ሕራይ፡ ኢሰያስስ ሓመመ፡ ወይ ሞተ፡ ኣተሓሳስባኡ ኸ?

2020-04-28 18:50:37 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1968 times

ቀንዲ ቆላሕታ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ቅድም ኣንጻር መግዛእቲ ኮነ፡ ደሓር  ኣንጻር ዘቤታዊ ጭቆናን ወጽዓን ኣብ መንነት ናይቶም ገዛእትን ወጻዕትን ዘትከለ ዘይኮነ፡ ኣንጻር’ቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ዝነበሩን ዘለዉን ኣተሓሳስባን ኣዕናዊ ሳዕቤኑን ነይሩን እዩን። ኣብቲ ምረት ናይቲ ወጽዓ፡ ግደ ናይቶም ተግበርትን ተዋሳእትን ኣካላት’ኳ ቀሊል እንተዘይነበረ፡ እቲ ቀንድስ ኣብቲ ንሳቶም ዝምርሕሉ ዘየናሕሲ ኣተሓሳስባን ዝዋስእሉ ኮርኳሕ ሜዳን እዩ ዘሎ። እዚ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባ ብመሰረቱ እንተዘይተበርቊቑ ወይ እንተዘይተሳዒሩ ሓደ ተዋሳኣይ እንተሓለፈ ብኻልእ መልክዑ ቀይሩ ዝመጽእ መዕሸዊ ህይወት ናይ ምስኩዑ ዕድል ክፉት እዩ። ኮታ ከምዚ ሓደ ኦም እንተቖሪጽካዮ ናይ ምጭብጫብ ዕድል ዝህልዎ፡ ኩዒትካ ካብ ሱሩ እንተምሒኻዮ ግና ሓንሳብን ንሓዋሩ ዝበርስ ጌርካ ምውሳዱ ዝከኣል እዩ።

እቲ ኣተሓሳስባ ንሓዋሩ ክጠፍእ ወይ ተመሊሱ ክጥጥዕ ዝውሰን ኣብ ኢድ እቶም ገዛእቲ ወይ ጨቆንቲ ጥራይ ዘሎ ዘይኮነ፡ ናይቲ ተገዛኣይ ወይ ተወጻዓይ ሓፋሽ፡ ነቲ በደላት ዘይቅበል ንቕሓትን ቅሩብነትን ምሕዳርን ዘይምሕዳር ወሳኒ ግደ ኣለዎ። ኣብ ኤርትራ ወጽዓን ጭቆናን ንሓዋሩ ናይ ዘይምምላስ ውሕስነት ዝረክብ ብናይ ውሱናት ገዛእን ዘመናውያን ጨቆንትን ሙሟት ወይ ምሕማም ዘይኮነ፡ ንመግዛእትን ወጽዓን ዘይጸውር ናይ ህዝቢ ተረድኦ ብዘተኣማምን ሱር ሰዲዱ ክሰርጽ እንከሎ ጥራይ እዩ። ናጽነትናን ሓርነትናን ኣብ ኢድ ህዝብና ዘሎ ውሳነ እዩ እንብል እውን ካብዚ ነቒልና ኢና። ስለዚ ራህዋና ኣብ ምሕማም ወይ ሞት ኢሳያስ ዝምርኮስ ከም ዘይኮነ፡ ከነስተብህል ይግበኣና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና እቲ ቀራን ጸረ ህዝቢ ባእታ ወይ ጉጅለ ተደኒሱዓዲ ክውዕል ወይ ደሓር ከምዘይምለስ ክፋኖ እንከሎ ጽልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ ኣንጻር ረብሓኡ ዘየውሕስ ኣተሓሳስባ እዩ። ቅድም ንገዛእቲ ሎሚ ድማ ንወጻዕትን ጨቆንትን ዝቆጻጸሮምን ዝዕቅኖምን ከኣ ብመንጽር፥ ቋንቁኦም፡ ሃይማነቶም፡ ወይ ዓሌቶም ዘይኮነ፡ በቲ ንምብዳሉ ዝምርሕሉ ኣተሓሳስባኦምን ብኣኡ መሰረት ኣብ ልዕሊኡ ዘስዕብዎ፡ ቅትለት፡ ስደት፡ ምግፋፍ ሰብኣውን ዲሞክራስያዊ መሰላት፡ ብኩራት ፍትሒ፡ ቁጠባዊ ግበታን ምንፋግ ናጽነት እምነትን……ወዘተ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ኣታሊልካ እምበር፡ መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ መሊስካን ኣዕጊብካን ናይ ምምራሕ፡ ባህሊ፡ ትዕግስቲ፡ ድልውነት፡ ኣተሓሳስባ ኮነ ዓቕሚ ዘየብሉ ኣብ ናይ ሸፈጥ ዓለም ዝነብር ምዃኑ፡ ሎሚ ኣይኮነንዶ ንዓና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዓለም መለለይኡ ምዃኑ ካብ ዝበርህ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ነዚ ስንኩል ኣካይዳኡ ንምንዋሕ ካብ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ከኣ “ሓሶት ነዚሕካ፡ ተመሊስካ ንካለኦት ብሓሶት ናይ ምኽሳስ” ፈሽኳል ተንኮል እዩ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንተረኽቦታት ብዝተፈላለዩ ኩርነዓት ምጽራይ ዘየኽእል፡ ናይ ሓበሬታ ምዕጻው ፖሊሲ ከኣ፡ ንኸምዚ ዓይነት ሸንኮለል ምሉእ ዕድል ክኸፍት ዝተሃንደሰ ሜላ  እዩ። ኣብዚ ካብ ዝጥቀምሎም ዛዕባታት ሓደ፡ ግዜ እንዳጽነዐ ንገለ ሓለፍቲ ናይቲ ጉጅለ፡ ንሓንሳብ ምሕማም ንሓንሳብ ድማ ምቕታል እዩ። “እገለ ንመንግስቲ ከዲዑ” ዝብል ከም ሜላ ዝጥቀምሉ ግዜ እውን ኣሎ። ድሕሪ ዝተወሰነ ናይ በለካ ለኸዓካ ሃልኪ ከኣ ካብቶም ዘሕምምዎም፡ ዝቐተልዎም ወይ ዘኽድዕዎም ናብ ሚድያ ኣምጺኦም፡ ነቶም ተዛሪቦም ዘዛረብዎም ተመሊሶም ብሓሶት ይኸስዎም። እዚ ብሃውሪ ዝሰርሕዎ ዘይኮነን፡ ካብቲ ኣብ ልምዓትን ምምላስ ሕቶ ህዝብን ክውዕል ዝግበኦ፡ ገንዘብን ክኢላን ተመዲብዎ ዝስራሕ እዩ።

እዚ ጉዳይዚ ኣብ ዙርያ ኢሳያስ ብዙሕ ግዜ ተጠቒመምሉ እዮም። ብዙሕ ግዜ ኣሕሚሞም ኣሕውየምዎ፡ ቀቲሎም እውን ኣተንሲአምዎ። ናብ ዱባይ፡ ጅዳን ኤምረትን ወሲዶም ከኣ ንሓንሳብ ብግብሪ ንሓንሳብ ድማ ንልበወለዳዊ ድራማ  ሕክምና ኣመላሊሰምዎ። ሓደ መዓልቲ እታ ናይ ብሓቂ ሞት ክትመጽእ ምዃና ግና ርዱእ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ዘይተርፍ ሕጊ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ወዲ 75 ዓመት ኣብ መንእሰያት እውን ዝዓግቶ ሓይሊ የለን። ሓሚምካ ምድናስ ወይ ሞት ናይ ኢስያስ፡ ብሰንክቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘውረዶ፡ ኣብዛ ሃገር እዚኣ ተራእዩ ዘይበሃል በደልን ግፍዕን፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘቕልበሉን ፍሉይ ትርጉም ከም ዝህቦን ግና ፍሉጥ እዩ። ቀንዲ ጠመተ ህዝቢ ኤርትራ ግና፡ ኣብ ምህላውን ዘይምህላውን ኢሳይስ ከም ሓደ ፍጡር ዘይኮነ፡ ኣብቲ ናይ ኩሉ በደላት መንቀሊ ርኹስ ኣተሓሳስባኡ እዩ። እቲ ንኢሳያስ ዝለኸፈ እሞ ካብ ሰብኣውነት ወጻኢ ከዕንድሮ ዝጸንሐ ቫይረስ፡ ንኻለኦት ኣብቲ ከባቢኡ ዘለዉ እውን ለኺፉ ክኸውን ከም ዝኽእል ምስትብሃል ከድሊ እዩ። እቲ ኢሳያሳዊ ቫይረስ ዝጠንቁ ሓማም ከኣ፡ ብሞት ወይ ዓዲ ብምውዓል እቲ ቀንዲ ሕሙም ዘይኮነ፡ እቲ ሕማም ጠሪሱ ካብ ኤርትራ ክውገድ እንከሎ እዩ ናይ ምፍዋሱ ውሕስነት ዝረክብ።

ወዮ ግዜ ሓልዩ ዝመጽእ ዝተመርጸ ወረ መስሪሕካ ምዝርጋሕ፡ ለንቅነ እውን ተቐልቂሉ ኣብ ብዙሓት ማሕበራዊ ሚድያታት ከኹድድ ክንዕዘብ ቀኒና፡ እንተኾነ እቲ ናይ ሓበሬታ ምዕጻው ኣብ ኤርትራ፡ ምስቲ ዕጽዋ ምኽንያት ለበዳ ሕማም ኮሮናቫይረስ ተደሪቡ፡ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ንብዙሓት ኣጸጊምዎም ኣሎ። “እዚ ግደፍዎ ልሙድ ሽንኮለል 03 እዩ” ኢሎም ገጽ ዘይሃብዎ’ውን ብዙሓት እዮም። “እዋእ ኩሉ ግዜ ሓሚምካ ናይ ምሕዋይ ወይ ሞይትካ ናይ ምትንሳእ ፋስጋ የለን” ስለዚ፡ ኢስያስ ሞይቱ እውን ክኸውን ይኽእል እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ቃልሱ ብኸመይ ኢሳያስ ይሞተልና ዘይኮነ፡ ብኸመይ ግደ ህዝቢ ዝበረኸሉ፡ ብሕገመንግስቲ ዝቕለስ፡ ህዝቢ ብዝሓንጸጾ ስርዓትን ዝመረጾ ትካልን ዝምራሓሉ፡ ብናይ ሃገሩ ጸጋ ብማዕረ ዝርበሓሉ፡ እሱራት ኣብ ቅድሚ ፍትሒ ዝቐርብሉ፡ ሰላምን ልምዓትን ዘውሓሰ፡ ምስ ጉረባብቱ፡ ብሰላምን ናይ ሓባር ረብሓን ዝነብረሉን ስርዓት ምትካል እዩ።

ዝነፈሰ ንፋስ እንተነፈሰ  ነዚ መሰረታዊ ዕላማ ቃልሱ  ወትሩ ኣጽኒዑ ክሕዞ ይግበኦ። ኢሳያስ ይሙት ወይ ዓዲ ይውዓል  እቲ ንሱ ህዝቢ ዝጭቁነሉ ዝነበረ ኣተሓሳስባን መሓውርን ሒዙ ዝመጽእ፥ ወልደሚካኤል ይኹን መሓመድ ወይ ኣብርሃም ፈጺሙ ዓወት ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ክፍጠር ዝኽእል ተርኽቦ ተደህሊሉ መሰረታዊ ዕላማን ሽኻልን ቃልሱ ከይስሕት ወትሩ ኣብ ቀዳማይ ደረጃ ተጠንቀቕ ክኸውን እውናዊ እዩ።

Last modified on Tuesday, 28 April 2020 20:59