ፈስቲቫላት ህግደፍ፡ ስያትልን ቶሮንቶን ከም  ጊሰንን ስቶክሆልምን

2023-08-06 21:48:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 666 times

ኣብ ቀዳማይ፡ ቀዳመ-ሰንበት ወርሒ ነሃሰ 2023 ኣብ ስያትልን ተረንቶን ተወጢኖም ዝነበሩ ናይ ህግደፍ ናይ ሸፈጥን ሸርሕን ፈስቲቫላት ኣሰር ጊሰንን ስቶክሆልምን ተኸቲሎም፡ “ወፍሪ ላምፓዱሳን ሰላምን” ብዝብሉ ጭረሖታት ብሓያልን ዘይሕለልን መኸተ ብ5 ነሃሰ 2023 ከም ዝፈሸሉ፡ ማዕከናት ዜና ሓይልታት ለውጢ ኤርትራን ዓለምን ብምስልታት ኣሰንየን ሓቢረን።


Siatel 06.08.2023ብሪጌድ ንሓመዱ ስያትል ቅድሚ ናብ መኸተ ምውፋሩ ኣብ ልዝብ

ኣብቲ ስያትል ዝነበረ ፈስቲቫል ህግደፍ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ተሓለቕቲ ለውጢ ንፍትሕን ዲሞክራስን ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ፡ “ኣይተኸውንን እያ፡ ፍትሒ ንደሊ፡ ፈስቲቫል ዲክታተር ይሰረዝ” ዝብሉ ዝርከብዎም ጭረሖታት እናቃልሑ ተቓውሞኦም እናስምዑ እንከለዉ፡ ናይቲ ፈስቲቫል ወደብቲ ደገፍቲ ህግደፍ  ብዝጀመርዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ፡ ነብሶም ክከላኸሉ ጀሚሮም ብኡንብኡ ድማ ኩሉቲ ውራይ ህግደፍ ንምድማቕ ተተኺሉ ዝነበረ ዳሳት ምስ ምሉእ ትሕዝቶኡ ካብ ጠቕሚ ቀጻኢ ኮይኑ፡ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ከየትከሉ እግረይ ኣውጽእኒ ሃዲሞም።

እቶም ኣብ ሓጺር ግዜ ነቲ ፈስቲቫል ዘፍሸሉ ኣዝዩ ዝነኣድን ስሙርን ኣወዳድባን ምንባብን ዝነበሮም ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ፡ ፖሊስ ስያትል ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጸሓሉ፡ ተልእኮኦም ፈጺሞም፡ ንቀጻሊ ቃልሲ’ውን ድሉዋት ምዃኖም እናገለጹ ናብቲ ዝተበገስሉ ኣዳራሽ ብዓወት ተመሊሶም። ኣብቲ ኣዳራሽ ምስ ዘድሊ ምድላው  ብአደታት ዝተገብረሎም ኣቀባብላ ከኣ ኣብነታዊ ነይሩ።

ኣብ ካናዳ ቶሮንቶ ብተመሳሳሊ፡ ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ናብቲ ኢርል ስኮርት ኣብ ዝተባህለ ፓርክ፡ ዝተዳለወ ፈስቲቫል ህግደፍ ከይዶም ፊትንፊት ኣብቲ ዝተፈቕደሎ ኩርናዕ ኮይኖም፡ ናይ ተቓውሞ ድምጾም እናስምዑ እንከለ፡ በቲ ድምጺ ዝረዓዱን ዓቕሎም ዝጸበቦምን፡ ሕልነኦም ንጸረ-ህዝቢ ተግባራት ህግደፍ ብዝሸጡ ኤርትራውያን መጥቃዕቲ ምስ ተኸፈቶም ኣብ ዝገበርዎ ምክልኻል ብዝተፈጥረ ህውከት ዳሳት ህግደ ዓነውነው እንከሎ፡ ኣብቲ ዕግርግር 9 ሰባት ከም ዝቖሰሉ ፖሊስ ቶሮንቶ ኣፍሊጡ። እቲ መጉዳእቲ ብዘይካ ናይ ሓደ ናይቶም ካለኦት ቀሊል ምዃኑ’ውን ተፈሊጡ።

Police Torontoኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱን ፖሊስ ቶሮንቶን ኣብ ዝተፋጠጥሉ

ድሕዚ ኩነታት ዓሰርተታት ኣባላት ፖሊስ ከተማ ተረንቶ ኣብ ማእከል ተቓወምትን ደገፍትን ተሰሪዖም ንነዊሕ ሰዓታት ተፋጢጦም። ድሕሪኡ እውን ፖሊስ “ነቲ ፈስቲቫል ሰሪዝናዮ ኢና” ዝበሎ ቃል ስለ ዘየኽበረንን ተሳተፍቲ ፈስቲቫል ህግደፍ ነብሶም ዳግማይ ክሰርዑ ስለ ዝፈተኑን፡  ኣባላት ብሪጌድ ንሓመዱ ሓደ ካብ ቀንዲ ጐደናታት ተረንቶ ዓጽዮም፡ ኣብ መኪና ብዝተሰቕለ ንህግደፍ ዘቃልዕ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተሰንዮም ተቓውመኦም ስለ ዝቐጸሉ፡ ወጥሪ ተፈጢሩ ከም ዝነበረ ትካል ዜና ሲቢሲ/CBC NEWS ኣፍሊጣ።  ደሓር ግና ምምሕዳር ከተማ ተረንቶ “ምእንቲ ሰላምን ድሕነትን ሕብረተሰብ ነቲ ፈስቲቫል ሰሪዝናይ ኣሎና። በዚ መሰረት 6 ነሃሰ 2023 ኣይክቕጽል እዩ” ዝብል መግለጺ ከም ዘውጸአ ዝተፈላለያ ማሕበራዊ መራኸብታት ኣፍሊጠን።

ከምቲ ድሕሪ ፍሽለት ፈስቲቫላት ህግድፍ ኣብ ጊሰንን ስቶክሆልምን ዝተራእየ ፍሽለት፡ ፈስቲቫላት ህግደፍ ስያትልን ቶሮንቶን እውን ናይ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዓለምን ፖለቲከኛታት ኣጀንዳ ክኸውን ክኢሉ።

Last modified on Monday, 07 August 2023 00:01