ኤርትራ ድሕሪ 2ይ ውግእ ዓለም ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ጸኒሐን፡ ናጽነተን ዓቂበን ሃገርነተን ዘውሓሳ ሃገራት ዘይትኾነሉ ቅቡል ምኽንያት ኣይነበረን። እንተኾነ በቲ ሓደ ወገን ናይ ኤርትራ ምቹእ ስትራተጅካዊ ኣቀማምጣ ብሂጎም፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ናይ ነዊሕ ግዜ ዝምድና ክኸስሩ ስለ ዘይደለዩ ሓያላት ተረባሕቲ ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ከም እትቑረን ገይረምዋ።
እቲ ብምቑራን ብረቂቕ ዝተቓነየ መስርሕ ምጉባጥ፡ ብጥበብ ዝተታሕዘ ብቐጥታ ዘይኮነ ብተዓጻጻፊ ሜላታት ዝተፈጸመ’ዩ ነይሩ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ናጻ ህዝብን ሃገርን ናይ ምዃን ምርጫ ተነጺጉ። ንይምሰል መዳህለልን ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ንምዝሕሓልን ረፈረንደም ተኻይዱ። እቲ ረፈረንዱም ከም ቀጻሊ ፍታሕ ዝተወስደ ዘይኮነ ናብቲ ንኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ናይ ምግባራ ሸቶ ከም መሰጋገሪ ዝተመርጸ ጥበብ ከም ዝነበረ ኣብቲ ደሓር ብዝተወስደ ናይ ትሕሰት ስጉምቲ ተረጋጊጹ እዩ። እቲ ጉሒላ መስርሕ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝደልደለሉ ከም ዘይትግበር ዝተረድኡ ናይ ሽዑ በሃግቲ ኤርትራ ምልሕላሕ ሓደነት ህዝቢ ኤርትራ ከም ቀንዲ ወሲደም ክሰርሕሉ ፈቲኖም። ኣብ ምትግባሩ ከኣ ሃይማኖት፡ ኣውራጃውን ዝኣመሰሉን ስምዒታት ከም መተፋነኒ ተጠቒሞም፡ ጸረ ሓድነት መፈንጥርያታት ኣጸዊዶም። መጻወድያታቶም ግና ግዝያዊ እምበር፡ ከምቲ ዝተጸበይዎ ቀጻሊ ኣይኮነሎምን።
ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሽዑ ምስተጠናነገ እቲ ናይ ክልቲአን ምጽልላዉ ኣየቋረጸን። ብዛዕባ ኤርትራ ክትመዝን እንከለኻ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትንካፍ ኣይተርፍን። ጉዳይ ኢትዮጵያ ክትድህስስ እንከለኻውን ከምኡ ጉዳይ ኤርትራ ይተናኸፍ። ኣብዚ እዋንዚ ዝኾነ ነገር “ገልጠም” ክብል እንከሎ፡ እቲ ቀቢጹ ዝደቀሰ ዝመስል ኢትዮጵያዊ ባህግን ህርፋንን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተዓጽወ መዝገብ ክነሱ ፈኸም ይብል እዩ። እቲ ንዝህቢ ኤርትራ ከፋፊልካ ኣብ ሕድሕዱ ናይ ምትፍናኑ ሕማም እውን ወትሩ ዝድገስ ሕዱር ሕማም እምበር ተስፋ ኣይቆረጸን። እቲ ኣብዚ እዋንዚ’ውን ሓሓሊፉ ዝስማዕ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ናጽነቱን ናይቲ ቃልሱ ሰማእታትን ናይ ምንእኣስን ምርኻስን ስምዒታት ናብ ዝተወደበ ደረጃ ንምድያቡ ዝግበር ናይ ቀደም ናፈቕቲ ምንብሃቘ ናይዚ መርኣያ እዩ።
ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ሓያል ምውጣጥ ዘስዓበ፡ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕራፍ ተኸፊቱ። እዚ ሓድሽ ምዕራፍ ብዙሓት ኢትዮጵያዊ ኣጀንዳታት ኣግሂዱ ክሳብ ሕጂ’ውን ጋና ቃልቃል ዝብል ዘሎ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ከይተደረተ ናብ ኤርትራ እውን ብኽንድቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ’ኳ እንተዘይኮነ ጽልዋ ኣሕዲሩ’ዩ። እቲ ድሕሪ ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጠጠው ምባሉ ንኣስታት 20 ዓመታት ኣብ ኩነታት “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኮይኑ ኣንጻር ኢትዮጵያ ክኮራበብን ቀንዲ ተሓላቒ ልኡላውነት ኤርትራ መሲሉ ክቐርብን ዝጸንሐ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ብድሕሪቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክጥጃእ ዝጸንሐ ማዕበል ስለ ዝነበረ፡ ነቶም ነቲ ኩነታት ክከታተልዎ ዘይጸንሑ ወገናት ሃንደበት ብዝኾኖም ቅልጣፈ ልኡኻት ኢትዮጵያ ተቐቢሉ ንሱ ከኣ ቀልጢፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ።
ኢሳይስ ናብ ኢትዮጵያ ኣጋይሻኡ ንቡር ኣይነበሮን። ነቲ ዝተኸተሎ ኣገባብ ብጽሞና ክትመዝኖ እንከለኻ፡ ነቲ ብመስዋእቲ ጀጋኑ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ሃገረ-ኤርትራን ሕቡን ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕን ነቲ ታሪኽ ኮይኑ ፋይሉ ዝተዓጸወ፡ ናይ ግዳም ሓይልታት ህርፋን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘለዓዕልን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰድዎ ዓመጸኛ ቅዲ ዘዘኻኽርን እውን ነይሩ። ከምቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ውዕል ክፈርስ እንከሎ ሳዕቤኑ ዘይተረድኡ በሃግትን ሃረፍትን ኤርትራ ዘካይድዎ ዳንኬራ፡ በቲ ናይ ቅድሚ 2ተ ዓመታት መገሻ ኢሳያስ ናብ ኣዲስ ኣበባ እውን “ኣይበልናንዶ ኤርትራ ካብ ኣዲኣ ኢትዮጵያ ተፈልያ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ፡ ኢሳያስ ንዝበደላ ኢትዮጵያ ክኽሕስን ይቕረታ ክሓትትን ምምጻኡ ዘንእዶ’ዩ….… ወዘተ” ዝብሉ ሰባት ኣብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ነይሮም። ብዘይካ ዓጀውጀው ንጹርነት ዘይነበሮ፡ መደረታትን ዘይውርዙይ ኣካላዊ ምንቅስቓሳትን ኢሳያስ እውን ኢትዮጵያውያን ከምኡ ኢሎም ክግምቱ ዘተባብዕ እዩ ነይሩ። ንኣብነት ብክልተ ኢዱ ኣፍልቡ እንዳወቕዑ ሓጐሱ ምግላጹ። እቶም ኤርትራ ናይቲ ሓቦኛ ህዝባ ክንሳ፡ ቀደም ኣብ ናይ ግዳም ሓይሊ፡ ሎሚ ከኣ ኣብ ኢሳያስ ተኣማሚኖም “ኤርትራ ኣካል ኢትዮጵያ ክትከውን’ያ” ኢሎም ተስፋ ዘሕደሩ ብፍላይ ነቶም ፊደል ዝቖጸሩ ዘየገምቶም ኣይነበረን።
ኣብዚ ልኡላውነት ኤርትራን ክብሪ ህዝባን ናይ ምዕቃብ ብደሆ ኣፍጢጡ ቅድሚት ዝመጸሉ ወሳኒ ግዜ፡ ከምቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ህልዊ ኩነታት መዚኑ “ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ብምእታው፡ ነቲ ኣብ መንጐ ክልላትን ብሄራትን ኢትዮጵያ ዝተኸስተ ግርጭታት ንምብላሕ ዝኽተሎ ዘሎ ሻራዊ ፖሊሲ ጕባኤ ኰኒኑ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ምስ ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ዝገብሮ ዘሎ ስዉር ውዕላትን ስምምዓትን ንዝሓለፍናዮ መሪር ተመኵሮ ዝደግም ከይከውን ስግኣት ከምዘለዎ ጕባኤ መዚኑ።” ዝበሎ፡ ኣብ ፖሊሲ ዝተሰረተ መርገጽካ ምንጻር ኣገዳሲ እዩ። እዚ ንጹር መርገጽ ብሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ፖለቲካዊ ሓይልታቱን ብዝተቓነየ ውሁድ ግብራዊ ስጉምቲ እንተዘይተሰንዩ ግና፡ ወዮ ድሕሪ ሕጂ ኣይምለስ ዝበልናዮ ተደጊሱ ኤርትራ ኣብ ኢድ ናይ ግዳም በሃግታን ሃረፍታን ከምዘይትወድቕ መረጋገጺ የብልናን። ሓይልን ዓመጽን ሕጊ ካብ ዝኾነሉ ዓለማዊ ኩነታት ከምዘይወጻእና ምዝካር ከኣ ከድልየና እዩ።
ዲክታተር ኢሳያስ ኤርትራ ኣብ ትሕቲኡ ካብቲ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ዝብል ዓለም ዝሃበታ ስም ወጺኣ፡ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ “ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ምሉእ ዓለም ዝፈለጦን ዝኣመነሉን ጕዳይ ኢዩ።” ካብ ተባህለት ልቓሑ ንምኽፋል ንኤርትራ ኣብ ሓደጋ ካብ ናይ ምውዳቕ ተግባሩ ኣይክምለስን እዩ። እዚ ጥልመቱ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ንገሌና ደኣ ተሓቢኡና ጸኒሑ’ምበር፡ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ ኢሳያስ ካብ ቅድም ናብ ኢትዮጵያ የቋምት ከም ዝነበረ ዝነግሩና ዘለዉ ምዃኑ ምስትብሃሉ ጠቓሚ እዩ። ተደጋጋሚ ዝቐርብ ምስክርነት ሻለቓ ዳዊት ወልደጊርጊስ ነዚ ኣብነት እዩ።
ሰዲህኤ፡ ኣብዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ጉባአኡ ስግኣቱ ኣብ ልዕሊ ምግላጹ ነዚ ንምግታእ ክግበር ብዛዕባ ዝግበኦ እውን “ህዝቢ ኤርትራ ከምወትሩ ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት ሃገሩ ደው ክብል 3ይን ሓድነታውን ጕባኤ ጸዊዑ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ነቶም ኣብ ጐድኒ ልዑላውነት ኤርትራ ደው ዝብሉ ኢትዮጵያውያን እናመጐሰ፤ ነቶም ንኤርትራ ዳግም ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ንኸመልስዋ ዝሕልኑን ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ኤርትራ ጣልቃ ዝኣትውን ኢዶም ከልዕሉን ንኵናት ጻሕታሪ ዝዀነ መግዛእታዊ ፖሊሲታቶምን መርገጻቶምን ዳግመ-ርእይቶ ክገብርሉን ጕባኤ ይጽውዕን የጠንቅቕን።” ዝብል ሓሳብ ኣስፊሩ እዩ።
ኣብ ዕለት 1 ነሓሰ 2020 ኣብ ጀርመን ዝርከብ ንኡስ ዞባ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ምላእ ኣባላት ጨናፍር ብመራኸቢ ብዙሓን ሰፊሕ ኣኼባ ኣካይዱ። ኣቦ ወንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቶ ተስፋማርያም ክብራኣብ፡ ብኣጋጣሚ ኣብዚ ማዓልታት ይባዓል ንዘሎ ዒድ ኣልኣድሓ ኣልሙባርክ ምኽንያት ብምግባር፡ ንመላእ ኣመንቲ ምስልምና ብሓፈሻ፡ ንኤርትራውያን ምእመናን ምስልምና ድማ ብፍላይ እንቋዕ ናብዚ ክቡር ዒድ ኣልኣድሓ ኣብጻሓኩም ኣብጽሓና ብማለት ሰናይ ምንዮቱ ኣማሓላሊፉ፡ ንኣኼበኛ ድማ ምስጋናኡ ኣቕሪቡ።
ኣቦ ወንበር ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኣርትራ ድሕሪ ሓጺር መእተዊ ምግባር ኣጀንዳ ኣኼባ ብቀደም ተኸትል ድሕሪ ምሕባር፡ ላዕሎዎት ኣማራርሓ ኣባላት ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዞባ ኤውሮጳ ኣካል ናይቲ ኣኼባ ክኾኑ ዕዱማት ብምንባሮም መድረኽ ንዓኣቶም ኣረከበ፡፡ ብምቕጻል ንቀዳማይቲ ዕድምቲ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወይዘሮ ትዕበ ተኪኤ መድረኽ ብምርካብ ንውሽጣዊ ጉዳይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኤውሮጳ ብሕጽር ዝበለ ድሕሪ ምሕባራ፡ ኣብቲ ቀንዲ እዋናዊ ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ደምበ ተቓውሞ ዘማሓላልፎ ብዙሕ ዓንቀጻት ዝሓዘ ፖሎቲካዊ ወሳኔታት ናብ ኩሉ ኣባል ሕብረተሰብ ኤርትራ ንኽበጽሕ ተራ ናይ ኩሉ ግዱስ ዜጋ ዝተወደበን ዘይተወደበን ዝምልከት ሰለዝኾነ ኣበርቲዕካ ክስርሓሉ ከምዘሎዎ መልእኽታ ኣማሓላሊፋ፡፡ ብተወሳኺ ኣቦ ወንበር ዞባ ኤውሮጳ ኣቶ ኢሳቅ ወልደማርያም ዘማሓላለፎ መልእኽቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ጨናፍር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኣርትራ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ድሕሪ ምሕባር፡ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ በጺሕዎ ዘሎ ኣዎንታዊ ምዕብልናን ብስፍሕ ዝበለን ዑምቀት ዝመልኦን ካብ ዝሓለፈ ግዜ ዝያዳ ተቢዕካ ክትሰርሕ ዝዕድም ጽቡቕ መንፈስን ዓቢ ተስፋ ዝመልኦን ብምንባሩ ኣኼበኛ ጽቡቅ ጌሩ አስሚርሉ፡፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ነዚ እዋናዊ ንምዕዋት ዝካኣል ዘበል ክፍጽም ድልውነቱ ኣረጋጊጹ።
ድሕሪ እዚ ኣብቲ ብቕደም ተኸትል ካብ ዝተሰርዓ ኣጀንዳታት፡ ጉዳይ ሰፊሕ በዓል ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት ኮይኑ፡ ልክዕ ኣብዚ ኣኼባ ዝካየደሉ ዕለት ቀዳማይ ሰሚን ናይ ወርሒ ነሓሰ ይብዓል ስለዝነበረ ኣብ መንፈስ ነብሲ ወከፍ ኣባል ናቱ ፍሉይ ስሚዒትን ትዝታዊ ቦታን ዝነበራ ዕለተ ኣኼባ ኮይና ተረኺባ። ኣብ ሕሉፍ ተመኩሮ ፈስቲቫላት ኤርትራ ብሓፈሻ ፈስቲቫል ፍራንክፎርት ድማ ብፍላይ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ፖለቲካዊ ዲፕሎማስያውን ኣስተዋጽኣኡ ዓብዪ ተራ ካብዝነበሮም መድረካት ብምንባሩ በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኣብ ማሕበራውን ባህላውን መዳይውን ነቲ ንዓመታት ተፈላልዩ ዝጸንሔ ዜጋታት፡ መተዓብይቲ። መቓልስቲ፡ ካብ ኤውሮጳ ሓሊፉ፡ ርሑቕ ኣወስትራልያን ኣመሪኻን ካብዝነብሩ ኣራኺቡ ዝምድናታቶም ክዕቀቡን ክቕጽሉን ዝነበሮ ስነ ኣእምራውን ማሕበራውን ግደ ዝዝንጋዕ ብዘይምንባሩ እዩ።
ካብዚ ሓሊፉ፡ ብሰሪ ለበዳዊ ሕማም ኮቪድ-19 ናይ 2020 ፈስቲቫል ኤርትራ ፍራንክፎርት እዃ እንተተጎናደበ፣ ብሰናይ ድልየትን ተበግሶን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምድላዋቱ ብደረጃ መላእ ኣባላት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ጀርመን ክዳሎን ክዕመምን ምውሳኑ ከይዘከርካ ዝሕለፍ ኣይነበረ። ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል ድማያ ሽማግለ ምውህሃድ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣብ ጀርመን ምውንዛፍ ፈስቲቭል 2020 ብጽሒፍ ንህዝቢ ዝገለጸት። ብኩራት ፈስቲቫል 2020 ድማ ንድሕነት ህዝብናን ህዝቢ ንነብረሉ ሃገራትን ምዃኑ ተገንዚብና፡ ሓደጋታት ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብዘኽትመሉ እዋን፡ ብሓድሽ መንፈስን መደባትን ፈስቲቫላት ኮነ ካልኦት መደባት ናይ ቃልሲ ንምዕዋት ከቶ ኣይክንሕለልን ኢና። ስለዚ ድማ እዩ ኣኼበኛ ንኡስ ዞባ ጀርመን ንፈስቲቫል 2020 ብመራኸቢ ብዙሓን ተዘክሮታቱ ብምግላጽ ዘብዓላን ዝዘከራን።
በዚ መሰረት፡ ኹሉቲ ፈስቲቫል ክግበር ትጽቢት ኣምቢሩ ዝጸንሔ ሕበረተሰብና ነዚ መልእኽቲዚ ብምግንዛብ፣ ከምቲ ዝተመደበላን ትጽቢት ተጌሩላ ዝጸንሓን ኣብ መጻኢ ክትግብር ኩልሻዕ ዱሉዋት ከምዘሎናን ግን በዚ ኣጋጣሚ ኣኼበኛታት መልእኽቶም ኣማሓላሊፎም።
ድሕሪ ዝኽሪ ፈስቲቫል ኣብዝተረፈ ኣጀንዳታት ሓደ ብሓደ ብምዝታይ ኣኼባ ብስፍሕ ዝበለ ርእቶታት ምህብታምን ለበዋታት ምስማዕን፡ ነዚ ንዓለምና ናብ ከቢድ ቅልውላው የእትዩ ዘሎ ሕማም ኮሮና ቫይረስ (Covid 19 ) ከምቲ ብሰብ ሞያ ዝወሃበና መምርሕን ኣስተምህሮን እናተመራሕና ንነብስና እናተኻላኸልና ድሕነት ሰድራቤትና ክንሕሉ ከምዘሎና በዚ ኣጋጣሚዚ ብደረጃ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ መልእኽቲ ብምትሕልላፍ፡ ኣኼባ ብዝኽረ ሰማእታት ተዛዚሙ፡፡
ንቕዋማዊ ምሕደራን ዲሞክራስን ልምዓትን!
ውድቀት ንዲክታቶርያዊ ስርኣት!
ዕለት 2.8.2020
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ይኣክል ኮይኑ እቲ ኣምር ንኣርእስተይ ተሞርኲሰ መልእኽተይ ከመሓላልፍ ሕልናይ ይድርኸኒ። ምእንቲ ሕብረተ-ሰበይን ሃገረይን ብሓፈሻ፡ ምእንቲ ክብሪ ወዲ-ሰብ ንሓቂ ተሞርኲሰ ክዛረብን ብጽሑፍ ዘሎናዮ ኣስጋኢ ኵነታትና ከመሓላልፍ እንከሎኹ፡ ከም ሰብ ሕልናዊ ዕረፍቲ ይህበኒ። እዚ ከኣ ንህዋሳተይ ነጻ ጌረ፡ ብርእሰ-ተኣማንነት በብናቶም ክዛረቦም ምኽኣለይ ናይ ሰብ መሰልን ክብርን ስለ ዘሎኒ፡ ናይ ወዲ-ሰብ ክብሪ ከኣ አዐርየ ስለ ዝፈልጥ‘የ። ስለዚ ወዲ-ሰብ ክብረ-መሰሉ ኣብዛ ዝነብረላ ሃገሩን ዓለሙን ክብሪ ናቱ ነጻነትን ሓርነትን ኣብ ነፍስወከፍ ፍጡር ወዲ-ሰብ ህዋሳት ናቱ ምስ ደሙ ዝተወሃሃደ እዩ። ነዘን ምስ ደሙ ዝተወሃሃዳ ክብሪ ናይ ወዲ-ሰብ ካብ ውልቀሰብን ኣህዛብን ሕብረተሰብን ጠቒሰየን ዘለኹ ቀንዲ ኣምራት፥ ንእአን ጠርኒፉ ዝኣልይን ሓደ ገዚፍ ኣምር ካብ ወለዶ-ንወለዶ እናኣመዓራረየን እናኣሰጋገረን ዝኸይድን፡ እቲ እንኮ ቅዋማዊ ግዝኣተ-ሕጊ ጥራሕ‘ዩ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራብን ጸሓፍን ሓደ ነገር ኣሎ ዝገርመንን ዘተሓሳስበንን፡ ድሕሪ ብግልጺ ምዝራብ፡ ኣንታ ክቡር ህዝቢ ክብረትካን ነጻነትካን ሓርነትካን እናተቐንጠጠ እንከሎ እንታይ ዘጸቢ ኣሎካ? ሃገር ናትካ ክንሳ፡ ሃገርካ ብመስዋእቲ ደም ደቅኻን ብሓፈሻ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ዝመጸት ክንሳ፡ ይኣክል፡ ቅዋም ይተርጐም፡ እሱራትና ይፈትሑ፡ ወፍሪ ባርነት ሳዋ ደው ይበል ክትብል ይግባእ። ሳዋ ብርሰት መንእሰይ ወለዶ ኣእሙራዊ ድንቍርና‘ዩ። እዚ ኣበሃህላ‘ዚ ለመና ዘይኮነስ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ልቦና ዝመልኦ ኣበሃህላ‘ዩ። እዚ ኣበሃህላ‘ዚ ኣብ ቦትኡ ኮይኑ፡ ሕጂ‘ውን ደጋጊመ ክብለካ ዝደሊ ዝኸበርካ ኤርትራዊ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ጌግኡ ዘይዕረ፡ እቕሬታ ዘይበሃለሉ፡ ህዝብን ሃገርን መንነትን ባህልን ክድምስስን ዝመጣጠር ዘሎ ሕሱም ስርዓት ስለ ዝኾነ፡ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቈላ ስለ ዝብል፡ ናይ ምድሓን ዕድል‘ውን ስለ ዘየብሉ፡ ኣብ መወዳእታ ናቱ ዕላማ ለኪመ ምጥፋእ ጥራሕ‘ዩ። እዚ ከኣ ባህሪ ወይ ባህርያት መለኽቲ (ዲክታተራውያን) እዩ። እዚ ክብል እንከለኹ፡ ንሕና ኤርትራውያን ወይ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ ከኣ፡ ነቲ ጨካን ዲክታተራዊ ባህርያቱ ኣብ ማይ ከም እንልውጦ ጥርጥር የብለይን። እዚ ከኣ ብካልእ ኣዘራርባ፡ መንእሰይ ወለዶ ምስ ይኣክል ተወሃሂዱ ሓዞ-ሓዞ ዝብለሉ ዘሎ፡ መንእሰይ ወለዶ ኣለኹ ባዕለይ ተሓበን ኤርትራዊ መንነት ይብለካሎ። እዛ ሃገር - ሃገረይ ሰብ ከም ዘለዋ አረጋግጸልካ ኣለኹ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ “ይኣክል” ነድሪ ኤርትራዊ፡ እቲ እንኮ ምርጫ ኤርትራዊ ከይወዓለ ከይሓደረ “ይኣክል” ጥራሕ ዘይኮነስ ኣልግስ ኢድካ ሃብ‘ዩ ደጋጊመ ህዝቢ ኤርትራ ዝብለካ። ነቲ ኣብ ላዕሊ ኣስፊረዮ ዘለኹ ደጋጊምካ ክትሰምዖም ከሎኻ፡ ሓደ ብሓደ ብእዝንና ዝሰማዕናዮ ብዓይንና ዝረኣናዮ፡ ኣንታ ክቡር ህዝቢ፡ እዚ ስርዓት‘ዚ ሃገርን ልዑላውነትን ነጻነትን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ዘሎን ቅልጡፍ ኣበሃህላ ጸጸኒሑ ዘንጸባርቕ ዘሎን፡ ንሽዱሽተ ሚልዮን ህዝቢ ኤርትራ ዘመልክት ሕቶ ጌሩ ዘሎ‘ዩ፡፡ እዚ ከኣ ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ስቕታኻን እምነትካን ኣንዒቑካ፤ ዘገርም! ክሳብ ክንድ‘ዚ ኤርትራዊ ብሂወትካ ከሎኻ ከም ዘየሎኻ፡ ስዉእ ወድኻ ስውእቲ እታ ክብርትን ሕፍርትን ዋዕሮ ጅግና ጓልካ ሰሚዓ ሰሚዑ፡ መቓብሮም ዘንቀጥቅጥ ዘሎ‘ዩ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ን30 ዓመታት ተቓሊስካ መስዋእቲ ከፊልካ ዘምጻእካዮ ነጻነትካን መንነትካን ባህልኻን ልዑላውነትካን ንወሎዶታት ዘሐበንካ ኢኻ። ሕጂ ድማ ዘስደምምን ዘገርምን፡ እቲ ናይ 40ታት–50ታት ክቀላቐል ክንጸባረቕ፡ ብጉልባብ ሓባራዊ ስራሕ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ ከኣ ብጉልባብ ጀኦ ፖለቲካ እናበልካ ልዑላውነትን መሬትን ሃገርን ምድፋር፡ ዳግማይ ሓውሲ መግዛእቲ ክካየድ ምሕሳብ፡ ኣነ ከም ጸሓፋይ ሓሳብ አቕርብን፡ “ ኣንቱም ትሓልሙ ናይ ሰብ ሕሰቡ፡ እንተ‘ቲ ስርዓት ናይ መወዳእታ ዕምሩ ስለ ዝኣኸለ‘ዩ፡ ንሕና ኤርትራውያን ሎሚ ከም ትማሊ ኣብ ልዑላውነትናን ሃገርናን መንነትናን ዝሓስብን ዝደናደንን መንዩ ብዘየገድስ ወይልኡ እዩ እቲ መልሲ።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ኣርእስተይ ኣስፊረዮ ዘለኹ፡ ቅደም ተኸተል ሓደ ብሓደ ኣመልኪተ ብጽሑፍ ከስፍሮ እንከለኹ እዚ ዝስዕብ ይመስል፡-
1 – “ሕጂ ኢና መራሒ ዝረኸብና”፡ ቃል-ንቓል ከም ኤርትራዊ ትሓፍር፤
2 - መስደምም ዘረባ “ኣይከሰርናን”፡ ዘገርም፡ እንታይ ማለት‘ዩ ኣይከሰርናን? ህዝቢ ኤርትራ ብሉጻት ደቁ‘ባ ከሲሩ፤ ዘገርም ንዕቀት ዕንደራ፥ ካብዚ ንደሓር እንታይ ትጽበ ኣሎኻ ህዝቢ ኤርትራ?
3 - ውልቀ መላኺ ዲክታቶር ክዛረብ ክትሰምዕ ከሎኻ መመሊሱ ዘስደምም፡ “ካብ ሕጂ ንደሓር ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፡ ስልጣነይ ንኣኻ ሂበካ ኣለኹ፡ እዚ ንቀልዓለም ኣይኮንኩን”፤
4 - ናይ‘ዚ ስርዓት እዚ‘ኳ እናሓደረ እንድዩ ዘስደምም፥ ‘‘ሕጂ ቀዳምነትና ኵነታት ኢትዮጵያ ኢና ነረጋግእ”፤ እዚ ንባዕልኻ ዘየሎኻ ከም ዘሎኻ ምምሳል ባህሪ ናይ‘ዚ ጨካን ስርዓት ስለዝኾነ፤ ኣነ ከም ጸሓፋይን ሓሳብ ኣቕራብን ኣይገርመንን‘ዩ፡ ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝረስዖ ጥራሕ‘ዩ፤
5 – “ኲናት ባድመ ናይ ዶብ ኲናት ኣይኮነን”፡ እዚ ኩሉ መስዋእቲ ንልዑላውነት ሃገርዶ ኣይኮነን? እዚ ኩሉ ለይለይ መንእሰይ ዝወደቐ ኣበይ ደኣዩ ወዲቑ? ኣንታ ክቡር ህዝቢ ኣንታ ጅግና ኤርትራዊ ነዚ ሰሚዕካ ደቂስካ ትሓድር ኣሎኻ?
6 - እቲ ዘገርም፡ “ካብ ሕጂ ንደሓር ክልተ ሃገር ወይ ህዝቢ ዝብል ዘይፈልጥ ጥራሕ እዩ”፤ እቲ መልሲ ንሕና ኤርትራውያን ሃገርን - መንነትን እንፈልጥ ክብረ ነጻነት ዘሎና ሕብረ ብሔራት ሕብረተ-ሰባት ኢና።
ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መወዳእታ ክብሎ ወይ ከመሓላልፎ ዝደሊ፡ ከም ሰብ ኣእምሮ ዝተዓደልና ወይ ዝተዓደልካ ክንስኻ ኣእምሮ ወዲ-ሰብ ከኣ ንዝኾነ ነገር ፈላልዩ ዝጥምተሉን ዝመምየሉን፡ ካብኡ ሓሊፉ‘ውን ዕድል ጸጋ ትምህርቲ ምስ ዝረክብ ምስ ልቦና ዝተሓወሶ ዝያዳ ዕምቈት ይውስኸሎም። ዝኸበርካ ወዲ-ሰብ፡ ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ከም ዘሎካ ኣይጠራጠርን። ኣነ ከም ሰብ ከማኻ ስለ ዝኾንኩ ብዙሕ ይገርመኒ። ምኽንያቱ ወዲ-ሰብ ክንስኻ፡ ሕልናኻ ከይተቐበሎ ህዋሳትካ ኣምኪንካ ምኻድ እሞ ከማኻ ሰብ ንህዋሳትካ ክቈጻጸሮም ከሎኻ ሞትዩ ክብል እንከለኹ፡ ኣብ ቅድሚ ሕብረተ-ሰብካ ናይ ክብሪ መጸውዒ ዘይብልካ፥ ኣብ ቅድሚ ወሎዶታት ሕማቕ ታሪኽ ከይትገድፍ። ልክዕ‘ዩ ኣነ ከም ሓሳብ ኣቕራቢ ይርደኣኒ‘ዩ ግዳይ ንቕሓት ከም ዝኾንካ፡ ሕጂ ግን ደጋጊምካ ተጋግየ ይቕሬታ ምባል ንሕብረተ-ሰብካ ናይ ለባማት‘ዩ። ንዝወለድካዮም ደቅኻ ኮሪዖም መረጽትን-ተመረጽትን ኮይኖም ክነብሩ፡ ስርዓት ሓላፋይ‘ዩ ህዝቢ ግን ነባሪ፡ ኤርትራዊ/ት ሓወይ ሓብተይ ደጋጊመ ለበዋይ ብትሕትና አመሓላልፍ።
ክፍላይ ተኪአ
ጀርመን
25.07.2020
ዝኾነ ይኹን ውዱብ ይኹን ዘይተወደበ ኣካል፡ ብሃይማኖት፥ ብሄር፥ ኣውራጃን ዓሌትን ተጽልዩ ኣብ ልዕሊ ካለኦት ልዕልናን ኩርዓትን ስምዒት ምስ ዘርኢ ፍትሓዊ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ርእሲዚ ናይ ፖለቲካ ሀሁን ኣፍልጦን ዘየብሉን ናይ ኣተሓሳስባን ተጽዋዋርነትን’ውን ዘይብሉን እዩ ዝኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህሪ ዘርኢ ኣካል ኣብ ውድባት፥ ማሕበራትን ውልቀሰባትን ኣይሰኣንን ኢዩ። እቶም ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዝውንኑ ባእታታት ድማ ንኣወንታዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘዕውቱ ዘይኮኑስ ቀንዲ ናይ ለውጢ ዓንቀፍቲ እዮም ዝኾኑ።
ወዲ ሰብ ብተፈጥርኡ ንመነባብሮኡ ዝኸውን መሰረታዊ ነገራት ክምእርር ፋሕተርተር ክብል ናይ ግድን ስለዝኾነ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ብሓትነትን ዓብላልነትን፡ ወይ’ውን ምስ ደቂ ሰባት ተኻፊሉን፥ ሽግር ካልኦት ከም ጸገሙ ርእዩ ፍታሕ ዘናድን ስምዒት ከሕድር ይኽእል። እቲ ናይ ዓለማዊ ወይ ምድራዊ ነገር ዝያዳ ዝዕብልል ስለዝኾነ፡ ኣብ “መን ከማይ” ወይ “ሓቢርካ ምንባር” ሕልና ካብ ክልቲኡ ሓዲኡ ክዛዙ ይኽእል። እዚ ኮይኑ እቲ፥ ደቂ ሰባት ካብ ጽልኢ ብፍቕሪ፥ ካብ ባእሲ ብዕርቂ፡ ካብ ስስዐ ብምክፍፋል፥ ካብ ውግእ ብሰላም፥ ካብ በደል ብይቕረ ዝብሉ፥ ኮታ ንደቂ ሰባት ብዘተሓቛቚፍን ሓቢርካ ዘናብርን ኣምር ክንምራሕ የድሊ።
ዓለምና ብዝተፈላለዩ ዓሌታትን፥ ሃይማኖታዊ እምነታትን፥ ቋንቋታትን ኣተሓሳባታትን ዝተመልአት ኢያ። ይኹን እምበር ወዲ ሰብ ክፍጠር እንከሎ፡ ቋንቋ ይኹን እምነት ወይ ጠባይ ዝሕብር ምልክት ሒዙ ከምዘይውለድ ኩልና እንርደኦ እዩ። ኩልና ድማ፡ ዋላ ብሕብሪ ቆርበት እንተተፈላለና፥ እቲ ሓደ ዝገብረና ናይ ክብርና ምልክት ሰብ ብምዃኑ እዩ። እታ ካልኣይቲ ድማ ካብቲ ምማቚ ኣዳራሽ ማሕጸን ወላዲት ክንወጽእ እንከለና እንህቦ ድምጺ ናይ ብኽያት ከይተረፈ ይቐጥንን ይረጉድን እምበር፡ ምልክት ናይ ሓደ ምዃና እዩ። ስለምንታይ ደኣ ኢና እዚ ዘመሳስል እናሃለወና ኣብ ሕድሕድና ክሳብ ናብ ህልቂት ዘብጽሕ ጭካኔን ናይ ኣረመነ ስራሓት እንሰርሕ? እወ! ንኣእምሮና ብመን ዓብለለ፥ ኣነነታውን ብዘይካይ ካልእ ዝፈልጥ የለን ወይ ከኣ ካልእ ናይ ብሓትነት ስምዒታት እንሰጓጉድ። እዚ ጸቢብ ምስጓድ ዝህቦ ምህርቲ እንታይ ምዃኑ ከኣ ቅድም ኣብ ሩዋንዳ፡ የመን፥ ሱርያን ሕጂ ድማ ኣብ ሊብያን ኢትዮጵያን ዝረአ ዘሎ ናይ ምዕናው ስራሕት እዩ ዝኸውን።
ብሄርን ሃይማኖታዊ እምነትን፥ ቋንቋን መብቆልን ዘባእስን ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ብጉራደ፡ እምንን፥ ካራን….. ወዘተ ንወዲ ሰብ፥ እሞ ፍጡር ከማኻ ከም ተመን ምጭፍጫፍ ዘብጽሕ። ሳዕቤኑ ክሳብ ክንድዚ ካብ ኮነ፡ ዓሌታውነትን ሃይማኖታዊ እምነትን ናይ ግልና ስለዝኾነ ነዚ ጸቢብነት ኣወጊድና ናብ ሓዲሽ ናይ ሰላም ብርሃን ዘይነማዕዱ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ምልክት ንኤርትራ’ውን ክጸልዋ ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ኢትዮጵያ መንግስትን ተቓወምትን ወይ ተወዳደርቲ፡ በቲ ካልእ ገጽ ከኣ ክልል ትግራይ ኮይኖም ኣብ ሰለስተ መደብር ሓይሊ ተመቒሎም ኣለዉ። ኩሎም ድማ ናይ ውግእ ከበሮ እዮም ዝድስቑ ዘለዉ። እዚ ጉዳይ’ዚ ካብ ዋናታቱ ንላዕሊ ዝፈልጦን ዝምልከተንን ኮይኑ ዘይኮነ፡ እቲ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ቁርቁሳት ንኤርትራ ብቐረባ ይኹን ብርሑቕ ከም ዝጸልዋ ንምእማት’የ ዝጠቕሶ ዘለኹ።
ውግእ ንዝኾነ ይኹን ሽግር ቅኑዕን ንኹሉ ዘዕግብን ፍታሕ ከምዘየምጽእ ዘረድእ ብዙሕ ተመኩሮታትን ናይ ታሪኽ መሳግብትን ኣሎና። እቲ “ቅኑዕ ህዝባዊ ምሕደራ፡ ነጻነትን ዲሞክራስን ዝሰፈኖ መንግስቲ ክምስርት እየ” ክትብል ጸኒሕካ ምልስ ኢልካ፡ ነቲ ናብ ዲሞክራሲ ዝወስድ ጐደና ስሒትካ ኣብ ናይ ጐነጽ ኣተሓሳስባ ምእታው ይረአ እዩ። እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ዘሎ ድማ ንሱ እዩ። ኣብ ክንዲ ኮፍ ኢልካ ዘለካን ዝስመዓካን ጸገም ኣብ ባይታ ዘርዚርካ ብምውራድ፡ ብምጽውዋርን ሕድገታትን ንህዝቢ ናብ ሰላማውን ሓባራውን ናብራ ኣብ ክንዲ ምምራሕ፥ “ኣነባ ኣነባ” እናተበሃሃልካ ብሄራዊ ስምዒት፡ ሃማኖታዊ እምነታትን ቋንቋታትን ከም መፈላለዪን መገራጨውን ተጠቒምካ ውልቃዊ ረብሓታትካ ንክተዕውት እናመደርካ ጥራይ ቅኑዕ ክትመስል ዘይከኣል ኢዩ።
ኣብዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ግርጭታት፡ ኢሳያስ ምስ ዶክተር ኣብይ፥ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ድማ ምስ ክልል ትግራይ ምምሕዛው፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ምስሕሓብ ኣምሓራዶ፡ ኦሮሞ፥ ወያኔዶ ደቡብ፡ እናተበሃሃሉ ንሕና ኤርትራውያን’ውን ናብቲ ናቶም ደርፊ ንኣቱ ምህላውና ኣዝዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ኤርትራውያን ንሰላሳ ዓመታት ክንቃለስ እንከለና ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ናጽነትን ኣብ ሃገርና ክሰፍንን ምስ ኣህዛብ ጐረባብትና ጣልቃ ብዘይምትእትታው ብሰላም ንምባር እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና ነቲ ዕላማ ቃልስና ስሒትና ኣብ ናይ ብሄር፡ ሃይማኖትን ቋንቋን ክንሽከል እንከለና ፖለቲካዊ ድኽነትና ዘመልክት እዩ። ኣብዚ ምስ ኢሰያስን ኣቢይን ወይ ህወሓት ምጽላእን ምፍታውን ዘይኮነ፡ “እታ ሓቂ ምስ መን ኣላ? ብኽመይከ ክትትግበር ኣለዋ?” ኢልካ ምፍታሽ እዩ እቲ ዘድሊ። ኣብዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኣብ ጓል ነገርን ዘይብሱል ፖለትካዊ ኣተሓሳስባን ዝኸይድ መናፍሕ እምበር፡ ንሰላምን ርግኣትን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዘየርብሕ ምዃኑ ብሩህ’ዩ።
ኤርትራውያን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ይኹን ኢትዮጵያውያን ኢድ ኣእታውነት ወጊድና ብስልጡንን ሰላማዊ ኣገባብን ከም ክልተ ጐረባብቲ ሃገራት ንኹልና ዘርብሕ ክንሓስብ እዩ ዝግባእ። ኤርትራ ርእሳ ኽኢላ ልኡላውነታ ዘረጋገጸት ኣብ ሕቡራት ሃገራት ካብ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ ኢያ። ኢትዮጵያውያን ተመሊሶም ብውግእ ጥሒሮም ንመሬት ኤርትራ ክጎብጡ ምስ ዝህቅኑ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ድግድጊት ተዓጢቑ ንሃገሩ ክከላኸል ምዃኑ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ። ይኹን እምበር ንሕና ኤርትራውያን ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ሓደ ክልተ ኢትዮጵያውያን ብዝብልዎ ኤርትራ ተመሊሳ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክትኣቱ እያ ዝብል ርድኢት ክህልወና ኣይግባእን። ክሳብ ክንድኡ ስግኣት እንተልዩና ኩልና፡ ነዚ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ተቐላጢፍና ክነውግዶ ሓባራዊ ሃገራዊ ቃልሲ ነዕዝዝ።
ስለዚ ስርዓት ወልቀ መላኺ ኢሰያስ ሎሚ’ውን ንሃገርና ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክቖርና ህርድግ ይብል ከምዘሎ ካብ ተረዳእና፥ ጥርናፈና ብብሄረይዶ ብሄርካ፥ ሃይማኖተይዶ ሃይማኖትካ፥ ቋንቋይዶ ቁንቋኻ እናተበሃሃልናዶ ሃገርናን ህዝብናን ክነድሕንዶ ንኽእል? ኣይንኽልን። ሃገርናን ህዝብናን ዘይኮነስ ንነፍስና’ውን ክነድሕን ኣይክንክእልን ኢና። ብጸቡብ ኣገባብ ኣወዳድባ፡ ጻባሕ ንግሆ ኣብ ኤርትራ እንዘርኦ መርዛም እሾኽ ፈርዩ ከም ዝወግኣና ኣይንዘንግዕ። ምኽንያቱ እቲ ዝንዛሕ ናይ ምፍልላይ ጐስጓስን ምውዳብን፥ እዚ ብሄር እዚ ኢዩ ተቓሊሱ ወይ እዚ ብሄር እዚ ኢዩ ተሰዊኡ፥ ወይ እውን እዚ ብሄር እዚ እዩ ስልጣን ጨቢጡ ህዝቢ ዘከላብት ዘሎ፡ ዝብሉ ናይ ጥፍኣት ምልክታት እምበር ናይ መሰል ምኽባር ኣይኮኑን። ብሄራዊ መንነትካ ይኹን እምነትካ ወይ እውን ቋንቋኻ ኣሳቢብካ ዝግበር ጸቢብ ጐስጓሳት ናይ ዘይምጽውዋር፡ ዘይምክእኣልን ሓቢርካ ምንባር ናይ ዘይምድላይን መርእያ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ውጽኢቱ ድማ ከምዚ ኣብ ከባቢና ንዕዘቦ ዘለና፡ ደሞክራሲያውነትን ሰብኣውነትን ዝጐደሎ እዩ ክኸውን ዝኽእል።
ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሰያስ፡ ካብ ቀደም ኣትሒዙ በብግዜኡ ሰለይ እናበለ ብዘጥረዮም ኰራኲሩን መገባርያታቱን ኣቢሉ ኤርትራዊ ሃገራዊነት ዘህስስ ሽርሕታት እናፈጸመ እዩ መጺኡ። ሓደ ካብቲ ዝፈጸሞ ከቢድቲ ገበናት ድማ ኤርትራ እቲ እትውከሎ ዝነበረት ሰንደቕ ዓላማ (ባንደራ)፡ ህዝባን መሬታን፡ ባሕራን ሰማያን ዘጠቓለለ ምዃኑ ርዱእ ክነሱ ድሕሪ ናጽነት ብኢደ-ወነኑ ምቕያሩ እዩ። ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋዚ ኢሳያስ ንበይኑ ስሙ ይርቋሕ እንተሎ፡ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዘውደኽድኹን ሕግብግብ ዝብሉ ዝነበሩን ዘለዉን፡ ዓበይቲ ካድራትን ኣባላት መራሕትን’ውን ኣብ ምፍጻምቲ ገበን ኣካሉ ከምዝነበሩን ዘለዉን ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።
ልክዕ እዩ፡ እቶም ንሱ ዝእዝዞምን ከምዚ ግበሩ ዘዝበሎም ዘተግብሩን ዝነበሩ እንተስ ተኣማንነት ከርእዩ ይኹን እንተስ ናይ ሓባር ረብሓ ሃልይዎም ቀንዲ ተሓተትቲ እዮም። ከም ኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል ኣብ ኤርትራ ባንደራ ክቕይር እንከሎ “ኣይፋል እዚ ሓላፍነትን ስልጣንን ናይ ህዝቢ ኤርትራ እዩ” ክብሉ ኣይከኣሉን። ስለዚ ንሳቶም’ውን ነቲ እከይ ተግባራትን ነቲ ዘገብልዎ ዝነበሩ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ድሌቶም ከምዝነበረ ኢዩ ዘመስክር። እነሆ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ብባንደራ ክንከፋፈልን ስምምዕ ክንስእንን ሓደ ካብቲ ምልክታት ክፍኣት ግብሩ ኢዩ። ኮታ እቲ ኩሉ ኢሰያስ ዝገብሮን ዝሕንጽጾን ኣሜን ኢሎም ከተግብሩ እንከለዉ ክሳብ ክንደይ ናይ ስዉኣት ሕድሪ ጠሊሞም ንሃገሮምን ህዝቦምን ይደቚሱ ምህላዎም ኣይጠፍኦምን። ኢሰያስ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ደልሃመት እናእተወ እንከሎ “ቅኑዕ ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ” ኢሎም ዝኣምኑ ኣካላት፡ ዕሩብ ሕልና ምውናኖም እዩ ዘርኢ።
እኪት ስርሓት ውልቀመላኺ ኢሰያስ ካብ ንግህኡ ኣትሒዙ ድግድጊት ከምዝተዓጥቀ ንማንም ስውር ኣይኮነን። እንተኾነ ግን በቶም ሕልንኦም ዝሸጡ ኣቢሉ፡ ነቲ ሕቡእ ሕልንኡ ብሽርሒታት፡ ጥበራን ምስሉይነትን ዝመልኦ ኣገባብ ተኸቲሉ ውግኣት እናጻሕተረ ንህዝቢ የጽንት ኣሎ። ንሃገርና ኤርትራ’ውን ካብቲ ዝነበራ ምዕባለ ንድሕሪት መሊሱ ዝደኸየትን ህዝባ ድማ ብሕማምን ስእነት መኣዛዊ መግብን ክሳቐ ከኸውንን ፈሪድዎም። በዘይካ’ዚ እቲ ኩሉ ዝገብሮን ምስ ህዝቡ ተዛትዩን ተመሊሱ ንህዝቢ ቅኑዕ ሓበረታን ዝተበጽሐ ስምማዓትን ኣብ ክንዲ ብግልጺ ዝሕብር ዓፊኑ ሒዝዎ ይርከብ። እዚ ኹሉ እከይ ተግባራቱ ህዝቢ ኣንጻሩ ከይለዓል እሞ እታ ስልጣኑ ከይትፈርሶ ብማለት ይፍጽሞ ምህላዉ ርዱእ ኢዩ። እቲ ኣዝዩ መስደምም፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ጐንጽታት ክፈትሕ ዘይከኣለስ ንናይ ካልኦት ሃገራት ዘይምስምማዕ ከሰማምዕ ሓንሳብ ንሱዳን ሓንሳብ ድማ ናብ ግብጺ ብምኻድ ቆርበት በጊዕ ዝተኸድነ ተዂላ ክኸውን ምፍታኑ እናተጋህደ ይመጽእ ኣሎ።
እዚ ኹሉ ናይ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዘይጉዳዩ ጠብሎቕሎቕ “እምበርዶ ናይ ጥዕና እዩ?” ዘብል እዩ። ትማሊ ንወያኔ ኣብ ዘይጉዳያ ጣልቃ ንኽትኣቱ ዝገበረ ዘምጸኦ መዘዝ ዘንጊዑ፥ ሎሚ ንሱ ኣብ ዘይጉዳዩ ጣልቃ ብምእታው ንቀርኒ ኣፍሪቃ ሕንፍሽፍሽ ከእትወላን ክዘራርጋን እምበር፡ ኣብ ሃገሩ ቁምነገር ዘይገበረዶ ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ቁምነገር ክገብር ኮይኑ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብናይ ዶብ ምስምስ ዝተኻየደ ውግእ፡ ንኽንደይ መንእሰያት ኣህሊቑ ከብቅዕ፡ “ኪኖ ዶብ ኢና እንሓስብ” ክብል እንከሎን እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ዝተዛረቦን ክትመዝኖ እንከለኻ ንኤርትራ ሃገርና በብቑሩብ ናብቲ ሕቡእ ኣጀንዳኡ ይውጥጣ ከምዘሎ እዩ ዘረደኣና። ኣብ ሃገርና ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ወተሃደራዊ መደበራት ክፈቅድ እንከሎ፥ ብግዳማዊ ሓይሊ ኣቢሉ ስልጣኑ ክሕልወሉ ይኹን ወይ እውን ነቲ ክፍጽሞ ወጢንዎ ዘሎ ሃገር ኣሕሊፍካ ምሃብ ንምትግባር ካብ ህዝቢ ብሒም ዝብል ንኸይርከብ ዓፊኑ ንምሓዝ ዝገብሮ ዘሎ እዩ። ከምቲ ብዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ዝቃላሕ ዘሎ ሰራዊቱ ኣብ ከባቢ ከሰላን ፖርትሱዳንን ንኽዕስክር ድሮ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ስምምዕ በጺሑ ኣሎ። እዚ ሰራዊቱ ካብ ዶብ ኤርትራ ሰጊሩ ናይ ምዕስካሩ ተግባርከ ነቶም ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ሱዳን ዘለዉ ስደተኛታት ክጨውን ክቕንጽልን ድዩ ሓሲቡ ወይ ካልእ ዘይተገልጸ ውዲታት ስለ ዘለዎ እዩ ጽባሕ ግዜ ከቃልዖ እዩ።
ኣብዚ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ቅድም ናብ ኢትዮጵያ ደሓር ናብ ግብጺ ቀጺሉ ከኣ ናብ ሱዳን ክጻፋዕ ተዓዚብናዮ። ሓደ ተዓዛቢ ከም ዝጠቐሶ፡ ፕረሲደንት ግብጺ ዓብደል ፈታሕ ኣልሲሲ ስልጣን ካብ ዝሕዙ ኢሳያስ ናብታ ሃገር 5 ግዜ ተመላሊሱ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ወዮ ኣብ ኤርትራ ወዲ ገዛ ክኸውን ከም ድላይካ “እቶ ውጻእ” ዝተባህለ መራሒ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ናብ ኤርትራ ከይዱ። ምስዚ ኩሉ ላዕልን ታሕትን ኢሳያስ፡ ምስ ዝኸዶም ኮነ ዝመጽዎ መራሕቲ ብዛዕባ ምንታይ ከም ዝተዛረበን ስለምንታይ ከም ዝዛመዶምን ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ የብሉን። እቲ ዝምድናን መገሻታትን ንረብሓ ህዝቢ ከምዘይኮነ ግና እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዝለሓስ ዝቕመስ ዘየብሉ ባይታ መስካሪ እዩ።
እቲ ኢሳያስ ዝገሸሉን ኣጋይሽ ዝቕበለሉን ዘሎ ጉዳይ ካብ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዘይነቅል ኮይኑ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብጽን ብሰንኪ ምህናጽ ዓብይ ዲጋ ህዳሰ ዝምዕብል ዘሎ ምስሕሓብ ክኸውን ከም ዝኽእል ዝግምቱ ብዙሓት እዮም። ብዘይካዚ ብዛዕባቲ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግናን ገዛኢ ውድብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ ፍልልይ ከም ዝኸውን እውን ናይ ብዙሓት ተዓዘብቲ ግምት እዩ።
እቲ ዘገርም ከኣ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጦ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝበሃል፡ ወየ ምብኣስ እንተዘይትኮይኑ ምትዕራቕ ዘይናቱ ኢሳያስ ብኡሳት ክዓርቕ ምህቃኑ ዘገርም’ዩ። እቶም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይተዓርቀ ዝፈልጡ ክነሶም፡ ክዓርቆም ዝጽበይዎ ከኣ ዝያዳ የገርሙ። ምናልባት ኢሳያስ ከምኡ ዝገብር ዘሎ ኣብቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ንምስምማዕ ብማእከልነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ እሞ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ተዓዘብቲ ዝሳተፋሉ ዘለዋ መስርሕ ግምት ስለ ዘይተዋህቦ “ኣነ እውን ኣለኹ” ንምባል ክኸውን ይኽእል።
ኢሳያስ፡ ዝኾነ ኣጀንዳ፡ እንተላይ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝኸዶ ዘሎ ዘይብሩህ ዝምድና ከበግስ እንከሎ፡ ህልኽን ናይዚ ከባቢ ጐብለል መሲልካ ናይ ምቕራብ ህርፋንን እምበር፡ ምእንቲ ናይ ህዝብን ሃገርን ረብሓ ከምዘይከውን ፍሉጥ እዩ። ጉዳይ ህዝቢ ዘገድሶ ነይሩ እንተዝኸውን እሞ ብዛዕባቲ ዝገብሮ ንህዝቢ መሓበረ። ህዝቢ ዘይምሕባሩ ከኣ መባእታዊ መረዳእታ ናይቲ ስጉምቲ ንረብሓ ህዝቢ ዘይምዃኑ እዩ። እዚ ሕጂ ዝኸዶ ዘሎ ከኣ ፈጺሙ ንኤርትራ ከም ሃገር ኮነ ንረብሓ ህዝባ ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። እዚ ከኣ እዩ ኢሳያስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተዓርቐ ጥራይ ዘኮነ፡ ካብቶም ህዝቢ ኤርትራ ብቃልሶም ዝሰዓሮም ገዛእቲ ብዘይፍለ መመሊሱ ዝድህኮ ዘሎ። እዚ ዲክታቶር ቅድሚ ናብቲ ጉዳይ ሃገሮም ህዝቦምን ዝወገኑ ወሓላሉ ሒዘምዎ ዘለዉ ዓብይ ጉዳይ ኢትዮጵያን ግብጽን ምምጥጣሩ፡ እቲ ዓበይቲ ህዝቢ ኤርትራ መፍትሒ ክረኽበሉ ዝቃለሰሉ ኣጀንዳታት ገዲፍና፡ ኣብዚ ሕማቕ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስኳ፡ “ህዝቢ እንታይ ይበልዕን ይሰትን ኣሎ?” ኢሉ ክሓስብን ክሻቐልን መተገብኦ። እንተኾነ ምስቲ ደቁ፡ ህይወቱን ንብረቱ ከፊሉ ዓወት ኣምጺኡ ኣብ ሰገነት ስልጣን ዘደየቦ ህዝቢ ኤርትራ ብኡስ ስለ ዝኾነ፡ ዋኒን ህዝቢ ዋኒኑ ኣይኮነን።
ምናልባት እቲ ንኢሳያስ ብሰንክቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ግብጽን ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘሻቕሎ፡ ምስምማዕ ስኢኖም ኣብቶም ከባቢኦም ዘለዉ ሃገራት እውን ናይ “መርገጽካ ምስ መን ምዃኑ ኣነጽር” እዋን እንተመጺኡ ምስ መን ከም ዝኸውን ስለ ዘጸግሞ ክኸውን ይኽእል’ዩ። ምስ ኢትዮጵያ እንተወጊኑ፡ ካብ ግብጽን ካብተን ምስኣ ክውገና እየን ተባሂለን ዝግመታ ሃገራትን ዝለመዶ ረብሓ ከይተርፎ ከም ዝሰግእ ፍሉጥ እዩ። ምስ ግብጺ እንተወጊኑ ከኣ እቲ ብ”ጸወታ ተወዲኡ (game is over)” ዝጀመሮ እሞ ኣብ ልዑላውነት ኤርትራ ኮነ ክብሪ ህዝባ ኣሉታዊ እምበር ኣውንታዊ ጽልዋ ዘየብሉ፡ ምስ ሰልፊ ብልጽግና ኮይንካ ኣንጻር ህወሓት ሕነ ናይ ምፍዳይ ህርፋኑ ክተርፎ እዩ። በዚ ኮነ በቲ ኢትዮጵያን ግብጽን ካብ ከም ናይ በዓል ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ተማሂረን ጉዳየን ብስምምዕን ናይ ሓባር ተዓዋትነትን ክዛዝማ ናይ ብዙሓት ትጽቢት እዩ። ኩነታት ከሪሩ ፍለፍለ እንተኮይኑ ግና ብዙሓት ከም ዝግምትዎ ወየ ሻረኛ ኢሳያስ ምስ ግብጺ ክውግን ይኽእል’ዩ። በዚ መሻረዊ ኣካይዳኡ ንዝህቢ ኤርትራ ኣብ ርእሲቲ ዘለዎ ሕሰም ተወሳኺ መዘዝ ከየምጸሉ ከኣ ዘየስግእ ኣይኮነን።
ኢሳያስ ቅድሚ ሕጂ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ስቕ ኢልና ንዕዘቦ ዘይኮነ ኢድና እነእትወሉ እዩ” ከም ዝበለን፡ ብዙሓት ተዓዘብቲ ከም መርኣያ ዘይውሕሉል ዲፕሎማስያዊ ኣካይድኡ ገይሮም ከም ዝተረድእዎን ዝዝከር እዩ። እቲ ኢዱ ከእትወሉን ከባልሖን ዝደልዮ ዘሎ ከኣ፡ እቲ ኣብ መንጎ ብልጽግናን ህወሓት ዘሎ ወጥሪ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ኣሰላልፋኡ ኣንጻር ህወሓት ምዃኑ’ውን ኣነጺሩ እዩ። ነዚ ኣሰላልፋዚ ዝመርጸሉ ምኽንያት ምስቲ “ውግእ ባድመ” እንዳተባህለ ዝጥቀስን ኣሸሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝረገፍሉን ውግእን ናብኡ ዘብጸሐ ክሳብ ሎሚ መሊኡ ዘይበርሀ ጠንቅን ሓደ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ብልጽግና ኢትዮጵያ ዝቀላቐል ዘሎ ምትእትታው ምእኩል ምምሕዳርን ነቲ ካብ ኣዕኑድ ዲሞክራሲ ሓደ ዝኾነ ምርጫ ዘይምግዳስን እውን ካልእ ኢሳያስ ምስ ብልጽግና ክስለፍ ዝብህገሉ እዩ።
ናይ ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ፡ እሞ በቲ መሪጽዎ ዘሎ ውግንና ምስላፉ ምናልባት ንናቱ ናይ ህልኽን ሕነምፍዳይን ጥሙሓት ምርዋይ እንተዘይኮይኑ ንኤርትራን ህዝባን ዘየርብሕ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ዝተዓጽወ ናይ ወራር ፋይል ከይከፍት ዘየስግእ ኣይኮነን። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጀነራል ካሳየ ጨመዳ፡ ጀነራል ዋሲሁን ንጋቱ፡ ጀነራል ኣሰፋ ኣሕፈሮም፡ ኮሎኔል ገ/እግዚኣብሄር ዝተባህሉን ካለኦት ጡረተኛታትን ኣብ ሚድያታት ኢትዮጵያ ቀሪቦም ክዛረቡ ቀንዮም። ንሳቶም ኣብቲ ዘረባኦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታት ኤርትራ “ንሓድነት ኢትዮጵያ” ኣንጻር ፍትሓዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተዋግኡ እንዳገለጹን ንመስርሕ ረፈንደም ኣብ ኤርትራ ብኣሉታ እንዳኳማስዑን ንመንግስቲ ብልጽግና ኢትዮጵያ ሓደራ ክብልዎ እንከለዉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ እሞ፡ ካብ ትግራይ ከይምለስዮም ዝመኽርዎ። ኢሳያስ ጥዑይ እንተዝኸውን እዚ’ውን ከተሓሳስቦ መተገብአ። እንተኾነ ነዞም ካብ ስዕረቶም ዘይተማህሩን ልኡላውነት ኤርትራ ክዝክሩ እንከለዉ ርእሶም ዝሓሙን ዘይኢሳያስ’ዩ ተጠሊዑ ኣፍልቡ እንዳወቐን ክሳብ ዝፍንጫ እናሰሓቐን ኣፍደገ ከፊትሎም።
ኤርትራውያን ቀደም ኮነ ሎሚ ንኤርትራን ህዝባን ኩሉ ጸጽብቑ ከም እንምነየሎም ፍሉጥ እዩ። ትምኒት ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ጽቡቕ ንምግሃድ ብኤርትራውያን ዝተኸፍለ ዋጋን ህይወትን ምዝርዛሩ ዘጸግም እዩ። እቲ ሓባራዊ ድሌት ኤርትራውያን እዚ ኮይኑ፡ “ናብኡ ብየናይ መንገዲ ንበጽሕ” ኣብ ዝብል ግና ቀደም ኮነ ሎሚ ፍልልይና ዝነበረን ዘሎን እዩ። እዚ ፍልልይ እዚ ካብቲ ዘለና ኩለ-መዳያዊ ብዙሕነታዊ ጸጋና ዝነቅል ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ዘሰንብድን ዝጽላእን ኣይመኾነን። ነቲ ብዙሕነትና ምምሕዳሩ ስኢና መረሓሓቅን መተሃላላኽን ክኸውን እንከሎ ግና ዘየሻቕል ኣይነበረን ኣይኮነን። እዚ ከኣ ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና።
ኣብቲ ቀዳማይ ናይ 30 ዓመታት ምዕራፍ ቃልስና፡ ቀዳማይ ዕማምና ንኤርትራ ካብ መግዛእቲ ምንጋፍ እዩ ነይሩ። ከም ርዱእ ካብ መግዛእቲ ምንጋፍ ክበሃል እንከሎ፡ ድሕሪ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ዝሓሸ ኩለመዳያዊ ህይወትን ራህዋን ምምጻእዩ ነይሩ። እንተኾነ ከምቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክንብርኩ ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ቅድሚ ድሕሪ ናጽነት እንታይን ከመይን ክንመሓደር ኢና “ብኸመይ ኢና ናጽነት ኤርትራ እነውሕስ” ዝብል ቅድሚት ክስራዕ ቅኑዕ ኣሰራርዓ ጉዳያት ነይሩ። ከምኡ ከኣ ኮይኑ። እንተኾነ እቲ ንድሕሪ ናጽነት ዝምልከት እውን “ ደሓን ሽዑ ነርክበሉ” ብዝብል ምሉእ ብምሉእ ክዝንጋዕ ዘይኮነ ጐኒንጐን’ቲ ቀዳማይ ዕማም ምውሓስ ናጽነት ተተይ ክብልን ባይታ ከንጸፈሉን ዝነበሮ እዩ። ዲክታቶር ኢሳይሳ ኣፈወርቅን ዝኣመሰሉ ውሱናት ኣካላት ግና ነቲ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለ ሓርበኛ ተጋዳልይን ህዝቢ ኤርትራን ኣዳህሊሎም ካብ ሽዑ ጀሚሮም ናጽነት ጨውዮም ነዚ ሎሚ ድሕሪ ናጽነት ንርእዮ ዘለና ክቱር ጭቆና ናይ ምስፍሕፋሕ ሕቡእ ሕልሚ ከም ዝነበሮም፡ ናይ ድሕሪ ናጽነት ኩነታትና መስካሪ እዩ።
ብሰንኪቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ነቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ኣበሃህላ ብግጉይ ኣገባብ ምሓዙ ሳዕቤኑ እንታይ ከም ዝኾነ ርኢናዮ ኣለና። ብሰንክዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ቃልስና ምእንቲ ሓርነት ኣብ ክንዲ ናይ ራህዋን ህድኣትን ዝኸውን እንደጋና ናይ ቃልሲ መዋእል ኮይኑ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ክሳብ ሎሚ ፍረ ቃልሱ ኣብ ዝሓፍሰሉ ዘይኮነ፡ ወትሩ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዱ ክቕጽል ተገዲዱ እነሆ። ሎሚ ነቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣንጻር መግዛእቲ ዝነበረ ኣርሒቕካ ናይ ዘይምርኣይ ሕጽረት ኮነ ተንኮል ክንመልሶ ኣይንኽእልን ኢና። ጽባሕ ከይድገም ክንመሃረሉ ግና ግድን እዩ። ነዚ እንተዘይበቒዕና ግና ወትሩ ደገምቲ ግጉይ መንገዲ ኮይና ክንነብር ኢና።
ናይ ሎሚ ቃልስና ቀዳምነት እምበኣር፡ ምውጋድ ወጻዒ ጉጅለ ህግዲፍ ክነሱ፡ ነዚ እንዳረሳዕና ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘይተበጽሐ ናይ ድሕሪ ውድቀት ህግዲፍ እዋን “ብኸመይ ንመሓደር” ኣብ ዝብል እምብዛ ጉልበትና ክንውድእ እሞ ዕድመ ምልኪ ኢሳያስ ክነውሕ ዕድል ክንህብ ኣይግበኣናን። ንጉዳያት ደኣ በብደረጃኡ ንሓዞ እምበር፡ ምሉእ ብምሉእ በቲ “እንተ ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ተሸፊና ብዛዕባ ጽባሕ ኣይንሕሰብ ማለት ኣይኮነን። ካብቲ ድሕሪ ናጽነት ኣጋጢሙና ዘሎ ብረቂቕ ዝተሃንደሰ ዕንቅፋት ተማሂርና፡ ድሕሪ ውድቀት ጉጅለ ህግዲፍ ከይድገም ክንዳለወሉ ዘለና እዩ። ኣብዚ ሓደ ክንዝገዖ ዘይብልና፡ በቲ ሓደ ወገገለ ኤርትራውያን ብሰንኪ ምረት ኣብ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ኣንጸርጺሮም “ናጽነት ኤርትራዶ እንታይ ዓቢሱልና እዩ?” ክብሉን ኣብ ልኡላውነት ኤርትራ ክጠዓሱን ኣብ ንሰምዓሉ ኢና ዘለና። በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዲክታቶር ኢሳያስ ይኸዶ ብዘሎ ናይ ጥልመት መንገዲ ሻዲኖም፡ ናጽነት ኤርትራ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ተኣሚኖም ኣእዛኖም ኣውዲቖም ዝነበሩ ወገናት፡ ትንሳኤ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ክምለስ ኣብ ዘመዓድውሉ ኩነታት ኢና ዘለና። መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ንስምዒት ኢሳያስ መዝሚዙን ንክብሪ ህዝብና ደንዲኑን እንተላይ ብስም ኤርትራ ክምድርን ስምምዓት ክኸትመን ኣብ እንዕዘበሉ እዋን ኢና ዘለና። ስለዚ ኣብዚ ቅድም ንምውጋድ ህግዲፍ ድሕሪኡ ከኣ ምህናጽ ሓርነት ንቃለሰሉ ዘለና፡ ጉዳይ ልኡላውነት ሃገርና እውን ወትሩ ካብ ኣጀንዳና ከነውጸኦ ኣይግበኣናን። ዝምድናታትና ምስ ዝተፈላለዩ ወገናትን መጻኢ መደባትናን ክንሰርዕ እንከለና ንጉዳይ ልኡላውነትና ብጥቃቐ ከነቕልበሉ ናይ ግድን’ዩ። ካብዚ ሓሊፉ ልኡላውነታ ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉ፡ ሓርነት ይኹን ዲሞክራሲ ክንተክል ግብራዊ ኣይኮነን።
ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብምዕራፋት ኣብ ዝተኸፍለ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ እዩ ጸኒሑ። ጌና እውን ኣብ ቃልሲ ኣሎ። ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣዝዩ መሪር ዝርዝር ዘለዎ እዩ። ንኣተሓሕዛ ክጥዕመና ግና ቃልስና ምእንቲ ናጽነትን ቃልስና ድሕሪ ናጽነት ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ኢልና ኢና ንገልጾ። እዚ ምዕራፋት ቃልሲ፡ ብመንጽርቲ ዝካየደሉ ግዜ፡ ብናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ዘመዝግቦ ሽቶን ከባብያዊ ምዕባለታትን ዝተፈላለየ እዩ። እንተኾነ እዚ ምዕራፋት ቃልሲ ሓያል ምትእስሳር ዘለዎ እምበር፡ በበይኑ ፈላሊኻ ዝተሓዝ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ኣብዚ ምእንቲ ምውሓስ ሕገመንግስታዊት፡ ዲሞክራስያዊትን ብዙሕነታዊትን ኤርትራ ንቃለሰሉ ዘለና እዋን ንቀጻልነት ልኡላውነትና እውን ከንቕልበሉ ይግበኣና እንብል።
ካብዚ ሓሊፉ፡ እዚ ንርከበሉ ዘለና ኩነታት ቃልስና ኣብ ጉዳይ ሃገርና ጥራይ ዝድረት፡ ብኣና ጥራይ ተወሲኑ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ከባብያዊ ምስፍሕፋሕን ምጽልላውን ኣብ ዝረኣየሉ ኢና ንርከብ ዘለና። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ቃልስና በዚ ኣብ ከባቢና ኣብ ኢትዮጵያ፡ የመን ኮነ ሊቢያ ዘሎ ምዕባለታት ዘይጽለወሉ ምኽንያት የለን። ድሮ ኢሳያስ ከምቲ ኣመሉ ካብ ኤርትራዊ ዛዕባ ንምህዳም፡ ምስ በዓል ስዑድ ዓረብያን ኢመራትን ኮይኑ ኣብ ጉዳይ የመን ክሳብ ወተሃደራዊ መደበራት ብምሃብ ኢዱ ከም ዝኣተወ እንፈልጦ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኤርትራ ሰራዊት ናይዘን ዝተጠቐሳ ሃገራት ናብ ሊቢያ መመላለሲት ድንድል ኮይና ትሰርሕ ኣላ። ብዓብይኡ ከኣ ኢሳያስ ብዘሕፍር ኩነታትን ካብ ቀዳማይ ጠለብ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ብዝረሓቐን ብእዉጅን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ከም ዘእቱ ተጠሊዑ ተዛሪቡ እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ጠብሎቕሎቕ ንሃገርና ዋጋ ከም ዘኽፍላን ንቃልስና ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ንድሕሪትኳ እንተዘይመለሶ ክሓላልኾ ከም ዝኽእል ግና ክንግንዘቦምን ክንዳለወሉን ዝግበና እዩ። ነቲ “ክንብርኩት ዘይክብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝብል ኣበሃህላ ከኣ ኣርሒቕካ ንምምዕዳው ብዘይዕንቅጽ ክንርደኦ ይገበኣና።
ኩለ-መዳያዊ ህይወትና እኩብ ድምር ናይ ትማልን ሎሚን ምዕባለታት እኩብ ድምር ውጽኢት ኮይኑ፡ ዝያዳ ናብ ጽባሕ ዝጥምት እዩ። ህይወትናን ከባቢናን ብቐጻሊ ማዕባሊ ስለ ዝኾነ፡ ትማሊ ንሓደ ጉዳይ ዝመዘናሉ መለክዒ ሎሚ ዝተፈልየ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። ናይ ሎሚ ሚዛንና ንጽባሕ እውን ከምኡ ዝምዕብል እምበር፡ ኣብቲ ዘቐመጥናዮ ኮፍ ኢሉ ዝጽበየና ኣይኮነን። ንትማሊ፡ ንሎሚን ንጽባሕን ብዝተፈላለዩ ናይ ግዜ ንውሓት ንገልጾም እምበር፡ ኣብ ቀዳም ኮይና ንዓርብን ሰንበትን ጥራይ ንገልጸሉ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ቃልስና ነቲ ምእንቲ ናጽነት መሪር ቃልሲ ዘካየድናሉ መድረኽ ትማሊ እንተ ኢልናዮ፡ ነዚ ናይ ድሕሪ ናጽነት ናይ ሓርነት ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና መዋእል ከኣ ሎሚ ንብሎ። እቲ ድሕሪ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍን ጸረ-ህዝቢ ኣተሓሳስባኡን ዝመጽእ ናይ ራህዋን ህንጸትን ግዜ ከኣ ጽባሕ ክንብሎ ንኽእል። ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ እውን ትማሊ፡ ሎሚን ጽባሕን ኢልና ንገልጾም ንኡሳን ምዕራፋት ክንቀርጽ ንኽእል። ኮታ ንተኸታተልቲ ዕለታት፡ ሰሙናትን ወርሓትን ጥራይ ንገልጸሉ ዘይኮነ፡ ንሓደ ነዊሕ መስርሕ ብብርክታት መዲብና እንርእየሉ ናይ ግዜ መዕቀኒ እዩ።
ትማሊ ዝሓልፍናዮ ተመኩሮ ናይ ንሎሚ መምህርና እዩ። ናይ ሎሚ ተግባርና እውን ናይ ጽባሕ መምሃሪና ክኸውን እዩ። ጽባሕ ካብ ናይ ሎሚ፡ ሎሚ ከኣ ካብ ትማሊ ዝመሃረሉ መስርሕ ኣዝዩ ሰፊሕን ብዙሕ መልክዓት ዘለዎን እዩ። ክጠቓለል እንከሎ ድማ ካብቲ ዝሓለፍካዮ ነቲ ኣውንታ ምውሳድን ዝያዳ ብምሕያልን ምምዕባልን እቲ ሓደ ገጹ እዩ። እቲ ካልእ ገጹ ከኣ ነቲ ግጉይ ጐድኒ ተመኩሮና ምእራሙን ነቲ ክእረም ዘይክእል ድማ ምውጋዱን ብዝብል’ዩ ዝግለጽ። እዚ ሃናጺ መስርሕ ካብ ተመኩሮ ብምምህሃር ነቲ ቀጻሊ ምዕባለ ብኣውንታ ክመርሕዎ ናይ ዝደልዩ እዩ እምበር፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሎሚ ኮይኖም ካብቲ ናይ ትማሊ ዝመሃሩ፡ ኮነ ኢሎም ነቲ ናይ ትማሊ እከይ ተግባሮም መሊሶም ሎሚ ዝደግምዎን ጽባሕ’ውን ከም ዝቕጽልዎ ዝእምቱ ሰብ እከይ ግብሪ ወገናት የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቲ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን፡ ወጽዓ ኣብ ርእሲ ወጽዓ፡ ቅትለት ኣብ ርእሲ ቅትለት፡ ግህሰት ኣብ ርእሲ ግህሰት እንዳደረበ ዝቕጽል ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሎሚ ኮይንካ ካብ ናይ ትማሊ ናይ ዘይምምሃር ኣብነት እዩ።
ከምቲ ኣብ ሎሚ ኮይና ትማሊ ሓሊፉ ጽባሕ’ውን ከም ዝመጽእ እንእመን፡ ሎሚ እንኸዶ መንገዲ እንተላይ ብመንጽር ጽባሕ ክምዕብል ዝኽእል ጽልዋኡ ከነጽነዖ ይግበኣና። ሎሚ ዘይረኣናዮ ጽባሕ ሃንደበት መጺኡ ብዝወጠናዮ ከይንቕጽል ዝዕንቅጽ ሓድሽ ተረኽቦ ክኸውን ከም ዝኽእልኳ ርዱእ እንተኾነ፡ ብዝከኣለና መጠን ከምቲ ብዛዕባ ሎሚ እንጭነቖን እንጥንቀቖን ኣብ ሎሚ ኮይና ጽባሕ ብግቡእ ንምርኣይ እውን ክንጭነቕ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ኣዝዩ ቁንጹብ ብናይ ሎሚ ጥራይ ዝድረት ናይ “ካብ ኢድ ናብ ኣፍ” ኣተሓሳስባ ዝተሻበብና እንተኮይና ግና ናይ ጉዕዞና ኣጀንዳታት ወትሩ ኣብ ሓድሽ ጥራይ ዝጽመድ፡ ኣካይዳና ከኣ ሰንሰለታዊ ዋሕዝን ናይ ተመኩሮ ምምግጋብን ዝጐደሎ እዩ ዝኸውን። ኣብዚ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ካልእ ኣገዳሲ ናይ ትማሊ ተመኩሮና፡ ናይ ሎሚ ተግባርናን ናይ ጽባሕ መጻኢ መደባትናን ውሁዳት እምበር ሓደ ነቲ ካልእ ዝዕንቅፍ ምድብላቕ ከይፍጠር ክንጥንቀቕ ይግበኣና።
ኣብ ተመኩሮና ከም ኤርትራዊ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ፡ ኣብቲ ንጉጅለ ህግዲፍን ኣተሓሳስባኡን ስዒርና ዝሓሸ ህይወት ህዝብናን ሃገርናን ዘረጋግጽ ለውጢ ንምውሓስ ከነካይዶ ዝጸናሕና፡ ነካይዶ ዘለናን ጽባሕ እውን ክሳብ ዓወት እንቅጽሎን ቃልሲ ዘጋጥሙና ብደሆታት ብዙሓት እዮም። ሓደ ካብቲ ብደሆታት ከኣ ነቲ ዘለና ሓባራዊ ለውጢ ናይ ምምጻእ እምነትናን ትጽቢትናን ዝምጥን ውዱብ ናይ ሓባር ሓድነታዊ ጉዕዞ ከነውሕስ ዘይምኽኣልና ምዃኑ ኩልና እንዛረበሉን እንሻቐለሉን ዘለና እዩ። እቲ ሓባራዊ ናይ ለውጢ ድሌት ኣብ ኢድና እዩ ዘሎ። እቲ መፍትሒ’ውን ካባና ክነሱ፡ ብሰንኪ ናእሽቱን ዘይመሰረታውያንን ፍልልያት ነቲ ፍሩያት ዘቀራርባና ኣብ ባይታ ከነዕኩኾ ዘይምብቃዕና ከኣ ጸገም ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘይፍታሕ ሕንቅልቅሊተይ ኮይኑና ጸኒሑ። ናይዚ ሕመረት ከኣ ካብ ናይ ትማሊ ተመኩሮና ክንመሃር ዘይምኽኣልና ዘመልክት እዩ።
ሎሚ ግና ካብ ተመኩሮና ናይ ምምሃር ምልክት ነርኢ ኣለና። ካብ ምልክት ሑሊፉ በሪኹ ክረአ ከኣ ቀጻልን ዝተጸንዐን ቃልሲ ይሓተና። ኣብዚ መስርሕዚ ካብ ተመኩሮኻ ምምሃር፡ ሓያልን ድኹምን ጐድንታትና ክንርኢ ኢና። ቀንዲ ጐሊሑ ዝረኣየና፡ ቅድም ኣብ ሎሚ ኮይና ብዛዕባ ጽባሕ ዝነበረና ናይ ምምዕዳው ዓቕሚ ውሱንን ኣብ ባዕላውነት ዝተሰረተን ምንባሩ እዩ። ዝያዳ ክስቆረና ዝግብኦ ከኣ ኣብ ሎሚ ኮይና ካብቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮና ክንመሃር፡ ዓቕምና ክንመዝንን መጻኢ ሳዕቤኑ ከነማዕዱን ክንድቲ ዝድለ ዘይምብቃዕና እዩ። እዚ ማለት ካብቲ ትማሊ ዘየዕወተና መንገዲ ንገሊኡስ ክንደገሞ ምጽናሓና እዩ። ኣብ ምምዛን ዓቕምና እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ለውጢ ኣረጋጊጽካ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን ብደሆ ንምብዳህ፡ ብሓደ ወይ ውሱናት ውድባት፡ ሰልፍታትን ግንባራትን ዘይዕመም ክነሱ፡ ነቲ ሓቢርካ ምቅላስ ክንድቲ ዝግበኣና ግምትን ክብደትን ክንህቦ ኣይጸናሕናን። ኣብ ምጥርናፍ ሓይልታት ለውጢ ምግዳስ ማለት ብዛዕባ ሓድነት ሓቢርካ ምጭራሕ፡ ምእዋጅን ምጭናቕን ዘይኮነ፡ ብግብሪ ኩሉ ዓቕምኻ ኣወሃሂድካ ወይ ኣላፊንካ፡ ክኽፈል ዝግበኦ ዋጋ ምኽፋልን ንሕድገትን ምክእኣልን ናተይ ኢልካ ምርዓምን እዩ።
ትማሊ በበይንኻ ብምዃንካ ዘይምድማዕካ እንተመዚንካ፡ ሎሚ እቲ መፍትሒ ብሓባር ኮይንካ ምቅላስ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ነቲ ናይ ትማሊ መዚንካ ዘዋህለልካዮ ሃናጺ ሓቂ ሎሚ ዘይትጥቀመሉ እንተኮይንካ ሚዛን ምክያድ እቶት የብሉን። ነቲ ናይ ትማሊ ተመኩሮ ተማሂርካሉ ማለት፡ ነቲ ዘየቃድወካ ዝነበረ፡ ናቱ እሱር ደኣ ኣይትኸውንን እምበር፡ ደፊንካዮ ትሓልፍ ማለት ኣይኮነን። ኣጐልቢብካ እንተ ሰጊርካዮ፡ ናብቲ “ሓሊፈዮን ተማሂረሉን” ዝበልካዮ ናይ ምምላስ ሓደጋኡ ክፉት እዩ። ነቲ ትማሊ ብሓደ ከይትኸውን ዝዓንቀፈካ ምድህሳሱ ማለት፡ መሊስካ ነቲ ዝሓወየ ዝመስል ግና ክድገስ ዝኽል ስንብራት ንከይምለስ ምፍዋሱ ማለት እዩ።