ሓቢርካ ናይ ምቅላስ፡ መድረኻዊ ግድነት

2019-03-20 12:16:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2325 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓቢርና ንቃለስ እንብል፡ ናይ በበይንኻ ምዃን ኣሉታዊ ሳዕቤን ስለ እንርዳእ ኢና። ንናይ ሓባር ረብሓ ሓቢርካ ምውፋር ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ ማሕበራዊ ህይወትና እውን ኣድማዒ እዩ። ብኣንጻሩ ሓቢርካ ናይ ዘይምስራሕ ሳዕቤን ከምዚ ኣብ ቃልስና ኣንጻር ወጽዓ ንዕዘቦ ዘለና ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና’ውን ዝምረጽ ኣይኮነን። እዚ ኣገዳስነት ሓቢርካ ምቅላስ ኮነ ምስራሕ ብደረጃ ሓሳብ ኣብ ኩልና ኤርትራውያን ተቐባልነት ኣለዎ። ኣብ ከመይነትን ኣገባብን ኣተገባብራኡ ግና ፍልልይ ከም ዝጸንሓና ርኡይ እዩ። ናይቲ “ሓድነት ሓይሊ እዩ” ዝብል እምነት ግብራውዊ ውጽኢት ከይንሓፍስ ዓንቂጹና ዝጸንሐ ከኣ ንሱ እዩ።

ብዛዕባ ዝሓለፈ ተመኩሮ ቃልስናን ዓወትናን ክንዛረብ እንከለና “ምስጢር ዓወትና ሓድነትና እዩ” ኢና እንብል። እንብሎ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግብብራውነቱ’ውን ኣይኮነንዶ ንዓና፡ ንጸላእትና እውን ሓቂ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ንሕና ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ስለ ዝኾነ ክንዕቅቦ፡ ጸላእትና ከኣ ምስጢር ዓወትና ብምስራቕ ሓድነትና ከላሕልሑ ክንጓተት ዝጸናሕና። ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ንኤርትራ ናይ ምስዓር ሕልሚ ዝነበሮም ወገናት ዝጥቀምዎ  ዝነበሩ ናይ ምክፍፋልና ምህዞ እንተዘኪርና’ውን ነዚ እዩ ዘዘክረና። ካብ ኣርበዓታት ጀሚሪካ ክሳብዚ ቀረባ ግዜ ንሓንሳብ ከበሳን መታሕትን ንሓንሳብ ድማ ኣስላምን ክርስትያንን እንዳበሉ ከረሓሕቑና እሞ ሓይልና ኣዳኺሞም መፍተኦም ክገብሩና ዝሃቀንዎ ከኣ ነዚ ዘዘኻኽረና እዩ።

ሓድነትና ምስጢር ዓወትና ዝኸውን ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ባዕዳውያን ገዛእቲ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብዚ እዋንዚ ነካይዶ ኣብ ዘለና ኣንጻር ዘቤታዊ ጨቆንትን ጠላማትን እውን ህያው እዩ። ናይ ሎሚ ጨቋኒ ጉጅለ እውን ሓድነትና ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉን ዘይምቕጻሉን ወሳኒ ምዃኑ ስለ ዝግንዘብ፡ ሓቢርና ኣንጻሩ ንከይንቃለስ ክሰርሕ ርዱእ እዩ። ደገፍቱን ተቓወምቱን ተበሃሂልና ኣብ ነንሕድሕድና ክንዳኸመሉ ከኣ ድሌቱን ሕልሙን እዩ። ህግደፍ ግና ምስቶም ደገፍተይ ዝብሎም’ውን የለን።  ብሰንኪ ቀልጢፍና ንተንኮላዊ ኣካይዳኡ ዘይምፍላጥና ከኣ ንነዊሕ ዓመታት ኣዳህሊሉና እዩ። ሎሚ ግና ክሓብኦ ዝጸንሐ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ምቅላዕ ተወሲኽዎ፡ ኣብ መንጎ ደለይቲ ሰላም፡ ዲሞክራስን ዕቤት ኤርትራውያን ዝነበረ ምርሕሓቕ ኣዝዩ ኣብ ዝተቐራረበሉ ግዜ ንርከብ ኣለና። እዚ ንዓና ነቶም ኣብ ለውጢ ንኣምንን ምእንትኡ እንቃለስን ዓብይ ፍናን ክኸውን እንከሎ፡ ኣብቲ ብሰንኪ ሓቢርና ኣንጻሩ ዘይምስላፍና ከምድላዩ ክገብር ዝጸንሐ ጨቋኒ ህግዲፍ ግና ስግኣትን ስንባደ ኦኣብሉሉ ኣሎ። ስለዚ ከምቲ ባዕዳውያን ጸላእትና ሓድነትና ዘሪጎም ዓቕምና ከምክኑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ፡ በታኒ ዘቤታዊ ውዲት ህግዲፍ እውን ፍሽለቱ ዘይተርፍ  እዩ።

ሎሚ ንህግደፍ “ኣይናትካን ኢና” ዝብል ናይ ይኣክል መልእኽቲ ብማዕዶ ዘይኮነ፡ ካብ ማእከል ኤርትራ ይበጽሖ ኣሎ። ህግዲፍ ግና ነቲ ኣንጻሩ ዝካየድ ቃልሲ ኣፍልጦ ምሃብ ካብ ስዕረት ዘድሕኖ ግዲ መሲልዎ ክሓብኦን ጸልማት ተጐልቢቡ ኣንጻሩ ዝዝርጋሕ ናይ “ውረድ ካብ ስልጣንካ” ወረቓቕቲ ክኣሪ ይሓድር ኣሎ። እቲ ንህግደፍ ዝጽየፍ ኣተሓሳስባ ግና ኣብቲ ወረቕት ዘይኮነስ ኣብ ተሓሳስባ ናይቶም ነቲ ወረቕት ዘዳልዉ ስለ ዝኾነ ብጸልማት እንተኣከቦ ብቐትሪ ህያው እዩ። ሎሚ ህግዲፍ ሰሚዑ ከምዘይሰመዐ ደኣ ይሓልፎ ይህሉ እምበር፡ ኣብቲ ቀደም ናቱ ሕዛእቲ ዝመስሎ ዝነበረ ኤርትራዊ መድረኻት ሓጥያቱ፡ ገበናቱን ጸረ-ልኡላዊት ኤርትራ ክሕደቱን ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዝስማዕ ዘሎ እዩ። እዚ ከኣ ንሓቀኛ ድምጺ ንግዜኡ እምበር ንሓዋሩ ምዕባስ ከምዘይከኣል ዘርኢ እዩ። “ሓቅስ ብእግራ ተሓዝካያ ብርእሳ ትወጽእ” ከም ዝበሃል።

እዚ ግና እኹል ኣይኮነን። ንድሕሪት ዘይምለስ፡ ኣብ ግዜ ወጥሪ እውን ጸኒዑ ዝምክት ውዳበ የድሊ። ጽቡቕ ድሌትን ስምዒትን እንተዘይተወዲቡ ቀያሪ ሓይሊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። እዚ ውዳበ ክህልውን ከድምዕን ከኣ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለዎም ኣካላት ካብ ውልቀሰብ ክሳብ ውድባ፡ ሰልፍታትን ካልእ ምትእኽኻባት ሓላፍነት ክወስዱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ሓላፍነት ምውሳድ ቅሩብነት እንተልዩ ከቢድ ኣይኮነን። ምስ ካልእ ከም ናትካ ባህጊ ዘለዎ ኣካል ብሓባር ኣብ ቃልሲ ክትጽመድ እንከለኻ ካብቲ በይንኻ ክትከውን እንከለኻ ዝስመዓካ ውሱንነት ወጺእካ፡ ኣብቲ ብሓባር ዘስረሓካ ምትኳር ግድነት እዩ። ብዘይካዚ ሓቢርካ ንክትሰርሕ ክትምረሓሉ ንዝሓዝካዮ ኣዕኑድ ብጹረት፡ ምክእኣልን ተወፋይነትን ክትምእዘዘሉ ምብቃዕ ካልእ ዝኸፈል ዋጋ እዩ። እትራኸበሉ ናይ ሓባር መድረኽ  ንውሱን ግዜ ጥራይ ዘገልግልን  ዘይመሰረታዊ ጉዳያት ንምዕዋትን ዘይኮነ፡ ነዊሕ ዝጠመተን ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ቀንዲ ማእከሉ ዝኾነን ክኸውን ይግበኦ። ቀንዲ መምዘኒኻ ከኣ በሃልቲ ዘይኮነስ፡ ትሕዝቶ ናይቲ ዝበሃል ክኸውን ይግበኦ።

ብመንጽር እዚ ደንበ ተቓውሞና ብሓባር ዝሰርሓሉ መንገዲ ንምፍጣር ክሳብ ሕጂ ዘካየድናዮ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። ዘይመዕወቲኡ ምኽንያት ግና ሓቢርካ ምቅላስ ኣድላይነት ስለ ዘየብሉ ዘይኮነ፡ እቶም ብሓባር ክንሰርሕ ዝግበኣና ሰለ ዘይበቓዕናዮ ኢና። እቲ ኣድላይነት ግድን ካብ ኮነ ከኣ እቲ ጻዕሪ’ውን ክቕጽል ግድን ስለ ዝኾነ፡ እነሆ ሎሚ’ውን በብኹርናዑ ናይ “ሓቢርናንዶ ገለ ንግበር” ድምጽና ይስማዕ። ኣብቲ እንደልዮ ሰፊሕ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ብሓደ ስጉምቲ ዘይክንበጽሖ ንኽእል። ክንጅምሮ ግና ናይ ግድን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ እማመኡ ኣሕዲስዎ። ከም ናቱ ተበግሶ ምስ ዝወሰዱ ኣካላት ከኣ፡ ምስ ገሊኦም ናብ ምሉእ ሓድነት ምስ ገሊኦም ድማ ናብ ሰፊሕ ጽላል ይስጉም ኣሎ። ኣብ ሓድነት ኮነ ኣብ ጽላል ንምብጻሕ ከቢድ ጻዕርን ግዜን ዝወስድ ግና ዝከኣል እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ እዩ። እዚ ሒዝናዮ ዘለና ጉዕዞ እኹል ዘይኮነስ፡ ናብቲ እንጽበዮ ምልኣት ንምብጻሕ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ግድን ስለ ዝኾነ እቲ ናይ እንካን ሃባን መስርሕ ቀጻሊ እዩ። ምኽንያቱ ምስዚ ሎሚ ንህዝብናን ሃገርናን ዘንጸላልዎም ዘሎ ብዙሕ መልከዓት ዘለዎ ስግኣት ሓቢርካ ምቅላስ እንተደለኻ እትድግፎ እንተዘይደለኻ እትገድፎ ዘይኮነ፡ ግድን ክሳብ ዓወት ክንደፍኣሉ ዝገበኣና ግድነት እዩ።

Last modified on Wednesday, 20 March 2019 13:21