ክልል ኣምሓራ ፈደራል መንግስቲ ጣልቃ ንክኣቱ ጸዊዑ

2023-08-04 09:44:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 711 times

ፕረሲደንት ክልል ኣምሓራ፡ ዶር ይልቃል ከፋለ ብ3 ነሃሰ 2023 ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም ብስሩዕ ናይቲ ክልል ዓቕሚ ምቁጽጻር ስለ ዘይተኻእለ፡ ፈደራል መንግስቲ ኣድላይ ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዕም። እቶም ፕረሲደንት ኣብቲ ክልል ብሰንክቲ ኣብ መንጎ ናይቲ ክልል ፍሉይ ሓይልን ፖሊስን ብጉጅለ ህግደፍ ናይ ስልጠናን ዕጥቅ ደገፍ ይግበረሉ ዝበሃል ሓይሊ ፋኖን ዝተኻየደ ውግእ ሰብኣዊ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ጉድኣት ከም ዝወረደ ጠቒሶም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪቲ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርንነት ትግራይ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ውዕል ሰላም ምፍራሙ፡ እዚ ሎሚ “ህዝባዊ ግንባር ኣምሓራ” ብዝብል ኣንጻር መንግቲ ዝዋጋእ ዘሎ ሓይሊ ፋኖ ከምቲ ህግደፍ ተኾሊፍና ዝበሎ፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ “ዘስሩዕ ዕጡቕ” ዝተባህለ ፋኖ ድማ ዕጥቂ ኣፍቲሑ ዳግመ-ውደባ ክግበረሉ ምስ ወሰነ እዩ ኣንጻር መንግስቲ ምንቅስቓሱ ዝያዳ ዘሕየለ እዩ።  ናይ ስግኣትን መንገዲ ዓመጽ ምምራጽን ቀንዲ ምኽንያት፡ ከምቲ ህግደፍ ውግእ ጠጠው ብምባሉ ዘይዓገበ፡ በቲ ውዕል ሰላም መሰረት፡ ውልቃይትን ራያን ናብ ትግራይ ከይምለስ ብዝሓደሮ ስግኣት እዩ።

ብፍላይ ካብዚ ቀረባ ግዜ ሓይሊ ፋኖ ብመስመር ሑመራን ኦሞሓጀርን ምስ ህግደፍ ከም ዝራኸብን ኣባላቱ ኣብ ኤርትራ ኣሰልጢኑን ኣዕጢቑን ኣብ ሑመራ ከም ዝመረቐ ብዝተፈላለዩ ማዕከናት ብሰፊሑ ክሕበር ዝጸንሐ እዩ። ክሳብዚ ቀረባ ግዜ መጻኢ ፖለቲካዊ ዕላማ ፋኖ እንታይ ምዃኑኳ ንጹር እንተዘይነበረ፡ ሎሚ ግና ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሪስካ ብደረጃ ኢትዮጵያ ግዝያዊ ምምሕዳር ምትካል ምዃኑ ክገልጽ ይስማዕ ኣሎ።

ብናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ መሰረት ፈደራላዊ መንግስቲ ብዘይወግዓዊ መጸዋዕታ ናይ ክልል መንግስቲ  ሰራዊቱ ኣብ ክልላት ኣብ ዝካየድ ውግእ ከውፍር ኣይክእልን እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣሜሪካ እትርከበን ሃገራት ዜጋታተን ንኢትዮጵያ ምስ ኤርትራ፡ ሶማሊያ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ናብ ዘዋስኑ ከባብታትን ክልል ኣምሓራን ክንቀሳቐሱ እንከለዉ ፍሉይ ጥንቃቐ ንክግበብሩ ኣተሓሳሲበን።

Last modified on Friday, 04 August 2023 11:53