እምንስ ተወደቐትካ ኮነ፡ ተወደቕካያ ትሰብረካ፡
2020-12-11 11:15:02 Written by ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1366 timesኣብ መንጎ ሃገራት፡ ብሄራት፡ ሕበረተሰብኣዊ ጉጅለታት፡ ሰልፍታት፡ ውድባት ኮነ ውልቀሰባትን፡ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ዝመንቀሊኡ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያትን ምስሕሓባትን ከጋጥም ባህርያዊ እዩ። እዚ ኣብቶም ዝፈሓፍሑ ኣካላት ዘጋጥም ንጉዳያት ከከም ኣረኣእያኻ ካብ ምሓዝ ዝነቅል እዩ። ፍልልያት ንሰባት መናብርቶም እምበር፡ ዘሰንብድን ሃንደበት ዘጋጥምን ኣይኮነን። ለባማት ናይ ምስሕሓብን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ንቡርነት ክገልጹ እንከለዉ፡ “ኣሽንባይዶ ሰብስ እምኒ ምስ እምኒ’ኳ ይጋጮ” ዝብሉ ካብዚ ነቒሎም እዮም።
እቲ ዘሰሓሕብ ጉዳይ መንቀሊኡ ኮነ ሸቶኡ ብዙሕ ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ልዕልናን ቁጠባዊ ረብሓን ምውሓስ ልዕልና ይሕዝ። እቶም ዝሰሓሓቡ፡ ኣብ ናይ መን ካብቲ ምስሕሓብ ረብሐ ህልኽ ክኣትዉ ልሙድ እዩ። እንተኾነ ክልቲኦም ወገናት ናይ ኣርሒቕካ ምርኣይን ናይቲ ምስሕሓብ ሳዕቤንን እንተተረዲኦም፡ እንተኸኣኢልካን ተጸዋዊርካን ዘይፍታሕ ወጥሪ የለን። ምናልባት ኣብ ነናቶም ምርጫ ጥራይ ሒዞም ኣብ “ወይ እታ ፈትሊ ትብተኽ ወይ እታ ዕንቊ ትስበር” ዕጽዊ ህልኽ እንተደቂቖም ግና እቲ ሳዕቤን ሓደገኛ እዩ ዝኸውን። እቲ ሓደገኛ ሳዕቤን ንኹሎም ዘረኻኽበሎም እምበር ኣብ ሓዲኦም ጥራይ ዝድረት ኣይኮነን።
ናይ ጐንጽን ምስሕሓብን ዝበልሐ ጥርዚ ውግእ እዩ። ውግእ ከይፈተኻ ተገዲድካ እትኣትዎ ናብ ቀጻሊ ፍታሕ ንምብጻሕ ተጽዕኖ እትፈጥረሉ እምበር፡ ናይ መወዳእታን ዘተኣማምንን ፍታሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ዝኾነ ጐንጺ መወዳእታ ኣብ ዓውዲ ውግእ ዘይኮነ፡ ኣብ ዙርያ ጠረጴዛ ስለ ዝኸውን። ውግእ ብኹሎም በቶም ዝተሃላለኹ ጽቡቕ ድሌትን ቅሩብነትን እንተልዩ ምዕጋቱ ዘይከኣል ኣይኮነን። ሓዲኦም ካብቶም ዝዋጠጡ ቅሩብ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ብሓደ ኢድካ ምጥቓዕ ከምዘይከኣል፡ ብጽቡቕ ድሌት ሓደ ኣካል ኣይወሓስን። እቲ መሰሉ ብመንገዲ ውግእ እንተዘይኮይኑ ካልእ መንገዲ ዝተዓጽዎ ወገን ናብ ፍትሓዊ ውግእ ክኣቱ ዝግደደሉ ኩነታት ኣሎ።
እቲ ህዝቢ ኤርትራ ኩሉ ናብ ውግእ ዘይወስድ መንገድታት ፈቲኑ ምስተዓጽዎ፡ ጐነጻዊ ቃልሲ ከካይድ ዝተገደዶ መስርሕ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ብመንጽርዚ ዝረአ እዩ። ውግእ ብኹሉ መልክዑ ኣኽሳርን፡ ከምቲ “እምንስ ተወደቐትካ ኮነ፡ ተወደቕካያ ትሰብረካ።” ዝበሃል፡ ንሰዓራይ ኮነ ንተሰዓራይ ዘረኻኽበሉ እዩ። ኩሉ ኣብ ከባቢና ቀደም ዝተኻየደ ኮነ፡ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ዝምስክሮ ሓቂ ከኣ ንሱ እዩ። ውግእ ዘለኣለማዊ ስኒትን ሰላምን ኣየውሕስን እዩ። ካብቲ ውግእ “ተረባሕቲ ኢና” በሃልቲ ግና ነቲ ክሳራ ሓቢኦም፡ ከምቲ ጠላም ኢሳያስ ዝበሎ “ኣይከሰርናን” እንዳበሉ ነብሶም ከደዓዕሱ ልሙድ እዩ።
ውግእ ምስ ተኣጉደ ኣብቶም ስሞም ገኒኑ ዝጽዋዕ ጀመርቲ ጥራይ ኣይድረትን እዩ። ኣብቲ ውግእ ነናቶም ሕሳብ ዘለዎም ናይ ቀረባን ርሑቕን ዘራያት እውን ይሳተፍዎ እሞ መሊሱ ይጉህር። ኣብዚ እዋንዚ ዝካየዱ ዘለዉ ናይ ሱርያ፡ የመንን ሊቢያን ውግኣት መነመን ጀሚረምዎ፡ ደሓርከ በዓል መን የጋድድዎ ኣለዉ ምዕዛብ ይከኣል። ኣብዚ ጐረቤትና ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ውግእ እውን፡ ካብዚ ዝተፈልየ መልክዕን ዕድልን የብሉን። ድሮ ኤርትራን ሕቡራት ዓረብ ኤምረትን ኣብ ውግእ ትግራይ፡ ብሰራዊት ድዩ ብኣጽዋር ከም ዝተሳተፋ ይኽሰሳ ኣለዋ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላይ ናይ ኤርትራ ብግብሪ እውን ተረጋጊጹ እዩ። ብዙሓት ኤርትራውያን ስድራቤታት ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ደቆም ናብ ውግእ ትግራይ ስለ ዝኣተዉ ብሻቕሎት ተዋሒጦም ኣለዉ። ነዚ ሓቂ ጓሲና ሰራዊ ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ከም ዝኣትወ፡ ዓበይቲ ማዕከናት ዜና ወይ ፖለቲከኛታት ተዓዘብቲ ከጻርዩልና ንጽበየሉ ምኽንያት የብልናን። ናይ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ ውጥም ቅልቅል እውን ናይቲ ውግእ ናይ ምስፋሕ ምልከትዩ ዝመስል።
እቶም ንህዝቢ ዘየረብሕ፡ ዘየርብሕ ጥራይ ዘይኮነ ንመጻኢ’ውን መዘዝ ዘምጸኣሉ ክነሱ፡ ንናቶም ዝናን ጸቢብ ረብሓን ኣብ ናይ ዘራይ ውግእ ዝኣትዉ ወገናት እቲ ክሳራ ኣብኣቶም ዝድረት ዘይኮነ ናይ ህዝብን ሃገርን ዕዳ እዩ። ንኣብነት ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ጉዳይ የመን ዘራይ ኣትዩ። መራሕ እቲ ጉጅለ ከኣ፡ ሳላ ዘራይ ኮይኑ ዝኣተወ በቶም ዝዘረየሎም ተነኢዱን ተመጒሱን። ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ውግእ እውን ኣትዩ ኣሎ። ምናልባት ካብ ኤርትራውያን ዝሰኣኖ ደገፍ ካብ ደገ ማእሪሩ፡ ዕደመ ስልጣኑ ናይ ምንዋሕ ዕድል ይውስኸሉ ይኸውን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ካብ ናይ የመን ኮነ ናይ ትግራይ ውግእ ክሳራን ኣራግጽን እምበር ዝረኽቦ ረብሓ የብሉን። ከምዚ ካብ ኮነ ከምቲ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺኡ “ስርዓት ህግደፍ ንባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን……ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ። ……………ስለ’ዚ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ።” ዝበሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓደገኛ ኢድ ኣእታውነት እውን ከም ኣካል ናይቲ ምእንቲ ለውጢ ዘካይዶ ዘሎ ዘቤታዊ ቃልሲ ክሕዞ ይግበኦ።
ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ኣብቲ ውግእ ምስታፉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዝምታ ንብረት እውን ብብዙሓት ወገናት ይሕመን ይኽሰስን ኣሎ። እዚ ክሲ ምጽራይ ከም ዘድልዮ ርዱእ ኮይኑ፡ እንተደኣ ውዒልዎ ግና ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንምስሊ ናይቲ “ናቱ ዘይህብ ዘይናቱ ግና ዘይደሊ” ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝድውን እዩ። መግለጺ ሰዲህኤ፡ በዚ ብዛዕባ ዝምታ ንብረት ምክልኻል ሓይልታት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ሻቕሎት ስለ ዝሓደሮ እዩ፡ “ሰልፍና ንዝዀነ ይኹን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝግበር ዝምታን ሲቪላዊ ዓመጽን ኣይቅበልን። ……… ኣየናይ ሸነኽ ይገብሮ ብዘየገድስ ዝዀነ ሰብ ካብ ናይ ዝምታን ዓመጽን ተግባራት ክቑጠብ ኣጥቢቕና ነተሓሳስብ።” ዝበለ።