“ወደን ከይሓምያስ፡ ሰበይቲ ወደን” ኣይኹን

2020-11-18 11:14:13 Written by  ኣድሓኖም በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1422 times

እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐን ሕጂ’ውን ጋና ቀጻሊ ዘሎን ወጽዓን ሕሰምን ቀንዲ መበቆሉ ካብ ኤርትራ ምዃኑ ርዱእ እዩ። ቀንዲ ዝሕተተሉ ከኣ፡ እቲ “ህዝቢ ክመርሓን ልኡላውነት ሃገር ክሕሉን  እዩ” ዝብል እምነት ዘተነብረሉ፡ ብግብሪ ግና ብኣንጻሩ  ዕሉል ገዛእን ጠላምን ኮይኑ ዘሎ ሓደገኛ ጉጅለ ኢሳያስ ኣፈወርቂ እዩ። እቲ ጉጅለ ካብዚ ተሓታትነት ንምርሓቕን ንምሕባእን፡ ነቲ በደሉ ናብ ካለኦት ንምልጋብ ወትሩ ዘይፍንቅሎ እምንን ዘይምህዞ ጠባሪ ምኽንያትን የለን።

ካብቲ እቲ ጉጅለ መሰረታዊ ሕቶ ህዝብና ንዘይምምላስ ዘቕርቦ ምስምሳት፡ ነቲ ናቱ ዘይሓላፍነታዊ ኣካይዳ ዝፈጠሮ  ጸገማት “ካብ ገዛእትና ዝወረስናዮ፡ ድሕሪ ናጽነት ዘጋጠመና ወራራት፡ ዓለም ዘርያትና፡ ዘይህዱእ ዞባዊ ሃዋህው ……ወዘተ“  እንዳበለ ካብቲ ክዉንን ርኡይን ሓቂ ክሃድም ይፍትን። እዞም ኢሳይስ ንምስምስ ዘቕርቦም መህደሚ ዛዕባታት፡ ፈጺሞም ጽልዋ ኣይነበሮምን ማለትኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ቀንድን መሰረታውን ጠንቂ ጸገም ሃገርና ግና ባዕሉ እቲ ጉጅለን ዘየናሕሲ ጨካን ኣተሓሳስባኡን ምዃኑ፡ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይውልውል ተገንዚብዎ ዘሎ እዩ። ነዚ ምስምሳቱ ምኽኑይ ኣምሲሉ ንምቕራብ ዝጥቀሞ፡ ሎሚ ግና ዝኣረገ ሜላኡ፡ በብኹርናዑ ግዜ እንዳሓለወ ውግኣት ብምጽሕታርን ዕግርግር ፈጢርካ ጸላእቲ ምዕዳምን እዩ። ነዚ ዝምልከት ንድሕሪት ተመሊስና ኣብ ዝርዝር ኣዕናዊ ተግባራቱ ከይኣተና፡ ነዚ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ኣእትዩ ዝሕንክሮ ዘሎ ምጥቃስ ጥራይ እኹል እዩ።

እዚ ቅድሚ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ዝጀመረ ናይቲ ጉጅለን መራሒኡን ወደኽደኽ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ መሰረቱን መንቀሊኡን ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ከምዘይነበረን ከምዘይኮነን ደጋጊምና ክንገልጾ ዝጸናሕና እዩ። ምግላጽ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብ ሓቂ እውን ነቲ ከነጠንቅቖ ዝጸናሕና ዘራጉድ እዩ። ዕላማኡ ኤርትራዊ ሃገራውን ህዝባውን ካብዘይኮነ፡ መናውሒ ዕድመ ስልጣንን መፍደይ ሕነን ናይቲ ጉጅለን መራሒኡን ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ እውን ግምታዊ ዘይኮነ እቲ ዲክታተር ብሓሳብን ብግብርን፡ ደጋጊሙ ብቃላቱ ክምስክሮ ዝጸንሐ እዩ።

እዚ ጉጅለ ኢሳያስ ብዘይኣፍልጦ ህዝቢ፡ ዘይትካላዊ መንገድን ዘይግሉጽ ኣገባብን ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ከካይዶ ዝጸንሐ ዝምድና፡ ንህዝብና ካብ ጸገማት ዘየናግፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ካልእ ተወሳኺ መዘዝ ዘምጽእ ከይከውን ስኽፍታ ብዙሓት ኤርትራውያን ኮይኑ ዝጸንሐ እዩ። እነሆ ከኣ ህዝብና ካብቲ ዝፈረሖን ዝገመቶን ኣይወጸን። እቲ ጉጅለ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኢትዮጵያዊ ፖለቲካዊ ምፍሕፋሕ ዝመንቀሊኡ ኣሻቓሊ ውግእ ዘሊሉ ተጠቢሱ ኣሎ። ናይዚ ዘሊልካ ናብዚ ውግእ ምእታዉ ምስጢር ከኣ፡ ህዝብና ኣብ ዘይሓሰቦ ፡ ዘይምልከቶን ዘይተጸበዮን ዋጋ ንክኸፍል ዘገድዶ እዩ። ናይዚ ጉጅለ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፍካ ኣብቲ ሓደገኛ ውግእ ኢድ ምእታውን፡ ሎሚ  ከዊልካ ዝኽወል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ርእሲቲ ብብዙሓት ተዓዘብትን ናይ ከባቢና ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኸታተልትን ዝተመስከረ ምዃኑ፡ ኣብዚ ውግእ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ እናተዋግኡ ዝተማረኹ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ከምቲ “ካብ እዝኒ ዝያዳ፡ ዓይኒ ትእመን” ዝበሃል፡  ንተሳትፎኦም ኣብ ዝምልከት ምስቲ መውጋእቶም ክምስክሩ እንከለዉ ብዙሓት ብዓይኖም ርእየምዎም እዮም።

እቲ ብዛዕባ ውግእን ሳዕቤን ውግእን ኣዝዩ ሃብታም ተመኩሮ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ናይ ጉረቤት ሃገር ጉዳይ “ካባይ ተመሃሩ” ኢሉ ዓራቓይን መገላጋላይን ክኸውን መተገበኦ። እንተኾነ ብሰንኪ ጉጅለ ህግዲፍ ንዓገብ ብሃልነትን ምትዕራቕን ኣይተዓደለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣካልቲ ውግእ ክኸውን ተገዲዱ እነሆ። እዚ ውግእ ኣይኮነንዶ ኣካሉ ኮይኑ፡ ኢዱ እንተዘየእቱ እውን ኣብ ህዝብና ሳቕሎት ዘሕድር እዩ። ናብዚ ውግእዚ ኢድ ምእታው፡ ነቲ ካብዚ ዘለዎ ወጽዓ ናጻ ክወጽእ ሃንቀው ዝብልን ዝቃለስን ዘሎ ህዝብና ተወሳኺ መዓት ከም ዝጐተሉ ፍሉጥ እዩ። እንሆኳ ድሮ ብ15 ሕዳር 2020 ካብ ትግራይ ዝተተኮሰ ሚሳይላት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ከተማ ኣስመራ ወዲቑ ህዝቢ ክሽበር ሓዲሩ። ምናልባት እዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ደብዳብ ሚስይላት ኣብ ልዕሊ ህይወት ዘውረዶ ጉድኣት የለን ይኸውን። እንተኾነ ከምቲ “ኩሉ ግዜ ፋሲካ የለን” ዝበሃል ብዛዕባ ጽባሕን ድሕሪ ጽባሕን ክድርበ ናይ ዝኽእል ሚሳይላት  ፍሉጥ ኣይኮነን። እቲ ማህሰይቲ በዚ ደብዳብ ከጋጥም ብዝኽእል ምፍራስ ህጽንጻታትን ሞት ሰባትን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ምስ መላምንቲ ሓዊ ጐረቤትና ህዝቢ ትግራይ ዘሕድሮ ጽልእን ዘኽትሎ ፖለቲካውን ማሕበረ-ቁጠባውን ስንብራትን እውን ቀሊል ኣይክኸውንን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ በቲ ብሰንኪ ናይ ጉጅለ ህግዲፍ ኢድ ኣእታውነት ኣብ ውግእ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝወረደ ደብዳብ ናይ ብዙሓት ኤርትራውያን መዛረቢ ኣጀንዳን መሻቐልን ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ሚዛን “ናይዚ ጉዳይ ጠንቅን ተሓታትን መንዩ?” ዝብል ቅድሚት ዝስራዕ ዛዕባ እዩ። ብመንጽርቲ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ክምዕብል ዝጸንሐ፡ ሎሚ ድማ ናብ ደማዊ ውግእ ዓሪጉ ዘሎ ጸገም ተጐዝጒዙ ክመጾ ዝጸነሕ፡ ዳርጋ ናይ ኩሉ ህዝብና ርኢቶ “ናይዚ ተሓታቲ ኢሳያስን ዘይህዝባዊ ዝማእከሉ ኣተሓሳስባኡን፡ ዘይውርዙይ ፖሊሲ ዝምድናኡ እዩ” ዝብል ክኸውን ተገማቲ እዩ።

ውሑዳት ኣሰነይቲ ጉጅለ ህግዲፍን ኢሳያስን ግና ከምቲ “ኣብ ክንዲ ውደን ዝሓምያስ፡ ሰበይቲ ወደን” ዝበሃል፡ ነጢሮም ናብ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከላግብዎ ከም ዝፍትኑ  ኣብ ግምት ዝኣቱ እዩ። ግደ ሓቂ ንምዝራብ ግና ከምቲ “ንስኻ እንተዘይትደፍኣኒ፡ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል፡ ናይዚ ጠንቂ ናይቲ ጉጅለ ብዝኾነ ይኹን መዕቀኒ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘየረብሕ ውግእ ኢድ ምእታዉ ምዃኑ ኣትሪርና ክንሕዞን ክንቃለሶን ዝገበኣና እዩ። መንግስቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ንመሬት ኤርትራ መጽዓንን መራገፍን ናብ ትግራይ ዝዘምቱ ወተሃደራት፡ ዕጥቆምን ስንቆምን፡ ኮታ መዋፈሪ ድሕሪ-ባይታ ውግእ ገይርዎ ዘሎ ኢሳያስ ስለ ዝኸፈተሉ እምበር ደፊኡ ኣይኮነን። ዜሩ ዘይሩ እዚ ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ንሓይልታት ምክልኻሉ ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ተረኽቦ እዩ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ክንዲ ተዓሚቱ ደድሕሪ ምህዞን ሓሶትን ህግዲፍ ዝውሓዝ፡ ብውሕዱ “ናበይ?፡ ስለምንታይን? ንረብሓ መንን?” እትኩስ ኣለኹ ኢሉ ክሓስብን ክውስንን ክበቅዕ ይግበኦ።

Last modified on Wednesday, 18 November 2020 12:16