ዝኽሪ 50 ዓመት ዘይሃስስ በሰላ ህልቂት ዖና

2020-11-27 09:11:33 Written by  ተስፋጋብር ምስግና Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1234 times

ኣብ ኣርእስትይ ቅድሚ ምእታወይ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብሕሱማት ገዛእቲ ኤርትራ ብሕማቕ ጠመተ እትርአ ዝተወለድኩላን ዝዓበኹላን ብከረን ጻዕዳ እተጠምቀትን እትልለን ተቐባሊት ጋሻ ዝኾነት ከረን መነባብሮኣ ከመይን እንታይን ከምዝነበረት ብሕጽር ዝበለ ክገልጽ ደስ ይብለኒ።

ብፍቅርን ሰላምን ሓድነትን ምትሕግጋዝን ምርድዳእን፡ ዓሌት ይኹን ወገን ዘየጥቅዓ፡ ኣመንቲ ክርስትናን ምስልምናን ተኸባቢሮም ዝነብሩላ፡ ኣብ ሽግር ኮነ ኣብ ራህዋ ብሓባር ዝጕህዩን ዝሕጎሱን ንዝኾነ ግርጭታታ ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሎም ሽግር ዝፈትሑ ለባማትን ክቡራትን ሽማግለታት ዝነበራ፡ ኩሩዓት ሰብ መሬት ብሄረ ብሌንን ብሙሉኣተን ብሄራት ኤርትራን  ዝተፈላለዩ ካልኦት ብሄራትን ብሓድነት ዝነብሩላ፡ ናይ ብሓንሳእ ኰንካ ምንባር ምኩር ተመኩሮ ዘለዋ ከተማ ምዃና  ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ፡፡

ንኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መነባብሮ ፍቕርን ሰላምን ዘለዎ ህዝቢ ሕሱማት ገዛእቲ ኤርትራ እናተቐባበሉ ንክብርዝዎ ዘይፈንቀልዎ እምኒን ዘይጻሕተርዎ መሬትን የሎን፡ ግፍዔኛ ሃይለስላሴ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ብግስ ከይበለ ኤርትራ መሬታ እምበር ህዝባ ኣየድልየንን ብምባል ንምጽናት ህዝብን ሕልሙ ንምትግባር ፈላሊኻ ግዛእ ኣብ ዝብል ኣምር ብምፍጣር ኣስላም ንኤርትራ ንኣዕራብ ክሽጥዋ ኢዮም እናበለ ምስ ብኣጻብዕ ዝቁጸሩ ዑሱባት ኤርትራውያን ምትሕብባር ኣብ ነንሕድሕዱ ንከይተኣማመን ንቃልሲ ህዝቢ ክቆጽዮ ወግሐ ጸብሐ ብፈነዋ ሬድዮን ጽሑፋትን ምዝርጋሕ ብሓይሊ በትርን ብረትን ስጉምቲ ምውሳድ ኣየዕረፈን፡ እዚ ዓማጺ ስርዓት ዝዘንጎዖ አንተሎ ኣመንቲ ምስልምና ኤርትራውያን ምኻኖም ኣይተገንዘቦን ሃይማኖታዊ ኣምር ከምዘይሰርሓሉን ብበትሪ ይኹን ብሓይሊ ብረት ምምብርካኽ ዘይሕሰብ ኢዩ፡ ቃልሲ ኤርትራ ቃልሲ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ንዝተገፈ መሰሉ ንኸውሕስ ኣስላማይ ይኹን ክርስትያን ብሓባር ብረት ዝዓጠቀ፡ ህዝቢ ንዝዓጠቖ ብረት ብዘይ ውልውል መስዋእቲ ከፊሉ ንናጽነት ሃገሩ ከውሕስ ዝተበገሰ፡ እዚ መታለሊ ስርዓት ግን ነቲ ዘይዕወተሉ ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ዞና ቀይሕ ባሕሪ ምስ ጥቕሞም ዘተኣሳስሩ ምዕራባዊያን ሃገራት ብምሉእ ሓይሎም ብረትን ገንዘባዊ ሓገዛት እናለገስሉ ኣብ ምጽናት ህዝቢ ኤርትራ ብጭካነን ዓመጽን ንዝገብሮ ዝነበረ ግፍዕታት ከም ዘይረኣዩን ከምዘይሰምዑን ዘተባብዕዎ ብምንባሮም ዘይርሳዕን ዘይሕከኽን ጸሊም ነባሪ ታሪኽ ኢዩ ዘለዎም።

ኣብ መፋርቕ ስሳታት ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዕሸሉ ከሎ ተጋደልቲ ኣብ ከተማ እናኣተዉ ብቀጻሊ ናይ ኢድ ቦምብ እናደርበዩ ራዕዲ ዘእተዉሉ ግዜ ሓይሊ ፖሊስ (ፖሊስ ዓባይ) ዓቕሙ ድሩት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብእስራኤል ዝተመልመሉ ቀዳሞት ሓይሊ ኮማንዶስ ኣብ ከረን ካብ ዝተመደብሉ ግዜ ኣትሒዞም ብዘይ ዕረፍቲ ንህዝቢ ምድሃልን ምብስባስን ኣብ ከተማ እናወረዱ ብዘይ ንሕስያ ምቕጥቃጥን እኩባት መንእሰያት ኣብ ዝረኸብሉ ግዜ ብዘይ ምኽንያት ዝሰሃልዎ ዝነበሩ እከይ ግብሪ  ኣይርሳዕን ፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ብ1965 እቲ ናይ ከረን ኣውራጃ ፖሊስ ሓላፊ ዝነበር ኮሎነል ገብረኪዳን ምስ ተቐትለ ብሰላሳ ኣንደኛ(31st Division) ዝፍለጥ ጦር ሰራዊት ብለይቲ ኣብ ከረን ድሕሪ ምእታዎም ኣብ መንገዲ ዘዝረኸብዎ መንእሰያትን ሽማግለታት ከይተረፉ ብማህረምቲ ዝተሰሃልዎ ውሑድ ኣይኮነን፡ ኣብ ዝኣተዉላ ለይቲ ከይኣክል ንጽብሒቱ ገዛገዛ እናኣተዉ ንቆልዑትን ኣንስትን ክፍትሹን ከበሳብሱን ኣብ ዝጀመሩሉ እውን ኣብ ዓድ ሓባብ ንዝፈጸምዎ  ምብስባስ ሓደ ወላዲ ክጻወሮ ስለ ዘይከኣለ ሴፍ መዚዙ ንሓደ ካብ ጦር ሰራዊት ቅድሚ ምቕታሉ ቀዲሞም ኣብ ቅድሚ ስድርኡ ዝረሸንዎ፡ እቶም ሽዑ ዝመጹ ጦር ሰራዊት እውን ከም ተወሳኺ ቆዋሚ ሓይሊ ኣብ ከረን ተመደቡ፡ እዚ ግዙፍ ሓይሊ ኮማንድስን ጦር ሰራዊትን ኢትዮጵያ በብወገኖም ንምጽናት ተጋደልቲ ኣብ ዝወፍሩሉ ግዜ እቲ ቃልሲ ብዕሸሉ ከሎ  ውሑዳት ዝቁጽሮም ተጋደልቲ ኣድብዮም ድሕሪ ምጽናሕ ንኮማንዶስ ይኹን ንጦር ሰራዊት ሃሰያታት የውርድሎም ከምዝነበሩ ዝዝከር ኮይኑ በንጻሩ እውን ሰራዊት ገፋዒ መንግስቲ ሃይለስላሴ ምስ ውሑዳት ምዑታት ተጋደልቲ ገጢሞም ዓወት ኣብ ዝረኸቡሉ ግዜ ህዝቢ ንምርዓድ ምእንቲ እዛ ሓላል መሬት ንዝተሰዋኡ ሸውዓቲ (7) ተጋደልቲ ኣምጺኦም ንናይ ከረን መዘጋጃ ቤት ቃራናታት ተኺልኩም ኣንጠልጥልዎም ዝብል ትእዛዝ ኣብ ናይ ቀደም ፈርሸት እኽሊ ዝነበረ ሕጂ እንዳኹዳር ዘሎ ህዝቢ ንክዕዘቦም ዘተሓላለፉ፡ ጸኒሖም እውን ዕስራን ሓደን (21) ስዉኣት  ብምምጻእ ዕጫ ብጾቶም በጺሕዎም  ኣብቲ ልሙድ ቦታ ኣንጠልጠልዎም በብውልቂ ንዝተሰውኡ ከይተረፈ ኣብ ጎደናታት ምጽታሕ ዝፍጽምዎ ኢሰባዊ ተግባራት ንገዛእቲ መግለጺ እንታይነቶም ከም ዝኾነ ንህዝቢ ብሩህዩ፡  ኣብ ወርሒ9, 1968 እቲ ዝመረረ  ክስራን ዘስዓበ ብሰራዊት ሓርነት ዝተወስደ መጥቃዕቲ ሓልሓል ብግምት 50 ዝኾኑ ስዉኣት ተጋደልቲ ኣምጺኦም ኣብ ጂራፊዮሪ ብምጽጥሖም ንህዝቢ ጓህን ስንባደን ኣስዒብሉ ኢዩ እቲ ዕሉል እንደራሴ ሃይለስላሴ ኣብ ኤርትራ ኣስራተ ካሳ ነዚ ኢሰባዊን ዘነውርን ተግባራት ከም ዓወት ቆጺሩ ብምጕብዕባዕን ምፍርራህን መደረ ድሕሪ ምግባሩ ኣብ ልዕሊ ዝተሰዉኡ ምዑታት ተጋደልቲ ንዝተዓወቱ ኮማንዶስ  ሽመት ድሕሪ ምዕዳሉ ኣስላም ስለ ዝኾኑ ኣብ መቓብር ኣስላም ቅበሩዎም ኢልካ ትእዛዝ ምሕላፍ ልሙድ እኳ እንተነበረ እቲ ዝተሰዋኤ ኣይርእዮ ኣይሰምዖ ምእንቲ መሬቶም ንዝሓለፉ ኣብ መሬቶም ኣብ ሓደ ጉድጓድ ኣስላምን ክርስቲያን ብሓባር ዝተቐብሩ፡ እዚ ኩሉ ተግባራት ንህዝቢ ምስንባድን ምርዓድን ምፍርራሕን ብመደብ ዝፍጸም ከም ዝነበረ ህዝቢ ኣይሰሓቶን ለሚድዎ ከኣ ኢዩ፡ ብኣንጻሩ በዚ ክፍኣት ዘይደሃል ህዝቢ ኣብ ቃልሲ ምጽንባርን ምሕጋዝን ብምዕዛዝ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ፡፡

ሓይሊ ህዝቢ ካብ ሓይሊ ብረት እናበርትዓሉ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ እዞም ብደም ኤሪትራዊ ኢዶም ዝጨቀወ ሃይለስልሴ ይኹን ኣስራተ ካሳ ንዕንወት ንብረትን ምቕንጻል ህዝብን ምቅጻል ቑሸታትን ሓድሽ መምርሒ ብምውጻእ ናብ ከባቢ ዘለዋ ቑሸታት ካብ ዘለዉዎ ቦታ ለቒቖም ኣብ ካልእ ቁሸታት ንክጥርነፉ ብምግባር ነባሮ ዝተፈላልየ ቁሸታት መዋእሎም ንዝዓበይሉን ዝሰረትዎን ቦታ ሓዲጎም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም እናረኣዩ ዝተቃጸለ ቦታታቶም ሓዲጎም ኣብ ኢዶም ንዝጸንሐ ንብረት ሒዞም ገለን ነናብ ዝፈልጥዎ ምጽጋዕን ገለን ከኣ ኣብ ካልእ ዝተፈቕደሎም ምህናጽን ተጸሚዶም ቅሳነት ዘይብሉ ናብራ ንምሕላፍ ዝተገደዱ፡ ካብ ዝፈርህዎ ከይወጹ ነቲ ሓድሽ ናብርኦም እናኣማሓየሹ ንዝሃነጽዎ ከይተረፈ ንወንበደ ትምግቡን ትሕግዙን ኣለኹም ብዝብል ምስምስ ምፍጣር ኣብ ምቅጻልን  ምዝራፍን ምቕታልን ስለ ዘስዓብሎም ክጻወረሉ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ገሊኡ ንስደት ገሊኡ ብረት ኣልዒሉ ንክቃለስ ዝመረጸ፡ ናጽነታዊ ቃልሲ ሓይሉ እናደልደለ ኣብ ዝመጸሉ ሰራዊት ሓርነት ኣብ ምጥቃዕ፡ ወተሃደራት ግፍዔኛ ሃይለስላሴ ብተጋደልቲ ንዝወርዶም ዝነበረ ማህሰይትታት ክጻወርዎ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ምስ በጽሑ ብደብዳብ ነፈርቲ ብዘይ ኣፈላላይ ቆልዑትን ኣንስትን ሽማግለታትን ንዝነበራ ቁሸታት ምስ እንስሳ ዘበት ከይተረፋ ከም ዘይነበራ ዝገብርወን ዝነበሩ፡ ህዝቢ ነዚ ተተመላሊሱ ኣብ ልዕሌኦም ንዝወረድ ዝነበረ ኣረሜናዊ ተግባራት ጠጠው ከምዘይብል ድሕሪ ምግንዛቦም ገለን ንሜዳ ወጺኡ ብረት ክሕንገጥ ከሎ ገሊኡን ንስደት ዘምረሐ፡ ምዑታት ሰራዊት ሓርነት መጥቃዕትታት ኣብ ምቕጻል እቲ ህዝቢ ንምጽናትን ምብስባሳትን ኣብ ኤርትራ ዝተመዘዘ ጀነራል ቶሾመ እርገቱ ንመታሕት ኣብ ዝወርደሉ ዝነበረ ግዜ ኣብ መንጎ ሃብርንጋቓን ዒላበርዕድን ኣብ ባልዋ ምስበጽሐ ኣድቢዮም ብምጽናሕ ስጉምቲ ኣብ ዝወሰዱሉ ሕነ ጀነራሎም ክፈድዩ ኣብ ከባቢ ከረን ንዘለዋ ቁሸታት ብዘይ ዕረፍቲ ህዝቢ ምህላቕን ምዝማትን ንቁሸታት ምቅጻልን ዘድሃቡ፡ እዞም ደም ሰብ ዘይጸገቡ ኣብ መወዳእታ 70ታት በሰክዲራን፡ ዖናን ዕጨአን በጺሑ ኣብ ናይ ሓደ መዓልቲ ፍልልይ ብዘይንሕስያ ብጃምላ ምስ ህዝበን ዘቃጸልወንን ዘዕነውወንን።

እቲ ብዕለት November 30,1970 ዝተገብረ ኣረሜናዊ ህልቂት በሰክዲራ  ብማሕበር ንኡሳን ኣሕዋት ካፑቺን ኣብየ መንፈቕ ዝሕተም ዝነበረ መጽሔት ትምጻእ መንግስትከ ቁ. 73-74 2000-2001 ዘውጽእዎ መግለጺ  ኣብ ህላወኦም ስለ ዝነበረ  ካብኡ ንላዕሊ ክገልጽ ኣይክእልን እቲ ዘጒሂ ግን  ንክርስትያንን ኣስላምን ኣብ ቤት ጸሎት ኣእቲኻ ብግፍዒ ምርሻኖም ዘሕዝንን ዘይርሳዕን ገበን ኢዩ፡ ብኣሕዋት Dr. ክፍለማርያም ሓምደን ተኪኤ ዓሊበኺትን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ናይ Kabod Tv  ኣብ መበል 49 ዓመት ህልቂት በሰክዲራን ዖናን ንዝገበርዎ ዝምስገን ምልልስ እኹል ኢዩ ኢለ ዝኣምን ናብ ናይ ዖና ታሪኽ ከድህብ።

ኣነ ንህልቂት ዖና ትዕዝብተይ ክህበሉ ከለኹ እንታይን ከመይን ከምዝነበረ ተሳትፎ ብሙልኡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ከረን ነዚ ዘሕዝንን ዘጒህን፡ ብግፍዒ ዝተቐትሉን ዝሓረሩን ኣብ ሬሳታትን ውጉኣትን ምልዓልን ምቕባርን ዝተሳተፍኩም ከም ናተይ  ነናትኩም ትዕዝብቲ ክህልወኩም ስለ ዝኽእል ኣነ ዘየስፈርክዎን ዝረሳዕክዎን ክትምልእዎን ንዘለዎ ጌጋታት  ንኽትእርምዎ ይላቦ።

November 30, 1970  ኣመንቲ ምስልምና ዒድ ንከኽብሩ ኣብ ሜዳ ኲዕሶ እግሪ (ጆኮ) ከረን ተኣኪቦም ዝሰግድሉ መዓልቲ ብምንባሩ ንክብሪ እዚ በዓል ስካውት ከረን ከምቲ ልሙድ  ኣብ ዝኾነ ሃይማኖታዊ በዓላት ጸጥታ ንምኽባር ተሰሊፍና ኣብ ዝነበርናሉ ግዜ ሰላት ዒድ ቅድሚ ምጅማሩ ዳርጋ 100 መትሮ ዝርሕቀቱ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ብረት ዝዓጠቑ ጦር ሰራዊትን ረሻሻትን ድሩዓት መካይንን ዝሓዛ ብምዕዛብና ኣብ ዘሰክፍን ዘጠራጥርን ኩንታት ከም ዝነበረን ህላዌ መራሒ ጦር ሰራዊት ኮለኔል ወለና ኣብኡ ብምንባሩ ምናልባሽ ንዝሰግዱ ዝነበሩ ስጉምቲ ንምውሳድ ትእዛዝ ከተሓላልፍ ይጽበዩ ደኾን ነይሮም ብምባል ኣብ ግምትን ኣብ ሓሳብን ዝተወሓጥና እቲ ፍርሂ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሰላት ዒድ ኣብ ምዉድኡ ተቓሪቡ ከሎ ኣብ ሕለት ሱዳን ኣጉዶ ስለ ዝተቓጸለት ምስ ብጻየይ ካብ መስርዕ ወጺእና ብጉያ ድሕሪ ምብጻሕና ነቲ ባዕሉ ዘቃጸላ እንፈልጦ ሰብን ምቅጻል ኣብ ካልእ ኣጉዶ ከይለሓመ ምቁጽጻር ዝበጻሕና፡ ሰላት ኣልዒድ ኣብቂዑ ፋሕ ስለ ዝበለ ምናልባሽ ምቅጻል ናይዛ ኣጉዶ ናይቲ ተሓሲቡ ዝነበረ ህልቂት መድሕን ከይኮነት ኣይትተርፍን ዝብል ግምታት ዝበጻሕና፡ ኣብ ዝተጠቕሰ ዕለት ዒድ መዓልቲ ብዘይ ምሕረት ህልቂት በሰክዲራ ዝፈጸሙ።

December 1, 1970. መዓልቲ ካልኣይ ዒድ ብምንባሩ ኩሉ ተመሃራይ ደወል ከይተደወለ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ  ብኲነተት ዒድ ኣልዒልና እናዘተና ካብ ጥቓ ቤት ትምህርትና ዘሎ ዕርዲ ፎርቶ ጸላኢ ዝተወንጨፈት ቦኽሪ መድፍዕ ስጉምቲ ንህልቂት ዖና ዘምረሐት ኮይና ነዚ ኣረሜናዊ ተግባር ንክፍጽሙ ኣብ ከባቢ ዖና ኣድብዮም ዝጸንሑ  ምሕረት ብዘይብሉ ብዘይ ዕረፍቲ ጭካነ ብዝመልኦ ቆልዑትን ኣንስትን ሽማግለታትን ከይፈላለዩ ብካራን ብጥይትን ካብኡ ዝኸፍኤ እውን ኣብ ገዛውቶም ምስ ንብረቶም ብሓዊ ዘሕረሩን እታ ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተኣኻኸበት ቁሸት ከምዘይነበረት ገበርዋ፡ ህዝቢ ከረን ነዚ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝወሰድዎ ስጉምቲ ናበይ ከምዘምርሕ ስለ ዘይፈልጠ ነብስኻ ንምድሓን ኣብ ዘዝረኸብካሉ ቦታን ዝበዝሕ ተመሃራይ ኣብ ቀጽሪ ቤት ትምህርቲ ክፍልታት ድሕሪ ምዕቛብ ህድእ ምስ በለ ነናብ ገዛኻ ምስ ኣቶኻ ጓሂ ሓዘን ቅሳነትን ድቃስን ዘይብሉ ከም ዘይሕለፍ የሎን ሓሊፉ። እቶም ደቂሶም ዘይሓደሩ ሽማግለታት ዓዲ ነቶም ብግፍዒ ዝተቐትሉ ዝሃለቁን ንቡር ቀብሪ ክግበረሎም ብምባል ምስ ኣዛዚ ናይዚ ቅንጸላን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ኣብ ለመና ድሕሪ ምጽማዶም ንሕጽር ዝበለ ግዜ ንክቕበሩ ስለ ዝተፍቕደሎም ወረ ምስ ተዘርግሐ፡ December 2, 1970 ኣብ ቤት ትምህርቲ ደወል ተደዊሉ ኣብ መስርዕ ከለና ንዝተረኽበ ሓበረታ ኣብ ሓንጎል ኩሉ ተምሃራይ ብምንባሩ ኣብ ክንዲ ትምህርቲ ኣቃልቦና ነቶም ብጭካነ ዝሃለቑ ረሳታት ንምልዓልን ንምቕባርን ብሙሉኡ መስርዕ ጥሒስና ተበገስና ስካውት እውን ንኣብ ቤት ትምህርትና ዝርከብ ቤት ጽሕፈትና ኣቲና ንዘሎ መዅዓቲታትን ባዴላታትን ሒዝና ናብ ዖና ተበገስና፡ ኣብኡ ኣብ ዝበጻሕናሉ ዘጕህን ዘሰንብደን ብዓይንኻ ኽትርእዮን ንኽትኣምኖን ዘጸግም እቲ ጎልጎል ብብረትን ሳንጃን ነብሶም ዝተባሳስዔ ሬሳታት ህጻናት ኣብ ሕቚፊ ወላዲቶም ዝሞቱን ብሂወቶም ጡብ ወላዲቶም እናጠበዉ ብምርኣይን ኣብ ውሽጢ ኣባይቶም ብሓዊ ዝሓረሩን ነዞም ብጭካነ ስጉምቲ ዝተወስደሎም ክትዕዘብ ከሎኻ ወላኳ ጭንቀት ዘስዕብ እንተኮነ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ገለን ጎዳጉድ ኣብ ምኵዓት ገለን ሬሳታትን ዉጉኣትን ኣብ ምልዓልን ኣብ ስጉምቲ ዝተወስደሉ ቦታ ዘምለጡ ውጉኣትን ቁሱላትን ኣይሰኣኑን ብመባል ሬሳታትን ቁሱላትን ንምድላይ ካብቲ ህልቂት ዝተፈጸመሉ ኣርሒቕና ብምኻድ ዉጉኣትን ቁሱላትን ዝረኸብና፡ ዕዙዝ ተሳትፎ ህዝቢ ብምንባሩ ገለን ብዝተረኽበ ዓለባን ተንኮባታትን ኣብ ምግናዝ ገለን ንምዅዓቱ ዘየጸግም ልስሉስ ቦታ ኣብ ዝተረኽበሉ ብጃምላን ብንጽልን ብድርብን ኣስላም ይኹኑ ክርስትያን ኣብ ሓደ ጉድጓድ ንምቕባሮም እውን ዘጸግም ኣይነበረን፡ ከም ስካውት መጠን ንተረኽቦ እዚ ህልቂት ክንስንዶ ስለ ዝነበረና ብቑጽሪ 647 ሬሳታት ቀቢርና ምናልባሽ ካብኡ ንላዕሊ ክኾኑ ይኽእሉ ዝብል ግምታት ነይሩ ኢዩ ስለምንታይ ኣብቲ ከባቢ ሬሳታትን ቁሱላትን ብምርካብናን ከም ዝተረደኣና እውን ኣብ ከባቢ ዝቕመጡ ጸኒሖም ቁሱላት ምምጻእን ሬሳታት ኣልዒሎም ከም ዝቐበሩን ገለ ሬሳታት እውን ብስድራበታት ኣብ ዘዝደልይዎ ወሲዶም ዝተቐብሩን እዚ ኩሉ ተደማሚሩ ካብቲ ኣቐሚጥናዮ ዘሎና ቁጽሪ ንላዕሊ ከምዝኸውን ዘየጠራጥር ኢዩ።

ነዚ ዘሕዝን ተረኽቦታት ከም ስካውት ንሓገዝ ኣብ ሆስፒታል መዓልታዊ ተጸሚድና ከሎና እቲ ዕሉል ኮለኔል ወለና ነዚ ህልቂት ዝፈጸመን ናይ ከረን ኣውራጃ ፖሊስ ሓላፊ ሜጀር ነጋሽን ሆስፒታል ንክበጽሑ ኣብ ዝመጽሉ ግዜ ኣብ ሓደ መእለዪ ክፍሊ ድሕሪ ምእታዎም ገልጠምጠም ብምስማዕና ምስ ገለ ካብቶም ቆሲሎም ዝእለዩ ዝነበሩ ደኾን ይኸውን እናበልና በንጻሩ ምስ ማርቲ ሰበይቲ ሚስተር ሁዩ ዳውኒ ከም ዝነበረ ፈሊጥና ምኽንያቱ ኣዛዚ ናይ እዚ ህልቂት ንክበጽሕ ደስ ስለ ዘይበላ'ዩ እዚ ከይኣክል ሚስተር ሁዩ ዳውኒ ብደገ ጸኒሑ ኣብ ዝመጸሉ እውን ዳግመ ግጭትን ምስሕሓብን ኣብ ዝተፈጥረሉ ካብ ሆስፒታል ብዘይ ዕረፍቲ ንዉጉኣት ዝሕግዙሉ ዝነበሩ ኣልቂቖም ካብ ከረን ንክወጹ ዝተገደዱ። ሚስተር ሁዩን ማርታ ዳውኒ ንነዊሕ ኣብ ከረን ዝተቐመጡ ኣመሪካውያን ኮይኖም ኣብ ከባቢ ከረን ብዙሕ ሓገዛት ዘበርከቱ መዕበይቲ ዘኽታማት ምስ ቤት ትምህርቱ ዘቆሙን እቲ ዝዓበየ ከኣ እታ ኣብ ህልቂት ዖና ንዉጉኣት መእለዪ ዝኾነት ሓዳስ ሆስፒታል ብተበግሶኦም ዝተሃንጸት ዓቢ ኣበርክቶ ዝገበሩ ብህዝቢ ከረን ዝምስገኑን ዝልለዩን ፍጡራት ኢዮም፡፡

ኣብ ከረን ጽቡቕ ግብሪ ከምዝገብሩ ክፍለጠሎም  ዘይደልዩ ባእታታት ቁጽሮም ውሑድ ኣይኮኑን ምስ እዚ ኵነታት ዖና  ዝተኣሳሰረ ንሓገዝ ኩሉ ግዜ ድልው ዝኾነ መሓመድ ኑር ያቆት ነብሱ ይምሓር ብዘይ ወለዲ ካብ እዚ ህልቂት ዝተረፉ ቆልዑት ሓንቲ ሞግዚት ቆጺሩ የዕቢ ምንባሩ ዓቢ ኣብነታዊ ታሪኽ ዘለዎ ዘይርሳዕ ፍጡር ኢዩ።

ንዝተጠቕሰ ኩነታት እቲ ዝተገብረ ግፍዒ ዓው ኢልካ ዘይትበኽየሉ ጓህን ሓዘንን ቅርሕንትን መርገምን ኣብ ውሽጥኻ ተዓቝሩን ተቆጢቡን ከሎ እታ ኣበየ ዓመት እትብዕል ነግዲ ቅዱስ ሚካኤል January21,1971 ኣመንቲ ክርስትናን ኣመንቲ ምስልምናን ከይተረፉ ዝሳተፍሉ በዓል ኮይኑ ከም ልሙድ ተሳትፎ እቶም ዓሚቝ መንፈሳውነት ዘለዎም ምእንቲ መሰል ወዲ ሰብ ዝጣበቁ ምስ ዝተፈላለየ ሃይማኖት ክርስትናን ኣስላምን ጽቡቕ ስኒትን ሕውነትን ዘለዎም ኣፈኛ ዕቡሳት ዝኾኑ ብፁእ ኣቡነ ኣብራሃ ፍራንሱዋ ናይ ኤርትራ ካቶሊካዊት ኣቡን ነፍሶም ይምሓር ድሕሪ ዑደት ንነጋዲያንን ዕዱማት ኣብ ህላወ ናይዚ ህልቂታት ዝፈጸሙ ገበኛታት ሰበ ስልጣን ከይተረፉ ዝተሳተፍዎ ጸሎት ድሕሪ ምዕራጎም ንዓኦም እናጠመቱ ንሓደ ኣብ መንጎ ኣስመራን ከረን ዝወስድ መንገዲ ብቅትለት ሓደ ጀነራል ሕነ ንምፍዳይ  ቆልዕትን ኣንስትን ሽማግለታትን ንዘህለቑ ኣይትቕተል ዝብል ትእዛዝ ብምጥሓሶም ንዓኦም እናጠመቱ እውን በዓል ፈረስ ፈረስካ ኣይትእመኖ ክመውት'ዩ በዓል ክዳን ክዳንካ ኣይትእመኖ ክበሊ'ዩ በዓል ሽመት እውን ሽመትካ ኣይትእመኖ ክቕንጠጥ'ዩ ምስ በሉ ወዮ ኢዶም ብደም ንጹሃት ዝጨቀወ መእተዊ ጠፊእዎም ብረሃጽ ክከላበቱ ምርኣይ ንህዝቢ ጸባ ዘስተዩ ኣቦን መራሕን እዮም፡ ኣብ  ዘዝተኻፈልዎ ኣኼባታት ጨቆንቲ ከይተረፈ ንገዛእቲ ርእሶም ከምዘድንኑ ዝገብሩ ዝነበሩ ኣፈኛ ዉጹዕ መራሒዮም።

ለውጢ መጺኡ ንኣረሜናዊ ግዝኣት ሃይለስላሴ ዝተክኤ ግዚያዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ(ደርጊ) ካብ ሃይለስላሴ ዘይፍለ ንኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ግፍዕን ዓመጽን ምቕጻልን ቅትለታትን ብዘይ ንሕስያ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ጉድኣት እናኣውረደ ኤርትራዊ ትውልዲ ዘለዎ ሓደገኛ ጀነራል ኣማን ዓንዶም  ብኣቦ መንበርነት ብምምጸኦም ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ኣውዲቕዋ ከም ዝነበረን ኣብ ሓጺር ግዜ ንኤርትራ ዑደት ምፍጻም ዝተበገሰሉ ኣብ ከረን ቅድሚ ምብጽሑ ሕዝቢ ተቓውሞ ንምቕራብ ካብ ኣዲስ ኣበባ ንከባቢ ከረን ወኪሉ ኣባል ፓርላማ ዝተመርጹ ተባዕ ወላዲ ሰርጌንቲ ተወልደ በይን ነብሶም ይምሓር ምስ ኣብነትን ኮስኮስቲ ቃልሲ ከረን ዝኾኑ ወልደሱስ ዓማርን ስዉእ ሚካኤል ጋብርን ኣብ ከረን ዝርከብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ህዝቢ ብምእካብ ንኣብ ከባቢ ከረን በብግዜኡ ንዝፈጸምዎ ግፍዕታታ ኣቤቱታን ተቓውሞን ንምቕራብ ዘተባብዑን እዮም፡ ኣማን ዓንዶም ኣብ ከረን ዝመጸሉ ኣብ ቤተ መንግስቲ ንዝተኣከበ ህዝቢ መደረ ብዓረብኛ ጸኒሑ ብጸያፍ ትግሪኛ እታ ዝነበረት መንግስቲ ልባ እምኒዩ ብምባሉ ንዝፍጸሙ  ዝነበሩ ገበናት ንኣረሜናዊ ሃይለስላሴ ዘሰክም ወቐሳ ምንባሩ ኣይዝንጋዕን፡ ህዝቢ ንኣማን ዓንዶም ሓደገኛ ወተሃደር ኢትዮጵያ ብምዃኑ ኣይተቐበሎን፡ ስዉእ ሚካኤል ጋበር እቲ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ዝነበረን ኣብ ዝተፈላለየ ዝተፈጸመ ግፍዕታት ናይ ተቓውሞ ጸብጻብ ብድፍረት ከቕርብ ምስ ጀመረ ኣማን ንጸብጻብ ንከጽንዖ ሃበኒ ኢሉ ተረከቦ ስዒቡ ካብ መንእሰያትን ዓበይትን ከይተረፈ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ዕባራ መልሲ እናሃበሉ ዝዓጸዎ፡ ሰርጌንቲ ተወልደ በይን ኣባል ፓርላማ ኢትዮጵያ ከሎ ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብሃይለስላሴ ይኹን ብመንግስቱ ዝፈጸም ዝነበረ ግፍዓዊ ገበናት ዝቃወሙ ዝነበሩ ህዝቢ ከረን ዝኾርዓሎም ኣቦ ኢዮም። 

ኩሉ ገግዜኡ ኣለዎ ከም ዝበሃል ንመዋእል  እናዓመጸ ዝነብር ፍጡር የሎን፡ ሃይለስላሴን መንግስቱን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ካብ 1961 ጀሚሩ ዝተፈጸመ ገበናት ዘይርሳዕን ዘይሕከኽ ዝሓደግዎ ነባሪ ጸሊም ታሪኽ ዘይርሳዕዩ፡  ሃይለስላሴ ግዜ ኣርኪባቶ ብዝመጸ ለውጢ ሓንቲ ከይሓዘ ጥርሑ ክጓሓፍ ከሎ መንግስቱ እውን ግዚኡ ሓልዩ ንስደት ብህድማ ዘምረሐ።

እናወደቐን እናተስኤን ዝተጓዕዘ ቃልሲ ክቡር መስዋእቲ ድሕሪ ምኽፋል ኤርትራ ነጻ ወጺኣ፡ ብዝፈሰሰ ደም ስዉኣት ዝበቖለ ዕንባባ ንሓርነትን ነጻነትን ንጥቕሚ ዉሑዳት ዘይኮነስ ንጥቕሚ ብዙሓት እውን ምንባሩ ክዝንጋዕ ዘየልብሉን ዘይከሓድን ሓቂ ኢዩ።

ዝተጠቕሰ ህልቒታት ኣብ 50 ዓመት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልብና ዝሰረተ መዓልታዊ እናተዘከረ ዝነብር ዘይርሳዕ በሰላ ዘለዎ ታሪኽ'ዩ።

ክብርን ሞጎስን ንስዉኣትና።

Last modified on Friday, 27 November 2020 10:14