ፍትሕ ብሪጣንያን ሕብረት ኤውሮጳን ንኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸልዋ’ዩ?

2020-02-01 11:07:01 Written by  BBC Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1685 times

ቦሪስ ጆንሰን Image copyright Getty Images

 ድሕሪ ብረግዚት [ምውጻእ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት]፡ ብሪጣንያ ምስ ኣፍሪቃ ንግዲ ንምዕዛዝ ትደሊ ኣላ። ኣብ ለንደን፡ ብሪጣንያ-ኣፍሪቃ ናይ ንግዲ ዋዕላ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ልኡኽና ማቲው ዴቪስ፡ ናይ ብሓቂ ንኣፍሪቃ ዝኾኑ ሓደስቲ ዕድላት ኣለዉ`ድዮም ክብል ይሓትት።

ንግዲ ጥበብ/ብልሓት የድልዮ። ውዕላት ንግዲ ድማ ዝያዳ ጥበብ የድልዮም። ኣብ ውዕል ንኽትበጽሕ ዝግበሩ ዝርርባት ድማ ውሕልና ዘድልዮም ኣዝዮም ዝተሓላለኹ`ዮም።

እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ብረግዚት ድማ ብቕልጡፍ ይዛዘም ኣሎ።

ብሪጣንያ ለሎሚ ለይቲ መወዳእታ ጥሪ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ምስ ወጽአት ተመሊሳ ብሕግታት ዓለማዊ ውድብ ንኸይትቕየድ፡ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ከስርሓ ዝኽእል ውዕል ክትነድፍ ኣለዋ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰንን ኣብ ጉዳይ ብረግዚት ደገፍቱን፡ ንረብሓታት ምውጻእ ብሪጣኒያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ንዜጋታት ዘርብሕ ናይ ባዕላ ውዕላት ንግዲ ናይ ምዝርራብ ተኽእሎ ሓዊስካ ማለት'ዩ፡ ከብርሁ ክሕተቱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ኣካል ናይ ሓደ ዓቢ ሕብረት ምዃን ናይ ገዛእ ርእሱ ረብሓታትን ሃስያታትን ኣለዎ። እወ፡ ምስ'ቶም ናይ ሓባር ፖሊሲታት ንኽትቃዶ ክትብል ናይ ባዕልኻ ሸቶታት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ተእቱ።

እንተኾነ ግን ኣብ እተካይዶም ናይ ንግዲ ዝርርባት ሓይልን ድርኺትን ናይ'ቲ ሕብረት ድማ ትጥቀም።

ሰራሕተኛ ፋብሪካ ወይኒ ደቡብ ኣፍሪካ Image copyright Getty Images

እዚ ግን ንኣፍሪቃ ኣበይ የቐምጣ?

ኩሉ ሰብ ከምዝጽበዮ፡ ሚኒስተር ዓለም-ለኻዊ ዕቤት ብሪጣንያ ኣሎክ ሻርማ ኣዝዩ ርግጸኛ ኮይኑ ዝምድና ብሪጣንያ ምስ ኣፍሪቃ የማነ-ጸጋም ውዕላት ንግዲ፣ ዋኒናትን ወፍርን ዝኽተምሉ "ብልዑል ጸቕጢ ናህሪ ዝፈጥር [turbo-charged]" ክኸውን'ዩ ኢሉ።

መንግስቲ ብሪጣኒያ ንዝምድና ኣፍሪቃ ብዕቱብ ዝሓዞ ይመስል፤ እቲ ዋዕላ ወፍሪ ብሪጣንያን ኣፍሪቃን ድማ ከም ሓደ ኣብነት ገይርካ ክውሰድ ይከኣል ይኸውን። ዝኾነ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ኣብ ኩነታት ንግዲ ግን ኣዝዩ ርሑቕ'ዩ፤ ምናልባት ዓመታት እውን ክወስድ ይኽእል'ዩ።

ብሪጣንያ ምስ ወጽአት እንታይ'ዩ ክቕየር?

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ዝቕየር ነገር የለን።

ብዙሕ ፖለቲካዊ ምስሉይነትን መደረታትን ክህሉ'ዩ፡ ብሪጣኒያ ግን ክሳብ መወዳእታ ናይ'ዚ ዓመት ብሕግታት ጉምሩኽን፡ ሓደ ዕዳጋን ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትቅየድ'ያ። ነዚ ብኽልተ ተወሰኽቲ ዓመታት ከተናውሖ ዘኽእላ ሕጊ'ውን ኣሎ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ጆንሰን ግን ነዚ ድሮ ነጺግዎ'ሎ።

እዚ ማለት ድማ ኣብ 2020 ዝምድና ንግዲ ብሪጣኒያን ኣፍሪቃን ከም ዘለዎ ብሕጊ ኤውሮጳዊ ሕብረት ተቐይዱ ክቕጽል'ዩ ማለት'ዩ።

ድሕሪ 2020'ከ?

ድሕሪ 2020'ውን እንተኾነ፡ ውዕላት ንግዲ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ'ታ ምሉእ ብምሉእ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝወጽአት ብሪጣኒያ ኣብ ትሕቲ "ቀጻልነት/ምትእስሳር ዘለዎም ውዕላት" ከም ዘለውዎ ክቕጽሉ'ዮም።

እዚ ማለት ድማ እቶም ናይ ኩነታት ንግዲ (ቀረጻት፣ ብጽሒት/እጃም፣ መለኪዒታትን ካልኦትን) ከምዘለውዎ ክቕጽሉ'ዮም፡ ማለት ብመስረት'ቶም ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተኸተሙ ውዕላት ክቕየዱ'ዮም።

ንኣብነት፡ ብሪጣንያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ምስ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ቦትስዋና፣ ናሚቢያ፣ ሌሰቶ፣ ኤስዋቲኒን [ናይ ቀደም ስዋዚላንድ] ሞዛምቢክን ዝርከብኦ ሕብረት ጉምሩኽ ሃገራት ደቡባዊ ኣፍሪቃ (ሳኩ) ውዕል ቁጠባዊ ሽርክነት ኣበጊሳ።

እዚ ውዕል'ዚ እተን ኣባል ሃገራት ምስ ብሪጣኒያ ዘለወን ንግዳዊ ውዕል በቲ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለወን ውዕል ተቐይዱ ክቕጽል ዘኽእል'ዩ።

እዚ ውዕል'ዚ "ድሕሪ ብረግዚት፡ ኩባኒያታት ንግድን ብዘይ ገለ ተወስኽቲ ዕንቅፋታት ክቕጽላ ከኽእለን'ዩ" ኢላ ጸሓፊት [ሚኒስተር] ዓለማዊ ንግዲ ብሪጣኒያ ሊዝ ትራስ።

ዕላማ ናይ ብሪጣኒያ ድማ ከምኡ ይመስል። ማለት ኣብ መንጎ ብሪጣኒያን ሃገራት ኣፍሪቃን ዘለዉ ውዕላት ብመሰረት'ቶም ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተኣትዉ ቅድመ-ኩነታት ክቕየዱ እዮም። ብሪጣኒያ ምስ 70 ሃገራት ዓለምና 40 ተመሳሰልቲ ውዕላት ኣለዉዋ።

ንምንታይ'ቶም ውዕላት ዘይተቐየሩ?

ገለ ካብ`ቲ እቶም ውዕላት ዘይተቐየርሉ ምኽንያታት ብሪጣኒያ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ውዕል ምስዘይብለን ሃገራት ሓደስቲ ውዕላት ክትክትም ንከኽእላ ተባሂሉ ዝተሓስበ`ዩ። ኣብ`ዚ እታ ዝዓበየት ሃገር ኣሜሪካ`ያ።

ቀሊል ይመስል፡ ግን ኣይኮነን። ብውሑዱ ኣብ ዝነውሐ እዋን ብምኽንያት ዘይርግጹነት መጻኢ ድሕረ-ብረግዚት።

እቶም "ቀጻልነት ዘለዎም ውዕላት" ኣብ መወዳእታ ከብቅዑ`ዮም፡ ሽዑ`ዮም ከኣ እቶም ሓቀኛታት ዕድላትን ብድሆታትን ሃገራት ኣፍሪቃ ዝቕልቀሉ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ብሪጣኒያ ዝሓሸ ውዕል ክረኽባ ይኽእላ`ዶ?

ብሪጣኒያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ወጺኣ ዝተሓተ ናይ ምውዕዓል ጽልዋ`ዩ ክህልዋ። እዚ ማለት ድማ ምስኣ ንግዲ ዝገብራ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ውዕላት ንምርካብ ክጸምቁኣ/ከዋጥራኣ ይኽእላ`የን - ምናልባት።

ኣቐዲሙ ከምዝተገልጸ፡ ንግዳዊ ዘተታት፡ ዝተሓላለኹን ጊዜን ክእለትን ዝሓቱን`ዮም።

እታ ናይ ፈላሚት ጥይት ሎሚ ዓርቢ 31 ጥሪ ሰዓት 11 ናይ ምሸት ምስ ተተኮሰት፡ ንግዳዊ ዝርርባት ብሪጣንያ ቀዳምነት ክወሃቦም`ዩ።

ሰራሕተኛ መፍረጹ ዕምበባ Image copyright Getty Images

ብሪጣንያ ኣብ ኣፍሪቃ ከተትኩር ድያ?

እቲ ዝዓበየ ኣድህቦ ብሪጣኒያ ምስ`ቲ ዝቐረበን ዝዓበየን መሻርክቲ ንግዳ ዝኾነ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝበለጸ ውዕል ኣብ ምርካብ ከተኩር`ዩ።

ካብ`ኡ ቀጺሉ ምስ ኣሜሪካ፣ ቻይና፣ ደቡብ ኮሪያን ኣውስትራሊያን ዝግበሩ ውዕላት ቀዳምነት ክወሃቦም`ዩ። እዚ ማለት ድማ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ታሕቲ/ድሕሪት ናይ`ቲ ዝርዝር/ሊስታ ክስርዓ`የን ማለት`ዩ።

እንተኾነ ግን ሕቶ ዓቐንን ፋይዳን/ኣድላይነትን`ውን ኣሎ። ንኣብነት፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ካብ ዝርከባ ሃገራት እታ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝዓበየ/ዝበዝሐ ንግዲ ዘለዋ ሃገር`ያ።

ማዕድናት፣ መካይንን ምህርቲ ሕርሻን ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት`ዮም ዝለኣኹ፡ 18 ሚእታዊ ካብኡ ድማ ናብ ብሪጣንያ። ገለ ምህርቲ ሕርሻ ግን ብውዕል ብጽሒት/እጃም ይቕየዱ`ዮም።

ብሪጣንያ ንሕጊ እጃም ተልግሶ`ዶ ትኸውን?

ብኽልስ-ሓሳብ ብሪጣንያ ካብ`ቲ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘላቶ ቀይዲ ወጺኣ ንዕዳጋ`ታ ሃገር ኣስፊሓ ክትከፍቶ ትኽእል`ያ። ነዚ ዕድላት ድማ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣፍረይቲ ነቢት ክጥቀምሉ ይኽእሉ።

እንተኾነ ግን፡ ፈረንሳውያን መዘናታትቶም ነቲ ኣብ መንጎ ብሪጣንያን ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝግበር፡ ሓለፋ ዘለዎ ውዕላት ተጠቒሞም ፍርያት ነቢቶም ናብ ብሪጣንያ ከምዝለኣኽ ክገብሩ ይኽእሉ`ዮም።

ብግደ ሓቂ ግን፡ እንታይ ከምዘጋጥም ክትንበ ኣይትኽእልን ኢኻ። እዚ ድማ ዝርርባት ንግዲ ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ሕልኽላኻት ከምዘለዎ`ዩ ዘርእየካ።

ንምግጣሙ ዝግበሩ ዘለዉ ጻዕርታት ብዘየገድስ፡ ዘይርግጹነት ሓደ ዓቢ ረቛሒ`ዩ።

"ዋላ`ኳ ብሪጣኒያ ንዝዝርብ ንግዲ ብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ብምእማማ እቲ ሻቕሎት እንተተቓለለ፡ ንግዚኡ ግን እቲ ዝህሉ ጽልግልግን ዘይንጽሩነትን ኣብ ልዕሊ`ቶም ክህልዉ ዝኽእሉ ዕድላት ጸብለልታ ክህልዎ`ዩ" ትብል ራዚያ ኻሃን ናይ ስታንዳርድ ቻርተርድ ባንክ።

ብረክዚት ካልእ መዳያት ቁጠባ ኣፍሪቃ ክጸሉ ይኽእል`ዶ?

ብርግጽ፡ ብረክዚት ልዕሊ ንግዲ ክኸይድ`ዩ። እዚ ድማ ብሪጣንያ ድሕሪ ብረክዚት ኣብ ቁጠባዊ ዝሕጠት [recession] እንተኣትያ ክረአ ይኽእል። እዚ ንከም ደቡብ ኣፍሪቃ ንዝኣመሰላ ሃገራት ብኸቢድ ክሃስየን`ዩ።

ብደረጃ ዓለም፡ ብሪጣንያ ሻሙነይቲ ዝዓበየት ዕዳጋ ሰደዳት/እትወታት ደቡብ ኣፍሪቃ`ያ ኢሉ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቀሚሩ'ሎ።

ቁጠባ ብሪጣንያ ጉንፋዕ እንተሒዝዎ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኢንፍሉዌንዛ ክሕዛ`ዩ።

ቁጠባ ደቡብ ኣፍሪቃ ጎብለል ኣህጉራዊ ቁጠባታት ብምዃኑ፡ ንሳዕቤን ዝሕጠት ቁጠባ ብሪጣንያ ኣብ`ተን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝኸበደ ይገብሮ።

ኣፍረይቲ ዕምባባታት ኬንያ`ኸ?

ንገለ እታወታት [ኢምፖርትስ] ንምስሳይ፡ ብሪጣንያ ሓዲሽ ትሕተ-ቅርጺ`ውን ከድልያ ይኽእል`ዩ።

ፍርያት ዕምባባ ሓደ ካብ ዓበይቲ ሰደዳትን ምንጪ ናይ ወጻኢ ሸርፍን ናይ ኬንያ`ዩ። እዚ ጽላት`ዚ ዓቢ ፈጣሪ ሸቕለት ኮይኑ፡ ሓደ ሚእቲ ሽሕ ሰብ ብቐጥታ ከሸቅል እንከሎ ኣስታት ክልተ ሚሊዮን ሰብ ድማ ብተዘዋዋሪ የሸቅል።

ኣብ መፍረዪ ዕምበባ ዝሰርሕ ሰብኣይ Image copyright Getty Images

ኣብዚ እዋን ምህርቲ ዕምባባ ኬንያ ብመንገዲ`ቲ ዓርሞሸሽ ዕዳጋ ኣምስተርዳም [ሆላንድ] ኣቢሉ`ዩ ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝኣቱ። ዓሰርተ ሸሞንተ ሚእታዊት ካብ`ኡ ድማ ናብ ብሪጣኒያ ይኣቱ። ድሕሪ ብረክዚት ግን እንታይ`ዩ ክኸውን?

ውዕል ዜሮ ቐረጽ ኣብ ትሕቲ ቀጻልነት ዘለዎ ውዕል ክቕጽል ይኽእል`ዩ፡ ኣካላዊ [ፊዚካል] ጸገማት ግን ክህልዉ`ዮም።

ባይቶ ዕምባባ ኬንያ [Kenya flower Council] ዕምባባታት ኬንያ ብቐጥታ ናብ ብሪጣንያ ክትሰድድ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺ ከም`ቲ ናይ ናይሮቢ-ኣምስተርዳም ምዕቡል ኣይኮነን ኢሉ።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ሃስያ ክህሉ`ዩ ማለት`ዩ።

ነጋዶ ኣብ ምንታይ`ዮም ክጥምቱ ዘለዎም?

ንኩባንያታት ኣፍሪቃ ዝምልከት፡ ድሕረ-ብረክዚት ኩነታተን ኣብ`ቶም ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ብሪጣንያን ዘለውወን ዓይነት ንግድታት ክምርኮስ`ዩ።

"እተን ኣብ`ቲ ምስ ሓለፋታት ኤውሮጳዊ ሕብረት ዘለዎ ዕዳጋ ብሪጣኒያ ብኸቢድ ዝምርኮሳ ኩባንያታት፡ ኣብ ኤውሮጳ ዝመጽኡ ዘለዉ ምዕባለታት ኣቓልቦ ክህበኦም ይግብአን። ከምኡ`ውን ነቶም ኣብ መንጎ ሃገረንን ብሪጣንያን ዝግበሩ መጻኢ ውዕላት ከድህባሎም ኣለወን" ኢሉ ማቲው ስተርን ናይ ዲ ኤን ኤ ቁጠባ [DNA Economics] ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ከተማ ፕሪቶሪያ።

"ኩሉ በቲ ዝወጽኣሉ ውጥን እንተድኣ ተፈጺሙ፡ እቶም ሓለፋታት ክዕቀቡ`ዮም። ዝኾነ ሸታሕታ ናይ ሓደ ኣካል ግን ንገለ ትካላት ከቢድ ዋጋ ከኽፍለን`ዩ" ድማ ይብል።

ኣፍሪቃውያን ፖለቲከኛታትን ነጋዶን ኣብ ዋዕላ ወፍሪ ብሪጣንያ-ኣፍሪቃ ኣብ ለንደን ኣብ ዝጋብእሉ ዘለው እዋን ግን ዘይርግጹነት የንጸላሉ`ሎ።

እዚ ዘርግጹነት`ዚ ብገለ ሸነኻቱ በቶም ሓደስቲ ዝርርባት ይቃለል ይኸውን፤ ጸኒሕካ ግን ሓደስተ ዝርርባት ይካየዱ ይኾኑ።

ዘይርጉጽነት ጸላኢ ናይ ወፍሪ`ዩ፡ እዚ ድማ ሓደ ካብ`ቶም ብድሕሪ`ቶም ኣብ`ቲ ዋዕላ ናይ ለንደን ዝተራእዩ ፍሽኽታታትን፡ ምልውዋጥ ሰላምታን ኢድን ዘለዉ ስክፍታታ`ዩ።

Source=https://www.bbc.com/tigrinya/news-51321965