ኣብ ከተማ ሃረር ብዝተላዕለ አድማ ኣብያተ ንግዲ ቤት ጽሕፈት መንግስቲን ጎደናታት ከምዝተዓጽው ተገሊጹ

2020-01-30 10:18:21 Written by  VOA Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 2427 times
 
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ወለጋ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ይወስዶ ኣሎ ዝበሉዎ ስጉምቲ ብምቅዋም ኣብ ከተማ ሃረር ዝተኻየደ አድማ ትካላት ንግድን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ክዕፀው ኣገልግሎት መጎዓዚያ ድማ ክቋረፅ ከምዘገደደ ተፈሊጡ።ኣብ ደቡብ ክልል ነበርቲ ከተማ ቴፒ ድማ ብስእነት ፀጥታ ኣብ ስግኣት ወዲቕና ኣለና ይብሉ ኣለው።

ሎሚ ረቡዕ ምንቅስቓሳት ከተማ ሃረር ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ተደሪቱ ውዒሉ’ሎ።ወነንቲ ትካላት ንግዶም ክዓፅው ብመናእሰይ ከምዝነተነገሮምን ክኸፍቱ ዝፈተኑ እምኒ ከምዝተደርበዮምን ሽሞም ክገልፁ ዘይደለዩ ነበርቲ ገሊፆም።ወራርን ምቅፃል ንብረትን ኣይነበርን፤መንግዲ ንምዕፃው ግን ኣብ ጎደናታት ጎማታታት ከምዝነደዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብያተ ፅሕፈት መንግስትን ባንክታትን ተዓፂዮም ውዒሎም። ሓይልታት ፀጥታ ዝተዓፀው መንገድታት ክኸፍቱ ከለው ሓይልታት ፀጥታ ዘይነበሩዎም ከባቢታት ተዓፂዮም ምውዓሎም ምንጭታት ሓቢሮም።

ምኽንያት ናይቲ ኣድማ ብዝምልከት ርእይትኡዝሃበ ሽሙ ክግለፀሉ ዘይደለየ መንእሰይ ከምዚ ኢሉ።

“ኣብ ዞባታት ሃረርጌን ወለጋን ኣብ ልዕሊ ኦሮሞ ይፍፀም ዘሎ መጥቓዕቲ ንምቅዋም ኢና እዚ ኣድማ ነካይድ ዘለና።”

Source=https://tigrigna.voanews.com/a/ኣብ-ከተማ-ሃረር-ብዝተላዕለ-አድማ-ኣብያተ-ንግዲ-ቤት-ጽሕፈት-መንግስቲን-ጎደናታት-ከምዝተዓጽው-ተገሊጹ-/5265561.html

እቲ ኣድማ ንሰለተ መዓልታት ከምዝቕፅል እቲ መንእሰይ ሓቢሩ።ተመሳሳሊ ኣድማን ምዕፃው መንገድታትን ኣብ ከተማታት ቆቦን ኣወዳይን ከምዝነበረ ምንጭታት ገሊፆም።

ካብ ፖሊስ፣ቢሮ ፍትሕን ፀጥታን ከምኡ እውን ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ርእይቶ ንምርካብ ዝተገበረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ብኻልእ ዜና ኣብ ክልል ደቡብ ነበርቲ ከተማ ቴፒ ብስእነት ድሕነትን ፀጥታን ኣብ ስግኣት ወዲቕና፤ምኽንያቱ መንግስቲ ንገበነኛታት ናብ ሕጊ ስለ ዘየቕርቡዎም ኢሎም።

ሽሞም ክገልጹ ዘይደለዩ ነባሪ ናይታ ከተማ ብስግኣት ፀጥታ ስሩዕ ምንቅስቓስ ዝተደረተ እዩ ኢሎም።ስቪላት ብዘስካሕክሕ ኩነታት ከምዝቕተሉን ንብረቶም ይውረሩ ከምዘለውን ገሊፆም።

“ሰለስተ፣ኣርባዕተሚእቲ ሽሕ ህዝቢ ካብ ገዛ ከይወፅእ፣መኪና፣መጎዓዚያ ዝኾነ ይኹን ከይንቀሳቐስ፣ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ከይኽፈቱ እናተገብረ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝለዓለ ፀገም እዩ ዝርከብ። “

ኣቶ ፍረህይወት ወርቁ ዝተባህሉ ነባሪ ፀጥታ ናይቲ ከባቢ ክሕሉ ሓላፍነት ዝተውሃቦ ግዚያዊ ወታደራዊ እዚ እውን ሰላም ከረጋግፅ ኣይክኣለን ኢሎም ።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ናይቲ ክልል ኣቶ ኣንድነት ኣሸናፊ ዝሸፈተ ጉጅለ ከምዘሎ ብምሕባር ፀረ ሰላም ሓይልታት ዝበሉዎም ብድሕሪት ተሰሊፎም ንናይ ቴፒን ከባቢኡን ሰላም እናዘረጉ ምዃኖም ሓቢሮም።

ናይቲ ክልል መንግስቲ ገበነኛታት ናብ ሕጊ ኣየቕርብ ንዝብል ክሲ ነባሪ ፍታሕ ዝረጋገፅ ኩሉ ሓላፍነቱ ክዋፃእ ከሎ እዩ ኢሎም።

ኣብቲ ከባቢ ሰላም ካብ ዝጠፍእ ክልተ ዓመት ይኸውን ከምዘሎን ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ንሞት፣ጉድኣት ኣካልን ዕንወት ንብረትን ተቓሊዖም ኣሽሓት ነበርቲ ድማ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሩ ሎ።

Last modified on Thursday, 30 January 2020 11:22