ኣብ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?

2020-04-28 09:55:06 Written by  ቢቢሲ (BBC) Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1716 times

27 ኤፕረል 2020

ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን

"ኣቱም ሰባት ኪዱ ንዓድኹም ተመለሱ፡ ምምዝጋብን ምቕባልን ተኸልኪሉ'ዩ!"

"ኣይንምለስን ኢና"

" ኣይንምለስን ኢና እንተይልኩም ንኽልተ ቕነ ክንውሽበኩም ኢና። ንኹሉ ወጻኢታት ከኣ ባዕላትኩም ኢኹም ክትሽፍንዎ"

"ገንዘብ የብልናን"

"ዳሕራይ ተሸጊርና ከይትብሉ ኣቐዲምና ንነግረኩም ኣሎና"

"ምርጫ የብልናን - ሕጂ ኣይንምለስን ኢና፡ ዝረኸበ ይርከበና!"

እዚ ኣብ ዶባት ራማ ክሳድ ዒቃ ዝተገብረ ዝርርብ እዩ። እቶም ኣብ ሓለዋ ዶባት ዘለው ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ መንግስትና ስደተኛታት ምቕባል ስለዘቋረጸ ተመለሱ ምስበሉዎም ዝነበረ ዝርርብ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ብኮማንድ ፖስት ተኣዊጁ ብዘሎ ናይ ውሸባ ፖሊሲ፡ ኩሉ ዶብ ሰጊሩ ዝመጽአ ስደተኛ ይኹን ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝርከብ ህዝቢ ናይ ግድን ንኽልተ ሰሙን ክውሸብ ኣለዎ።

እንተኾነ እቲ ፌዴራል መንግስቲ ኮነ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ መወሸቢ ማእከል ስለዘይብሎም፡ ነቶም ብራማ ዝኣተዉ ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ዘይተወደአ ህንጻ እዮም ዝሕዝዎም ዘለው። ህዝቢ እታ ኸተማ ከኣ በብዓቕሞም ይሕግዙ ኣለው።

ኣቶ ተኪአ ዝተባህለ በዓል ጸጋ ትግራዋይ ነባሪ ከተማ ራማ ብርክት ዝበለ ኣሽሓት ወፍዩ ክሕግዞም ከምዝፈተነ ኣመሓዳሪ እታ ከተማ ይዛረብ።

ዳሕራይ ግን እቲ ቑጽሪ እናወሰኸ ምስ ከደ ከምዝኸበዶን ዝምልከቶ ኣካል ቖላሕታ ክገብረሎም ከምዝተማሕጸኑን ምንጭታትና ካብ ራማ ይሕብሩ።

እቶም ናይ ክልተ ሰሙን ውሸባ ዝወድኡ እውን ናብ ካልእ ቦታ ምንቅስቓስ ስለዘየሎ ኣብ ካልእ ዘይተወደአ በዓል ሓደ ደርቢ ህንጻ ተዓቚቦም ኣለው። ገሊኦም እውን ኣብታ ንእሽቶ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣብያተ ሻሂ ጽግዕ ጽግዕ ኢሎም ነቲ ነዊሕ መዓልቲ የሕልፉዎ ኣለው።

ኣብ ከተማ ሸራሮ እውን ኣስታት 300 ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ገዛውቲ ተዓጽዮም ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣለው።

ኣብ ሸራሮ እቲ ዝዓበየ ጸገም ናይ ሕክምና እዩ። እትረፍ ነቶም ስደተኛታት ንባዕሉ ነቲ ህዝቢ እውን ንፈኮስቲ ሕማማት ዝፍውስ ሕጽረታት መድሃኒት ኣሎ። ነቶም ትሕዝቶ ዘይብሎም ክወጽኡን ክንቀሳቐሱን ዘይክእሉ ስደተኛታት ከኣ ዝኸፍአ እዩ።

ኣብቲ ቦታ ዝበጽሐ ናይ ዓይኒ ምስክር ምንጭና "ንሕማም ርእሲ ኮነ ንተራ ተቕማጥ ዝፍውስ መድሃኒት ብዘይምህላው እቶም ሰባት ኣዝዮም ተሸጊሮም ኣለው" ክብል ምስክርነቱ ይህብ። እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ግን ናይ ማይ ሕጽረት እዩ።

ኣብዚ፡ ማይ ምሕጻብን ምፍንታትን እቲ ቐንዲ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብተን ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ሽመልባ፡ ሕጻጽ፡ ማይ ዓይንን ዓዲ ሓርሽን ናይ ማይ ሕጽረትን ናይ ምትሕንፋጽ ሰባትን ኣሎ።

ዝምልከቶ ኣካል፡ ኣብ ቤተክርስትያንን መስጊድን ኣይትተኣከቡ ክብል ኣጥቢቑ እናመኸረ፡ ኣብ ሕጻጽ ዝርከቡ ስደተኛታት ንኣብነት፡ "ድሕነት ካብ ፈጣሪ እዩ" ብምባል ዓርቢ ስቕለት ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስቲ ማርያም ተኣኪቦም ክሰግዱን ክምህለሉን ዝረኣየ ምስክር ዓይኒ ምንጭና፡ " ሕማቕ ኣይምጻእ እምበር እቲ ቫይረስ እንተኣትዩ ከቢድ ክኸውን እዩ" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

ምኽንያቱ፡ ኣብቲ መዓስከራት ሰባት ከከም ብዝሒ ስድረኦም ኣብ ሓንቲ ገዛ ተጸፋጺፎም ስለዝነብሩ፡ ዝሓመመ ሰብ ከግልሉን ክውሽቡን ዝኽእልሉ ቦታን ዕድልን የብሎምን። ስለዚ ድማ እዩ እቲ ኩነታት ኣዝዩ ዘሰክፍን ዘሻቕልን። ኣብ ርእሲኡ ናይ ዕዳጋ ክብርን ሕጽረት ሃለኽቲ ኣቑሑን እውን እንተሎ፡ ከም ሕጽረት ማይ ገይሩ ዘማርሮም ነገር ግን የሎን።

ኤርትራውያን ስደተኛታት

እቶም ዝቕበሎም ኮነ ዝምዝግቦም ዝሰኣኑ ኣብ ፈቐድኡ ዓድታትን ከተማታትን ንግዝይኡ ብሓልዮት ህዝቢ እቲ ክልል ዝሕገዙ ዘለው ኤርትራውያን ግን ናይ ብሓቂ ኣብ ከቢድ ጭንቅን ሻቕሎትን እዮም ዘለው።

ብፍላይ፡ ነበርቲ እታ ኣብዚ ቐረባ እዋን ብማእከላይ መንግስቲ ክትዕጾ ዝተወሰነላ መዓስከር ሕጻጽ " እንታይ ክንከውን ኢና! መን'ዩ ዝሰምዓናን ዝረድኣናን!" እዮም ዝብሉ ዘለው።

ነበርታ ሕጻጽ ናይ ግድን ናብ መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ-ዓይንን ክትግዕዙ ኣለኩም እኳ እንተተባህሉ ፈጺሞም ኣይተቐበሉዎን።

መንግስቲ ፈደራል ግን እቲ መደብ ብሰንኪ'ዚ ጉዳይ ኮሮና ንግዝይኡ እኳ እንተተናውሐ፡ ናይ ግድን ክትግበር ኣለዎ እዩ ዝብል እቶም ህዝቢ ከኣ "ስለምንታይ ኢኹም ንሸውዓተ ዓመት ካብ ዘጣየስናያ ዓዲ ተፈናቕሉና ዘለኹም" ይብሉ።

እታ ካብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ፡ 40 ኪሎሜትር ርሒቓ ድሕሪ እተን ካልኦት መዓስከራት ዝተጣየሰት መዓስከር ሕጻጽ ብዝሓሸ ኣገባብ እያ ተደኲና።

ኣብቲ መዓስከር ጽቡቕ ማይ እውን ስለዝነበረ፡ እቲ መነባብሮኡ ከመሓይሽ ፋሕተርተር ዝብል ህዝቢ ኣግራብ ተኺሉ ነታ መዓስከር ኣለምሊሙማ እዩ።

ብዙሕ ድኳናት፡ እንዳ ሻሂታት፡ ኣብያተ መስተን መዘናግዕን፡ እንዳ ጠሓኒት፡ ሕክምና፡ ቤት ትምህርትን ቤተክርስትያን ሃኒጹ ካብ ዝተኸላ ዓዲ ስደቱ ክንቀል ኣይደልን ዘሎ እቲ ነባሪ።

ስለምንታይ ግን እዩ ፈደራል መንግስቲ ንሕጻጽ ክዓጽዋን ንነበርታ ናብተን ክልተ መዓስከራት ከሸጋሽጎምን ደልዩ?

ላዕለዋይ ተጣባቒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር) ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ስደተኛታት ዝሰልዖ ዝነበረ ዓመታዊ መጠን ባጀት ብኽልተ ሚልዮን ዶላር ከምዝጎደለ፡ ነቶም ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ስደተኛታት ዝውዕል ዝነበረ ናይዚ ዓመት ባጀት ብ34 ሚልዮን ብር ስለዝነከየ፡ ነቶም ስደተኛታት ናብተን ካልኦት መዓስከራት ምሽግሻጎም ኣገዳሲ ኮይኑ ከምዝረኸቦ እሙን ምንጪ ሰራሕተኛ ትካል ስደተኛታትን ተመለስትን [ኣራ]፡ ይሕብር።

መንግስቲ ኢትዯጵያ፡ እቲ ምግዓዝ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከተግብሮ ምዃኑ ንትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት እኳ እንተኣፍለጠ፡ ኣብታ ሃገር ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ምስተረኽበ ከምዘናውሖን እቲ ምግዓዝ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ከም ዝጅመርን ምክትል ዳይሬክተር ጀነራል ትካል ስደተኛታት ኢትዮጵያ (ኣራ)፡ ኣቶ ኢዮብ ኣወቀ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ - ብቢቢሲ እውን ተቓሊሑ ነይሩ።

ይኹን እምበር ወኪል ዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣን ኤኖክተር፡ እቲ ትካል ካብዚ ዓመት ጀሚሩ እቲ ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዝነበረ ሓገዝ ብ14% እኳ እንተጉደሎ፡ እዚ ጥራሕ ግን ነቲ መዓስከር ንምዕጻው እኹል ምኽንያት ከም ዘይኮነ ንኤኤፍፒ ሓቢራ።

ኣብዚ እዋን ነቶም ስደተኛታት ናብ ካልእ መዓስከራት ምግዓዝ፡ ዝያዳ ንኮቪድ-19 ዘቃልዖም ምዃኑ ዝገለጸት ኣን ኤኖክተር እተን ካልኦት መዓስከራት ብሕጽረት መሰረታዊ ቀረባት ማይን ሕክምናን ጽሬትን ይጽገማ ከም ዘለዋ ሓቢራ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሰራሕተኛ ኣራ ግና እቶም ስደተኛታት ዝውዙዕለን ዘለው መዓስከራት ዓዲ ሓርሽን ማይ ዓይንን ብቐረብ ኤሌክትርክን ማይን ካብቲ ዝነብርሉ መዓስከር ስደተኛታት ሕጻጽ ዝሓሻ ምዃነን ይዛረብ።

እንተኾ እቶም ነበርቲ ሕጻጽ ስደተኛታት ግን ነቲ ሰራሕተኛ ኣራ ዝበሎ ፈጺሞም ይነጽጉዎ።

እቶም ኣብዚ ቕንያት እዚ ኣብ ኩለን እተን መዓስከራት ስደተኛታት ዝበጽሑ ምንጭታትና ከኣ፡ ነበርቲ ኩለን መዓስከራት ናይ ክልተ ወርሒ መሻርፍ ክቕበሉ ከምዝረኸቡዎም ብምግላጽ፡ ካብ ኩለን እተን መዓስከራት እቲ ናይ ማይ ቀረብ ኣብ ሕጻጽ ከምዝሓይሽ ብምሕባር እቲ ናይ ነበርቲ ሕጻጽ ናይ ምግዓዝ መደብ ክሳብ ዝመጽእ ክልተ ወርሒ ክጸንሕ ከምዝኽእል ይግምቱ።

እቲ ካብኡ ንላዕሊ ዘሻቕል ዘሎ ግን ናይቶም ኣብ ፈቐዶ ዓድታትን ከተማታትን ዶባት ዝቕበሎምን ዝምዝግብዎን ስኢኖም ተጫኒቖም ዘለው ኤርትራውያን ከምዘተሓሳስቦም ይሕብሩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት

ሂዩማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሓደሽቲ ምጻእ ስደተኛታት ኣይቕበልን ምባሉ ኢሰብኣውን ዓለም ለኻዊ ሕጊ ዝጥሕስን ብምዃኑ ቅቡል ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

ምንጭትታትና ከምዝሓበሩዎ ከኣ እቶም ፍታሕ ዝጽበዩ ዘለው ስደተኛታት ብሓገዝ ቀይሕ መስቀልን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ይሕገዙ እኳ እንተለዉ፡ ኣብ ከቢድ ማሕበራውን ቁጠባውን ቅልውላው ከምዝርከቡ ኣገደስቲ ናይ ኮሮናቫይረስ ንዋት ሒዞሙሎም ንዝኸዱ ኣብ መቐለ ዝምቕማጦም ኤርትራውያን ወለንተኛታት ንቢቢሲ ምግላጾም ዝዝከር'ዩ።

ኣማሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ገበረመድህን ነዞም ዝኣትውኡ ዘለው ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ፌደራል ዘይቕበሎም እንተኾይኑ፡ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፡ ናይ መንበሪ ፍቓድ ሂቡ ኣብ ትግራይ ኣብ ድሌቶም ከይዶም ክነብሩ ከምዘፍቅድ ንቢቢሲ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ጥራይ ኣስታት ክልተ ሽሕ ኤርትራውያን ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ንጥፈታት ይሳተፉ ምህላዎም ኣቶ ተኽላይ ይሕብር።

ክሳብ ሕጂ ኣብተን ኣብ ትግራይ ዝርከባ ኣርባዕተ መዓስከር ስደተኛታት ኣስታት 80ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝርከቡ ይግለጽ።

ዓለም ለኸ ሕጊ እንታይ ይብል?

ፕሮፌሰር ጋይም ክብረኣብ ኣብ ሳውዝ ባንክ ዩኒቨርሲቲ ለንደን ዳይረክተር ስደትን ምዕባለን (Refugee Studies and Development) ሓንቲ ሃገር ዑቕባ ናይ ምሃብን ምኽላእን ልዑላዊ መሰል እኳ እንተለዋ እዚ ሕጂ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሓደሽቲ ምጻእ ኤርትራውያን ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ግን፡ ኣንጻር እቲ ኣብ 1969 ዝፈረመሉ ንመሰል ስደተኛታት ዝሕሉ ውዑል ሕብረት ኣፍሪቃ ስለዝጻረር እቲ ተግባር ፍትሓዊ ኣይኮነን ክብል ይገልጾ።

ፕሮፊሰር ጋይም ክብረኣብ ናይ ምስሊ መግለጺ ፕሮፊሰር ጋይም ክብረኣብ

እቲ መብዛሕተን ሃገራት ዓለም እንኮላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝፈረመሉ ናይ 1951 ኣህጉራዊ ውዑል ስደተኛታት፡ ሓደ ሰብ ብዓሌቱን ሃይማኖቱን ወይ ብዜግነቱን ኣባል ፍሉይ ጉጅለ ብምዃኑ፡ ወይ ብፖለቲካዊ ኣረኣእያኡ ካብ ሃገሩ ወጺኡ ናብ ካልእ ሃገር ምስዝኣቱ እታ ሃገር ጉዳዩ ርእያ መሰሉ ከተኽብረሉ ከምዝግባእ ይድንግግ።

እንተኾነ እታ ተቐባሊት ሃገር ነቶም ዝመጽኡዋ ስደተኛታት ምቐባልን ምንብባርን ብፖለቲካዊ ይኹን ብቑጠባዊ ምኽንያት ጸገም ክፈጥረለይ ይኽእል እዩ እንተይላ፡ ንዩ-ኤን-ኤች-ሲ-ኣር ጸገማን ምኽንያታን ነጊራ ነቶም ስደተኛታት ካልእ እተዕቁቦም ሃገር ክደልዩሎም ክትሓትት ከምእትኽእል የረድእ።

ካብኡ ተረፈ ግን ነቶም ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ዝመጽኡ ሰባት ናብቲ ስግኣት ኣሎና ዝብሉዎ ዓዲ ክትመልሶም ከምዘይትኽእል ይሕብር።

እቲ ናይ 1951 ኣድማሳዊ ውዑል ስደተኛታት ናይ ነብሲ ወከፍ ሰብ ጉዳይ ብውልቂ ዝርኢ ክኸውን እንከሎ እቲ ናይ 1969 ውዕል ስደተኛታት ውዕል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ንዝኾነ ቅልውላው ካብ ዘለዋ ጎረቤት ሃገር ዝመጽአ ስደተኛ ብእኩብ ከም ስደተኛ ክረአን ዝግበኦ መሰላት ክኽበረሉን እዩ ዝድንግግ።

ኢትዮጵያ ነቲ ምስ ውሑዳት ሃገራት ሓቢራ ብዝመስረተቶ ማሕበር ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተኣመመን ዝፈረመትሉን ንመሰል ስደተኛታት ኣፍሪቃ ዝድንግግ ውዑል ከተኽብር ግዴታ ከምዘለዋ ብምዝኽኻር ብሓደ ናይ ኖቬል ሽልማት ብዝወሰደ ቀዳማይ ምኒስተር እትመሓደር ሃገር ፍትሒ ጎስያ ከምዚ ዓይነት ንመሰል ውጹዓት ኤርትራውያን ዝግህስ ተግባር ክትፍጽም ዘሕፍር ምዃኑ ይሕብር።

ኮሮና
Last modified on Tuesday, 28 April 2020 12:01