እቲ ዝበሃግ፡ ኤርትራ ድያ ምምሕዳር ኢሳያስ?

2020-08-25 07:48:02 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1435 times

ምምሕዳር ኢሳያስን ጉጅለኡን ኣብዚ እዋንዚ ብደረጃ ሕብረተሰብ ዓለም  ኮነ ህዝቢ ኤርትራ  ምስሉ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ዝተደወነ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ካብ ናይ ምድዋኑ ብዙሓት ጠንቅታት ሒደት ንምጥቃስ፡ ምምሕዳሩ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብሕገመንስቲ ናይ ምምራሕ መሰል ዝግህስ።  ኣብ ክንዲ ብኣፍልጦ ህዝብን ብመንግስታዊ ትካላትን ምምራሕ ውልቃዊ ኢደ ወነናዊ ኣካይዳ ስለ ዝመርጽ። ናይ ዜጋታት፡ “ይኾነና” ኢሎም ብዝመረጽካዮ ኣካል ምምራሕ መሰል ዝነፍግ። ሓሳብካ ናይ ምግላጽ፡ ናይ ምውዳብን ዝመረጽካዮ እምነት ናይ ምስዓብን መሰል ዝኽልክል። ተካኢ ወለዶን  ተረካቢ ሕድርን ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ትውልዳዊ ናይ ምስግጋር  ግቡኡ ክፍጽም ዘኽእሎ ክእለትን ፍልጠትን ከይረክብ፡ ትካላት ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝዓጹ። ዝያዳ ከኣ መንእሰይ ብናይ ህውከትን ዕግርግርን ወረ ደንዚዙ ተስፋ ቆሪጹ ሃጽ ኢሉ ንክስደድ እኩይ መንገድታት ዝህንድስ። በብግዜኡ፡ ንውጉኣት ሓርነት፡ ንላዕለዎት መራሕቲ ናይ ውድቡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ንጐረባብቲ ሃገራት ሎሚ ከኣ ንበዓባያ ኤርትራ ዝጠለመ ጉጅለ ብምዃኑን ብዝኣመሰሉን ተግባራን እዩ ምስሉ ዝድወን። እዞም ብሓፈሻዊ መልክዕ ዝተጠቕሱ ናይዚ ጉጅለ ጸይቂ ተግባራት ነናቶም ዘስካሕክሕ ዝርዝር ኣተገባብራ ኣለዎም።

ምስሉ ክሳብ ክንድዚ ዝዓሞቐ ኣሉታዊ ክነሱ፡ ሒደት ወገናት ነዚ ጉጅለ ኣብ ክንዲ ዘውግዝዎ፡ ነቲ ጸረ ህዝቢ፡ ጸረ ስኒትን ህድኣትን ተግባራቱ ርእዮም ከምዘይረኣዩ ክሓልፍዎ ይረኣዩ እዮም። ካብዚ ሓሊፎም  ምስ ኩሉዚ ዝተጠቕሰ ተወዳዳሪ ዘይርከቦ ኣበራቱ ክንእድዎ፡ ከመጉስዎን ብልጫታት ክህብዎን ይረኣዩ እዮም። መራሕቲ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ሳዑዲ ዓረብያን ከኣ ናይዚ ዘይሚዛናዊ፡ ዘይርትዓውን ዘይሓላፍነታውን ኣገላልጻ ነቲ ዲክታተር ኣብነት እዮም።

ነዚ ብግሁድ ክውገዝ ዝግበኦ ምምሕዳር ኢሳያስ ዘይምውጋዝ ወይ እውን ምትብባዕ ተዓዚቦም ዝግረሙ ወገናት ብወገኖም በብግዜኡ ናይ ምግራም ሕቶታት የቕርቡ እዮም። ካብቲ ዘቕርብዎ ብዙሕ ሕቶታት ከኣ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ክንድዚ በቲ ጉጅለን መራሒኡን ንምግላጹ ብዘጸግም ደረጃ እንዳተወጸዐ ስለምንታይ እዩ ኣብ ክንዲ ኣንጻሩ ዝለዓል ኢደ-እግሩ ኣጣሚሩ ዝዕዘብ? ሕብረተሰብ ዓለምከ እቲ ጉጅለ፡ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ዜጋታቱ ብንዕቀትን ብደዐን፡ ኣብ ልዕሊ ጐረባብቱ ብህውከትን ብዕግርግርን እንዳሽካዕለለ፡ ንናይ ዝተፈላለያ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን ትካላት ምሕጽንታ ናይ ስቕ መርገጽ ምርጫ እንዳወሰደ ዘይቀጽዐኦ? ምኽንያቱ ብዘይተነጸረ፡ ንዝኣሰሮም ዜጋታት፡ ብናጻ ክፈትሕ፡ ወይ ናብ ፍርዲ ከቕርብ ካብኡ ሓሊፉ ብቤተሰቦምን ከም ማሕበር ቀይሕ መስቀል ብዝኣመሰሉ ሰብኣዊ ትካላትን ክብጽሑ ንዝቐርበሉ ምሕጽንታ ጽማም እዝኒ ክህብ እንከሎኸ ዘይንገሮ? ካብቲ ከም ቀንዲ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን መንእሰያት ኮይኑ ዝቕርብ፡ ግዱድን ገደቡ ዘይፍለጥን ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክቑጠብ መተሓሳሰቢ ክወሃቦ እንከሎ፡ ግቡእ መልሲ ዘይምሃቡኸ ኣየሕትቶን ድዩ? ዝብሉ ካብቶም ዝውቱራት እዮም።

ኣብቲ ህዝቢ ኤርትራ “ስለምንታይ ምስዚ ኩሉ ግፍዒ ንምምሕዳር ህግዲፍ ስቕ ኢሉ ይርእዮ?” ዝብል፡ ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግደፍ በዚ መንገዲ ጥፍኣት ክዕንድር ስቕ ኢሉ ኣይረኣዮን። እዚ ከኣ ብግብሪ ዝረአ ዘሎ እዩ። ርሑቕ ከይከድና፡ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ናይ ተወጻዕን ወጻዕን ወይ ናይ መሰል ሓታትን መሰል ነፋግዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ተጻረርቲ ዝምድና፡ ምናልባት ዓቕሚ ወሲንዎን ኩነታት ምጥዓም ስኢንዎ እንተዘይኮኑ፡ ተወጻዒ ወጻዒኡ ከም ድላዩ “ቸቸ” ክብለሉ እንከሎ ስቕ ኢሉ ክርኢ ንቡር ኣይኮነን። ኣጠማምታ  ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ህግዲፍ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን።

ካብቲ ኣብ ድሮ ምእዋጅ ልኡላውነት ኤርትራ ዝተኻየደ’ሞ በቲ ዲክታተር ዝተጨውየ ተቓውሞ ናይ ተጋደልቲ ጀሚርካ ዝትጋህዱ፡ ናይ ሓጺር ግዜ ምንጥጣፍ ብሕታዊ ፕረስ፡ ተበግሶ ጉጅለ 13፡ ምልዕዓል ጉጅለ 15፡ ፈተነ “እምቢ” በሃልነት ወዲ ዓሊ 2013፡ ስምዕታ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ” ኣቡናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ “ዓገብ” በሃልነት ፓትርያርክ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራን መኸተን መስዋእትን ሓጂ ሙሳ ኣብ ኣኽርያን ደሚርካ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ኢሳያስ ስቕ ኢሉ ክርእዮ ከም ዘይጸንሐን ከምዘየሎን ንምርዳእ ኣብነታት እዮም። ብዓብይኡ ከኣ እቲ በብግዜኡ እንዳበረኸ ዝኸይድ ዘሎ ኤርትራዊ ማዕበል ለውጢ፡ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ሰፊሕ ወፍሪ “ይኣክል”ን ዝተፈላለዩ ህዝባዊ ምልዕዓላትን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ኢሳያስ “ይቐጽል” ዝብል ቀጠልያ ምልክት ከም ዘይሃቦ ዘብርህ እዩ።

እቲ ካልእ ንኢሳያስ ከውግዞ እንዳተገብኦ ዘየውግዞ ናይ ግዳም ኣካላት፡ ምናልባት እውን ክተሓባበሮ ዝፍትን ከምኡ ክገብር ምኽንያት ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ። ዝምድና ክግበር እንከሎ ጠቕሚ ህዝብኻን ሃገርካን ምቕዳም ግድን ስለ ዝኾነ፡ “ኣብዚ እዋንዚ ረብሓይ ኣብ ኤርትራ ከውሕሰለይ ዝኽእል ኢሳያስ ጥራይ እዩ” ዝብል መደምደምታታት ይሰርሕ ከም ዘሎ ምርዳእ ዘጸግም ኣይኮነን። እቲ ጠቕሚ ሃገርካ ምቕዳምኳ ዘይከሓድ እንተኾነ፡ ብኽንድዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ፡ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራን ልኡላውነቱን ክኸውን እንከሎ ግና፡ ብፍላይ ነዓና ነቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራውያን ኣዝዩ ዘሻቕለና’ዩ። ምስቶም ህዝብና እንዳተቐንዘወ ንኢሳያስ እንዳጋለቡ ብስትራተጅያዊ ጸጋታት ሃገርና ክርብሑ ዝፍትኑ ዘለዉ ከኣ የተዓዛዝበና። ድሕርቲ ዘይተርፍ ሕልፈት ዲክታተርን ኣተሓሳስባኡን ከኣ ምስ ህዝብና ፊትንፊት ክራኸቡ እዮም። ኤርትራ ከኣ ነባሪት እምብር ምስ ኢሳያስ እትሓልፍ ኣይኮነትን።

ንኣብነት ሕቡራት ዓረብ ኢማራት ከባብያዊ ልዕለነኣ ኣብ ምብራኽ ንክሕግዛ ኣብ መሬት ኤርትራ ናብ የመንን ካልእ ከባብን ምውፋር ዘኽእላ ወተሃደራዊ መደበር ከፊታ። እዚ ድሌትዚ ንክሓድራ ዝገበረ ከኣ ብቕዓት ኢሳያስን ምምሕዳሩን ዘይኮነ፡ ክሳዳዊ ተበሃግነት ቀይሕ ባሕሪ ዝቕናታ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ብጸጋታት ኤርትራ ንምጥቃም ንኢሳያስ ጁባኡ እንዳመላእካ መራሕ መንገድን ተለኣኣኽን ምግባሩ ግድን እዩ። ናይ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ምርካብ ህርፋንካ ንምምላእ፡ ነዚ ባዕሉ ዝዛረብ ዘስካሕክሕ ሃለዋት ህዝቢ ኤርትራ ጓሲኻ ምስ ኢሳያስ ምውድኽዳኽ’ውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። እዚ ብንጹር ዘርእየና ከኣ እቲ ቀንዲ ዝበሃግ ዘሎ ኤርትራ እምበር፡ ኢሳያስን እኩይ ተግባራቱን ከምዘይኮኑ እዩ።

Last modified on Tuesday, 25 August 2020 09:50