ዓወት ደቂ-ኣንስቲዮ፡ ዓወት መላእ ሕብረተሰብ እዩ

2019-03-07 20:52:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2429 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እንዝከረሉ ግዜ ንርከብ ኣለና። ኣብ ኣመዓባብላ እዛ ዕለት ካብ 1909 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ጾታዊ ወጽዓ ዘንቀሎ ምልዕዓል ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝጀመረን ድሕሪ ሓደ ዓመት ድማ ኣብ ከተማ ኮፐንሃገን ኣስታት 100 ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋሉ ብዛዕባ ወጽዓአን ዝዝቲ ኮንፈረንስ ከም ዝተኻየደ ይፍለጥ። ድሕሪዚ ብ1911 ኣብ 19 መጋቢት ኣብ ሃገራት ኦስትሪያ፡ ደንማርክ፡ ጀርመንን ስዊዘርላንድን ዝያዳ ሓደ ሚልዮን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዝተሳተፍሉ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም ዝተኸየደ፡ ታሪኽ ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ይሕብር። እዚ ምንቅስቓስ ደቂ ኣንስቶዮ ኣብ 1913-14 ቀዳማይ ውግእ ዓለም ጠጠው ንክብል ግደ ከም ዝነበሮን፡ ኣብ ኤርትራዊ ሜዳ ካብ 1975 ጀሚሩ ድማ ብቀዋምነት ኣብ 8 መጋቢት ብደረጃ ይኽበርን ይዝከርን ከም ዘሎ ይፍለጥ። ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኣቐዲሙ ብ1945 ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዘውሕስ ቻርተር ኣጽዲቑ።

እነሆ ናይ 2019 ዓለም ለኻዊ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ 8 መጋቢት ከኣ “ብማዕርነት ምሕሳብ፡ ብልሓት ምምዕባልን ንለውጢ ምዕጣቕን” ብዝብል ቴማ ይዝከር ኣሎ። ብዙሓት ከም ዝሰማምዕሉ ደቂ ኣንስትዮ ማዕረ ክፋል ሕብረተሰብ ኣብ ልዕሊ ምዃነን፡ ጓለንስተይቲ መሰረት ሕብረተሰብ ስለ ዝኾነት ናታ ዓወት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ዓወት እዩ። ምስዚ ኩሉ ማዕረ ተሳትፎን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ ብኣዋጅ ዘይኮነስ ብግብራዊ ቃልሲ ከም ዝረጋገጽ ተመኩሮና ይምህረና። እቲ ንማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ቃልሲ ከኣ እንተላይ ብተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብ እምበር ብናተን ድሩት ቃልስን ጻዕርን ክረጋገጽ ጥራሕ ከምዘይክእል ካልእ ካብ ተመኩሮ ዘረጋግጽናዮ ሓቂ እዩ።

ኣብ ኩነታት ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ክንመጽእ እንከለና፡ ብሓፈሻ ኣብ ኩሉ ህይወት፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ንኹሉ ጸገማት ክኢለን፡ ንካለኦት ደቂ ኣንስትዮ’ውን ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ኣብነት ከም ዝነበራ ምስኩር እዩ። ነዚ ኩነታት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ክንመዝኖ እንከላን ግና፡ ናብ ካልእ ጫፍ ከይዱ እተን ዝያዳ ዝተበደላን ምስ ተሳትፎአን ኣብ ቃልሲ ዘይመጣጠን መነባብሮ ዘሕልፋን ኮይነን ኣለዋ። መላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባርነት ህግደፍ ኣብ ዝሃለወሉ፡ ደቂ ኣንስትዮ በይነን  ከምዘይርህወን’ኳ ፍሉጥ እንተኾነ፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ኣደነት ትዕድልተን ተወሲኽዎ፡ ናታተን ወጽዓ ዝገደደ ከም ዝኸውን ብብዙሕ ኣብነታት ምርግጋጹ ዝከኣል እዩ።

8 መጋቢት ደቂ ኣንስትዮ ዝሓለፈ ወጽዓአን ንከይርሳዕ ዝዝክራሉ እምበር፡ ሕሉፍ ናይ ክሳብ ሕጂ ወጽዓአን ምዝርዛር ከም ቀንዲ ኣጀንዳአን ዝወስዳሉ ክኸውን ኣይግበኦን። ብኣንጻሩ ናይ ዝሓለፈ እሱራት ከይኮና መጻኢ ናብ ብሩህ ማዕረ ተሳተፍነትን ተጠቃምነትን ዝመርሕ መንገዲ ዘማዕድዋሉ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ብጽሒት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ቃልሲ ምእንቲ ማዕርነት ደቂ ኣንስትዮ ኣነኣኢስካ ዝረአ’ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ወሳኒ ግደ ናይ ደቂ ኣንስትዮ እዩ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራዊ ደንበ ተቓውሞና፡ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ከምቲ ዝድለ ዘይምህላዉ ከም ቀንዲ ኣሻቓሊ ካብ ዝውሰድ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ። ነዚ ሻቕሎትዚ ንምፍዋስ ከኣ ዝተፈላለዩ ወገናት ከም ቀንዲ ዕማሞም ይወስድዎ ኣለዉ። ብመንጽር እዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ንጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ነብሱ ብዝኸኣለ ቤት ጽሕፈት ኣብ ርእሲ ምቛሙ ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ “ደቂ ኣንስትዮ መሰለን ብሕጊ ተሓልዩ፡ ብግብሪ ኣብ ኵሉ ህይወት ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ማዕረ ተሳትፎ ከምዝህልወን ንምግባር፡ ከይተሓለለ ክሰርሕ እዩ።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ ንረኽቦ። እንተኾነ እዚ መበገስን መርኣያ ድልዉነቱ ንማዕረ ተሳታፍነትን ተጠቃምነትን ደቂ ኣንስትዮ እምበር፡ ጌና ብዙሕ ቃልሲ ከም ዝጽበዮ ይኣምንን ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ንምዕዋቱን ዘለዎ ቅሩብነት  የረጋግጽን።

መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ከም ዝኾነ ተርእዮ ብእዋናዊ ምዕባለ ክጽሎ ባህርያዊ እዩ። በምንጽር’ዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ዓመትዚ ዘቃልሕኦ ቴማ፡ ኣብ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን ዘትከለ፡ ነቲ ኣብ ወትሃደራዊ መደበራት ኤርትራ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞ ናብ ስደትን ዝፈስስ ዘሎ ንብዓት ኣሓተን ንምሕባስ፡ ዝዓለመ ክኸውን ይግበኦ። ኣብዚ እዋንዚ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ፡ ዝያዳ ዝሐለፉ ዓመታት ብጸረ ህዝቢ ተግባራትን ጥልመትን ህግደፍን መራሒኡ ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ኣብ ኣዝዩ ዘማረረሉ ኢና ንርከብ ዘለና። ህዝብና ክንድቲ መረርኡ ኣንጻር ወጽዓ ይለዓዓል ምህላዉ ከኣ ተስፋ ዝህብ እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ነዚ ኣብ ግምት ከእትወኦ ይግበአን። ደቂ ኣንስትዮ ጾታዊ ተጽዕኖ ስዒረን ማዕረ ተሳተፍትን ተጠቀምትን ንክኾና ቀንዲ መሳርሒአን ሓድነት ምድልዳል ምዃኑ ኣሚነን ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን፡ ብሰንኪ ዘይመሰረታዊ ምኽንያታት ዝተረሓሓቐ ዓቕመን ናብ ሓደ ዘምጸኣሉ መንገዲ ክፈጥራ ይግበአን። ብዘይካዚ ቃልሰን  ብዘይተሳተፎ ደቂ ተባዕትዮ ክዕወት ከምዘይክእል ተረዲአን፡ ደቂ ተባዕትዮ መተሃላልኽተን ዘይኮኑ ተደጋገፍተን ምዃኖም ተገንዚበን ነዚ ዝብቀዐን ኣገባብ ክሕዛ ከድልየን እዩ።  ኤርትራውያን ደቂ ተባዕትዮ እውን ዓወት ጓለንስተይ ዓወት መላእ ሕብረተሰብ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣብ ጐነን ክስለፉ ይግበኦም።

8 መጋቢት መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ንዘለኣለም ትንበር!

Last modified on Thursday, 07 March 2019 21:58