ ዓቃብ ሕጊ ቤት ፍርዲ ገብነኛታት ዓለም ኣብ ጉዳይ ሩዋንዳ፡ ኣብ ካምቦዲያ ናይ ሕቡራት ሃገራት መደባት ልምዓት ናይ ሕጊ ኣማኻሪ፡ ኣብ ሊባኖስ ኣባል ላዕለዋይ ኮሚሽን ምጽራይ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ሱዳን ድማ ናጻ ክኢላ ሰብኣዊ መሰል ኮይኖም ከም ዝሰርሑ ኣብቲ ድሕረ-ባይተኦም ተጠቒሱ።
እዚ ሰለስተ ዝኣባላቱ ጉዳይ ኢትዮጵያ ክከታተል ዝተመዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ብ17 ታሕሳስ 2021 እዩ ጀሚሩ። ቀንዲ ሓላፍነቱ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዩ ካብ 4 ሕዳር 2020 ንደሓር ብሰንኪ ውግእ ትግራይ ብኹሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ምጽራይ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ 7 ጥቅምቲ 2022 ድማ ኣብዚ ሓላፍነቱ ንክቕጽል ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ተናዊሕሉ።
እዚ ካብ ቅድሙ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ተቐባልነት ዘይረኸበን ናብ ትግራይ ኣትዩ ከጻሪ ዘይተፈቕደሉን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል፡ ካብ 27 ለካቲት ክሳብ 31 መጋቢት 2023 ኣብ ዝካየድ መበል 52 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ጸብጻቡ ከቕርብ መደብ ተታሒዝሉ ከምዘሎ ኣብዚ መግለጺ ተሓቢሩ።
ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ኣብ ናይሮቢ ተራኺቦም
Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤወከልቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ሸምገልትን (ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ)
ላዕለዎት ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ትግራይን ብ21 ታሕሳስ 2022 ኣብ ናይሮቢ ከም ዝተራኸቡን እዚ ርክብ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ከም ዝቕጽልን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ናይዚ ርክብ ዕላማ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ናይሮብን ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም መስርሕ ትግባረ ምግምጋም ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ዕጽዊ ኣኼባ፡ ብዘይካ ተወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ኬንያ እሁሩ ከኒያታ፡ ክኢላታት ሕብረት ኣፍሪቃል፡ ወከልቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ኢጋድን ይሳተፉ ኣለዉ። ኣብዚ ርክብ ጉዳይ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምዘዙ ተቖጻጸርቲ ጀነራላት ዝሰርሕሉ ኣገባብ ብዝምልከት ተሰማሚዕካ ቀጥዒ ምሕንጻጽን እቶም ቀንዲ ዛዕባታት እዮም።
ብመሰረት እቲ ውዕል ሰላም፡ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ረዲአትኳ ብዝተወሰነ እንተጀመረ፡ ምስ ስፍሓት እቲ ተጸባይ ሓገዝ ክርእአ እንከሎ እኹል ኣይኮነን። ንሓይሊ ኤለክትሪክ፡ ተለፎንን ባንክታትን ዝምልከት እውን ውሱን ንጥፈታት ኣሎ። ኣብ ምውራድ ዕጥቂ ሰራዊት ትግራይ ግና ከምቲ ዝድለ ኣይሰለጠን። ናይዚናይ ዘይምስላጥ ጠንቂ ድማ፡ ናይቲ ጐኒንጐኒ ምውራድ ዕጥቂ ክፍጸም ዝነበሮ፡ ናይ ኤርትራ ሰራዊትን ሓይልታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ምውጻእ ስለ ዘይተተግበረ ምዃኑ ኣቐዲሙ ክጥቀስ ዝጸንሐ ዕንቅፋት እዩ።
እዚ 3ይ ዙር ናይ ናይሮቢ ኣኼባ፡ ኣብ ዕጽዊ ከም ዝካየድን ኣብ መወዳእታ ኣኼባ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝወሃብን ተፈሊጡ። ኣብዚ ዘተ ካብ ክልቲኡ ወገናት ይሳተፉ ናይ ዘለዉ ብኣስማት ኣይተጠቕሱን። ክልል ትግራይ ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት፡ ካብ ዲያስፖራን ተቓወምቲ ውድባትን ዝተወከልሉ 11 ኣባላት ዝርከብዎ ተዛታይ ኣካል ሰይሙ ኣሎ።
ገለ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝዕዘብዎ ፖለቲከኛታት፡ ኣብቲ መስርሕ ትግባረ ስምምዕ፡ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ክልቲኡ ወገናት ዝከኣሎም ይጽዕሩ ከም ዘለዉን ብወገን ፖለቲከኛታት ግና ከምቲ ዝድለ ስሉጥ ከምዘየለን ይገልጹ።
More...
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህግደፍ ኣብ ጉዳዩ ኢዱ ከእቱ ክፈቕደሉ እንከሎ፡ ካብ ግዚያዊ ረብሓን ስምዒትን ሓሊፉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይተገንዘቦ ሳዕቤናት ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣደናጊሩ ኢዱ ክኣቱ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይትግበር መብጸዓታት እናኣተወ፡ ብዙሕ ዝሓብኦ ተንኮላት ከም ዝነበሮ ሎሚ ዝረአ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ህግደፍ እቲ ናብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ክእቱ እንከሎ ዝወጠኖ መደብን ዝፈሓሶ ተንኮላትን በቲ ዝደለዮ መንገዲ ከምዘየዕወተ ካብ ህልዊ ኩነታት እንግንዘቦ እዩ።
መስርሕ ምትግባር ውዕል ሰላም ኢትዮጵያውያን ተጀሚሩ ኩነታት ምስ ሃድአ፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ሓይልታቶም ኣኽቲቶም ክዋስኡ ካብ ዝጸንሐ ሓይልታት “መነኦም ከሲቡ፡ መንከ ከሲሩ?” ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ወገናት ዘዛርብ ዘሎ እዩ። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ከከም ፖለቲካዊ ዝንባለ ናይ መላሲኡ ዝተፈላለ ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ዘይምልከቶ ተሸኺሉ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ቀጻሊ ውግእ ናይ ምንባር ህርፋኑ ስለ ዝተኾልፈ ህግደፍ ቀዳማይ ከሳሪ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይ ህግደፍ ክሳራ ኣብ እንግደዓ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝጸዓን ምዃኑ እዩ። ብሰንክዚ ውግእ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ ሞት፡ ስክንልልናን ምምራኽን ምዃኖምን ሓደ መርእያ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይወሰኖ ክሳራ ምእታዉ እዩ። ከም ሳዕቤን እቲ ውግእ ዘይከተትኩም ብዝብል፡ ስድራቤታት ኣባይቲ ተዓጽይዎም ግዳም ሓደር ምዃኖምን ንብረቶም ይራሰ ምህላዉን ድማ ካልእ ገጽ ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዘርኢ እዩ።
ናይ ህግደፍ ክሳራ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ከም ዝኸውን፡ ካብ መጀመርታኡ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ ነይሩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ካብዚ ቅኑዕ ቅድመ-ግምት ብምንቃል ብዓንተብኡ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ህይወት ደቁ ንምድሓን ተጽዕኖኡ ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ከሕይል፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዘይምልከቶ ውግእ ዘይተደላይ ክሳራ ካብ ምኽፋል ንክድሕን ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ እምቢ ክብል” ኣትሪሩ ጸዊዑ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ምእንቲ ከባብያውን ዞባውን ሰላምን ምርግጋእን ሰብኣውነትን ንህግደፍ ኣብ ዘይጉዳዩ ካብ ምእታው ዝዓግት ስጉምቲ ንክወስድ ተመሕጺኑ እዩ። ሎሚ ከኣ እነሆ እቲ ዝተሰግአ ኩለ-መዳያዊ ክሳራን ዕንወትን ዝግመት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝድህሰስ ኮይኑ ቀሪቡ።
ኢትዮጵያውያን ድሕሪ ክንደይ ንዓለም ዘገረመ ክሳራኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ መንገዲ ውግእ መንገዲ ሰላም ምምራጾም ዝነኣድ እዩ። ካብዚ ብምንቃ እዩ ከኣ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ናይ ሰላም ምርጫኦም ዝለዓለ ደገፍን ምትብባዕን ዝረክብ ዘሎ። እቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ኣቕጣጫ ብውሽጣዊ ዕግብታቶም ድዩ ብናይ ግዳም ተጽዕኖ ተደሪኹ መጺኡ ብዘይገድስ፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ፡ ብልቦናን ህዝባዊ ሓላፍነትን እንተ ተተግቢሩ ብውሕዱ ህልቂት ሰባትን ዕንወትን ንብረትን ዘድሕን ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ውዕል ሰላም ዝኸተሙ፡ በዚ ተነቢሩ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ምልክታት ተተባቢዖም ነቲ ናይ ኣተገባብራ ብደሆታት ክሰግርዎ ከኣ ናይ ብዙሓት ሰናይ ትጽቢት እዩ።
እቲ ካልእ ገጽ ዓወት ናይቲ ኢትዮጵያውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ውዕል ሰላም፡ ናይ ህግደፍን ንሱ ዘዋፍሮም ኣካላትን ኣብ ውግእን ህውከትን ናይ ምንባር ህርፋን ዝኾልፍ ምዃኑ እዩ። እዚ ውዕል ሰላም ኢትዮጵያውያን ናብ ህግደፍ “እቲ ጉዳይ ጉዳይና እምበር ዘእትወካ ኣይኮነን” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ’ውን እዩ። ህግደፍ ከምቲ ኣብ ውግእ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበሮ፡ ብገለ ወገናት ኣቢሉ “ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ህግደፍ’ውን ክስገር ኣይግበኦን” ዝብል ዓመጸኛ ድምጺ ክፈጥር ፈቲኑ ነይሩ እዩ። እንተኾነ “ተለጣፊ’ምበር በዓል ጉዳይ ኣይኮንን” ስለ ዝተባህለ፡ ተቐባልነት ኣይረኽበን። ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ካብ ትርጉም ሓይልን ውግእን ወጺኡ ናብ ትርጉም ሰላም ዘምልስ ሕልና ከምዘየብሉ፡ ካብቲ ኢትዮጵያ’ው ንምሕማስ ዝፈጥሮ ዘሎ ህውከተኛ ዝምድናታት ተነጺሩ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሕዎ ስምምዕ ንድሕሪት ንምምላስ “ካብ ዓበቕካስ ተቛናደፍ” ከም ዝበሃል፡ ካብ ናይ ግዜ ውግእ ተግባራቱ ከምይዘይወጸን ንኤርትራ ረሚሱ ንኢትዮጵያ’ውን ንምድጋማ ዳምዳም ይብል ብምህላዉ ብብዙሓት ብሕማቕ ዓይኒ ይረአ ኣሎ።
ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዝምድናኡ ምስ ህግደፍ ብዝምልከት ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ምርጫታት ኣለወኦ። ምስ ህግደፍ ዝጸንሖ ዝምድና ከም ዘየዋጸኦ ተረዲኡ፡ መስርሕ ሰላሙ ንምትግባር ብመንፈስ እቲ ስምምዕ ንህግደፍ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ዝድርኽ ስጉምቲ ምውሳድ ሓደን ቀዳማይን ምርጫኡ እዩ፡ ወይ ድማ ንህግደፍ ክንገሮ ዝግበኦ ካብ ምንጋር ኣዕጠጥዩ ንመስርሕ ሰላም ንድሕሪት መሊሱ ኣብ ውግእ ብምእታው ኣደዳ ኩለ-መዳያዊ ክሳራታት ምዃን’ዩ። ይኹን እምብር፡ ኣብዚ መዳይዚ ብህዝቡ ይኹን ብሕብረተሰብ ዓለም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝንገሮ ዘሎ ንህግደፍ “ካብ ርእሰይ ውረደለይ” ክብሎ እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ህግደፍ ከናግፎ ዘይክእል መቕጻዕትን ክሳራን ከም ዝወርዶ ርዱእ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብምኽንያት ርክብ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካ ኣብ ዝገሽሉ ብዝተፈላለዩ ላዕለዎት መራሕቲ ኣሜሪካን ዓለም ለኻዊ ናይ ገንዘብ ትካላትን ዝተነግሮም ኩሉ ዝተኸታተሎ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ እሞ ከኣ፡ ህርፋን ህግደፍ ንምርዋይ ምስ ትግራይ ዝተበጽሐ ሰላም ንድሕሪት ክምለስ ዘይኮነ፡ እቲ ሰላም ኣብቲ ካልእ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት ኢትዮጵያን ክድገም እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያውያን እዩ። ንኤርትራውያን እውን ከም ጐረቤት ኣውንታውን ናይቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ዝሃልቁ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ህይወት ዘድሕን ስለዝኾነን ኣገዳስነቱ ኣብ ቦታኡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ህግደፍ ኣብ ህውከትን ውግእን ናይ ምሕባእ ዕድል ዘጽብብ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ምሉእ ኣቓልቦና ናብ ውሽጣዊ ጉዳይና ክንገብር’ውን ሓጋዚ እዩ። ንዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ክብድህ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ዘይዲሞክራስያውን ዘይሰብኣውን ኣካይዳ ህግደፍ ንዓኣቶም እውን ዶብ ሰጊሩ የረኻኽበሎም ከምዘሎ ኢትዮጵያውያን ተረዲእምዎ እዮም። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒሎም ብዙሓት ውድባትን ፖለቲከኛታትን፡ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ህግደፍ ዝጸንሖ ዘይቅዱስ ቃልኪዳን ከፍርስ ይጽውዕዎ ኣለዉ። እንተኾነ ብሰንክቲ ተንኮላት ህግደፍ ከይተረደአ ንግዝያዊ ረብሓ ክብል ዘሊሉ ዝኣተዎ ዘይብሱል ስምምዕ፡ ከምቲ “ኣእትወኒ’ምበር፡ ውጸለይ’ሲ የዳዲ” ዝበሃል፡ ብልጽግና ጋና ብሰንኪ ህግደፍ ዋጋ ዝኸፍል እዩ ዝመስል።
ዩኒሰፍ ዝተባህለ ኣብ ጉዳይ ህጽናት ዝግደስ ኣካል ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ዘለዎ መደባት ንምዕዋት ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ሓገዝ ሓቲቱ። ዩኒሰፍ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ዘውጸኦ መግለጺኡ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ግጭት ንዝተሃስዩ ህጽናት ንዘጋጥሞም ናይ ዝስተ ማይ፡ ጽሬት፡ መግቢ፡ ትምህርትን ጥዕናን ጸገማት ንምክልኻል ኣተኲሩ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።
ዩኒሰፍ ኣብቲ ናይ ሓገዝ መጸዋዕታ መግለጺኡ፡ ንህልዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ዝምልከት፡ ኤርትራ፡ ንቁጠባዊ ጸገም፡ ምቅይያር ኣየርን ደርቅን፡ ሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ናይ ድሕንነት ስግኣት፡ ከምኡ እውን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይ ዝተፈጥረ ውግእ፡ ዘሕደሮ ጸገማትን እገዳን እትግለጽ ሃገር ኮይና ከምዘላ ጠቒሱ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ከባብያዊ ዘይምዕሩይነት እውን ነብሱ ዝኸኣለ ጸገም ኮይኑ ምህላዉ ተሓቢሩ።
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ብምኽንያት እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቐሰ ጸገማት፡ ኣብዚ እዋንዚ 745,600 ህጽናት ዝርከብዎም 1.1 ሚልዮን ኤርትራውያን ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዝጽበዩ ዩኒሰፍ ጠቒሱ። ኣብ ርእሲዚ እዚ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፡ ኣብ ኤርትራ ስሩዕ መደባት ልምዓት ሓንጺጹ፡ ሰብኣዊ ሓደጋታት ኣብ ምምሕዳርን ምግጣምን መማረጺ ኮይኑ ክሰርሕ ድልዊ ምህላዉ ኣፍሊጡ።
ኣብ መወዳእታ መጸዋዕታኡ ዩኒሰፍ፡ ኣብ 2023 ኣብ ኤርትራ፡ ህጹጽ ህይወት ናይ ምድሓን ኣገልግሎት ንምቕራብ፡ ኣስጋኢ ሓደጋታት ንምክልኻል፡ እኹልን ብቑዕን ዝስተማይ ንምቕራብን ኣብ ጽሬት ትምህርቲ ንምሕጋዝን 14.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዘድልዮ ኣፍሊጡ።
ስደተኛታት ክግፈፉ እንከው ዘርኢ ስእሊ (ማሐራዊ መራኸቢ)
ኣባላት ጸጥታ ሃገረ ሱዳን ኣብ ካርቱምን ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገርን ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጻዕቂ ይገፉ ምህላዎም ቢቢሲ ንግዳያት ብምጥቃ ሓቢራ። እቶም ኣባላት ፖሊስ ሱዳን ሕጋዊ መንበሪ ሰነድ ዘለዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ከይተረፉ ብምግፋፍ ንሓደ ስደተኛ ካብ 500 ክሳብ 600 ዶላር ክኸፍል ከምዘገደድዎም እቶም ግዳያት ሓቢሮም። ኣብ ርእሲዚ ንዋሕስ ብዝብል ጉልባብ ዝያዳ 100 ዶላር ከም ዘኽፍልዎም እውን ተፈሊጡ።
እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዛዕብቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍጸም ዘሎ በደል ኣብታ ሃገር ንዝርከብ ኤምባሲ ህግደፍን ዝምልከቶም ትካላት ውድብ ሑራት ሃገራትንኳ እንተኣመልከቱ መፍትሒ ክረኽቡ ከምዘይከኣሉ ተቒሶም፡ እቲ ስጉምቲ ኣባላት ፖሊስ ብዘይኣፍልጦ መንግስቲ ሱዳን ዝወስድዎ ስጉምቲ ከይከውን ዝብል ጠርጠራ ከም ዘለዎም እውን ገሊጾም።
እዞም ኣብ ዝተፈላለዩ መደበር ስደተኛታት፡ ከተማታት፡ ካርቱም፡ ከሰላን ፖርቱ ሱዳንን ዝርከቡ ስደተኛታት ብሰንኪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000፡ ዘይፍትሓዊ ምሕደራ ህግደፍን በብግዜኡ ህግደፍ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ብዝፈጥሮ ጐንጺ ኣብ ዶባት ብጠያይት እንዳ ተወቕዑ፡ ክስደዱ ዝተገደዱ ምዃኖም እቲ ካብ ቢቢሲ ዝተረኽበ ጸብጻብ ኣስፊሩ።
ብዕለት 18-12-2022 ዓ. ም. ፈ ካብ ሰዓት 19.00 ክሳብ ሰዓት 21.00 ብኣዝዩ ህዱእን ልዙብን መንፈስ ብተሳታፍነት ዳርጋ ኩሉ ኣባል ብኤሎትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሓን ዙም ኣኼባኦም ኣካይዶም ። ኣቦ ወንበር ጨንፈር ቁ. 2 ንዝኽሪ ክብርቲ ነብሰሄር ብጸይቲ ኣልጋነሽ ያዕቆብ ናይ ሓደ ደቂቅ ሕልናዊ ጸሎት ብምግባር ኣኼባ ከፈቶ። ሲዒቡ ዝተሰርዔ ኣጀንዳ ብቀደም ተከተል ህልዊ ሓለዋትን ንጥፈታትን መደባትን ሰዲህኤ ብዝርዝር ቀሪቡ ። ኩሉ ከም ዝከታተሎ ዘሎ ብሰንኪ ዲክታቶር መላኺ ስርዓት ህግደፍ ጠንቃም ግናይ ምምሕዳሩን ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ዝወርድ ዘሎ ግፍዕታት ከቢድ ሓገኛ ህልዊ ኩነታት ኮኒኑ ብዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ምሕደራ ንምትኻእ ዝግበር ቃልሲ ከኣ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ ከኣ ዕጥቁ ከም ዝደርብ ኣስሚሩሉ። እቲ ክሳብ ሕጂ ብመሪሕነት ሰልፊ ዝዉሃብ ዘሎ ጥምጥም ቃልስን ንቁሕ ብሩህ መግለጽን ኣስሚሩ ድርብ ደገፉ ገሊጹ ። እቲ ቀንዲ መለለዪ ሰዲህኤ ዝኾነ ድሮ እውን ኣብ መስርሕ ዝረከብ ዘሎ ምድላው 4ይ ጉባኤን ፈስቲቫል ፍራንክፎርትን ንምዕዋትን ምስታፍን ብኩሉ መዳይ ቅሩብነቱ ኣረጋጊጹ ። ኣብ መደምደምታ ብሓቂ መሳጢ ዝኾነ ኣስተብህሎ ኣብ ሕሉፍ ተመክሮ ጉባኤን ፈስቲቫልን ኣትኩሮ ዘድልዮም ለውባታት ብብጻይ ተኽለ መለኪንን ነጋሲ ሓምድን ብምቅራብ ብዝያዳ ነቲ ኣኼባ ምህብታሙን ርዝነት ኣብ ምሃቡ ፍሉይ ብልጫ ነበሮ።
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና !!!
ዉድቀት ንመላኺ ስርዓት ህግደፍ ።