ጽባሕ ካብ ምጥዓስ፡ ሎሚ ምብጋስ

2020-11-22 17:57:08 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1312 times

ኤርትራን ህዝባን ካብ ሻቕሎትን ስኽፍታን ካብ ዘይወጹ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ። ኣብዚ ሎሚ ኣብ ሃገርና ራህዋን ሰላምን ክመጽእ እንቃለሰሉ ዘለና መዋእል፡ ካልእ ሓድሽ መልክዕ ዝሓዘ መከራ የንጸላልዋ ምህላዉ  ከኣ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። እቲ መዋጸኦ ካብዚ ሕማቕ ዘበን እምበኣር፡  ምሕዛንን ምስቁርቋርን ዘይኮነ ነቲ ኩነታት ብቃልሲ ምቕያሩ ጥራይ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ብብዙሓት ናይ ቃልሲ ምዕራፋት ዝሓለፈ ሕጂ’ውን ኣብ መስርሕ ዘሎ እዩ። ኣብቲ ዝሕለፎ ምዕራፋት ቃልሲ ንሓንሳብ ኣንጻር ናይ ወጻኢ መግዛእቲ ንሓንሳብ ከኣ ኣንጻር ዘቤታውያን ወጻዕቲ ኣብ ዘካየዶ ቃልሲ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። ዝኸፈሎ ዋጋ ግና ብላሽ ኣይተረፈን። ብኣንጻሩ ኣንጸባረቕቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ። ቅድም ኣብ ዝተናወሐ ፖለቲካውን ብረታውን ቃልሲ ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ክኢሉ፡ ናጽነት ምርግጋጹ፡ ድሕሪኡ ብረፈረንደም ልኡላዊት ሃገር ምውናኑ መርኣያ ናይቲ ዝኸፈሎ ዋጋ ውጽኢታዊ ምንባሩ እዩ። እዚ ዓወታት ኣብ ምርግጋጽ ናጻነትን ምውሓስ ልኡላውነትን ግና፡ ናብቲ ቀጻሊ ምዕራፍ ቃልስን ዘይተርፍ ዓወትን መንጠርቲ እምበር ናይ መወዳእታ ሸቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ ህዝብና ምእንቲ ዘተኣማምን ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ድሕሪ ናጽነት እውን ቃልሱ ኣንጻር መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዝቕጽሎ ዘሎ።

ኢሳያስን ጉጅለኡን ቀዳሞት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝኾኑ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሓያሎ ኤርትራውያን ወገናት ግና ጉጅለ ህግዲፍ “ሓድሽ ኣተሓሳስባ ኣጥሪዩ ደኾን ድምጺ ህዝቢ ይሰምዕ ይኸውን” ብዝብል ተስፋን ትጽቢትን፡ ነቲ ጉጅለ ግዜን ዕድልን ክህብዎ እምበር “ቀዳማይ ጸላኢና እዩ” ክብልዎ ኣይመረጹን። ብግብሪ ግና እ መርዛም ጉጅለ እንተዘይከፊኡ፡ ካብቶም ቅድሚኡ ዝነበሩ ናይ ግዳም ሓይልታት መግዛእቲ ዘይሓይሽ ምዃኑ እንዳበረሀ ምስ መጸ እቶም ካብቲ ጉጅለ ተስፋ ዘይቆረጹ እንዳወሓዱ፡ እቶም ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ዝተረድኡ ኤርትራዊ ወገናት ከኣ እንዳበዝሑ መጺኦም። ኣብዚ እዋንዚ ዋላ ዓው ኢሉ ኣይዛረብ፡ ንኢሳያስን ኣተሓሳስባኡን ካብ ልቡ ዘየውጸኦ ኤርትራዊ የለን። እቲ ብቓልዕ ዝኹንኖ ወገን  ብፍልስይ ካብ ኤርትራ ወጻኢ መመሊሱ ይስስን ኣሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ኢሳያስ ኣብቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ  ኢዱ ከም ዘእተወ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ኢሳያስ ቅድሚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ከም ዝካየድ በቲ “ንወያነ ዝምልከት ጸወታ ተወዲኡ” ዝበሎ ኣውጅዎ እዩ። ካብዚ ነቒሎም እዮም ከኣ ብዙሓት ናይ ቀረባ ተዓዘብቲ ኢሳያስ ኣብዚ ውግእ ተዓዲሙ ክሕግዝን ዝሳተፍን ዘሎ ዘይኮነ፡ “ዋናኡን መሃዚኡን ንሱ እዩ” ዝብሉ ዘለዉ። እቲ ወተሃደራት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘካይድዎ ዘለዉ ገምዳሕዳሕ ከኣ ባዕሉ መስካሪ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ሕጂ ብመንጽርቲ ክብደቲ ኣብ ልዕሊኡ ዘውርዶ ዝነበረ በደል፡ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ ከምምዘይጨከነ ብዙሓት ክዕዘብዎን ክሓትሉን ዝጸንሑ እዩ። ንሕና እውን ግብረ መልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጻዒ ግብርን ኣተሓሳስባን ህዝብና ማዕረቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ በደል ከምዘይጸነሐ ንርዳእ ኢና። ስለምንታይ ከምዚ ኮይኑ? ህዝቢ ንወጽዓን ወጻዒኡን ክሳብ ክንድዚ ክጸውርከ ባህርያዊ ድዩ? ዝብሉ ሕቶታት ብዝተፈላለዩ ወገናት ከቕርቡ ዝጸንሑ እዮም። ብፍላይ በቶም ንረቂቕ ህዝቢ ኣብ ሕድሕዱ ኣጠማሚትካን ፈላሊኻን ናይ ምግዛእ ተንኮል ጉጅለ ህግዲፍ ዘይተረድኡ ወገናት፡ እዚ ሕቶታትዚ ክቐርብ እትጽበዮ እዩ። ንሕና ግና ተሳትፎ ህዝብና ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለ ህግዲፍ ክንድቲ ዝድለ ዘይምጽንሑ ንወጽዓ ህግዲፍ ስለ ዝረዓመ ዘይኮነ፡ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኮይኑ ስለ ዝጸገሞ ምዃኑ ኣይንዝንግዖን ኢና። ሕጂ ከኣ እነሆ ንህዝብና ምጻሩን ምጽማሙ ዘጸገም መዓት ጐቲትሉ ኣሎ።

ሎሚ ጉጅለ ኢሳያስ ሒዝዎ ዘሎ  መሻረዊ መንግዲ፡ እኩብ ድምር ናይቲ ክመጾ ዝጸንሐ መርዛም ተመኩሮ ስለ ዝኾነ  ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። እዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ጥፍኣት ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ህይወት ዝህልቕን ንብረት ዘብርስን ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገር ብዓባያ ምስ ህዝባ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ እዩ። ብኣንጻሩ ብዓንተቦ እንተዘይተቖጽዩ እቲ ጉጅለ ሕነ ዝፈድየሉ፡ ምእንቲ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ዝቃለሱ ኤርትራዊ ኣካላት ዘዳኽመሉን ኣብዚ ዞባ ዘራጊ ተራኡ ዘዛይደሉን ኩነታት ዝፈጥር ምዃኑ ርኡይ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ እውን ከምቲ ናይ ቅድም እንተደኣ ተዓጊስዎ ደሓር ተጣዒስካ ዘይምለስ ዋጋ ከም ዘኽፍሎ ብሩህ እዩ። ስለዚ ጽባሕ ተጣዒስካ ኣብ ዘይዛሪ ጸገም ቅድሚ ምውዳቕ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጉልባቡ ቀሊዑ ዓው ኢሉ ኣንጻር ህግዲፍ ክለዓል ምርጫ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ።

Last modified on Sunday, 22 November 2020 18:59