ካብ ባዕዳውያን ብዝኸፍአ፡ ሃገር ዝረመሰ ስርዓት

2020-05-09 08:09:43 Written by  ዳዊት በርሀ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1910 times

ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዝእታዊ መቑረንቲ ኢጣልያ ንልዕሊ 50 ዕዓመታት ጸኒሓ ኢያ። ኢጣልያውያን ንኤርትራ ከም መንበሪቶምን ናብ ካልእ ሃገራት ንከስፋሕፍሑ  መንጠሪትን ገይሮም ስለዝወሰድዋ ንርእሶም ኢሎም ሓያለ ትሕተ-ቅርጻታት፡ ፋብሪካታትን ናይ መጉዓዝያ ናውትን ወደባትን ተኺሎምላ ኢዮም። ንከተማ ኣስመራ ብቕዲ ናይ ከተማታቶም ሃኒጾም ከጸብቕዋን ከማዕብሉዋን ውን ተራእዮም ኢዮም።

ድሕሪ መግዝእቲ ጣልያን ዝተተኽኡ መግዛእታት እንግሊዝን ኢትዮጵያን ግን፡ ነቲ ብጣልያን ዝተገድፈ ንህዝቢ ኤርትራ ክጠቅም ዝኽእል ዝነበረ ስልጣኔታት ሰሪቐሞን ኣብሪሰሞን። ከም ኣብነት ካብ ባጽዕ ናብ ኣስመራ ተዘርጊሑ ዝነበረ ናይ ገመድ ተለፈሪካ ተማሕዩ ተወሲዱ። ስርዓታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ነቲ ልዕሊኦም ኮይኑ ዝጸንሐ ምዕባለ ኤርትራ ንታሕቲ ክድቆስ ካብ ምስራሕ ሓሊፎም ንከማዕብልዎ ዘይሕሰብ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ  ኣብ ኤርትራ ዝጸንሖም ፋብርካታት  ቦንቂሮም ወሲዶም ኣብ ዓዶም  ከምዝትከል ገይሮሞ ኢዮም። ኣብ ኤርትራ ማሎም ንከውፍሩ ንዝደልዩ ዝነበሩ ሃብታማት ውን ፍቓድ ተኽሊእዎም ናብ ማእከል ኢትዮጵያ ከውፍርዎ ይቕሰቡ ምንባሮም ታሪኽ ዝመዝገቦ ኢዩ። ካብ መግዛእቲ ዕቤትን ብልጽግናን ስለዘይርከብ፡ ናይ ኢትዮጵያ ናይ 30 ዓመታት መግዝእቲ ንኤርትራ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረቶ ምዕባለ ንድሕሪት መሊስዋ ኢዩ።

“ሃገር ናጻ ገይረ ብልጽግናን ፍትሕን ክስፍን ኢየ” ዝበለ ናይ ደቂ-ሃገር መንግስቲ'ኸ እንታይ ገበረ? ንኣናባብራ ሃገር ከመይ ሓዞ? ነቶም ቀንዲ ረቓሒታት ዕቤት ሃገር ተኸተልዎዶ? ንዝብል ሕቶታት ካብ እንሪኦም ክኾኑ ኢዮም።

 ኤርትራ ዘይምዕብልትን ዘይቅስንትን ሃገር ኮይና ክትነብር፡ ብዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኮነ ኢሉ ዝተታሕዘ መደብ ኢዩ። ብዘይ ሃገር ዝምርሓሉ ሕግን፡ ብዘይ መላእ ተሳትፎ ህዝብን፡ ብዘይ ናይ ግዳም ምትሕግጋዝን ክረጋገጽ ዝኽእል ዕቤት ኣብ ዝኾነ ሃገር ዝተራእየ የለን። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ነዚ ሓቂ'ዚ ኪሒዱ ኢዩ “ሃገር እመርሕ ኣሎኹ” ዝብል ዘሎ። ህዝቢ ኩሉ ጸጋታቱን ዓቕምታቱን፡ ንብረቱ፡ ፍልጠቱ ኣውፊሩ ዝዋስኣሉ ሰርዓት ከይተፈጥረ፡ ኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና ምባል ትም ኢልካ ዘሎ ጃህራ ናይ ምልካዊ ስርዓት ኢዩ ነይሩ።

ኤርትራዊ ካብ ዝነበሮ ሓያል ፍቕሪ ሃገር ነቒሉ ብዘለዎ ዓቕሚ ሃገሩ ክሃንጽን ከማዕብልን ተበጊሱ ነይሩ። ኣብ ቀረባ ዲዩ ኣብ ርሑቕ ወጻኢ ዝነብሩ ዝነበሩ፡ ገለ ብሃብቶም ገለ ድማ ብፍልጠቶም ዓዲ ኣትዮም ክሰርሑ ብብዝሒ ኣትዮም ኢዮም። ብዝረኸብዎ ጸቢብ ዕድል ገሊኦም’ውን ወፍሪታቶም ጀሚሮም ነይሮም ኢዮም። እንተኾነ ግን፡ ኣማሓድራ ናይቲ መንግስቲ  ስድሪ ከኺዶም ስለ ዘይከኣለ፡ ግዜኦም ኣባኺኖም፡ ዘፍሰስዎ ገንዘብ ከሲሮምን ንብረቶም ደርቢዮምን ነናብ ዝነበርዎ ሃገራት ተመሊሶም። ብዙሓት ካብዞም፡ ኣብ ዓዲ ክሰርሑ ፈቲኖም ዘይኮነሎም፡ ሰብ ሙያን ሃብትን ኤርትራውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ከም በዓል ደቡብ ሱዳን፡ ኡጋንዳ፡ ከንያ፡ ኣንጎላ፡ ኮንጎ ወዘተ... ከይዶም ርእሶም ተረቢሖም ነተን ሃገራት ውን ገዘፍቲ ስራሓት ኣብ መዳያት  ትሕተ-ቅርጻ፡ ኣባይትን ኤለክትሪካዊ ጸዓትን መጉዓዝያን ክሰርሑለን ኪኢሎም ኢዮም። እዚ ኹሉ ኣብ ግዳም ፋሕ ኢሉ ዘሎ ሃብትን ፍልጠትን ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ ኣትዩ ክሰርሕ ምቹእ ኩነታት እንተዝፍጠረሉ ብርግጽ ኤርትራ ምስ ምዕቡላት ሃገራት ምተቖጽረት ነይራ።

ዲክታቶር ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ ኩሉ ግዜ ናብ ቅድሚት ምህዳም ኣመሉ ስለዝኾነ፡ ንህዝቢ ክገብሮ ዘይክእል ክንገብር ኢና፡ መደብ ሒዝናሉ ኣለና እናበለ ከደንዝዞ ኢዩ ዝርአ። ክንገብር ኢና'ምበር እዚኣ ጌርና ኣለና ክብል ተሰሚዑ ኣይፈልጥን። ናይ ዝስተ ማይ፡ ናይ ኤለክትሪክ፡ ናይ ኣባይቲ ውዘተ..... ሕቶታት ኩሉ-ግዚ ንዓመታት እናተሓተቱ ዝመጹ ኢዮም። መልሶም ድማ፡ ከም መደባት ሒዝናዮም ኣለና ዝብል እንተ ዘይኮይኑ፡  ክንድዚ ሰሪሕና ክንድዚ ተሪፍና ዝብሃል የለን።

ዳርጋ ሰላሳ ዓመት ኣብ ስልጣኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ (እዚ ክንድቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝጸንሓሉ እዋን ማለት ኢዩ) ኣብ ዕለት 9 የካቲት 2020 ኣብ ዝገበሮ ቃለ-ምልልስ ኣብ 1991 ዓ.ም ኮይኑ ዝዛረቦ ዘሎ ኢዩ ዝመስል። ንሰላሳ ዓመታት በይኑ ኮይኑ ከም ዘይመርሐ ኣብዚ ሃገር ንቁጠባዊ ወፍሪ ክኸውን ዝኽእል ባይታ ከምዘየለ ክገልጽ ተሰሚዑ። ጽርግያታት፡ ወደባት፡ ጽዓት፡ ፋብሪካታት ዝብሃል ኣብቲ ዓዲ ከምዘየለ። ናይ ማይን ኣባይትን ቀረባት ካብቲ ከዐውትዎ ዘይከኣሉ ንሂወት ኣገደስቲ ዝኾኑ ነገራት ከምዝኾኑ፡ ናይዚ ምኽኒያት ድማ ብቀንዱ ጉድለት ምምሕዳርን ሙያን ከም ዝኾነ ገሊጹ። "ናይ ቀይሕ ባሕሪ ሉል ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ምጽዋዕ ሎሚ የላን። ዝነበረ ፋብሪካታት እንዳ ዓለባ፡ እንዳ ጥርሙዝን ካልኦትን ኩሉ በሪሱ ኢዩ የሎን።" ክብል ተሰሚዑ ዲክታቶር ኢሰያስ። ኢትዮጵያ ተሳዒራ ክትውጽእ ከላ ኣብ 1991 ተዳኺሙ እምበር እዚ ፋብሪካታት ነይሩ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓቲ ብዱዕ፡ ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክገብራ ኢየ ዝብል ዝነበረ ብዱዕ ዲክታቶር ኢሰያስ ኢዩ፡ እቲ ኩሉ ዝነበረ ሃብቲ ሃገር በሪሱ።

ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ ኢሰያስ ከምቲ ባዕሉ ዝገለጾ፡ እቲ ዝዓበየ ክሳራ ኣብ መደብ ስርዓተ ትምህርቲ ኢዩ። ኢሰያስ ብዝተኸተሎ ፖሊሲ ስርዓተ ትምህርቲ ብቑዓት ሰብ ሙያ ከፍሪ ከምዘይክእል ብዓንተብኡ ዝተፈልጠ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ። እቲ ዘሕዝን ግን ናይ ኩሉ መዳያት ህይወት ናይታ ሃገር ባዕሉ ኢሰያስ ገባራይን ሓዳጋይን ኮይኑ ዝመጻሉ መስርሕ ናይ ኩሉ ፍሽለታት ሓላፍነት ወሲዱ፡ ንዝተኸስረ ዝኽሕሰሉ ኣብ ክንዲ ምድላይ ካልእ ሰበባት ንምርካብ ምፍታኑ ኢዩ።

ኤርትራ ነዚ ሕጂ እትሓልፎ ዘላ መንገዲ ኣወጊዳ ክትመጸሉ እትኽእል፡ ብልጽግናን ቅሳነትን እትጎናጸፈሉ ኣገባብ ነይሩ ኢዩ። ንሱ ድማ፡ ንመላእ ህዝቢ ዘሳትፍ፡ ብሕጊ ዝምራሕ ንዘለዎ ሃገራዊ ጸጋታት ብማዕረን ፍትሕን ዝጥቀም ስርዓት ምኽታል ነይሩ።

Last modified on Saturday, 09 May 2020 10:12