“እንተ ክትድቅስ፡ ጐረቤትካ ይደቅስ”

2019-12-28 09:56:53 Written by  ኣሮን ናኦድ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1638 times

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዘሎ ኩለመዳያዊ ኩነታት ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ፡ ክትኣምኖ ዘጸግም ዘየደቅስ ደረጃ ዓሪጉ ከም ዘሎ ንዓና ኣዝዩ ብሩህ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ዝሓሸ ንምቕያሩ ቀጻሊ ቃልሲ ነካይደሉ ዘለና እዩ። ጉዳይና ናትና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሻ ናይ ሕብረተሰብ ዓለም፡ ብፍላይ ከኣ ናይ ጐረባብትና መንግስታት ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኩይኑ እዩ። ጐረባብትና ንጉዳይና ኣጀንዳአን ዝገብረኦ፡ እቲ ጸገም መሊኡ ናብኣተን እውን ጀርበብ ኢሉ ምስ ፈሰሰን እዩ።

ሎሚ ብዛዕባ ኤርትራ ክንዛረብ እንከሎና፡ ካብ ነቲ ኣሉታ ምዝርዛር ምናልባት ኣወንታ እንተልዩ ሃሰስ ምባል እዩ ዝቐልል፡ እንተኾነ ሃሰው ኢልካ ዝድህሰስ ኣወንታ ስለ ዘየለ፡ ብድብድቡ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣተሓሕዛ ጉዳያት ኣሉታዊ እዩ ኢልካዮ ምሕላፍ’ዩ ነቲ ኩነታት ዝገልጾ። እዚ ኣይኮነንዶ ጐረባብትና ሃገራት፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣባላቱን፡ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ካለኦት ዓለም ለኻውን  ዞባውን ትካላት ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ሕማቕ ምስሊ እኹል ኣፍልጦ ኣለዎም። ወዮ ደኣ ንግብራውነቱ ኣይደፍእሉን እምበር ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ናይ “ዓገብ” ቃሎም ዘስምዕሉ እውን እዩ። ከምቲ “ካብኣ ናብኣ” ዝበሃል ከኣ ጐረባብትና መንግስታት ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ “ኣብዚ ሃገርዚ በዚ ተራእዩ” ዘይብሃል ሕሰምን ድሕረትን እኹል ሓበሬታ ኣለዎም። ንኣብነት ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዘይመልእ ግዜ ጥራይ፡ ኣብ ኡጋንዳ 10 ኤርትራውያን ተጻወቲ ኩዕሶ እግሪ ፖለቲካዊ ዑቕባ ሓቲቶም። እዚ ንመንግስቲ ኡጋንዳ ብዛዕባ ኤርትራ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ። ኣብ ወርሒ 6 ሺሕ ኤርትራውያን ዳርጋ ሓደ ሲሶ ካብኣቶም ትሕቲ ዕድመ ናብ ኢትዮጵያ ይስደዱ ከም ዘለዉ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘረጋገጽዎ እዩ። ከምቲ ግቡእ እዚ ብዛዕባ ከመይነት ምምሕዳር ኣብ ኤርትራ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ።

ኣብ ኤርትራ ብሰንኪ ሕሱምን ኣዝዩ ድሑርን ተግባራት ናይቲ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ-ዲክታተር ወዲቑ ዝጸንሐን ዘሎን ምምሓዳር ዝወረደ መዓት መሊኡስ ናብ ጐረባብትና ጀርበብ ክብል ከም ዝጸንሐ ንኹልና ብሩህ እዩ። እዚ ጉጅለ በብግዜኡ፡ ኣይኮነንዶ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ቀረባ ሰባቱ እውን ብዘይፈልጥዎ ምኽንያት፡ ምስ ሱዳን፡ የመን፡ ጅቡቲ ብዓብይኡ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ክኣጉዶ ዝጸንሐ ሓዊ ናይዚ ኣብነት እዩ። እዚ ጉጀለ ብሰንኪ ተግባራቱ ከም ዝተፈንፈነ ስለ ዝፈልጥ፡ ካብ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢጋድን ካለኦት ናይ ሓባር መድረኻትን ሓኪሉ ከም ዝጸንሐን ሕጂ እውን ኣብዚ መዳይ ናብ ንቡር ከምዘይተመልሰን ንኹላትና ብሩህ እዩ። ክንድቲ ትጽቢትና’ኳ እንተዘይኮነ፡ ሓያሎ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ጸይቂ ኣካይዳ ናይዚ ባዛዕባኡ ንዘረብ ዘለና ጉጅለ ዘይዕግበተን ከንጸባርቓ ጸኒሐን እየን። ጅቡቲ ብኣብነት እትጥቀስ እያ።

ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ናበይ ገጹ ከም ዝኸይድ ኣይኮነንዶ ንዓና ንኢትዮጵያውያን እውን ምርድኡ ኣጸጊምዎም ዘሎ ለውጢ ምስተራእየ፡ በቲ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ “ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተቐቢለዮ ኣለኹ” ዝበሎ፡ ግና ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ዘይተራእየ መብጸዓ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ዲክታተር ኢሳይያስን ሃንደበታዊ ፍቕሪ ክዕምር ተዓዚብና። እንተኾነ ሰሚዕካ ጥራይ ስለ ዘይህጠር ኩልና፡ ናይዚ መብጸዓ ግብራውነት ክንርኢ ተጸቢና። ብተግባር ከኣ እቲ ተጠሊዕካ ዝተኣትወ ቃል ኣጸቢቑ ከም ዝተዓጽፈ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነታ “ኣብ ውሑስ ደረጃ ኣላ” ዝበልናያ ልኡላዊት ኤርትራ ዝህድድ ድምጽታት ካብ ክልቲኦም ሰብ ሓድሽ ፍቕሪ መራሕቲ ክንሰምዕ ጸኒሕና።  ብዙሓት ኤርትራውያን ከኣ ጉዳይ ዶብ ክለዓል እንከሎ ናይቲ ዝተኣትወ ቃል ባዶነትን ናይቲ ሓድሽ ፍቕሪ ዕላማን ዋናን ካልኦት ምዃኖምን ከንጸባርቑ፡ ነቲ ናይ ኣምሓርኛ ምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብ ትግርኛ እንዳተርጐሙ፡ “እቲ ጽድቅስ መትረፈኒ፡ ብግቡእ እንተዝኹንነኒ” ክብሉ ተገዲዶም።

እቲ ክጅመር እንከሎ “ጉጅለ ለማ” ዝብል ስም ዝተዋህቦ፡ ሎሚ ግና ስም ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ  ዘበርኽ ዘሎ ፖለቲካዊ ማዕበል ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ውዑይ ዝነበረሉ፡ እሱራት ፈቲሑ፡ ኣብ ወጻኢ ንዝነበሩ ተቓወምቲ ዓዲሙ “ተወዳደርቲ” ዝብል ስም ኣጠሚቕዎም፡ ዝሓሸ ሕገመንግስቲ ከም ዝፈጥርን ካብ ናይ ክሳብ ሕጂ ዝበለጸ ምርጫ ከካይድን ቃል ኣትዩ። ኮታ ነቲ ጸቢቡ ጸኒሑ ዝበሎ ዲሞክራስያዊ ሜዳ ኢትዮጵያ ከስፍሖን ንከምኡ ዝምጥን መንግስታዊ ኣወዳድባ ከተኣታቱን ቃል ስለ ዝኣተወ፡ ናይ ብዙሓት ብሃግቲ ለውጢ ቀልቢ ስሒቡ ነይሩ። እሞ ሎሚ ድሕሪ ኣስታት 20 ኣዋርሕከ ኣብ ከመይ ደረጃ ኣሎ ብዝያዳ ኢትዮጵያውያን ከመይ ይመዝንዎ ኣለዉ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ንዓና እውን ይጸልወና ስለ ዝኾነ ምክትታሉ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። ሓደ ሓሳብ ወስ ንምባል ግና ብፍላይ ኣብቲ ንዓና ዝምልከት፡ ቃልን ተግባርን  ተረሓሒቖም ከም ዘለዉ ምእማት ዘጸግም ኣይኮነን።

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውደቕዎም ብዙሓት ዛዕባታት ምጥቃስ ይከኣል። እቲ ንዓና ንኤርትራውያን ዘገድሰና ግና ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ብኤርትራውያን፡ ኣብ ቤተክርስትያን ከም ዝኣትወት ከልቢ ተጸሊኡ ዘሎ ዲክታተር ኢሳይያስ ኣፈወርቒ  ኣሕዲረምዎ ዘለዉ ናይ ልቢ ድዩ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዘይፍለጥ ሓድሽ ፍቕሪ እዩ። ብርኢቶይ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ እቲ ዝጨበጥዎ ኢድን ዝሰዓምዎ ምዕጉርትን ኢሳይያስ ብደም ብዙሓት ንጹሃት ኤርትራውያን ዝጨቀወ ምዃኑ ይጠፍኦም’ዩ ኣይብልን። ኩሉቲ ንሶም ንህዝቢ ኢትዮጵያ ቃል ዝኣተዉሉ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ሰብኣውን መብጸዓታት፡ ኣብ ኤርትራ ከምዘየለ ይፈልጡ እዮም። ኣብቲ ጭርሖኦም ዝጸንዑ እንተኾይኖም ከኣ፡ ነዚ ዲክታተር ኣሚኖም ጋብን ባርኖስን ክስልምዎ ዘይኮነስ፡ ክጽየፍዎን ክርሕቅዎን መተገብአ። ዲሞክራስያውነት፡ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኣኽባርነት፡ ምስፋሕ ዲሞክራስያዊ ሜዳ፡ ምክያድ ምርጫን ካልእ ዝኣተዉዎ ቃል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ተደሪቱ ዝተርፍ ክኸውን ኣይመተገበአን።

ከምቲ ግቡእ ኣብ ኢትዮጵያ ዲሞክራስያዊ ዝኾነ ናይ ለውጢ ሓይሊ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ኣብ ዘላ ኤርትራ ሳዕሪሩ ምስ ዘሎ ጸረ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓትን ክዛመዱ ንኢትዮጵያን ህዝባን ዝጠቅም እንተኾይኑስ ደሓን። ከምዚ ዝተዓዘብናዮ ግና ነቲ ዲክታቶር እምብዛ ገጽ ክህብዎ ኣይመተገበአን። በዚ ኣጋጣሚ ዶ/ር ምስቲ ጽባሕ ዝሓልፍ ውልቀ ምልካዊ ባእታን ጸይቂ ኣተሓሳስባኡን ተዓራሪኾም፡ ምስቲ ዘይሓልፍ ህዝቢ ኤርትራ ግና ይጻልኡ ከም ዘለዉ እንተዘስተብህሉ መመልከዓሎም። ኣብዚ መዳይዚ ዘማኽርዎም ኣካላት እንተልዮም’ውን እቲ ናይ ቀደም “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን” መልክዑ ቀይሩ ናብ “ኤርትራ ዲክታተራ’ምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን” ከይምዕብል ከስተብህልሉ ይግበኦም። እንተቲ መህነጺ ኤምባሲ መሬት ንብረት ህዝቢ ኤርትራ እምበር፡ ኢሳይያስ ተሰኪምዎ ስለ ዘይከይድ ግርም።

Last modified on Saturday, 28 December 2019 10:59