ስለምንታይ ኢዩ እዚ ህዝቢ፡ ክንድ'ዚ ሕመቕ ዘርኢ ዘሎ፡

2020-04-27 17:03:36 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1534 times

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ድሕሪ ነዊሕ ብረታዊ ቓልሲ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ ኩሉ  ኣካል ሕብረተ-ሰብና ዝተሳተፎን መስዋእትን ምስንካልን ዝተኸፍሎ፡ ኣብ መጋቢት 24, 1991 ክድምደም ከሎ ፡ህዝቢ ኤርትራ ደቕና እዮም፡ ደሓር  ከኣ ካብ በረኻ ስለዝመጹን ( ተመክሮ ) ተመኩሮ ስለ ዝቐሰሙ፡ ክሰምዑና እዮም፡ ጽቡቅ ድማ ክገብሩ እዮም ኢሉ ክጽበ፡ ሓላፍነቱ ዘንጊዑ እናረኣየ ከምዘይረኣየ፡ እናሰምዐ ከም ዘይሰምዕ ኮታ ካልኦት ክገብርሉ ዝተጸበየሉ እዋን እዩ ነይሩ።

እቲ ህዝቢ ኤርትራ   ን30 ዓመታት ዝተቓለሶ  ንባዕዲ (መግዛእቲ ኢትዮጵያ) ምስጓግ ብእኡ ድማ፡ ኣብታ ነጻ ኤርትራ ህዝባዊ መንግስቲ እንምስርተሉን ብቕዋማዊ ሕጊ እንቕየደሉን ኩነታት ምፍጣር  እዩ እቲ ዕላማ ነይሩ። ኮይኑ ግን እይተገብረን። እቲ ኣስመራ ዝኣተወ ጉጅለ ህግድፍ ኣብቲ መጀምርያኳ   ደገፍ ናይ ህዝቢ እንተነበሮ፡  ነቲ ዕድላት ተጠቒሙ ተቐባልነት ህዝቢ ንምርግጋጽ ናብ ህዝባዊ ምርጫ ኣይከደን።

ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ኢሰያስ፡ ነቲ በሓቲ ባህርያቱ ብተግባር ንሪኦ ዘለናን ኤርትራን  ህዝባን ኣብ ዲቕ ዝበለ ምልካዊ ስርዓት ተሸሚሙ ምህላዉ፡  ዋላ ንጎረባብትናን ዓለምናን ዝምስክርዎ ኮይኑ ምህላዉ  ፍሉጥ እዩ። እቲ ዝለዓል ኣርእስቲ ነጥቢ እንበኣር ስለምንታይ ኢዩ እዚ ህዝቢ ክንድ'ዚ ዝኣክል ሕመቕ ዘርኢ ዘሎ፡ ብዝያዳ ድማ እቶም ዝቃወሙ ዘለዉ እንታይ እዩ ዘጸግሞም   ዘሎ ዝብል ክልዓል ናይ ግድን ይኸውን።

ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ'ቲ ዘርከብናሉ ክንጅምር፡  ግዜ ንጉስ ሃይለስላሴ ስለ ዝዓበኹ እቲ ንጉሳዊ ስልጣን ከመይ ከም ዝመስል ርኢናዮ። ደርጊ እውን መጺኡ እቲ ወተሃደራዊ ፖለቲካዊ ስላጣንን ሳዕቤናቱን ዝተራእየ ንመንእሰይ ኤርትራ ንሜዳ ናብ  ገደሊ ንኽሳተፍ ብምውሓዙ፡ እቲ ናይ ገድሊ ወለዶ፡ ብጅግንነት እውን ነቲ ዝተበግሰሉን ዝተቐበሎምን ዝተማህሮምን ካብቶም ዘጽነሑዎን ዝጀመርዎን ጽንዓት ኣዋህሊሉ  ነቲ  ፈካራይ ስርዓት መንግስቱ ደምሲሱን  ስዒሩ ሓንቲ ልዕላዊት ዝኾነት ኤርትራ ፈጢሩ።

ሰውራ ኤርትራ ክብገስ ከሎ ንነጻነትን ሓርነትን ኢሉ ዝተቓለሶ፡  እቲ ሓደ ሸነኹ ናጽነቱ ክረክብ ከሎ፡ እቲ ካልእይ ምዕራፍ ድማ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሓርነቱ ዝኸደሉ መንገዲ ፡ ማለት ኣብታ ነጻ ዝኾነት ሃገር፡  ህዝቢ ቖጽሊ ዘውደቐሉ ብናቱ ነጻ ድሌት ናቱ ዝብሎ መንግስቲ ብናይ ህዝቢ ተሳትፎ  "ካብ ህዝቢ ፡ናብ ህዝቢ ፡ንህዝቢ" ዘገልግል መንግስቲ ክምስርት ኢሉ  ዝቃለስ ዝነበረ እምበር፡  ከም'ዚ ኣብ ዓድና ዘሎ ዝተመነየ ንክህሉ ዝጸዓረ እንተሎ ብጀኻ እቶም ተረባሕቲ ካልእ ከምዘየለ  ምርዳእ ከድሊ እዩ።እቲ ኣብ መጻኢ  እንምስርቶ መንግስቲ ድማ፡ ነዚ ናይህዝቢ ዕላማ ዘንጸባርቕ ኮይኑ ብቕዋም ዝመሓደር፥ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝሰፍነላ፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ዝሰጋገረላ. ... ወዘተ ሃገር ክንምስርት ኢዩ ነይሩ እቲ ጉዕዞን። ሕጂ ኣብ ቅድሜና ዘሎ እውን ንሱ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ን29 ዓመታት ዝእክል ናቱ ዝብሎ መንግስቲ ክምስርት ኣይከኣለን ዘሎ።  እቲ ስልጣን ናይ ህዝቢ’ዩ ዝብል ኣምር ጌና ኣይጀመርናዮን። እዚ ማለት ኤርትራዊ ዜጋ ነታ መሰል ናይ ምድማጽ እትብል ኣካል ዲሞክራስያዊት መሰል ዝኾነት ተጠቒሙ ብዝመስሎ ኣብ ነጻ ድሌቱ ብምስጢር ሰጋእ ከይበለ ክመርጽ ኣይከኣለን ዘሎ።

እሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ኩነታት ሃገርና፡ ህዝቢ ዝተቓለሰሉ ዕላማ ተጠሊሙ ውልቀ-ሰባት ከም ድሌቶም ስልጣኖም ንምንዋሕ ብጩቕ ንዝበለ ኣብ ፍቐዶ ማእሰርቲ ቦታታት እናቖርፈድካ፡ተጋዲሎም ናጽነት ዝረኣዩ ንሶምን ደቆምን ናብ ስደት ዘምርሑሉ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ትምህርቱን ምስ ስድርኡን ከይዓቢ ኣብ ባርነት ሳዋ ኣእምርኡ ዝስረቐላ ኤርትራ እያ ዘላትና።

እዚ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ኤርትራ፡ ነቲ ፖለቲካዊ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ጉጅለ ክንኣልዮ እንቃለስ ዘለና ደንበ ተቓውሞ፡ እቲ እንተኽሎ ስርዓት ብህዝቢ ዝተደገፈ ቕዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ፥ ብልዕልና-ሕጊ እትቕየድ፥ ነጻ ምርጫ፡ ስልጣን ብሰላማዊ መንገገዲ ዝቀባበለላ ኮታ ፍትሕን ዲሞክራሲን ዝነገሳ ኤርትራ ምፍጣር ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ ጸገም ዘሎ ኣብ'ቲ እተሓሳስባን ኣረዳድኣን ናይቲ ዝቛወም ዘሎ ኮይኑ ይስመዓኒ። ሓደ ካብ'ቲ መጀመርታ ክንረደዳኣሉ ዘለና፡ እዛ " ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሰልፍታትን ንፖለቲካዊ ስልጣንን ኢየን ዝቓለሳ" ንሕና ግን ህዝብና ከነድሕን፡ ኢና እናተባህለ፡ ነቲ ቓልሲ ዘዳኽም ምልክታት ሓንቲ ኣብነት እያ።

እወ ኣብ ንቡር ቦታኡ ፖለቲካዊ ሰልፊ ንስልጣን ኢዩ ዝቓለስ እንተ ተባህለ፡ ካብ ሓቒ ዝረሓቐ ኣይኮነን። እንተኾነ ኣብ ኤርትራ ንቡር ዝበሃል ኣሎ ድዩ?  ቅዋምዶ ኣለና እዩ? እንቅየድሉ ናይ ርጫ ሕግታትዶ ኣለና እዩ ? መልሱ ኣይፋሉን እዩ። እሞ እንታይ ኮይንኩም ደኣ ብተደጋጋሚ ነዛ ኣርእስቲ ተልዕልዋ፡ ብፍላይ ድማ እቶም ብትምህርትን ብተመክሮን ጸብልል ዝበልኩም እቲ እትህብዎ ነጥብሲ የሕፍረካ ከተንብቦን ክትሰምዖን ከለኻ፡  እንታይ ኮን ይኸውን ናብ ዝብል መደምደምታ ዘብጽሓኩም ዝብል ይወስደካ።

ከም'ቲ ኣቐድም ኣቢለ ዝተንከፍክዎ፡ ንቡር ካብ ጠፍኤ ኣብ ኤርትራ እቲ ክውንነት እንታይ እዩ እቲ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ? እቲ ኢሰያስ ዝመርሖ ምልካዊ ስርዓት ካብ ኮነ ኩላትና ነዚ ንምእላይ ጥራሕ እዩ እቲ ስራሓና። ዋላ እተን ሰልፍታትን ውድባትን ትማሊ፡ ሎሚ ከምእውን ጽባሕ ቀዳማይ ስርሔን ነዚ ስርዓት ንምእላይ እየን ዝቓለሳ እንበር፡ ፖለቲካዊ ስልጣን ክሕዛ ኣይኮናን ዝቓለሳ ዘለዋ ዝብል እምነት ኣለኒ።  ከም ውልቀ-ሰብን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ክድግፎ ከለኹ፡ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ክንፈጥሮ እንደሊ፡ ሓሳብን ዕላማን ስለዝሰማማዕ ንምውዳቕ እቲ ስርዓት ጥራሕ ኢና ንቓለስ።

እቲ ብድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ብመሰጋገሪ መድረኽ ሓሊፍና ዕዮና ኣጻፊፍና ቅዋም ነዲፍና፥ መንግስታዊ ሕግታት ኣዳሊና፣ ሰልፍታት ዝቕየዳሉ ናይ ምርጫ ሕግታት እነቐምጠሉ ንህዝቢ ብምውካስ  ናብ መድረኽ ምምስራት ህዝባዊ መንግስቲ ንሰጋገረሉ ክኸውን እዩ።  ኣብዚ ዝኾነ ሰልፊ ወይ ውድብ ናይ ምስታፍ መሰል ኣለዎ።  ኣብ'ቲ ዝካየድ ምርጫ በቲ ዝኽተሎን ዝኣምኖን ፖለቲካዊ ሓሳብ ኣብ ህዝቢ ቐሪቡ እሞ ኣተሓሳስባኡ ብህዝቢ እንተተገዚኡ፡ ክወዳደርን ስዒሩ ክመርሕ ይኽእል። ኣብ'ዛ መድረኽ ምስ ኣተና፡  ሰልፍታት ንፖለቲካዊ ስልጣን እየን ዝቓለሳ እንተ ተባህለ መርሓባ። ክሳብ ኣብ'ኡ ንበጽሕ ግን ኣብ ሓሳብ ንቃለስ፥ ንወደብ፥ ዓው ኢልና ንደግፍ፥ ብድፍረት ድማ ጌጋ ምስ ዝርከብ ዓገብ ንበል።

ኣብ ኤርትራ እንሃንጾ እምበር እንቕበሎ ስልጣን የለን። ብናይ ምልኪ ስልጣን ዝብገስ ቅኑዕ ነገር ስለዘየለ ኣንቱም ከይተፈለጠኩም ንምንዋሕ ዕድመ ምልኪ ህግዲፍ ተገልግሉ ዘለኹም፡ ካብ ንውድባት ምንእኣስን ምውቃስን ትውዕሉ፡ ኣየናይ ስልጣን ሃልይወን እዩ?

Last modified on Monday, 27 April 2020 19:06