እገዳ 21 ትካላት ትእምት፡ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሳዒሩ

2023-08-01 21:03:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 613 times

ኣብ ልዕሊ እተን ኣብ ትሕቲ “ትግራይ እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት/ኤፈርት) ዝመሓደራ ዝነበራ 21 ትካላት ትግራይ፡ ብሰንኪ ውግእ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስትን ክልል ትግራይን ምኽፋቱ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ፡ ብውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፈደራል ኢትዮጵያ ብ28 ሓምለ 2023 ከም ዝተሳዕረ፡ መርበብ ሓበሬታ ኢትዮጵያን ኢንሳይደር/ETHIOPIAN INSIDER ሓቢራ። ነዘን ትካላት ብግዝያውነት ከመሓድር ዝጸንሕ ኣካል፡ “ኮመርሻል ኖሚንንስ” ሓላፍነቱ ከረክብ’ውን በቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተኣዚዙ። እዚ ውሳነ ነቲ ጠቕላሊ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ ድሕሪ ውዕል ሰላም ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እዘን ትካላት ብኻልእ ኣካል ካብ ምምሕዳር ናጻ ኮይነን ናብ ዋናአን ንክምለሳ ዝሃቦ ውሳነ ተኸቲሉ ምዃኑ እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

ካብዘን ኣብ ብ1995 ኣብ ትግራይ ዝነበረ ድርቂ ንምክልኻልን ቁጠባ ንምዕባይን ዝቖማ ትካላት፡ ሱር ኮንስትራክሽን፡ መስፍን ኢንጂነሪንግ፡ ጉና ትራይዲንግ፡ መሰቦ ስሚንቶ፡ ኣልመዳ ፋብሪካ ዓለባ፡ ሳባ እምነበረድ፡ መስከረም ሜካናይዘሽን ሕርሻ፡ ደጀና ኬሚካል፡ ዝኣመሰላ ይርከበአን። ናይዘን ትካላት ናይ ባንክ ሕሳብ ኣብ ትግራይ ውግእ ድሕሪ ምጅማሩ “ንፈጠርቲ ራዕዲ ገንዘባዊ ሓገዝ ትገብራ ኣለኽን” ብዝብል ተዕጽዩ ከም ዝነበረ እውን እቲ ጸብጻብ ጠቒሱ።

እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ እቲ ነዘን ናይ ትግራይ ትካላት ብውክልና ከመሓድር ዝጸንሐ ኮመርሻል ኖሚንስ፡ ኣብቲ ነተን ትካላት ዘመሓደረሉ ዝነበረ ግዜ ብዛዕባ ዝነበረ ምዕብልና ምሉእ ጸብጻብ ከቕርብ ኣዚዝዎ ኣሎ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ኣባልነታ ከም ውድብ ንክሕደሰላን ንብረታ ንክምለሰላን ናብ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ጥርዓት ጌና መልሲ ኣይረኸበን። እንተኾነ ፖለቲካዊ ፍታሕ ንክርከበሉ መራሕታ ተስፋኦም ክገልጹ ጸኒሖም።

Last modified on Tuesday, 01 August 2023 23:15