

Assena TV coverage has grown rapidly and extensively,
…Now I watch Assena TV every day hoping I catch the repeat..
We are very excited! We want more!
ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኵሉ ብስርዓት ኢሳያስ ዝወረዶ ሓሳረ-መከራ ተጻዊሩ፡ ሓንቲ መዓልቲ ግዲ ትወግሕ ትኸውን ብዝብል ተስፋ እናተጸበየ እንከሎ፡ ብስም ውዕል ሰላም፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ኣባ ጓይላ ኰይኑ ኣብ ዝመርሖ ናይ ምድማር ጭፈራ ኣይከሰርናን፡ ጕዳይ ዶብ ካልኣዊ ኢዩ፡ ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ክመርሓና ኢዩ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ ኢዩ …ወዘተ እናበለ ተዓጢቑ ከዅድድን ብሓጐስ ተፈንጪሑ ኣፍልቡ ክሃርምን ተራእየ።
ብድሕር’ዚ ኢዩ እምበኣር ኣብ ውሽጢ ይኹን ኣብ ግዳም ዝርክብ ህዝብና “ደጊም ይኣክል” ኢሉ ዕምሪ ስልጣኑ ንምሕጻር ተላዒሉ ዘሎ። ስለ’ዚ፡ ሎሚ ጭርሖና “ይኣክል ተኣለ” ዝብል ደኣ’ምበር፡ ንኢሳያስን መጋበርያታቱን ቅዋም ክትግብሩልና፡ እሱራት ክፍትሑልና፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩልና ምልማን ወይ ምምሕጻን ኣይኰነን። ለባማት ኣቦታትናን ኣደታትናን ከም’ዚ ምስ ረኸቡ ኢዮም “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝበሉ።
ኣብ ክፍለ-ዓለምና ኣፍሪቃ እኹል ዘይጕዱል ተመኵሮ ምስ ዲክታቶርያውን ስርዓታት ኣሎና ኢዩ። ዲክታቶራውያን መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብቅዋም ዝግዝኡን ንቕዋም ዝምእዘዙን ኣይኰኑን። ስለዝዀኑ ድማ ኢዮም፡ ናይ ግዜ ገደብ ዘለዎ ቅዋም ከም ቍሪ ዝፈርሕዎን ተወዳደርቲ ሰልፍታት ክህልዉዎም ዘይደልዩን።
ህዝብና 'ይኣክል፡ ቅዋም ይተግበር' ክብል ከሎ: ገለ ክፋል ናይ ሰራዊት ኤርትራ ኰነ ገለ ካብ ትካላት ንመስርሕ "ተኣዘዝ-ፈጽም''ምንጻግ ክጅምር እንከሎ: ሃገር ብመላኡ ድማ (ዋላ'ውን ካብ ሰዓቢ ምልኪ ዝነበረ ከይተረፈ) 'ልዑላውነትና ልዕሊ ኩሉ' ብምባል ከድምጽ እንከሎ: ስልጣን ናብ ዋንኡ ህዝቢ ንክምለስን ቅዋም ንክትግበርን ምልካዊ ስርዓት የልግስ ማለት እምበር: እቲ ስርዓት ይቐጽል ማለት ኣይኰነን። ደጊም ኤርትራ ብግዝኣተ ሕጊ'ምበር ብዊንታ ውልቀሰብ እይትመሓደርን ዝብል እምንቶ ህዝብን ሰዲህኤን እዩ።
ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ መጻብቦ ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኰነ ንኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዳግማይ ንምትላል ውዲታዊ መደባት ሰሪዑ ክንቀሳቐስ ምዃኑ ፍሉጥ ኢዩ። ድሮ እኳ ቅዋም ክትግብር ኢየ፡ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራውያን ክሕሎ ጸኒሑ ኢዩ፡ ሕጂ ድማ ብዝያዳ ክስርሓሉ ኢዩ እናበለ ንዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕን ነቲ ተጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞታት ንምቝጻይን ፋሕተርተር ክብል ይርአ ኣሎ።
ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል፡ ኣብ’ቲ ብ11-13 መጋቢት 2019 ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ (International Covenant for Civil and Political Rights (ICCPR).) ተስፋሚካኤል ገራህቱን ኣደም ዑስማንን ዝርከብዎም ልኡኽ ስርዓት ኢሳያስ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ እሱራት የለውን፡ ናጽነት ናይ ርእይቶ ምግላጽ ኣሎ፡ ፓትሪያርክ ኤርትራ ብመንግስቲ ዘይኰነስ ብቤተ-ክርስትያን ኢዮም ተሓይሮም፡ ኣብ ኤርትራ 11 ኣብያተ-ማእሰርቲ ጥራሕ ኢዩ ዘሎ፡ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ፡ ናይ ጥዕና ኣገልግሎት መዘናግዕን ናይ መራኸቢ ብዙሓንን ኣገልግሎት ኣለዎ…ወዘተ እናበለ ነቲ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቅታት ክኽሕድን ብሓሶት መሬት ክጐብእን ዝተሰምዐ። ካብ’ዚኦምሲ እንታይ ትጽበ?!!!!!!!!!
ህዝብና ግን፡ ድሕሪ ደጊም ብኸም’ዚ ዝኣመሰለ ሽጣራታት ክታለል የብሉን። እንታይ ደኣ፡ ክሳብ ሕጂ ዘታለልካና ይኣክል፤ ሕጂ ግን ተኣለየልና ጥራሕ ብምባል ጸኒዑ ክብድሆ ኣለዎ። ምኽንያቱ ድማ፡ ካብ ስርዓት ኢሳያስ ቅዋም ክትግበር ምጽባይ ካብ ማይ ምሕቋን ሓሊፍካ ካልእ ትርጕም ክውሃቦ ስለዘይከኣል ኢዩ።
ኣብ መደምደምታ፡ ሕላገት መራሕቲ ስርዓት ኢሳያስ፡ ጥልመት፡ ሓሶት፡ ምብሓት ስልጣን፡ ምንጋስ ፍርሕን ራዕድን ምዃኑ ተረዲእና “ተኣለ ይኣክል” ኣብ ዝብል ካልኣይ ሳልሳይ ዘይብሉ ጭርሖ ተኣኪብና፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግደምን እንርከብ ኤርትራውያን ነዚ እኩይ ስርዓት ንምእላይ በብንኽእሎ ኣገባብ ተወዲብና ክንቃለስ ይግብኣና።
ስለ’ዚ፡ ሎሚ ጭርሖና “ይኣክል ተኣለ” ዝብል ደኣ’ምበር፡ ንኢሳያስን መጋበርያታቱን ቅዋም ክትግብሩልና፡ እሱራት ክፍትሑልና፡ ሰብኣዊ መሰላት ከኽብሩልና ምልማን ወይ ምምሕጻን ኣይኰነን። “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ኣይትማህለል” ዝብል ምስላ ለባማት ወለድና ከይንዝንግዕ ሓደራ።
ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ “ለውጢ” ዝብል ቃል ኣዝዩ ዝውቱር ኣሎ። “ይኣክል” እውን ከምኡ። ክልቲኡ እዋናዊ ቃላት ክወሃሃድ እንከሎ ከኣ “ወጽዓ ይኣክል፡ ለውጢ ይረጋገጽ” ዝብል መሰረታዊ ቁምነገር የንጸባርቕ። ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክፍጽሞ ዝጸንሐን ዘሎን ወጽዓን፡ ሉኡላውነት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ድንዕምንዑን፡ ንሕና እንዕዘቦ ጥራይ ዘይኮነ፡ መራሒ ህግዲፍ ባዕሉ ተጠሊዑ ብዘነውር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝብሎ ዘሎ ስለ ዝኾነ፡ኣሉ ዝበሃል ኣይኮነን። ነቲ ኢሳይያስ ዝሓስቦን ዝብሎን፡ ባዕሉ እንከለዎ፡ እንዳመሓየሹ ጽቡቕ ምስሊ ንከትሕዝዎ ናቶም ምህዞ ወሲኾም “ከምዚ ክብል እንከሎኮ፡ ከምዚ ማለቱ እዩ” እንዳበሉ ከመላኽዕዎ ዝጸንሑ ግሩሃት ወይ ጐረሓት ወገናት እውን፡ ሎምስ ሕሩጮም ወዲኦም ከም ሰቦም ርእሶም እንዳነቕነቑ “እዚ ሰብኣይዚ ከይተወገደኮ” ክብሉ ጀሚሮም ኣለዉ። እዚኣቶም ሎሚ ኢሳይያስ ደጋጊፍካ’ውን ጽቡቕ ክወጾ ከምዘይክእል ዝተኣመኑ ይመስሉ። ኣብዚ ክዉን ነገር ናይ ምቕባል ደረጃ ዘይበጽሑ ኤርትራውያን እንተልዮም ግና፡ ካብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ወጻኢ ዝነብሩ እዮም ክኾኑ።
ትርጉም ናይዚ “ለውጢ” ዝብል ቃል ካብ ምውጋድ ህልዊ ጨቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ዝምለስ ኣይኮነን። እኳደኣ እቲ ቀንዲ መልእኽቱ ነዚ ጨቋኒ ስርዓት ኣወጊድካ ብትሕዝቶኡን መንፈሱን ዝተፈልየ፡ ምኽባር ኩሉ መሰላት ህዝብን ልኡላውነት ሃገርን ብዝማእከሉ ስርዓት ምትካእ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብ”ይኣክል” ተሰንዮም ዝቐርቡ ዘለዉ ናይ “ናይ ፖለቲካን ሕልናን እሱራት ይፈትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት በቲ ዝተኣወጆ መሰረት ይተግበር ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ መንእሰያት ይጣየሱ፡ ዶብና ምስ ኢትዮጵያ ብመሰረቲ ቀያድን ናይ መወዳእታን ብይን ይመልከት፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ጉልቡብ ዝምድና ንህዝቢ ይተሓበር፡ ልዕልና ሕጊ ይረጋገጽ፡ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ይተኣታቶ፡ መሰረታዊ መሰል ህዝብና ይከበር” ዝብሉ ህጹጽ መልሲ ዘድልዮም ኣፈናዊ ጠለባት እዮም። ናይዞም ጠለባት መልሲ ካብ ህግደፍ እንጽበዮ ዘይኮነስ፡ ንሕና ሓይልታት ለውጢ፡ ባዕልና ተግበርቲ ክንከውን ይግበኣና።
እዞም ዝተጠቕሱ ጠለባት ህጹጻት ኮይኖም፡ ብመሰረቱ ናይ ለውጥና መሰረታዊ ጠለብ ኣብ ናይ ድሕሪ ህግደፍ ኤርትራ፡ ብዙሕነት ብግቡእ ዘመሓደረ፡ ልኡላዊ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ዝዕቅብ፡ ብሕገመንግስቲ ዝተዋሕስ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ድልዱል መሰረት ምትካል እዩ። እምበኣር ውድቀት ህግዲፍ በዚኦም ክስነ እንከሎ እዩ፡ እዚ ንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ሓቀኛ ለውጢ ዝኸውን። ኪኖ ውድቀት ህግዲፍ ኣንዊሑ ዘይርእን ግቡእ ምድላው ዘይገበረ ካብ ኣፍንጫኡ ኣርሒቑ ዘይርእን ለውጢ ግና እዚ ንረግሞን ንቃለሶን ዘለና ህግደፋዊ ህይወት መልክዑ ቀይሩ ከይመጽእ ውሕስነት የብሉን። ስለዚ እቶም ንቃለስ ዘለና፡ ናይ ኣብ መቓብር ህግደፍ ዘተኣማምን ለውጢ ከነምጽእ፡ ንገዛእ ርእስና እውን ክንልወጥ ከድልየና እዩ። ነቲ ህግዲፍ ከውሕሶ ዘይበቐዖ፡ ብምውሓስ፡ ብመሰረታዊ ረብሓ ህዝብናን ክብሪ ልኡላዊ ሃገርናን ዝቃነ፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ፖሊሲታት ክንውንን ዘብቀዓና ካባና ዝጅምር ለውጥን ቅሩብነትን ከነርኢ ናይ ግድን እዩ።
እዚ ንርከበሉ ዘለና ናይ ቃልሲ መድረኽ፡ ህግደፍ እነውግደሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ንናይ ድሕሪ ህግዲፍ ኤርትራ ፍሉይ ምዕራፍ እንዳለወሉ ብዓል ድርብ ዕማም እዩ። ነዚ ኣብ ግምት ኣእቲና ኣንዊሕና እንተዘይሓሲብና ኣብ ናይ ምፍራስ እምበር፡ ኣብ ናይ መሊስካ ዝሓሸ መተካእታ ምህናጽ መሰረታዊ ሓላፍነት የለናን እዩ ከስምዕ። ናብ ዝሓሸ ንኸይድ ኣለና እንዳበልና፡ ናብ “ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ” ኣተሓሳስባ ከይንኣቱ ውሕስነት ክህልወና ይግበኦ። እዚ ከኣ ቅርቡነ እንተልዩ ዝከኣልን ኣብ ኢድና ዘሎን እዩ። ነዚ ንጠልቦን ንቃለሰሉን ዘለና ውሑስ ለውጢ እነዕውት፡ ንሕና ባዕልና እምበር ህግድፍ ክተግብረልና እንምሕጸነሉ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ህግዲፍ ኣግሂዱ ለውጥን ወረ ለውጥን ከይሰምዕ እዝኑ ከም ዝጸመመን ልቦናኡ ከም ዝተደፍነን ደጋጊሙ ኣርእዩናን ኣስሚዑናን እዩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት’ኳ፡ ብልኡኻቱ ኣቢሉ ኣብ ጀነቭ፡ ተጠሊዑ ዓይኑ ከይሓሰየ ኣብ ቅድሚ ዓለም ለኻዊ ሰብእውን ዲሞክራስያውን ተዓዘብቲ “ፖለቲካዊ እሱራት የብለይን፣ 11 ኣብያተ ማእሰርቲ ጥራይ እየን ዘለዋኒ፣ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዜጋታት ዝፍጸም ጥሕሰት የለን፡ ኣብያተ ፍርዲ ናጻ እየን፡ መንእሰያት ዓዶም ገዲፎም ይፈልሱ ኣለዉ ዝበሃል ናይ ጸላእቲ ጸብጻብ እዩ” ዝብል ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ዘይገልጽ መስልስታት ክህብ ሰሚዕናዮ ኢና። እዚ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ጨቋኒ ጥራይ ዘይኮነ ደረቐኛ ሓሳዊ’ውን ምዃኑ ዘርኢ እዩ።
ብፍላይ ኣብዚ ግዜዚ መመሊሱ ዝዕምር ዘሎ ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ብዝተፈላለዩ መልክዓት ተሰሊፍና ዘለና ኤርትራውያን፡ እቲ ዘሰማምዓና ነብሱ ዝኸኣለ ዝርዝር ዘለዎ ኮይኑ፡ ብሓፈሻ፡ “ብውሑዳት ዝዝወር ጭቋኒ ስርዓት ህግዲፍ ተወጊዱ፡ ወሳኒ ልዕልና መላእ ህዝቢ ኤርትራ በሪኹ ዝረኣየሉ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል” ዝብል ንኹልና ዝውክል ሚዛን እዩ። ኣብዚ ናይ ሓባር ተረድኦና ንምድማዕ፡ ነባር ሓድሽ፡ መንእሰይ ዓብይ፡ ኣስላማይ ክስታናይ፡ ጓለንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎ ኣብ ዲያስፖራ፡ ገጠርን ከተመኛን ምሁር ዘይተማህረን፡ ፖለቲካዊ ውድብ ሲቪላዊ ማሕበር፡ እናተበሃልና ክንውደብ ወይ ክንንቀሳቐስ እንከለና ዘባእሰናን ዘድክመናን ኣይኮነን። እቲ ናይ ለውጢ ኣበርክቶና ግና ከበየናይ ወገን ይምንጩ ብዘየገድስ ናብቲ ናይ ሓባር ናይ ለውጢ ማዕበልና ክውሕዝ ይግበኦ። ነዚ እንተበቒዕናዮ ሓደ ካብ ውሕሉል ኣመሓድራ ፍልልያትን ስምምዓትን ኮይኑ፡ ናይ ለውጢ ሓይልና ዘዕንትር ጥራይ ዘይኮነ ንናይ ድሕሪ ህግዲፍ መወዳደሪና ፍትሓዊ፡ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ሜዳ’ውን ዝምድምደልና እዩ። ነዚ ክንበቅዕ እምበኣር፡ ማዕረ ንናይ ለውጢ ባህግና ንገዛእ ርእስና እውን ክንልውጥ ግዜ ዘይህብ ሓላፍነትና እዩ።


Assena TV coverage has grown rapidly and extensively,
…Now I watch Assena TV every day hoping I catch the repeat..
We are very excited! We want more!
ቀዳም ዕለት ዕለት 16 መጋቢት 2019 ናይ ምሉእ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ተለኮንፈረንስ ኣኼባ ተኻይዱ። ቀንዲ ዛዕባ መካትዒ ኣብ መሕበሪ ጉባኤ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋም ነይሩ።
ኣብዚ ምልኣት ኣባላት ዘንጸባረቐ ኣኼባ ኣባላት ዓሚቝን ሰፊሕን ትምህርታዊ ሓዘል ዝሰፈኖ ምይይጥ ኣካይዶም። ድሕሪ ኣስታት 3 ሰዓት ዝወሰደ ኣኼባ ኣባላት ሃብታም ዝኾነ መኣረምታን መወሰኽታን ሓሳባት ኣቕሪቦም። ታሳትፎ ናይ ነፍስ ወከፍ ኣባል ዝንኣድ ነይሩ።
ግሉጽነት ባህልና እዩ
ኣብዚ ሰሙናት’ዚ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብኤርትራውያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ይኣክል (Enough Is Enough) መልእኽትታት፡ ኣዝዩ ዘተባብዕን፡ ዝያዳ ክተባባዕ ዘሎዎን ተበግሶ ኢዩ። ንዕቱብ መልእኽቲ ኣፍሪቃዊ ሓርበኛ ነልሶን ማንደላ ከኣ የዘኻኽረካ።
ሓርበኛ ነልሶን ማንደላ፡ ብ11 ለካቲት 1990 ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ወጽኤ ኣብ ዘስመዖ መደረ ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ፡-
We have waited too long for our freedom. We can no longer wait. Now is the time to intensify the struggle on all fronts. To relax our efforts now would be a mistake which generations to come will not be able to forgive.
‘’ንሓርነትና ኣዝዩ ብዙሕ ጊዜ ተጸቢና። ካብዚ ንላዕሊ ግና ክንጽበ ኣይንኽእልን ኢና። ንቓልስና ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ከነሐይሎ ዘሎና ሕጂ ኢዩ። ሎሚ ብቓልሲ እንዛነየሉ ግዜ ኣይኮነን። እንተተዛኒና፡ መጻኢ ወለዶታት ይቕረ ዘይብሎ ጌጋ ክንፍጽም ኢና!!

Back in February, the European Union earmarked 20 million Euros ($23 million) for a project to rebuild the road connection between the two countries. The announcement came several months after Ethiopian Prime Minister Abiy Ahmed signed a peace deal that put an end to the two decade-long Ethiopian-Eritrean territorial conflict.
"The two sides are discussing now and as soon as the preparation of the agreements is ready, then, we will sign these project agreements between Eritrea and Ethiopia. Then, we will proceed and that I think will be soon, in the coming months, in a month or two," Mulugeta said.
He specified that work on revamping road infrastructure had not yet started, with both sides anticipating to restore traffic as well as free movement of people and goods.
"For the last 20 years, [roads] have been useless, so we have to repair them and make them ready or usable again. We are preparing our roads; they are doing their part in Eritrea.
But we need assistance because we need to build roads, expand roads to make them usable by big trucks. We need to build railways and other facilities so we can have smooth people-to-people movement. Goods should come and go out," Mulugeta explained.
The diplomat added that the "involvement of any partner, not only the European Union, including the Russian government is welcome."
According to Mulugeta, such projects will be "very useful" for strengthening bilateral relations between the two countries in the wake of the years-long conflict.
In early June, Ethiopia's ruling People's Revolutionary Democratic Front (EPRDF) decided to fully accept and implement the ceasefire deal concluded by the governments of the two countries in 2000. The Algiers Agreement, as it was called, recognized some disputed areas, including the town of Badme, as Eritrea's territories. As part of the agreement, Ethiopia had to withdraw its forces from the territories that the agreement considered as Eritrean, a process it began in late 2018.
Eritrea split from Ethiopia in the early 1990s, leaving the parent nation landlocked. This sparked a war between the two countries in 1998-2000, which killed around 80,000 people.
Source=https://www.urdupoint.com/en/world/ethiopia-eritrea-to-sign-eu-sponsored-road-r-575276.html
ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ
ሓቢርና ንቃለስ እንብል፡ ናይ በበይንኻ ምዃን ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለ እንርዳእ ኢና። ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምውፋር ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወትና እውን ኣድማዒ እዩ። ብኣንጻሩ ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ሳዕቤን ከምዚ ኣብ ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ንዕዘቦ ዘለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና’ውን ዝምረጽ ኣይኮነን። እዚ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኮነ ምስራሕ ብደረጃ ሓሳብ ኣብ ኩልና ኤርትራውያን ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብ ከመይነትን ኣገባብን ኣተገባብራኡ ግና ፍልልይ ከም ዝጸንሓና ርኡይ እዩ። ናይቲ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል እምነት ግብራውዊ ውጽኢት ከይንሓፍስ ዓንቂጹና ዝጸንሐ ከኣ ንሱ እዩ።
ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስናን ዓወትናን ክንዛረብ እንከለና “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” ኢና እንብል። እንብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግብብራውነቱ’ውን ኣይኮነንዶ ንዓና፡ ንጸላእትና እውን ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንሕና ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ስለ ዝኾነ ክንዕቅቦ፡ ጸላእትና ከኣ ምስጢር ዓወትና ብምስራቕ ሓድነትና ከላሕልሑ ክንጓተት ዝጸናሕና። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንኤርትራ ናይ ምስዓር ሕልሚ ዝነበሮም ወገናት ዝጥቀምዎ ዝነበሩ ናይ ምክፍፋልና ምህዞ እንተዘኪርና’ውን ነዚ እዩ ዘዘክረና። ካብ ኣርበዓታት ጀሚሪካ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንሓንሳብ ከበሳን መታሕትን ንሓንሳብ ድማ ኣስላምን ክርስትያንን እንዳበሉ ከረሓሕቑና እሞ ሓይልና ኣዳኺሞም መፍተኦም ክገብሩና ዝሃቀንዎ ከኣ ነዚ ዘዘኻኽረና እዩ።
ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ዝኸውን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ኣብ ዘለና ኣንጻር ዘቤታዊ ጨቆንትን ጠላማትን እውን ህያው እዩ። ናይ ሎሚ ጨቋኒ ጉጅለ እውን ሓድነትና ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ወሳኒ ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ፡ ሓቢርና ኣንጻሩ ንከይንቃለስ ክሰርሕ ርዱእ እዩ። ደገፍቱን ተቓወምቱን ተበሃሂልና ኣብ ነንሕድሕድና ክንዳኸመሉ ከኣ ድሌቱን ሕልሙን እዩ። ህግደፍ ግና ምስቶም ደገፍተይ ዝብሎም’ውን የለን። ብሰንኪ ቀልጢፍና ንተንኮላዊ ኣካይዳኡ ዘይምፍላጥና ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣዳህሊሉና እዩ። ሎሚ ግና ክሓብኦ ዝጸንሐ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ምቅላዕ ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ደለይቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤት ኤርትራውያን ዝነበረ ምርሕሓቕ ኣዝዩ ኣብ ዝተቐራረበሉ ግዜ ንርከብ ኣለና። እዚ ንዓና ነቶም ኣብ ለውጢ ንኣምንን ምእንትኡ እንቃለስን ዓብይ ፍናን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ሓቢርና ኣንጻሩ ዘይምስላፍና ከምድላዩ ክገብር ዝጸንሐ ጨቋኒ ህግዲፍ ግና ስግኣትን ስንባደ ኦኣብሉሉ ኣሎ። ስለዚ ከምቲ ባዕዳውያን ጸላእትና ሓድነትና ዘሪጎም ዓቕምና ከምክኑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ፡ በታኒ ዘቤታዊ ውዲት ህግዲፍ እውን ፍሽለቱ ዘይተርፍ እዩ።
ሎሚ ንህግደፍ “ኣይናትካን ኢና” ዝብል ናይ ይኣክል መልእኽቲ ብማዕዶ ዘይኮነ፡ ካብ ማእከል ኤርትራ ይበጽሖ ኣሎ። ህግዲፍ ግና ነቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲ ኣፍልጦ ምሃብ ካብ ስዕረት ዘድሕኖ ግዲ መሲልዎ ክሓብኦን ጸልማት ተጐልቢቡ ኣንጻሩ ዝዝርጋሕ ናይ “ውረድ ካብ ስልጣንካ” ወረቓቕቲ ክኣሪ ይሓድር ኣሎ። እቲ ንህግደፍ ዝጽየፍ ኣተሓሳስባ ግና ኣብቲ ወረቕት ዘይኮነስ ኣብ ተሓሳስባ ናይቶም ነቲ ወረቕት ዘዳልዉ ስለ ዝኾነ ብጸልማት እንተኣከቦ ብቐትሪ ህያው እዩ። ሎሚ ህግዲፍ ሰሚዑ ከምዘይሰመዐ ደኣ ይሓልፎ ይህሉ እምበር፡ ኣብቲ ቀደም ናቱ ሕዛእቲ ዝመስሎ ዝነበረ ኤርትራዊ መድረኻት ሓጥያቱ፡ ገበናቱን ጸረ-ልኡላዊት ኤርትራ ክሕደቱን ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝስማዕ ዘሎ እዩ። እዚ ከኣ ንሓቀኛ ድምጺ ንግዜኡ እምበር ንሓዋሩ ምዕባስ ከምዘይከኣል ዘርኢ እዩ። “ሓቅስ ብእግራ ተሓዝካያ ብርእሳ ትወጽእ” ከም ዝበሃል።
እዚ ግና እኹል ኣይኮነን። ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ኣብ ግዜ ወጥሪ እውን ጸኒዑ ዝምክት ውዳበ የድሊ። ጽቡቕ ድሌትን ስምዒትን እንተዘይተወዲቡ ቀያሪ ሓይሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ውዳበ ክህልውን ከድምዕን ከኣ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ካብ ውልቀሰብ ክሳብ ውድባ፡ ሰልፍታትን ካልእ ምትእኽኻባት ሓላፍነት ክወስዱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓላፍነት ምውሳድ ቅሩብነት እንተልዩ ከቢድ ኣይኮነን። ምስ ካልእ ከም ናትካ ባህጊ ዘለዎ ኣካል ብሓባር ኣብ ቃልሲ ክትጽመድ እንከለኻ ካብቲ በይንኻ ክትከውን እንከለኻ ዝስመዓካ ውሱንነት ወጺእካ፡ ኣብቲ ብሓባር ዘስረሓካ ምትኳር ግድነት እዩ። ብዘይካዚ ሓቢርካ ንክትሰርሕ ክትምረሓሉ ንዝሓዝካዮ ኣዕኑድ ብጹረት፡ ምክእኣልን ተወፋይነትን ክትምእዘዘሉ ምብቃዕ ካልእ ዝኸፈል ዋጋ እዩ። እትራኸበሉ ናይ ሓባር መድረኽ ንውሱን ግዜ ጥራይ ዘገልግልን ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ንምዕዋትን ዘይኮነ፡ ነዊሕ ዝጠመተን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቀንዲ ማእከሉ ዝኾነን ክኸውን ይግበኦ። ቀንዲ መምዘኒኻ ከኣ በሃልቲ ዘይኮነስ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዝበሃል ክኸውን ይግበኦ።
ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና ብሓባር ዝሰርሓሉ መንገዲ ንምፍጣር ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ዘይመዕወቲኡ ምኽንያት ግና ሓቢርካ ምቅላስ ኣድላይነት ስለ ዘየብሉ ዘይኮነ፡ እቶም ብሓባር ክንሰርሕ ዝግበኣና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ኢና። እቲ ኣድላይነት ግድን ካብ ኮነ ከኣ እቲ ጻዕሪ’ውን ክቕጽል ግድን ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ሎሚ’ውን በብኹርናዑ ናይ “ሓቢርናንዶ ገለ ንግበር” ድምጽና ይስማዕ። ኣብቲ እንደልዮ ሰፊሕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ብሓደ ስጉምቲ ዘይክንበጽሖ ንኽእል። ክንጅምሮ ግና ናይ ግድን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመኡ ኣሕዲስዎ። ከም ናቱ ተበግሶ ምስ ዝወሰዱ ኣካላት ከኣ፡ ምስ ገሊኦም ናብ ምሉእ ሓድነት ምስ ገሊኦም ድማ ናብ ሰፊሕ ጽላል ይስጉም ኣሎ። ኣብ ሓድነት ኮነ ኣብ ጽላል ንምብጻሕ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ዝወስድ ግና ዝከኣል እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ እዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ እኹል ዘይኮነስ፡ ናብቲ እንጽበዮ ምልኣት ንምብጻሕ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ግድን ስለ ዝኾነ እቲ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ቀጻሊ እዩ። ምኽንያቱ ምስዚ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላልዎም ዘሎ ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ስግኣት ሓቢርካ ምቅላስ እንተደለኻ እትድግፎ እንተዘይደለኻ እትገድፎ ዘይኮነ፡ ግድን ክሳብ ዓወት ክንደፍኣሉ ዝገበኣና ግድነት እዩ።
Oromo regional state security authorities link the gunmen to militant wing of Oromo Liberation Front (it is also called SHANE in the region) but no parties responsible for the attack is in police custody so far.
Credit : Google map
borkena
March 19,2019
Five people are killed on Tuesday morning, around 7 a.m. local time, near Nedjo -Wellega-, in Oromo region,Western Ethiopia when gunmen opened fire on a vehicle, Oromo regional state authorities confirmed.
Two of the victims are foreigners – Japanese and an Indian – according to a report by DW Amharic service which cited sources from the area.
And all the victims are employees of a company licensed; by the Federal government of Ethiopia, to undertake copper mining in the area, reported FanaBC citing Ministry of Petroleum and Mining. Some of them were management staff.
The vehicle carrying the deceased was traveling from Mendi to Tolla Waqo when the gunmen opened fire in Humna Waqeyo, about 5 kilometers from Nedjo town.
The vehicle was in a blaze after it was hit with grenade explosion following the death of the five people who were in it. When law enforcement unites arrive in area, and it is unclear as to when they arrived, they found about 56 bullets, according to a report by FanaBC.
On Tuesday, DW Amharic cited Nedjo town communication officer, Tolera Suki, to report that bodies are in Nedjo hospital. But they could not be identified for they are disfigured, according to the report.
Oromo regional state deputy police commissioner, Retta Belachew, told Ethiopian state broadcaster, EBC, that the gunmen were armed Oromo Liberation Front (OLF) Shane group who refused to disarm through a negotiation process that involved traditional elders in the region known as Abba Geda.
A militant wing of OLF has been operating in the region for many months now. In January 2019, the group robbed 17 bank branches (both private and state banks) in a span of two days.
The Federal government deployed armed forces to the region and there were claims of improved security situation thereafter.
In May 2018, Dagonte Ethiopia cement general manager, Deep Kamra, was killed along with his secretary, among others, in Adaberga district, Oromo region, about 85 kilometers west of the capital Addis Ababa.
Prime Minister Abiy’s government has been criticized in connection with the way it handled the militant group.
Source=https://borkena.com/2019/03/19/oromo-gunmen-claimed-lives-of-three-ethiopianstwo-foreigners/
Despite making peace with its neighbors and being elected to the United Nations Human Rights Council, the Eritrean regime of Isaias Afwerki continues severely to repress his people.ጨንፈር ኖርወይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ17 መጋቢት 2019 ኣብ ከተማ ኦስሎ ስሩዕ ኣኼባ ኣቃኒዑ። ኣብዚ ብርክት ዝበሉ ኣብላት ጨንፈር ዝተሳተፉሉ ኣኼባ፤ ተሳተፍቲ ኣብቲ ቀሪቡ ዝነበረ ኣጀንዳታት ዓሚቊ ምምይያጥን ሰፊሕ ተሳትፎን ኣርእዩም።
ናይ ዕለቱ ኣጀንዳታት ውሽጣዊ ሰብኣዊ ጸጋታት ጨንፈር ከመይ ገርና ነስርሓዮን ነሐይሎን ዝብልን፣ ንዓወት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ኣብ ጎድኒ ኣሰናዳኢት ሽማገለ ጉባኤን ኣብ ጎድኒ መሪሕነት ሰልፍን ኰና እንታይ ክንገብር ኣሎና ዝብሉን እዮም ነበሩ።
ኣኼበኛታት ንምሕያልን ምብርባርን ሰብኣዊ ጸጋታት ጨንፈር ኣብ ዝብል ኣጀንዳ እነካይዶ ቃልስን ምትእስሳር ሰልፊ ምስ ኣባላትን፣ ኣባላት ንሰልፊ ብዘስንቕዎን ዘገልግልዎን ኣገባብ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣባላትውን ካብ ሰልፊ ብዝረብሑሉ ማለት ጸገማቶም ኣብ ምቅላል ምትሕብባርን ኣገልግሎት ዝረኽብሉን፣ ዝመሃሩሉን ዝምዕብሉሉን ኣገባብ ክኸውን ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።
ንዓወት 3ይ ጉባኤ ሰልፊ ብዝምልከት ድማ ማዕረቲ ኣሰናዳኢት ሽማገለ ጉባኤ ዝጠልቦ ጠለባትን ዝያዳ ተወሳኺ ጨንፈራዊ ጻዕርታትን ተበግሶታትን ወሲዱ ንዓወት 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ኣበርቲዑ ክሰርሕ ከምዘለዎ ተሰማሚዕም። ነዚ ስምምዕዚ ከይወዓልካ ከይሓደርካ ግብራውነት ንምልባስ ድማ ከም ጀማሪ ግብራዊ ስጉምቲ ኩሎም ተሳተፍቲ ናይቲ ዕለተ ኣኼባ ብዓቕሞም ንዓወት 3ይ ሓድነታዊ ጉባኤ ዝውዕል ገንዘባዊ ወፈያ ኣካይዶም፣ ብርክት ዝበለ ገንዘብውን ኣዋህሊሎም።
ሓቢርና ንስራሕ ክነድምዕ፡ ሓቢርና ነድምጽ ክነስምዕ!
Last week a Dutch delegation led by Migration Minister Mark Harbers visited several camps in Libya. But his trip did not include Zintan, a detention centre with an atrocious conditions, seldom visited by international dignitaries. This information has been received from inside Zintan detention centre.

Over 700 refugees have been imprisoned in Zintan, of whom 165 refugees have been there since October 2017. The detention camp is 180 km from Tripoli. The refugees report that the situation is dire: there is little food; hygiene and their health is very poor.
It is reported that in the last five months 17 refugees detained in Zintan have died, among them one young woman who was driven to commit suicide. Most are said to have died of TB; thirteen of them were Eritrean.
The refugees say that the issue most worrying the refugees is that they have no information about their fate.
One of the refugees, has appealed for international protection. He was imprisoned in Eritrea before fleeing the country and is in real danger. His name is being kept confidential for his safety.
47 refugees have been moved from Zintan to another camp – Gharyan where they are still imprisoned. The refugees there are locked-up and held incommunicado. Four people are reported to have died in Gharyan in the last five months from TB.
The UN refugee agency has been made aware of the circumstances in which the refugees are being held. The detainees say they have tried to contact UNHCR, but with little success. The refugees are asking why the UNHCR has not visited the Zintan camp.
The plight of the Eritreans was underlined by the findings of the UN Deputy Human Rights Commissioner, Kate Gilmore. Speaking in Geneva last week she that Eritrea’s human rights record has not changed for the better since the government signed a peace agreement with Ethiopia last year, formally ending a two decades-long border conflict. Ms Gilmore was participating in a U.N. Human Rights Council interactive dialogue on the current situation in Eritrea.
Kate Gilmore said Eritrea has missed a historic opportunity because the government has not implemented urgently needed judicial, constitutional and economic reforms. She explained that the continued use of indefinite national service remains a major human rights concern.
“Conscripts continue to confront open-ended duration of service, far beyond the 18 months stipulated in law and often under abusive conditions, which may include the use of torture, sexual violence and forced labor,” she said.
Source=https://eritreahub.org/dutch-minister-misses-worst-libyan-detention-centres
ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ16 መጋቢት 2019 ፍሉይ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ ናይዚ ኣኼባ ኣቦመንበር ማእከላይ ባይቶ ብጻይ መንግስተኣብ ኣስመሮም ናይ እንኳዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ምስ ኣቕረበ፡ ብዛዕባ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳታት ሓጺር መግለጺ ኣቕሪቡ።
ማእከላይ ባይቶ ኣብዚ ኣኼባ ካብ ዝተመያየጠሎም ዛዕባታት ሓደ፡ ኣብ መስርሕ ዘሎ ሓድነት፣ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ዝምልከት ነይሩ። ባይቶ ነዚ ብዝምልከት ነቲ ኩነታት ክከታተል ብዝጸንሐ ኣካል ሰዲህኤ ሰፊሕ መብርሂ ሰሚዑ። በቲ ዝቐረበ መብርሂ መሰረት ዳርጋ ኩሉ ኣቐዲሙ ክውዳእ ዝግበኦ ስረሓት ከም ዝተኸምተአን እቲ ካብ ክልቲኡ ውድባት ዝተመዘዘ ኣካል ብዝተኣማምን ምውህሃድን ስምምዕን ይቕጽል ከም ዘሎን ገሉጹ። ባይቶ ኣብቲ ዝቐረበ መብርሂ ብዕምቆት ድሕሪ ምዝርራብ እቲ መስርሕ በቲ ዘለዎ ናህሪ ክቕጽል ዝሕግዙ ሃነጽትን ሓገዝትን ሓሳባት ኣቕሪቡ።
ብዘይካዚ መጻኢ፣ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ክልቲኡ ውድባት ዘዳሉ ዘሎ ሓባራዊ ኣሰናዳኢ ሽማግለ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝምክትውን መብርሂ ቀሪቡ። ብመሰረት መብርሂ ኣደ-መንበር ሓባራዊት ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ስረሓት ሰልስተ ንኡሳን ሽማግለታት በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ብዝርዝር ቀሪቡ። ብመሰረ ት እቲ ዝቐረበቶ መብርሂ፡ ኣብዚ እዋንዚ ናብ 3ይን ሓድነታውን ጉባኤ ዝቐርብ ንድፊ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ንዝያዳ ዘተ ናብ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ብመንገዲ ኣቦ-መንበራት ተዘርጊሑ ከም ዘሎ ተጠቒሱ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣባላት ክልቲኡ ውድባት መጻኢ ጉባኤ ንምዕዋት ኣባላት ዘሕብን ወፈያታት የካይዱ ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ብዘካይዚ ኣብ ጉባኤ ዝሳተፉ ኣካላት ንምንጻር ቅዋማዊ ዳህሳስ ኣብ ምጥንቓቕ ደረጃ በጺሑ ከም ዘሎ ተሓቢሩ። ነዚ መብርሂ ዝተኸታተለ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶን ንዘቕረቦም ኣገደስቲ ሕቶታትውን፣ ብኣባላት ኣሰናዳኢት ሽማግለ በሪህሉ። ድሕሪዚ ባይቶ እቲ መስርሕ ምድላው ጽፉፍን ዕዉት ንክኸውን ዝሕግዙ ሓሳባት ኣቕሪቡ ኣብ ምዕዋቱ ካብኡ ዝድለ ንኸበርክት ድልውነቱ ኣረጋጊጹ። መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ክሳብ ሕጂ ንዘርኣይዎ ተወፋይነት ንኢዱ እዚ ተወፋይነት ንክቕጽል ከኣ ጸዊዑ።
ኣብዚ ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ምስ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ ቀጻሊ ዘሎ ናይ ምቅርራብን ሓቢርካ ምስራሕን መስርሕ ዘለዎ ደረጃ ዝዳህሰሰ ሓበሬታዊ ጸብጻብ ሰሚዑ። በቲ ነቲ መስርሕ ብሓላፍነት ሒዘምዎ ብዘለዉ ዝቐረበ ጸብጻብ መሰረት እቲ ኣብ ዝተፈላለዩ መዳያት ሓቢርካ ንምስራሕ ተታሒዙ ዘሎ ውጥን ግዜ ብዘይምብኻን ተቐላጢፉ ንክቕጽል ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ኣተሓሳሲቡ። ከምኡ እውን ሓባራዊ ጽላል ንምምስራት ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተታሒዙ ዘሎ መደባት ብዓንተቦ ክትግበር ማእከላይ ባይቶ ሃናጺ ሓስባት ኣቕሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ማእክለይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንህልዊ ኩነታት ሃገርናን ከባቢናን ዝምልከቱ ሓበሬታትት ዳህሲሱ። በዚ ዳህሳስ መሰረት ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓደጋ ከም ዘለዉ ብምጥቃስ፡ ሃገርናን ህዝብናን ካብዚ ኣንጸላልይዎም ዘለዉ ሓደጋ ንምድሓን ኤርትራውያን ብሓባር ክሰርሑ ኣብ ዝግደድሉ ደረጃ ከም ዘለና ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ ባይቶ ኣመዝጊቡ።