መበል 15 ዓመት ዝኽሪ መስዋእቲ፡ ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ)

2020-12-16 22:21:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2078 times

ከምቲ ወለድና “ንዝገበረልካ ግበረሉ ወይ ንገረሉ” ዝብልዎ፡ ነቶም ሕድሪ ኣረኪበሙና ዝሓለፉ ሓርበኛታት ክንዝክሮምን ሕድሮም ክንዕቅብን ናይ ግድን እዩ። ሰማእታትና፡ ዋላኳ ብሕልና ወትሩ ምሳና እንተኾኑ፡ ብፍላይ ኣብ ከም ዕለተ-መስዋእቶም ዝኣመሰሉ ኣገደስቲ ኣጋጣምታት ክንዝክሮም ግቡእ እዩ። ትርጉም ናይ ምዝካሮም ከኣ ንሳቶም ዝጀመርዎ ቃልሲ ኣብ ሸቶኡ ንምብጻሕ ቃልና ንምሕዳስዩ። ካብ ንእስነቱ ጀሚሩ ምእንቲ  ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ካብ ዝተበጀዉ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ሓደ ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይ) እዩ። እነሆ ከኣ ካብ ዝስዋእ 15 ዓመት (17 ታሕሳት 2005-17 ታሕሳስ 2020) ኮይኑ። ስዉእ ስዩም ዑቕባሚካኤል ብ24 ጥሪ 1946 ካብ ወላዲኡ ሰርጌንት ዑቕባሚካኤል ራእሱን ወላዲቱ ወይዘሮ፡ ህይወት ባህታን ኣብታ በራኽ ዓዲ ሓሰር የልቦ’ዩ ተወሊዱ። ሓርበኛ ስዩም ዕድሚኡ ንትምህርቲ ምስ በጸሐ፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰታውያን መባእታዊ ትምህርቱ ጀሚሩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ፕረንችፐ ማእከላይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ትምህርቱ ምስ ወደአ፡ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ፈጺሙ፡ ትምህርቱ ከኣ ኣብ ናይ ሽዑ 2ይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ልኡል መኮነን ቀጺሉ።

ሓርበኛ ስዩም ዑ/ሚካኤል ራእሱ ጉዳይ ሃገር ድቃስ ከሊእዎ፡ ኩሉ ገዲፉ ኣብ ጉዳይ ሃገር ተጸሚዱ። ኣብዚ ምስጢራዊ ሃገራዊ ጉዳይ ናይ ምስትብሃሉ ተበግሰኡ በይኑ ኣይነበረን። ወልደዳዊት ተመስገን፡ ሃይለ ወልደሚካኤል (ድሩዕ)፡ ሚካኤል ጋብር፡ ወልደየሱስ ዓማር፡ ሙሴ ተስፋሚካኤል፡ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ዓብደልራሕማን ሓሰን፡ ገብረእግዝኣብሄር ተወልደ፡ ዓብደላ ሓሰንን ካለኦትን ምስኡ ነይሮም። ስዩም ኣብ ጉዳይ ሃገር ተባዕ፡ ኣብ መሃዝነት ከኣ ተወዳዳሪ ኣይነበሮን። ስዩም ብዘይካቲ ኣብ ፖለቲካዊ ሜዳ ዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ብሰንኪ ፖለቲካዊ ተሳትፎኡ 10 ዓመት ዝተኣስረን ብሳላ ንሱ እውን ዘበርከተሉ ሓርበኛዊ ስርሒት ተሓኤ ካብ ቤት ማእሰርቲ ዓዲዃላ ካብ ዝወጹ ኤርትራውያን ባእታታት ቅድሚት ዝስራዕ እዩ።

ብዛዕባ ሓርበኝነትን ሃገራውነትን’ዚ ብ17 ታሕሳስ ተሰዊኡ ብ30 ታሕሳስ 2020 ኣብ ሃገር ሆላንድ ሓመድ ኣዳም ዝለበሰ  ስዩም ዑቕባሚካኤል ኣብ ግዜ መስዋእቱን ድሕሪኡ ኣብ ዝነበሩ ኣጋጣምታትን ብዛዕባኡ ካብ ዝተባህሉን  ካብ  ዝተጻሕፉን ምእንቲ ዝኽሩ ከነስፍር ኢና።

15 Years DB 1db

 

ስዩም ዑቕባሚካኤል (ሓረስታይኣብተን ናይ መወዳእታ ሰዓታት

(ዝኽሪ መበል 15 ዓመት)

16 ታሕሳስ 2005  ድሕሪ ቀትሪ ቅድሚ 15 ዓመታት ስዩም ዑቕባሚካኤል ናይ ሽዑ ኣቦመንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ-ሰውራዊ ባይቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቤት ጽሐት ውድቡ ነይሩ። ስዩም ኣቐዲሙ ብ27 ሕዳር 2005 ብውድባዊ ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ዮርዳኖስ ኣብ ዝበሃል ሆቴል እዩ ዝድቅስ ነይሩ። ኣብዚ ዕለትዚ ምስ ብጾቱ ኣብ ቤት ጽሕፈት ብሓባር ተመሲሑ ኣጋ ሰዓት 3፡30 ድሕሪ ቀትሪ ናብ ሆቴሉ ከዕርፍ ከይዱ። ክኸይድ እንከሎ፡ ጸኒሐ እንተመጺአ ክንራኸብ ኢና ተዘይመጺአ ድማ ጽባሕ ንግሆ የራኽበና” ኢሉ ተፋንዩና ከይዱ። እንተኾነ ኣቐዲሙ’ውን “ሰውነተይ ይኸብደኒ ኣሎ” ይብል ስለ ዝነበረ ምሸት ኣይተመልሰናን። ንሕና እውን ኣቀዲሙ ሓቢሩና ስለ ዝነበረ ብዘይምምጻኡ ብዙሕ ኣይተሻቐልናን።

ንጽባሒቱ ቀዳም እዩ ነይሩ። ካብ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ ናብቲ ምስ ውድባት ብሓባር ንሰርሓሉ ዝነበርና ቤት ጽሕፈት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ንምኻድ እንዳተሰባሸብኩ፡ ስዩም ደዊሉ ንኽመጾ ሓቲቱኒ። ሰዓት 7 ንግሆ እዩ  ነይሩ። ቤት ጽሕፈትና ናብቲ ንሱ ዝነበሮ ሆቴል ቀረባ ስለ ዝነበረ፡ ናብቲ ሆቴል ቀልጢፈ በጺሐ። ምስኡ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኡ ምስ ዝነበረ ኣቶ መንግስተብ ኣስመሮም ድማ ኣብቲ ስዩም ዝነበሮ ክፍሊ ተራኺብና። ስዩም ካብቲ ዓራት ወሪዱ፡ ኮበርታ ደሪቡ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሉ ጸኒሑና። ከም ዝሓመመ ድማ ነጊሩና። ከመይ ከም ዝገብሮ ክነግረና እንከሎ  ቁሪቁሪ የብለኒ፡ ኣብ ከባቢ ልበይውን ውግኣት ይስመዓኒ፡ ክሕሸኒ ኢለ ተተሓጸብኩ ድማ መሊሱ ገዲዱኒ ኢሉና። ግዜ ከይወሰድና ናብ ሕክምና ክንከይድ ወሲና ድማ ኣነ ሒዘዮ፡ ኣብ ቦሌ ሳይ ኣብ ዝበሃል ህንጻ ናብ እትርከብ ኣቀዲምና ብማዕዶ ናብ እንፈልጣ ክሊኒክ ከይድና። እንተኾነ እዛ ክሊኒክ ተዓጽያ ጸኒሓትና። በታ ዝሓዝናያ ታክሲ ድማ ኣብ መስመር ቀንዲ ጐደና ቦሌ ኦለፒያ ኣብ ዝበሃል ቦታ፡ ጥቓ ናይ ሽዑ ቤት ጽሕፈትና ናብ እትርከብ ክሊኒክ ቤተዛታ ከይድና። ንግሆ ብምዃኑ መካይን ስለ ዘይበዘሓ ቀልጢፍና ኣቲና። እንተኾነ ሰዓት 8 ስለ ዘይኣኸለ ምዱባት ሓካይም ክንረክብ ኣይከኣልናን። ክሳብ ሰዓት ኣኺሉ ሓካይም ዝመጹ ሓደ ኣብቲ ክሊኒክ ተረኛ ዝሓደረ ክኢላ ንግዜኡ ቃንዛ ዘዕግስ መርፍእ  ንስዩም ወጊእዎ።

ሓኪም እንዳተጸበና፡ ንስዩም እቲ ዝተወገኦ መርፍእ ጠቒምዎ እንተኾይኑ ሓቲተዮ።እወ ደሓን እየ። ግና ሓኪምስ ደንጉዩና ጋና ድዩ ሰዓት ኢሉ መሊሱለይ። ሰዓት 8፡15 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሓኪም መጺኡ። ኣብቲ ክሊኒክ ቀዲመሙና ዝበጽሑ ሕሙማት ስለ ዘይነበሩ ቅድሚ ኩሉ ስዩም ተራእዩ። ኣነ እውን ምስኡ ነይረ። እቲ ሓኪም ብኲነታት ስዩም ከም ዝሰንበደ ካብ ገጹ ይንበብ ነይሩ። ኣነ እውን ወዮ ነቲ ሕማም ኣቕሊለ ዝርእዮ ዝነበኩ እንዳተቐየረ ብውሽጠይ ክፈርሕ ጀመርኩ። እቲ ሓኪም መሳርሒታት እንዳቐያየረ ክርእዮ ምስ ጸነሓ፡ ካብቲ ዝነበሮ ክፍሊ ኮረር ብዝብል መንበር ናብ ካልእ ክፍሊ ወሲድዎ። ካብዚ ጀሚረን እንተን ከይደን ዘይርብርባ ዝነበራ ኣእጋር ስዩም ስራሐን ኣቋረጻ። ፍርሐይ ድማ ማዕረ እቲ ቅልጡፍ ምቅይያር ኣብ ኩነታት ስዩም እንዳዓረገ መጸ። ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ እቲ ሓኪም ንእሽቶ ወረቐት ጽሒፉ ሂቡ፡ ብኣንቡላንስ ካብ ክሊኒክ ቤተዛታ ኣብ ከባቢ ስታድየም ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ቤተዛታ ብህጹጽ ክንከይድ ምዃና ስግኣትን ፍርሕን ብዝጸለዎ ቃላት ነጊሩኒ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ጐረቤት ናይ ሽዑ ቤት ጽሕፈት ሰውራዊ ባይቶ እዩ ኢለ ኣለኹ። ኣነ ኣብዚ ሰዓትዚ ንግሆ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ገንዘብ ስለ ዝወዳእኩዎ፡ ናብ ሆስፒታል ቤተዛታ ቅድሚ ምኻድና ብጉያ ናብ ቤት ጽሕፈት ከይድ ገንዘብ ሒዘ መጺአ፡ ስዩም ኣብ ዓራት ደቂሱ ሳልሳይና መራሕ መኪና፡ ሓያል ናይ ኣሕልፉኒ ድምጺ ጥሩንባ ብእተስምዕ ኣንቡላንስ ናብቲ ሆስፒታል ጉዕዞ ጀሚርና።

ኣብ ጉዕዞና ስዩም ከመይ ኣለኻ ኢለ ሓቲተዮ። በቲ ምዑዝ ኣዘራርባኡ ድማ እዋእ ደሓን እየ፡ እንተኾነ እታ ሸቕሸቕ ተብለንስ ኣየቋረጸትንኢሉኒ። ድሕሪኡ ካልእ ዘረባ ወሲኸ ከየድክሞ ዘረኣ ኣይወሰኽኩን። ኣነ ብውሽጠይ በይነይ ይዛረብ ነይረ። ስዩም እውን ከምኡ። እቲ ንኸዶ ርሑቕ ስለ ዘይነበረ ከኣ ቀልጢፍና ኣቲና። ነቲ ድምጺ ጥሩንባ ዝሰምዑ ናይቲ ሆስፒታል ሰረሕተኛታት መጺኦም ሓጊዘሙኒ፡ ንስዩም ካብታ ኣንቡላስን ኣውሪድና ኣብቲ ናይ ህጹጽ ረዲአት ክፍሊ ኣብ ዓራት ብጐቦ ኣደቂስናዮ ቅድሚ ሓኪም ምምጻኡ ስዩም እዚ ሆስፒታል ናይ መንግስቲ ድዩ ናይ ብሕቲ?” ኢሉ ሓቲቱኒ። ኣነ ድማ  ናይ ግሊ እዩ ኢለ መሊሰሉ። ቀጺሉ  እሞ ወጻኢ ደኣ ክበዝሓና እንድዩ፡ ……… ናብ ሕስር ዝበለ መንግስታዊ ሆስፒታል ዘይንኸይድ ኢሉኒ። ኣነ ድማ እዚ ናይ ሕጂ ኩነታትካ ንርኣዮ እሞ እዚ ትብሎ ዘለኻ ደሓር ተረኣናዮ እዩ ዝሓይሽ ኢለ ምስ መለስኩሉ፡ ድሕሪኡ ዘረባ ኣይቀጸልናን፡ ምኽንያቱ እታ ካብ ክሊኒክ ዝተዋህበትኒ ወረቐት ምስ በጽሓቶ ቀልጢፉ ዝመጸ ዶ/ር ዮናስ  ስለ ዘቋረጸና። ዶ/ር ዮናስ ቅድሚ ስራሕ ምጅማሩ ካብቲ ክፍሊ ክወጽእ ኣዚዙኒ ወጺኣ። ድሕሪ እዚ ምስ ስዩም እነሆ ብኣካል ንሓዋሩ ተፈላሊና።

ዶ/ር ዮናስ ንስዩም ምስ ረኣዮ ብዝሃቦም ምልክት ብቕጽበት ኩሎም ናይቲ ሆስፒታል ሓካይም እንዳጐየዩ ናብታ ስዩም ዝነበራ ናይ ቅልጡፍ ረድኤት ክፍሊ ክኣትዉ ተዓዚበ። ወዮ ኣብ ቀረባ ዝጸንሐ ፍርሐይ ድማ ናብ ስንባደ ተቐይሩ። ንሕማም ሰጊረስ ብዛዕባ ሞት ክሓስብ ጀሚረ። በቲ ኣጸቢቆም ዘይዓጸውዎ ናይ መስኮት መጋረጃ ድማ ኩሎም እቶም ሓካይም ክኸብዎ ተዓዚበ። ካብቲ ምንቅስቓሳቶም ድማ ብውሕዱ ስዩም ትንፋስ ከም ዝሓጸሮ ተገንዘብኩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ደቓይቕ፡ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ንግሆ ኣቢሉ ይኸውን ሕጂ ስሞም ዘይዝክሮ ናይቲ ሆስፒታል ሕክማናዊ ዳይረክቶር “ቤተሰብ ኣቶ ስዩም ዑቕባሚካኤል” ኢሎም ጸውዑ። ኣነን ናይ ስዩም ናይ ቀረባን ናይ ነዊሕ ግዜን ዓርኪ ኣቶ ገብራይ ገብረ እየሱስን ኮን ደኾን ተስፋ ንረክብ ብዝብል ትጽቢት ቀልጢፍና ቀረብናዮም። ዝሃቡና ሓበሬታ ግና ኣቶ ስዩም ልቦም ስረሓ ኣቋሪጻ እያ። ናይ እግዚኣብሄር ደገፍ ተተወሲኽዎ ሓካይም ህይወቶም ንምድሓን ይቃለሱ ኣለዉ ዝብል ቀዳማይ ደረጃ መርድእ ነገሩና።

ኣቶ ገብራይ ነቶም ሓኪም ናብ ዝሓሸ ሕክምና ዋላ ናብ ወጻኢ ምውሳድከ ኣይከኣልን?” ኢሉ ሓቲትዎም። እቶም ሓኪም ድማ ወዮ ኲነታት ኣበይ በጺሑ ከምዘሎ ስለ ዝፈልጡ ንሱ ሕጂ ዝግበር ኣይኮነን ኢሎም መሊሰሙልና። ድሕሪዚ በብውሽጥና ድሕሪ ሞት ጥዕና ቅበጽ ኢልና። ደፊርና ግና ስዩም ክመውት እዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይከኣልናን። ኣብዚ እዋንዚ፡ ኣሕዋት ገብሪህይወት ጸጋይ፡  ጅምዕ ኣሕመድ፡ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ተኽላይ ተስፋጋብርን ብቕደም ተኸተል ናብቲ ሆስፒታል መጺኦምና ኣለዉ። እንደጋና ከባቢ ሰዓት 11፡30 ረፋድ እቶም ናይቲ ሆስፒታል ላዕለዋይ ሓላፊ ዶክተር ነዓይ ጸዊዖም “እዚኣ ኣብ ክፍሊ ገንዘብ ከፊልካ ምጻእ’ሞ ቅብሊት ሒዝካ ተመለስ” ኢሎም ናይ 194 ብር መእዘዚ ሂቡሙኒ።  ከፊለ ቅብሊት ሒዘሎም ምስ ተመለስኩ በቲ ጭንቅና እንዳተጨነቑ እምበኣር ጻዕርና ኣይሰመረንኣቶ ስዩም ዓሪፎም እዮም  ኢሎም ኣርዲአሙኒ። በዚ ድማ ናይ መወዳእታ ናይ ስዩም ቃላትን ናይ ስዩም ዕረፍትን ቀዳማይ ሰማዒ ክኸውን ክኢለ። ብኡንብኡ ድማ ነቶም ኣብኡ ምሳይ ብስግኣት ተዋሒጦም ዝነበሩ ኣቐዲመ ኣስማቶም ዝዘርዘርኩዎ ኣሕዋት  ኣርዳእኩዎም። ጸሓይ እቲ ባህርያዊ ብርሃን ናይ ምልጋስ ተግባራ ኣይቀየረትን። ንዓና ግና ንዝተወሰነ ግዜ ጸልሚቱና። ንደገን ንውሽጥን ድማ ከም ሕሱም ነቢዕና።

ድሕሪ እዚ ብጉዳይ ስዩም ዘይኮነስ ብዛዕባ ኣስከሬኑ ክንሓስብ ተገዲድና። ስዩም ድማ ድሮ ብዛዕብኡ እንዳተዛረብና ናብ ዘይዛረብ ኣይግዳዱ ተቐይሩ። ነናትና ስረሓት ክንሰርሕ ተቐሲብና። ገሌና ንላዕለዎት ሓለፍቲ ሰውራዊ ባይቶ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ኤምባሲ ሆላንድን ዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ምሕባር ተዋፊርና። ገሌና ድማ ኣብ ምውጋን ኣስከሬን ናይቲ ሽዑ ዝተፈልየና ሓርበኛ ተጸሚድና። በዚ መሰረት ቅድሚ ኣበይን ብኸመይ ይቕበር ዝምልከት ውሳነ  ምፍላጥና ኣስከሬኑ ክምርመር ናይ ግድን ስለ ዝነበረ፡ ገብረ እግዚኣብሄር ካብ ዝበሃል ትካል ኣስከሬን ኣትጸውር መኪናን ሳጹንን ኣምጺእና ናይ ኣስከሬን ይመርመረልና ጥርዓን ናብ ፖሊስ ኣቕሪብና ናብ ሚነሊክ ሆስፒታል ወሲድናዮ። ዕለቱ  ቀዳም ስለ ዝነበረ ከኣ ሰኑይ ክንምለስ ቆጸራ ወሲድና። ንስዩም ምስ ከዛርብዎን ከዛርቦምን ዘይክእል ኣስከሬናት ገዲፍናዮ ተመሊስና። እዚ ኩሉ ወዲእና ከባቢ ሰዓት 3 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ቤት ጽሕፈትና ተኣኪብና። ኣብዚ ኣኼባና ሓዘና ክኢልና፡ ነብስና ከፋፊልና ክንዓሞ ብዛዕባ ዝግበኣና ስረሓት ወሲና። ሰኑይ ንግሆ፡ ገሌና ጉዳይ መርመራ ኣስከሬን ክንከታተል፡ ገሌና ብዛዕባ ኣስከሬን ናብ ሆላንድ ዝጐዓዘሉ ኣገባብ፡ ምስ ናይታ ሃገር ኤምባሲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትርን ርክባት ክንገብር ዝተረፍና ድማ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኮይና ገጾም ክኸድኑ ንዝመጹ ኣጋይሽ ክንቅበል ተሰማሚዕና።

ሰኑይ 19 ታሕሳስ 2005 ምስ ኮነ እቶም ጉዳይ ኣስከሬን ንከታተል፡ ንጉዕዞ ብዘኽእል ኣገባብ ብኩባዊት ክኢላ ኣመርሚርና፡ ንናይ ርሑቕ ጉዕዞ ዝምጥን ሳጹን ገዚእና ነቲ ኣስከሬን መዝሓሊ ናብ ዘለዎ ሆስፒታል ሓያት ወሲድና ዓቂብናዮ። እቶም ኣብ ካልእ ስረሓት ዝተዋፈሩ ኣሕዋት እውን ብተመሳሳሊ ስረሓቶም ኣሰላሲሎም። ኣስከሬን ሰሉስ 20 ታሕሳስ 2005 ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሆላንድ ክጉዓዝ ከም ዝኽእል ርግጸኛታት ምስ ኮይና ድማ ኣብ ነፋሪት መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ቦታ ኣትሒዝና።

ቅድሚ ኣስከሬን ጉዕዞ ናብ ሆላንድ ምጅማሩ፡ ሆስፒታል ሓያት ኣዳራሽ ፈቒዱልና ናይ መፋነዊ ፕሮግራም ሰሪዕና። ኣብዚ ሓጺር ታሪኽ ህይወት ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካኤል ዝተነበሉን ንሓርበኝነቱ ዝገልጽ ግጥምታት ዝቐረበሉን ናይ ፈነወ ስነ-ስርዓት ንስዩም ዝምጥን እኳ እንተዘይነበረ፡ ሓያሎ፡ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ መራሕትን ኣባላትን ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያውያንን ተሳቲፎም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቶ ስብሓት ነጋ ካብ ኢህወደግ፡ ኣንበሳድር ሱሌማን ካብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር፡ ኣንበሳደር ሃይለኪሮስ ገሰሰ ናይ ሽዑ ኣንበሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ቻይና፡ ኣቶ ሕቡር ገብረኪዳን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ሰንዓ ፎረምን ካለኦትን ይርከብዎም።

ድሕሪ እዚ ምሸት በዚ ዕለት እዚ ክሳብ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣብ ዝነበረ ግዜ ኣስከሬን ሓርበኛ ስዩም ዑቕባሚካእል ናብ ሆላንድ ብኣድራሻ በዓልቲ ቤቱ ወይዘሮ ኣዝመራ ሃይለ ኣፋኒና ናይ ኣዲስ ኣበባ ሓዘና ዓጺና።

ደበሳይ በየነ

Last modified on Wednesday, 16 December 2020 23:30