ህዝብና ነባሪ፡ ህግዲፍ ግና ሓላፊ’ዩ

2020-05-04 07:18:56 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1688 times

ህዝቢ እንዳተወራረሰ ንወለዶታት ዝቐጽል ከም ባሕሪ ዝምሰል ናይ ኩሉ ዕቤት ሰፊሕ መሰረት እዩ። ሓደ ህዝቢ ኣብ ሃገሩ ምንጪ ሓያልነትን ቀጻልነትን እዩ። ብመንጽርዚ ህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ኣካል ህዝቢ ዓለም፡ ኣብ ሃገሩ ዝነበረ፡ ዘሎን ዝቕጽልን እዩ። ኣብ ጉዕዞ ሃገርን ህዝብን ንእንታይነት እቲ ጉዕዞ እንተ ንልምዓት እንተ ንጥፍኣት ካብ ዝውስኑ ረቛሕታት ሓደ፡ እቲ ህዝቢ ዝምረሓሉ ሕግን ንዓኡ ዘተግብር በብግዜኡ ዝቀያየር መንግስቲ ዝጥቀስ እዩ።

ብባህሪቲ  ንሓንቲ ሃገር ዝመርሕ መንግስቲ ዝጽለው፡ መጻኢ ዕድል ናይታ ሃገር ጥራይ ዘይኮነ ናይ ህዝባ መጻኢ ተስፋን ዕቤትን እውን ናይ ምውሳን ተኽእሎ ኣለዎ። ገለ መንግስታት ብኣመጻጽእኦም ኮነ፡ ኣመራርሓኦም ህዝባዊ እዮም። ገለ ምምሕዳራት ከኣ ብኣንጻሩ ዝመጽሉ መንገዲ ኮነ ዘመሓድርሉ ኣገባብ ዓመጸኛ እዩ። ወሳኒ ግደ ህዝቢ ወትሩ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ህዝብን መንግስትን ዕድል ናይ ሓንቲ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምውሳን አእጃሞም ኣለዎም። እዚ ኣብ ጉዳይ ሃገር በብጽሒትካ ናይ ምውሳድ መስርሕ ብሃቦ ተረከቦ እንዳመንዛዕካ ዝውሰድ ዘይኮነ፡ ብሕጋዊ ህዝቢ ዝተቐበሎ ሰነድ ዝተደረተ ናይ ኩንትራት ስምምዕ ዝውሰን እዩ። እዚ ሰነዳዊ ስምምዕ፡ እዞም ሰብ እጃም ህዝብን መንግስትን ነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዝገብሩ ዘፍቅድን እንታይ ንከይገብሩ ዝድርትን እዩ። ናይዚ ስምምዕ ቀይሕ መስመር ተረጊጹ ክጠሓስ እንከሎ ከኣ፡ ሚዛን ንምሕላው ቀጻሊ ናይ ሕድሕድ ምቁጽጻር ኣሎ። በዚ ስምምዕ እዚ ተማእዚዝካ ምምራሕን ዘይምምራሕን ከኣ እንታይነት ናይቲ መንግስቲ ዝውስን እዩ። እዚ ስምምዕ ክጠሓስ እንከሎ፡ “እምቢ” ምባልን ዘይምባልን ከኣ ናይቲ ህዝቢ ሓላፍነት ዝምዘነሉ እዩ።

ከም በዓል ህግዲፍ ዝኣመሰሉ ጉሒላ ጉጅለታት፡ ኣመጻጽእኦም ናይ ዓመጽ ስለ ዝኾነ፡ መስርሕ ምምሕዳሮም እውን ካብዚ ወጻኢ ክኸውን ከምዘይክእል ብተግባር ተራእዩ እዩ። እቲ ደረቶም ከይሓልፉ ንምእዳቦም ዝግበር ቃልሲ ከኣ፡ ዝኾነ መልክዕ እንተሓዘን ክወስዶ ዝግበኦ ግዜ እንተወደን፡ ነቲ ህዝቢ ናይ ምጥላም መስርሕ ምምሕዳሮም ናብ ንቡር ቦታ ንምምላሱ ኣጸጋሚ እዩ። እቲ ናብ ንቡር ባህሪ ናይ ምምላስ ቃልሲ፡ ነቲ ግጉይ መንግዲ ዝሓዘ ኣካል ናብቲ ግቡእ ቦታኡ ብምምላስ ዝሳለጥ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ከም ህግዲፍ ዝኣመሰለ ካብ ንግሆኡ ጌጋ መንገዲ ዝመረጸን ካብቲ ሓቂ ኣዝዩ ዝረሓቐን፡ ምእንቲ ሓቀኛ ስርዓትን ልዕልና ሕግን ዝርህርህ ባህሪ ስለ ዘየብሉ፡ ካብቲ መስርሕ ግሒጥካ ብምእላዩ ጥራይ’ዩ ዝውገን። ንሕና ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ንምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ ምስ ኩሉ ትካላቱ፡ ከም ሓደ መሰረታዊ ሸቶ ቃልስና ኣብ ቀዳምነት እንሰርዖ ከኣ፡ ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል ኢና። ከምቲ ወለድና፡ “ማሕለኻ ዘየብሉ ጸባ ድፉእ፡ ዳኛ ዘየብሉ ነገር ጥፉእ” ዝብልዎ፡ ሳዕቤን ሕገመንግስትን ህዝቢ ዝማእከሉ መሪሕ ኣካልን ዘይምህላው ክሳብ ክንደይ ነቲ ነባሪ ህዝቢ ከም ዝሃሰዮን መዕንደር ዕቡዳት ሓለፍቲ ጉጅለታት ከም ዝኸውንን ከኣ ኣብ ጉዳይና ንርእዮ ዘለና ክዉን ሓቂ እዩ።

ገለ መንግስታት ከተዓሻስዉ ምስ ህዝቢ ዘራኽቦም መሰማምዒ ውዕል ይህልዎም እሞ፡ ኣጸንትዮም ይጥሕስዎ። ነዚ ክጥዕሞም ከኣ ህዝቢ ነቲ ስምምዕ ዝከላኸለሉ ትካላት የዳኽሙ ወይ ድማ  የፍርስዎ። ንህዝቢ ብጸቢብ ስምዒታት ምክፍፊልካ ኣብ ሕድሕዱ ከምዘይሰማማዕ ምግባሩ ከኣ ካልእ መሳሪሕኦም እዩ። ኩነታት ሃገርና ኣብ ትሕቲ ዘቤታዊ ጭቆና  ህግዲፍ ዝያዳ ኣገራሚ ዝኸውን ድማ፡ ንቃለ-ዓለም እውን ሕጊ ዝበሃል ዘይምህላዉ እዩ። እዚ ጉጅለ ህግዲፍ ክሳብ ክንደይ ነቲ ብቃልሱ ኣብ ዙፋን ዘቐመጦ ህዝብና ከም ዝንዕቆን ዝድንድኖን ዘርኢ እዩ። ሎሚ ብሰንኪ ክቱር ንዕቀት ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝረአ ዘሎ ኩነታት ህዝብን መንግስትን፡ በብጽሒቶም ፈሊጦም ብሓባር ሃገር ኣብ ዝሃንጽሉን ዝሕልውሉን ኣይኮኑን ዘለዉ። ብኣንጻሩ ህዝቢ ህልውናኡን ቀጻልነት ልኡላውነቱን ከውሕስ፡ ጉጅለ ህግዲፍ ከኣ ልኡላዊ ቀጻልነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከጥፍእ፡ ኣብ ዝለዓለ ናይ ምድሓንን ዘይምድሓንን ወሳኒ ምትሕንናቕ እዮም ዝርከቡ። ናይዚ ቀንዲ ጠንቂ ከኣ ጉጅለ ህግዲፍ ካብ ሕጋዊ ቀይድን ህዝባውን ሃገራውን ሓልዮትን ወጺኡ፡ ቅትለት፡ ዓመጽን መን ኣለኒ በሃልነትን ሓሊፉ ብክብሪ ሃገር ምውጋይ ስለ ዝተኸተለ እዩ።

ዘይሩ ዘይሩ ግና መጻኢ ዕድል ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግዲፍን ካብቲ ዝምድና ባሕርን ዓሳን ወጻኢ ኣይክኸውንን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብድሌት ህግዲፍ ዝደናጐ እምበር ዘይኩለፍ፡ ንዓኡ ዝምጥን ስርዓተ-መንግስቲ ናይ ምፍጣር ድሌት፡ ስልጣንን ዓቕምን ኣለዎ። ጉጅለ ህግዲፍ ብኣንጻሩ፡ ከምዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ዘርባዕብዑ፡ ንሓዋሩ ዝዕንድረሉ ህዝቢ ጠፋጢፉ ክሰርሕ፡ ድሌት እምበር ዓቕምን ስልጣንን የብሉን። ሓደ እዋን ህዝብና ከምዚ ጀሚርዎ ዘሎ፡ ብሓደ ቃል “ደጊም ይኣኽለካ ውረድ ካብ ዝባና” ምስ በሎ፡ ካብ ባሕሪ እንተወጺኡ ከም ዝመውት ዓሳ፡ በድኒ ኮይኑ ዝጐሓፈሉ ግዜ፡ ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ። እቲ ጉጅለ  ኣብዚ እዋንዚ ዝነዝሖ ዘሎ ናይ “ኣለና ማለት” ሓሶት ከኣ ናይ ጻዕረ-ሞት ምልክት እምበር ናይ ሓያልነቱ መግለጺ ኣይኮነን። ጽባሕ ብመሪር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕልቲ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምቕራብ ተጸይፉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝጐዪ ዘሎ መላኽን ጉጅለኡን ዘይተርፍ ዓወት ክምዝገብ እዩ። ህዝብና ከኣ ንክብሩ ዝምጥን ብሕገመንግስቲ ዝምራሕ፡ ህዝባውን ዲሞክራስያውን ስርዓት ክምስረት እዩ። ህግዲፍ ከኣ ካብቲ ህዝባዊ ባሕሪ ምስ ተጓሕፈ ካብ ማይ ናይ ዝወጸ ዓሳ ጽዋዕ ክጭልጥ እዩ።

ሎሚ በቲ ሓደ ወገን ክብርን ቀጻልነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ዘይተርፍ ምንቁልቋል ጉጅለ ህግዲፍ ዘርእዩ ብዙሓት ምልክታት ኣለና ይብሉ ኣለዉ። ንሕና ኣይኮነንዶ ሎሚ ኩነታት ኣብ ባይታ ከመይ ከምዘሎ እንዳረኣናን እንዳሰማዕናን፡ ካብ ቅድም እውን “ህዝቢ ነባሪ’ዩ፡ ህግዲፍ ግና ሓላፊ’ዩ” ዝብል መደምደምታ፡ ንምዕዋቱ እንቃለሰሉ መሰረታዊ እምነትና እዩ። እቶም ክሳብ ሎሚ ጉዳያት ገላቢጦም “ህግዲፍ ነባሪ እዩ፡ ህዝቢ ከኣ ተሰዓሪ’ዩ ብዝቓንኡ፡ ኣብ ዙርያ ህግድፍ ከምሰስዉ ዝጸንሑ ኩሎም፡ ናብ ልቦም ተመሊሶምን ተናሲሖምን “ህዝቢ ነባሪ’ዩ፡ ህግዲፍ ግና ሓላፊ’ዩ” ዝብል ባይታ ረጊጹ ንዘሎ ሓቂ ክርዕሙ ንጽወዖም።

Last modified on Monday, 04 May 2020 09:21