ንታሪኽ !!!!

2020-12-15 01:46:23 Written by  ተኽለ መለኪን Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1320 times

ወግሐ ጸብሐ ኣብ ኤሪትራን ኢትይጵያን ዘጋጥምን ዝውሰድን ዘሎ ተረኽቦታት ክንሰምዕን ርእይቶታትና ከነቐምጥን ጸኒሕና። ተቓውሞና ተወዳዲቡን ሓቢሩን ኣብ ውጽኢት ከርኢ ዝኽእል ዕማማት ዝኣቱ፤ በቢ ኮም ተኣኻኺቡ፤ ነቲ ሕቶ ዘየድልዮ ናይ ኣብ ሓደ ምምጻእ ስጉምቲ ንክ ወስዱ ጊዜ ይወስድ ጥራይ ዘይኮነ ንስኻ እቶ ንስኻ የለኻን እናተባህለ ኣብ ጊዜ ዝበልዕን፥ ኣብ ካልእ ከተስግል ዝገብርን ምምላስ ይስማዕ። ፖለቲካዊ ውድባት ሰሚረን ሓንቲ ትመርሐን ኣካል ኣብ ክንዲ ዘቑማን ንተቓውሞ ኣብ ክንዲ ዝመርሓን፥ ሽማግለታት ብምውጻእ ንጥርኑፍ ኣመራርሓ ዘይጥዕም መገዲ ሒዘን ይርከባ። ኣብ ምሉእ ደምበ ተቓውሞ፥ መን ተቓዋማይ መን ናይ ውሽጢ ኣርበኛ ምዃኑ ከተለሊ ዘጸግም ኩነታት ተፈጢሩ ኣሎ።

ኩነታትና ከምዚ ኢሉ እንከሎ ድማ ኣቢይን ኢሳያስን ብዝመደብዎ እነሆ ኣብ ዶብና ውግእ ተባሪዑ ንርኢ። ዘሰንብድ ክኸውን ይኽእል፤ ናይ ኣብይን ኢሳያስን ዕርክነት ብመሰረቱ ናይ ሓባር ትምኒታቶም ስለዝተሰማምዔ ኢዩ። ኢሳያስ ካብ ዝተበገሰላ ዕለት ኣትሒዙ ንሰውራ ኤሪትራ ጨውዩ ናብ ኢትይጵያ ንክመልሳ ዝተበገሰ ብምንባሩ፤ ካብ ጊዜ ሰውራ ኣትሒዙ፤ ነቲ ጅግና ህዝብን ሰራዊትን ገጹ ከርእዮ ስለዘይደፈረ፤ መጀመርያ ብውግኣትን ብመቕተልትን ማእሰርትን ከብርሶን ከዳኽሞን ሓደ ሜላኡ ኮይኑ፤ ነቶም እንታይ ደኣ ኣብ ጊዜ ደርጊ ዓበይቲ ዓወታት ክምዝገብ ተኻኢሉ ንዝብሉ ድማ፤ ኢሳያስ እቲ ዝለዓለ ናይ ምዕራብ ሓገዝ ዝቕበለሉ ዝነበረ እውን ጊዜ ደርጊ ኢዩ ነይሩ፤ እቲ ምኽንያት ድማ ነቲ ማርክሳዊ ኢየ ዝብል ስርዓት ካብ ገጽ መሬት ምጥፋእ ድሌት ምዕራባውያን ሃገራት ብምንባሩ ኢዩ። ድሕሪ ናጽነትከ ከመይ ኬድና፧ ብግስ ከይበልና ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮይኑ ናይ ሓባር መንግስቲ ክምስርት ሓሳብ ከምዝነበሮ ሓው መስፍን ሓጎስ ሓቢሩና ኢዩ። ንሱ ከይኣክል ኣብቲ ኣብ ሎንዶን ዝተገብረ ርክብ እውን መለስ ዘናዊ፥ “ህዝቢ ኤሪትራ ንናጽነቱ ኢዩ ተዋጊኡ” ብምባል ንሓሳብ ኢሳያስ ውዱቕ ከምዝገበሮ ሰሚዕና ኢና። እዚ ኣበሃህላዚ ድማ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ወያነ ዓቢ ጽልእን ቅርሕንትን ኣሕዲሩሉ ኢዩ። ኣብ ውሽጢ ኤሪትራ ንኢሳያስ ዘቃልዕ ነቐፈታትን ምንቅስቓሳትን፤ ከምኡውን ንናይ ዘለኣለም ሕልሙ ከበርዕን ዝኽእል ቅዋም ምንባሩ፤ ኢሳያስ ንኩነታት ብፋሕብትን ንምቕያር ውግእ ባድመ ከፈተ። ንባድመ ውዒላ ሓዲራ፥ ኤሪትራ ምስ ኢትዮጵያ ምስተሓወሰት ትርጉም ክህልዋ ስለዘይኮነ ኢሉ ኣቐዲሙ ብምሕሳቡ ኢዩ ካብ ጀብሃ መንጢሉ ንወያነ ገዲፉሎም ዝነበረ። ሕጂውን ኣብይ ምስ መጸ ንባድመ ክመልሳ ኣይተገደሰን፤ እቲ ምኽንያት ድማ: ባድመ ምስ ኤሪትራ ናብ ኢትይጵያ ከምትኣቱ ስለዝኣምን ኢዩ።

እዚ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ዘመቻ ድማ፥ ኣቢይ ንስልጣኑ፤ ኢሳያስ ንዕላምኡ፤ ብገለ ሓይልታት ተመሪሖም ወዲኦምዎ ዝመጹ ውዲት ኢዩ። ብዙሕ ትያትሮ ድማ ርኢና። ስርዓት ወያኔ ዝፈጸሞ ዘይብሱል ኣመራርሓን ባህርያትንኳ ነይሩ እንተተባህለ፤ ንትዮጵያ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ትምህርታውን ቁጠባውን ደረጃ ከምትበጽሕ ጌሩ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ኣብ ምሉእ ኣፍሪቃን ዓለምን ንኢትዮጵያ ከም ትኽበር ገሮም ኢዮም። እዚ ምዕብልናዚ ድማ ብዓይኒቶም ኣፍሪቃውያን ዓደግትን ተመራሕትን እንበር፥ ርእሶም ዝኸኣሉ ኣፍረይትን ናይ ዕዳጋታቶም ተወዳደርትን ክኾኑ ዘይወሓጠሎም ኣህጉራውያን ሸነኻት፤ ዘይደልዮን ንካልኦት ኣብነት ክኸውን ዝኽእል ሓደገኛ ጉዕዞ ጌሮም ስለዝርእይዎን፤ ንድሕሪት ክመልስዎ ክፍትኑ ከምዝኾኑን ከምእተዓወቱሉን’ውን ግሁድ ኢዩ።

ብካልእ ሸንኽ ድማ፤ እቲ ዳርጋ ቀሺ ወይ ሸኽ ተመሲሉ ብዛዕባ ፍቕርን ሰላምን እናሰበኸ እዚ ዘይበሃል ኣድናቖት ዝረኸበ ኣቢይ ኣሕመድ፤ ንኢትዮጵያውያን፥ ምስ ኢሳያስ ብምምሽጣር ዝዓበየ ህያብ ከምጽኣሎምን ምስጋናን ስልጣንን ከረጋግጽ፤ ብመምርሒን ተሓባባርነትን ናይ ኢሳያስ መጀመርታ ንህዝቢ ትግራይ ምድቋስ፤ ድሕሪኡ ንኤሪትራ ናብ ኢትዮጵያ ምሕዋስ ንዝብል መደቡ እንሀ ጀሚርዎን የካይዶን ኣሎ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ከምዚ ድንግርግር ዝበለ ኩነታት ን ኤሪትራ ኣትዩ ንትግራይ ምጥቃዕ ጥራይ ዘይኮነስ፤ ካብ ኤሪትራ ንሃገሩ ይምለስ ዝብል እምነት የብለይን፤ ሓላዋይ ኢሳያስን ብምዃን: ንዝኾነ ተቓዋሚ ከጥፍእን ድማ ህልውንኡ ቀጻሊ ክኸውን ኢዩ።

ሎሚ ህዝቢ ትግራይ እንተተደርዒሙን ተዳኺሙን፤ ጽባሕ ተራና ከምዝኾነ ምስትብሃል ጽቡቕ ኢዩ። መበገሲ ናይዚ ውግእዚውን ንኤሪትራ ንምንብርካኽ ዘቃልል ተባሂሉ ዝተጀመረ ምዃኑ ኢዩ ትርጉም ዝህብ።

ካብዚ ኩሉ ዝተጠቕሰ ብምብጋስ ድማ፥ ሎሚ ንዕንወት ናይ ትግራይ ዝትምነ ኤሪትራዊ፥ ካብ ሕጂ ዜግነቱ ከምዝቐየረ ክርድኦ ይግባእ። እዚ ዘለናሉ ጊዜ፥ ናይ ቅርሕንትን መሰረት ዘይብሉ ትምክሕትን ድርቅና መርገጻትን ጊዜ ኣይኮነን፤ ኣንዊሕካን ኣዕሚቕካን ተስተብህለሉን ትመዝነሉን፥ ንሃገራውን ህዝባውን ጥቕምኻ ዘዋጽእ ምግንዛብን ዝሓትት ኢዩ። ኣብ ምፍፍልላይ ኣውራጃ፤ ኣብ ዝሓለፈ ውባዊ ፍልልያት፤ ኣብ ውድበይ ውድብካ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ዕንክሊል ዝብል ኩሉ፤ ካብ ልቡ እንተኾይኑ ልቢ የብሉን፤ ኮነ ኢሉ ዝገብሮ እንተኾነ ድማ ጸላኢ ህዝቢ ኤሪትራን ክቡራት ስንኩላቱን ስዉኣቱን ምዃኑ ንኩሉ ኣንባቢ ንጹር ክኸውን ይግባእ። ንመርሕነት ዝጓየ እንተሎ ድማ፤ እታ ዕድል ንሓደ ጥራይ ኢያ`ሞ ዓቕምኻን ብቕዓትካን ፈሊጥካ ንናይ ሓባር ስራሕ ቀዳምነት ሃብ ኢለ ክምዕድ እፈቱ።

ሎሚ ኤሪትራ ዓባይ በት ማእሰርቲ ህዝቢ ኤሪትራ ኢያ ዘላ፤ ምሉእ ህዝቢ እሱር ኢዩ። ተባዕ ዝነበረ ኣብ ፈራሕ ተቐይሩ፤ ኣንበሳ ዝነበረ ደኒኑ፤ በሊሕ ዝነበረ ፈዚዙ ወዘተ፥ ህዝብና እንታይ ወርድዎ ኣብ ኢልካ ዝሕተተሉ እዋን ኢና በጺሕና ዘለና። ሃገርና ክትደክን ፈላጣታን ሰብ ንብረትን ንህያቦም ከይጥቀሙሉ ዝተዓግቱሉን እተባረሩሉን፥ ሰብ ናብ ዕለታዊ ድራሩ ጥራይ ከድህብ እተገደ ደሉን፤ መንእሰያት ትርጉም ዓለም ትርጉም ዘይህቦም ዝኾኑሉን፥ ብዘይካ ንሳዋ ምውሓዝ ናይ መጻኢ ተስፋ ዘይርእዩሉን፤ ከተማታት ዓንየን መልክዓተን ዝተደምሰሰሉን (ዝተረፈኒ ወስኹሉ) ክገብር ዝጸንሐን ዘሎን ንድልየት ናይ ሓደ ባእታ ንክጥዕም ምዃኑ ኩሉ ኤሪትራዊ ሎሚ ዘስተብሃለሉ ይመስል። እዛ እዋን እዚኣ ንህልውና ሃገርና ካብ ዝሓለፈ እዋናት ብዝለዓለ ትፈታተነና ዘላ ስለዝኾነት፤ ሓቢርና ንጽዓረላ፥ ጥቕሚ ሃገርና ንዝሕሉ ኩሉ ኣገባብን መንገድን ብብልሓት ንጠቐም፤ ብዝሒ ዘረባ ዘይኮነስ ተግባር ዝጠልብ እዋን ኢዩ።

ኣብ ገምገም ጥፍኣት ንዘላ ሃገር ብሓባር ነድሕን።

ብዘይምውልዋል ንስለ ህዝብና ክንብል ሓቢርና ንስራሕ።

ዝኽርን ክብርን ንስዉኣትና

ተኸለ መለኪን 29/11 - 2020

Last modified on Tuesday, 15 December 2020 02:49