“ንሕና ኢና ንመርሓካ” ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ንውጻእ

2020-05-03 08:57:47 Written by  ድራር መንታይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1712 times

ካብቲ ናይ ምልካዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ዲና?፡ እዚ ምልካዊ ኣተሓሳስባ እዚ እንተስ ብግሁድ ወይ እውን ተዘዋዋሪ መገዲ፥ “ኣነ እየ ዝመርሓካ”  ዝብል ስምዒት ካብ ኣእምሮና ኣይተሓኸኸን ዘሎ። ከምኡ ስለዝኾነ’ውን ይኸውን፡ ነቲ ዘሰማምዓካን ዘራኽበካን ገዲፍካ፥ ኣብቲ ዘየራኽበካን ዘየሰማምዓካን ሸንኮለል ዘብለና ዘሎ። እወ! ወግሐ ጸብሐ ዋላ እኳ ውደባ እንተዘይተጸልአ፥ ወትሩ ሓዲሽ ውደባ ምፍጣር ንገዛእ ርእሱ  ካብቲ “ኣነ እየ ዝመርሓካ፥  ዝብል ኣተሓሳስባ ናጻ ኣይኮነን።

ልክዕ እዩ፡ ወዲ ሰብ ካብ መፈጠርትኡ ኣትሒዙ መነባብሮኡ፥ መግቡ፥ ክዳኑ ከምኡ እውን መጽለሊኡ ዝኣመሰሉ መሰረታዊ ተፈጥሮኣዊ ኣድልይነታት ከውሕስ ይኹን ንባህሪ ክቆጻጸር ክቃለስ ናይ ግድን እዩ።   ነዚ ብተግባር ከሰንዮ ድማ ብዝኾነ ይኹን ኣገባብ፥  ካብ ግዚ ናብ ግዜ ጥሙሓት ወይ ጦብላሕታታት  ከዛይድን፡ ብኡ መሰረት ድማ ናይ ምብሓትን ምውናንን፥ ካልእ ባህርያት የጥርን የማዕብልን። እዚ ከምዚ ዝዓይነቱ ባህሪ ዝውንን ባእታ፡ ድሌቱ ከዕውት ስልጣን ናይ ምጭባጥ  ሕልና ክህልዎ ይኽእል እዩ።   እዞም ከምዚ ዝተጠቕሰ ባህሪ ዘለዎም ሰባት፡ ስልጣን እንተጨቢጦም ድማ፡ ክጭቁኑን ናተይ ስምዑ ዝብል ጠባይ ከምዘማዕብሉ ክጽዕሩን ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ፡ እቲ ናይ ስልጣን ምብሓት ሕልና፡ ምስ ካልኦት ኢሂን ምሂን ኢሉ ክዛተየሉን ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጠሉን፡ ዘኽእል ተጻዋርነት የብሉን። እዚ  ነቲ ፍትሕን ዲሞክራሲያዊ ምሕደራን ኣሳታፍነትን ዝብል ስነ-ፍልጠታዊ ኣምራት ክኣምነሉ ኣይክእልን እዩ። ከመይሲ ሕልና ወዲ ሰብ ምስቲ ባህርያዊ ተፈጥሮኡ  ተኣሳሲሩ ነቲ ድሌታቱ ከምዝግዛእ ብሩህ እዩ። 

ካብዚ ብምንቃል ሓደ ሰብ፡ እቲ ኣብ ኣእምሮኡ ዘሎ ናይ ውልቁ ዝና፡ ረብሓን ስልጣንን ልዕሊ ኩሉ ገይሩ ስለዝወስዶ፥ ናይ ካልኦት ሓሳባትን ርእይቶታትን፡ ኣብ ግምት ከኣቱ ይኹን ናይ ምስማዕ ተዕግስትን ተኽእሎን ፈጺሙ የብሉን። እዚ ባህሪ እዚ  ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናሰፍሐን እናደልደለን ዝኸይድ  ጥሙሓት ይዕብልል። ነዚ ጥሙሓት እዚ ንምትግባር ድማ ሃይማኖታዊ፥ ዓሌታዊ (አትኒክ) ባህላዊ ወይ እውን ኣደናጋሪ ነፍሕታት፡ ዝምቡዕ ሓበረታን፥ ኣጉል ተስፋን ከይተጠቕመ ስልጣን ዓትዒቱ ኽጭብጥ ኣይክእልን። ምኽንያቱ ፡ ስልጣኑ ብሒቱ ካልኦት ድማ ብሒም ከምዘይብሉ ክቕጽል እንተኾይኑ፥ እቶም ካብ ስነፍልጠት ወጻኢ ዝኾኑ ድሑር ኣተሓሳስባታትን “ኣነ እየ ዝመርሓካ” ዝብል ኣተሓሳስባን ጥራይ እዮም። እዚ ነቲ ሕብረተሰብ  እንተስ  ሓለፋታት ብምሃብ ወይ  ኣፈራሪሑ ወይ እውን ከፋፊሉ ብምግዛእ  ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ንኸእትዎም ግርም ገይሩ ዝሕግዞ ጉዳይ እዩ።  ብፍላይ እቲ ሕረተሰብ፡ ኣብ ጸጊዕነትን ድሑር ዝምባሌታትን ዝጠሓለ እንተኾይኑ፥ መፍቶ ናይቶም ኣነ ኢየ ዝመርሓካ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘለዎም ዓቢ መኽሰብ እዩ። ስለዚ እዞም ብመልሓስና ዲሞክራሲያውያን ኮይና እንምድርን ንህዝቢ ኣሎናልካ እናበልና እንጥብርን  ነቲ  ዝተጠቕሰ ድሑር ንዕምሪ ስልጣጣንና ዘናውሕ ዝንባለታት ክንጥቀመሉ ናይ ግድን እዩ።

ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡  ኣብቲ ስነ-ልቦናን ኣተሓሳስባን እዩ ዘሎ እቲ ቀንዲ ሽግር።  ገሊኡ ኣዛዚ ወይ  ሓለቓ ኮይኑ፡ ንሱ ዝደልዮ እምበር ናይ ካልኦት ሓሳብ ኣብ ግምት ከእቱ ዘይደሊ። ስልጣን ኣብ ኢዱ ምስ ጨበጣ ኣብ ክንዲ ብሰፊሑ ሓሳባት ምውህላል፡ ኣብ ናይ ውሑዳት ሓሳባት ይሙርኰስ። ነዚ ንምትግባር  ኣብ ዙርያኡ”እወ ሓቅኻ” እናበሉ ዘሻድንዎ ኣካላት መሪጹ ኣብ ጎኑ ይእክብ።  ነዚኦም ኣብ ኢዱ ምስ ኣእተዎም ከኣ ኣነ ዝበልኩኹም ግበሩ ካብ ዝብል ሓሳብ ኣይወጽእን። ብተወሳኺ ዝምድናታቱ ምስቶም ዝኣምንዎን፥ ንሱ ውን ከምድላዩ ሸዀርተት ዘብሎምን ኮይኑ፥ ንርእይቶታት ካልኦት  ሸለል ኢሉ ከመሓድርን ክቆጻጸርን ኣነ እየ ዝመርሓካ ዝብል ባእታ ይኸውን። ኣብ ከምዚ እዋን እዚ፥ ከምዚ ዝዓይነቱ ኣተሓሳስባ ዝውንን ወይ  ዝኽተል ባእታ፡ ነታ ንሱ ዝደልያ ንዝጻረር ኣካል፡ ኣብ ጐድኑ ወይ ኣብ ዙርያኡ ገይሩ ምስኡ ክዋሳእ ፈጺሙ ቅሳነት ኣይህቦን። በዚ ምኽንያት ካብኡ ብርእይቶ  ዝፈለዩ ወይ ዝፍለ ዝበለ፥ ብገለ ምኽንያት ኣመሳሚሱ  ልክዕ ከምዛ ውለቀ መላኺ ስርዓት ኢሰያስ ዝገብራ፥ ካብ ሓላፍነት የውርዶ። እዞም ከምዚ ናይ በዓል ኢሰያስ  ምልካዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም  ባእታታት፡ መጀመርያ ዲሞክራሲ ንእትብል ቃል ፈጺሞም ኣይኣምኑላን ኢዮም። እቶም ንዲሞክራሲ ንኣምን ዝብሉ  እንተኾኑ እውን፥ ነቲ ንሶም ኣብ ላዕሊ ኮይኖም ሓሳባቶም ጥራይ ክስዕር ዝደልዩ እምበር፡  ነቲ መሰረት ናይ ዲሞክራሲ ኣብ ታሕቲ ክሃንጽዎ ኣይደልዩን ኢዮም። ምኽንያቱ ጽባሕ ንግሆ ኣብታ ስልጣኖም ክትመጾም ስለዝኾነካ ንትሓታትነትን ቁጽጽርን ድልዋት ኣይኮኑን።

Last modified on Sunday, 03 May 2020 11:00