ድሕሪ ይኣክልከ እንታይ ይገበር

2019-10-16 19:02:35 Written by  ተስፋይ ካሕሳይ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1567 times

ንሓንቲ ኩዉንቲ ሃገር ንምፍጣር ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ 50 ዓመት ኣቢሉ ዝወሰደን፣ ድሕሪ ልዕላውነት ምርግጋጽ ድማ ኣብ ክንዲ በቲ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ዘብቕዕ ደጊሙ እውን ህዝቢ ኣብ ትሕቲ ዲቕ ዝበለ ምልኪ ተሸሚሙ፥መንእሰይ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ምንባር ገሃንብ እሳት ስለዝኾነቱ ፥ ንሃገሩ ገዲፉ ሃጽ ዝብለሉን፥ ብሓፈሻ ህዝቢ ኣብ ክንዲ ንዓዱ ገጹ ዝምለስ ናብ ስደት ዘምርሓሉ ዝኾነሉ ግዜ ኢና ዘለና።
ብዙሕ ተዘሪቡ፣ ተጻሒፉ፣ ተገጢሙ፣ ተጨሪሑ እንተኾነ እቶም ካብ ነዊሕ ዝተቓለስናን፣እቶም ትማል ዝተጸምበርናን፣ ሎምን ዘርከብናን ንህዝቢ ከነድሕኖ ካብ ዘይተረኤና ነብስና ክንፍትሽ ዝግበኣና፣ ኩሉ እቲ ሽግር ህዝብና በቲ ስርዓት ዘይኮነ ዝረኽቦ ዘሎስ እንታይ ደኣ ካብ'ቶም ለውጢ እንደሊ ኣድማዒ ስራሕ ክንገብር ስለ ዘይምብቓዕና እዩ።
እቶም ንለውጢ እንቓለስ ሓደ ካብ'ቲ ደድሕሬና ዝኸይድ ዓቢ ሽግር ምፍንጫል ውድባትን ፣ ኣብ ዲሞክራሲ ማለት ኣብ ናይ ብዙሓት ውሳኔ ክንቕየድ/ ክንኣምን ዘይምብቓዕና ፣ ኣብ ናይ ፖለቲካ ጽልኢ ተላዕጢጥና ካብቲ ንመላኺ ስርዓት እነጥፍኣሉ ሓይሊ( energy) ንላዕሊ ንሓደ ጉጅለ ኣብ ደንበ ለውጢ ንዘሎ ንምድምሳስ ከይደቀስና እንሓድረሉ እዋን፣ ምሁራትና ገለ ውላቀሰባትን ድማ ነቲ ስራሕ ናይ ለውጢ ከም ተዓዘብትን ፣ ኣብ ተሳትፎኦም'ውን ነቐፈታ እንበር ነቲ ዝተዓዘብዎ ጉድለታት ወይ ሕጽረታት መኤረምታ ሓሳባት ዘይህብሉን፥ ገለን ምኩራት ተቓለስቲ ዝነበሩ ድማ ምሉእ ዕድሜኦም ኣብ ምንእኣስ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ምንጻግን ነዚ መእሰይ ወሎዶ ተወዲቡ ነዚ ስርዓት ከይኣሊ ሕማቕ ሕብሪ ክለኽዩ ከይደቐሱ ዝሓድሩ ስለዝበዝሑ እዩ።
እዚ ጉዕዞ ምልኪ ንምእላይ ነዊሕ ግዜ ዝወሰደ ስለዝኾነ፥ እቲ ሕጽረት ኣባና ከምዘሎ ብመጀመሪያ ክንኣምን ይግበኣና፣ ንሱ ምስ እንገብር ኢና ነቲ መልእኽትና ህዝቢ ብዝርድኦ ቛንቛ ከነቕርብ፣ ንጹር ብዝኾነ መርገጽ ነቲ ልዕላውነት ምክልኻል፣ ካልኦት ክገልጹኻ ዕድል ዘይምሃብ፣ መልሲ ኣብ ምሃብ እውን ብልዙብ ኣገባብ ክልመድ ዘለዎ ጉዳይ እዩ፣ ካልኦት ተቓለስቲ ውድባትን ሰልፍታትን መወዳደርትና ዘይኮኑስ መቓለስትና ክምዝኮኑ ምግንዛብ።
ኣብ ዝሓለፈ ነዊሕ ቓልሲ ክሳብ ሕጂ ዘለናዮ ዝተፈላለየ ፈተነታት ንምጥርናፍ ደንበ ተቓውሞ ተፈቲኑ፣ ክልተ ሰለስተ ውድባት ናብ ሓደ ውድብ ምጥርናፍ ተፈቲኑ ድሕሪ 3-5-7 ዓመት ምፍንጫል የጓንፍ፣ እታ ዝተፈንጨለት ድማ ድሕሪ ቑሩብ እዋን ምስ ካልእ ክትጽንበር እትሪኤሉ እዋን ስለዝነበረ፣እቲ ፈተነ ሕማቕ ኣይኮነን ግን ስለምንታይ ዘይተዓወትና ኢልና ክንፍትሽ ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ።
ሓደ ካብ'ቲ ክንፍትሾ ዘለና ድማ እቲ ንምምስራት ሓደ ግንባር፣ ውድብ፣ ምንቕስቃስ ኢልና ክንጅምር ከለና፡ ሓደ እቲ ክንምስርቶ እንደሊ ከም መትከል ክንራዳዳእ፣ ነቶም እንምስርቶም ግንባር እንታይ ዓይነትን፣ ቕርጻን፣ ውሽጣዊ ሕግታትን፣ ዝመርሖ ኣካልን መን ኣባሉ ይኸውንን መን ዘይከውንን፣ እንታይ እዩ እቲ ቕጥዕታት ክማላእ ዘለዎ ወዘተ ኢዩ እቲ መጀመርታ ምርድዳእ ክብጻሕ ዘለዎ ። ብድሕሪኡ እዩ እቶም ውድባትን ውልቀሰባትን ናብ'ቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ዝኣትዉ። ልዕሊ ኹሉ ድማ እቲ ህዝቢ ትቓለሰሉ ዘለኻ ነዚ እተኸዶ ዘለኻ ስምምዓት ክፈልጦን ክሕበርን ይግባእ። እዚ ማለት ኣብ'ቲ ጉዕዞ መንጎኛታት ከም መድያ ሓለፍቲ ኣገዳሲ እዩ፣ ነቲ ትሰማማዓሉ ዘለኻ እውን ብንጹር ክትፈራረመሉን ብድምጺ ክትቐርጾን ኣገዳሲ እዩ እንተዘይኮይኑ ከም'ቲ ዝረኣናዮ ኣብ ዝሓለፈ ኣጋጣሚታት ምኽሓድ እንተሃልዩ፣ እዚ ድማ መበገሲኡ እቲ ብዘይተጸንዐ ብሰናይ ድሌት ጥራሕ ዝብገስ ዘተ እዩ እቲ ጸገም።
ኣብ'ዚ ነዊሕ ቓልሲ ንፍትሕን ዲሞክራሲን ከይሰልከዮም ከይሰልከየን ዝቓለሱን / ዝቓለሳን ብኽብሪ ከነመስግኖም ይግባእ፣ ከመይ እንተ ኢልና እዚ ሎሚ ይኣክል እንብለሉ ዘለና ሳላ እቲ ዘይሕለል ጽንዓት ኣብ'ቲ ኤርትራዊ ተቓለስቲ ደም ስለዘሎ እዩ።ምስ'ዚ እቲ ኣብ ጉዕዞ ዘርኤናዮ ጉድለታት እንተሃለወ ፣ ጽቡቕ ሓሳባት ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን እሞ ከም'ቲ ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣባና ዝርኤ ካብ ዘሮ ምብጋስ ጽቡቕ ኣይመስለንን።
ኣብ ኤርትራ ሓንቲ ብቕዋም እትመሓደር ፣ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝነግሰላ፣ ሰብኣውን ዲሞክራስያዊ መሰላት ዝረጋገጸሉ፣ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ዝቐባበለሉ፣ ፈጻሚ ሓጋጊ ፈራዲ ኣካል ናይ ምቑጽጻርን ምምዝዛንን ወዘተ ክህልወና ንቓለስ ካብ ሃለና ፣ ነዚ ንምዕዋት ድማ ብመሰጋገሪ/ ግዚያዊ / ሓድነታዊ መንግስቲ ብምፍጣር ክንከይድ ናይ ግድን እዩ፣ ምኽንያቱ ንሕና ናይ ለውጢ ሓይልታት መተካእታ ናይ'ቲ ኢደ ወነናውን ሕጊ ኣልቦ ስርዓት ምልኪ ከም ዘይኮና እንታይ ደኣ ስልጣን ዝህብ ዋናኡ እቲ ህዝቢ ምዃኑ ክንኣምንን ክንቕበሎን ዘለና ሓቒ እዩ።
እሞ ኩላትና ነዚ ንምዕዋት ንኸይድ ዘለና ህዝቢ ንምድሓን፣ ሃገር ከም ሃገር ኣብ ዝኸፍኤ ደረጃ ከይበጽሐት ሓደ ንመብዛሕትና ከራኽበና ዝኽእልን ፣ ህዝቢ ክሳተፈሉ ዝኽእል መዋጽኦ ክንፈጥር ግዜ ይጥልበና ኣሎ።

ናብ ይኣክል!
እቲ ደንበ ደለይቲ ለውጢ ምስ'ቲ ልዕል ኢሉ ክንብሎ ዝጸናሕና ኣብ ሕማቕ ኢዩ ወዲቑ ጸኒሑ፣ ንሱ ድማ ገለ ነጥብታት ምጥቓስ ኣገዳሲ ኢዩ፣ ሓደ እቲ ሃሳዪ ዝኾነ ክንፈትሖ ዘይከኣልና እቲ ጀብሃ ሻዕብያ ዝብል ፍልልያት፣ ምብዛሕ ውድባትን ፖለቲካኡን፣ ኣሉታዊ ግደ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዘተ ኮታ ምትእምማን ዝሃሰሰሉን ኣብ ውሽጢ ደንበ ለውጢ'ውን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተበገሰ ውድባት ክምስረታ እንከለዋ ናትና ርእይቶን መትከላትን ከምዚ ክንዲ ዝብሉ ፣ ነቲኦም ኣይትቐበሉዎም ኣይትስምዑዎም፣ ምንቕስቓሳት ክብገሳ ከለዋ ድማ ኣብ ክንዲ ናትና ምናቕስቓስ ንኸምዚ ኢዩ ዝብገስ ክንዲ ዝብሉ፣ ውድባት ንስልጣን ይቓለሳ ንሕና ግን ህዝቢ ንምድሓን ኢና ንቓለስ እናተባህለ ሕማቕ ኣብነት ናብ'ቲ መንእሰይ ወለዶ ምስራጽ፣ እቲ ተመክሮ ዘጥረየ ተጋዳላይ ዝነበረ እውን ካብ'ቲ ናይ ቒም ፖለቲካ ዘይወጸ ስለዝጸንሐ ህግ ሸፋቱ ኢዮም እናበሉ ጸረ እቲ ሓቒ ጎስጋስ ኣብ ፍቖዶ ፓልቶክ፣ ፈይስቡክ ሰብ ከጋግዩ ዝፍቱኑን፣ እቶም ደሓን ኢዮም እትብሎም እውን በቲ ናይ ትማሊ ኣብ ሰውራ ኤርትራን ውድባትን ዝተራእየ ጌጋ መዋእሎም ክቑዙሙን፣ ብሕድገት ተጠሚቱ እውን ንቕድሚት ኣብ ክንዲ ዝጥምቱ፣ ኣብ ትማል እናሓንበሱ ዝተዓወቱ እናመሰሎም መንእሰይ ኣብ'ዞም ዓበይቲ ውድባት ኣይትእቶ ናትካ ግበር ብዝብል ክዝምሩ ዝውዕሉ ኢና ናብ'ዚ ይኣክል መድረኽ ንኣቱ ዘለና።
ኣብ መፋርቕ 2018 ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተገብረ ናይ ሰላም ስምምዓት ኣገዳሲ ምዕራፍ ምንባሩ ነቲ ክልተ ህዝቢ ፣ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ውግእን ወረ ውግእን ከየዕረፈ ዝነብር ህዝቢ ብዓቢ ሓጎስ እዩ ተቐቢሉዎ፣ እቲ ደላይ ለውጢ'ውን ከም ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ወሲዱ፥ ተረባሓይ ናይ'ዚ ናይ ሰላም ስምምዓት እቲ መንግስቲ ዘይኮነስ እቲ ህዝቢ ክኸውን ከም ዘለዎ እዩ ገምጊሙን ትጽቢቱ ኣቐሚጡን።
ነቲ ልዕሊ 18 ዓመት ዝኸውን እቲ ስርዓት ኣስመራ ብውግእ ባድመ 98 ተሓቢኡሉ ዝነበረ ዶብ ብኢትዮጵያ ተጣሒሱ፣ ካብ ባድመ ልዕላዊ መሬትና ውጹ፣ ዶብ ይተሓንጸጽ ፣ ክትውረር ኢኻ ፣ ዝከላኸልካ ኣነ እየ እሞ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣድላይ ኢሉ ነዚ ሃገሩ ዝፈቱ ብመስዋእቲ ዝተረከባ ህዝቢ ኣእሚኑ ዝጸንሐ፣ እቲ ስምምዓት ምስ በጽሐ ግን ኩሉ ነገር ብግልብጥሽ ኮይንዎ ህዝቢ፣ ዶብ ይተሓንጸጽ ! ኣይፋሉን ሕጂ ግዜኡ ኣይኮነን ውሽጣዊ ኢትዮጵያ ኣይተረጋገኤን፣ በሉ ደቕና ካብ ኣገልግሎት ምለሱዎም! ጌና ውያነ ጽቡቕ ይሓስቡ የለዉን ። ደሓር ድማ ሎሚ ኪኖ ዶብ ኢና ክንሓስብ ዘሎና እናበለ የሽካዕልል ኣሎ። በዚ ዝኣክል ያእ ኢሰያስ ካብቲ ዝነበሮ መሓንቖን ተነጽሎን መዋጽኦ ዝረኸበ መሲልዎ ኣዲስ ኣበባ ዓለበ።
ኢሰያስ ናብ ኣዲስ ኣበባን ኣዋሳን ከይዱ ነዚ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ብዘሕፍር መንገዲ ኣብ ኣፍ- ልቡ እናሃረመ፥ ኣስናኑ ብፍሽኽታ ገይጹ ኣብ በዓል ነጻነት ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘየርኣዮ ናይ ታሕጓስ ተግባር ሪኢና። እዚ ከይኣክል ድማ እናረኤናዮ እናስማዕናዮ “ካብ ሎሚ ንነጀው ንስኻ ኢኻ ትመርሓና፣ እዚ ክልተ ህዝቢ ኢዩ ኢሉ ዝኣምንን ዝዛረብን ንታሪኽ ዘይፈልጥ ኢዩ ኢሉና፣ “ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ነዊሕ ፣ መሪር ቓልሲ ምእንቲ ናቱ መንነት ንምርግጋጽ ኢትዮጵይዊ ባዕዳዊ ሓይሊ ደምሲሱ ሓንቲ ክዉንትን ልዕላውነት ዘረጋገጸ ህዝቢ ሓደ ኢና ክብለና ፈቲኑ። እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ድማ ምስ ካልኦት ሃገር ኣብ ዝገብሮ ስምምዓት ንጉዳይ ኤርትራ ዋናኡ ኤርትራ እንከላ ብዛዕባና ክዛረብ ኮሎ ንኹሉ ኤርትራዊ ዋላ ነቲ ብስብከት ስርዓት ኢሰያስ ተጋጊዩ ዝጸንሐ ኣካል ህዝብና ኣቖጢዑዎን ኣነዲሩዎን፡ምፍራስ ኤርትራዊ ክብሪ ስለዝተሰመዖ ኣብ'ዚ በጺሕናዮ ዘለና መድረኽ ይኣክል ኣቲና።
ይኣክል !
ዶብ ይተሓንጸጽ
ሃገራዊ ኣገልግሎት የብቕዕ
ናይ ፖለቲካ እሱራት ይፈትሑ
ቕዋም ይተግበር
እየን መስለኒ እተን ነዚ ህዝቢ ዘበራበራን፣ ዘራኸባናን፣ በዚ መሰረት ስርዓት ኢሰያስ ብጀካ ጥፍኣትን ዕርቓንን ኤርትራ ካልእ ከምዘይብሉ ዝተበጽሐን ዝተፈልጠን እዩ።
ካብ'ዚ ብምብጋስ እዩ ይኣክል! ይኣክል ትም ምባል! ኢሉ ህዝቢ ዋላ'ውን እቲ ተደናጋጺ ስርዓት ኣስመራ ዝነበረ ብዓይኑን ብእዝኑን ስለዝሰምዖ ነቲ ጻዋዒት ይኣክል ናተይ ኢሉዎ ምስቶም ደለይቲ ለውጢ እውን ብሓሳብ ኣብ ሓደ ከምዘሎ ኢዩ ተሰማሚዑ።
ክምጎስ ዘለዎ ተሳትፎ ናይ ኩሉ ህዝቢ ዓቢ ይኹን መንእሰይ፣ ደቒ ኣንስትዮ ኢኹና ናይ ክልቲኡ ሃይማኖታት መራሕቲ ክቓለስ ዝጸንሐን ዝጀመረን ኩሉ ዝተሻቐለ ህዝቢ ኣብ ፍቐዶ ከተማታት ይኣክል! ይኣክል ኢሉ ብዙሕ ተስፋ ዝህብ መድረኽ ኢና ኣቲና።
ከም ምብዛሓና ብዝተፈልየ ኣገላልጻ ክንገልጾ ንኽእል ኢና ነዚ ናይ ይኣክል ተርእዮ፣ እዚ እውን ቕቡል ኢዩ ምኽንያቱ ኣብ'ዚ ተበጺሑ ዘሎ መድረኽ እዚ ሓደ ኣረኣእያ ክህልወና ኣለዎ ዝብል ቐደም ዝተደርበየ ሚዛን እዩ፣ ምስኡ እቲ ኣብ ሓደ ውድብ ዘይኮኑ ዝብል ዝተሰግረ ናብ ሓቢርካ ብምክብባር ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ሰርዓት ምልኪ ንኣሊ ዝብል እዩ እቲ ጻዋዒት።
ገለ ሸነኻት ነዚ ይኣክል ተርእዮ ፥ ወከልትና ንስደድ ፥ ተኣኪቦም ድማ ብሃገር ወይ ባይቶ ሃገር ንምስርት ካብ'ኡ ንላዕሊ ናብ ኣህጉራዊ ዝብል ዘረባታት ፣ ነቲ ንሶም ዘልዕልዎ መንገዲ ናይ ኣጋጥሚ ስለዝተረኽበ ናብ'ቲ ናቶም ጎድኒ ከእትውዎ ይፍትኑ፣ ሓደ ሸነኽ እዚ ይኣክል ምትእኽኻብ ብቐጥታ ናብ ዓወት ከይተወደብካ የብጽሕ ኢዩ ኢሎም ብግርህና ዝጠመቱ ብዙሓት ኢዮም። እቶም ሓደ ሸነኽ ድማ ጽቡቕ ይኣክል ምባልና እቲ ቓልሲ ግን ካብ'ኡ ንላዕሊ እዩ ዝጽበየና ዘሎ ከይድና ከይድና ከይተወደብና ኣይንዕውትን ኢና ዝብሉን፣ ብሓደ ሸነኽ ድማ እቲ ይኣክልን ቐጻልነቱ ኣድማዕነቱን ኣብ ዘዘለናዮ ከተማ ነብስና ንፈትሽ፣ ንላለ፣ ኣብ ሓደ ንጹር መትከላት ንሰማማዕ፣ እቲ ቐንዲ ስራሕ ኣብ ዘለናዮ ነቲ ሰርዓት ንስዓሮ፣ ነቶም ይኣክል ዘይበሉን ንስርዓት ዝደናገጹ ኣብ ጎኒ ደላይ ለውጢ ነምጽኣዮም እንበር እዚ ንኺድ ንኺድ ኣድማዒ ኣይኮነን ዝብል እዩ። ኣብ'ዚ ሓደ ነገር ክዝከር ዘለዎ ሰባት ኣብዚ ጉዕዞ ንሕና ከምዚ ዓይነት ምንቕስቕስ ወይ ውድብ መስሪትና እንተ ኢሎምና መሰሎም ምዃኑ ክንኣምን ይግባእ።

እንታይ ንግበር
* እቲ ናይ ይኣክል ተበግሶ ዘጥረዮ ምብጋስ እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ተጀሚሩ ዘሎ ምውድዳብ ብዝሓየለ ብዝሰፍሐን ክቕጽል
* እቲ ተወዲቡ ዝቓለስ ዘሎ ደንበ ተቓውሞ ድማ ናብ ሓደ ሰሓቢን ፣ ንመዛሕትኡ ዝጥርንፍ ሓደ ጽላል ክምስርት መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ
* እቶም ክኢላታትና ምሁራትናን ብውላቀ ይኹን ብጉጅለ ዘቕረብዎ መጽናዕትን ጽሑፋትን ኣኪቦም ከቕርብሉ ዝኽእሉሉ
* ከምኡ'አን ናይ ቓልሲ ምኩራት ብጽሑፍ ኣቕሪቦሞ ወይ ዘርጊሖሞ ዝነበሩ ከቕርቡዎ እንደገና
* እቶም ውድባትን ሰልፍታትን ከምኡውን ምንቕስቕሳትን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ዘቕረብዎ እማሜታትን ሰነዳትን ንሓድነት ምስ ምምሕያሽ እንደገና ንኸቕርቡ
* እቲ ሰፊሕ ህዝቢ ደላይ ለውጢ ብቐጥታ ዝሳተፈሉን ናተይ ዝብሎን ኣፍደገ ክኽፈተሉ
በዞም ኣብ ልዕሊ ተቐሚጦም ዘለዉ ተላዚብና ናብ'ታ ቕዋማዊ ምሕደራ ፣ ብግዝኣተ- ሕጊ እንኸደላ፣ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝነግሰላ፣ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ዝቐባበለላ ንምኻድ ምዃኑ እንድሕሪ ተረዳዲእና፣ ኩላትና
*ኣብ ሓንቲ ኤርትራ ንእመን
* ስርዓት ኣስመራ ምልኪ ምዃኑ ንእመን
* መተካእታ ምልኪ ዲሞክራስያዊትን ፍትሓዊትን ኤርትራ
* መተካእታ ህግደፍ ህዝቢ ምዃኑ ምርዳእ
* ድሕሪ ምውዳቕ ሰርዓት ኢሰያስ ብመሰጋገሪ መንግስቲ
* ግዜ መሰጋገሪ ካብ 2-3 ዓመት ከይነውሕ

ብዛዕባ ቕዋም
* ነቲ ናይ 97 ይኹን ናይ 52 ቕዋም ከም መወከሲ
* ዕላዊ ቛንቛ ኤርትራ ዓረብኛን ትግርኛን
* ምምሕዳራት ኤርትራ በቲ ንቡር 8 ኣውራጃታት ይቐውም
* ፈጻሚት ፣ ሓጋጊ ፣ ፈራዲ ኣካል ነናቶም ናይ ምቑጽጻር
* ዋንነት መሬት ምውሳን
* ፕረሲደንት ኤርትራ ብቐጥታ ብህዝቢ ይምረጽ
* ፕረሲደንት ንኽልተ ግዜ ጥራሕ ይመርሕ
* ፕረሲደንት ናቱ ሕጹያት ንሚንስትራት የቕርብ ባይቶ ድማ የጽድቐሉ።

ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ( ኤሃባ )

Eritrean National Congress (ENC)
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክምስረት፣ ኩሉ እቲ ኣብ ላዕሊ ተላዒሉ ዘሎ ነጥብታት እንሰማማዕ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ምንቕስቓስ ሓይልታት፣ ሲቪካዊ ግጅለታን ምሁራትን ኤርትራውያን ክኢላታትን ብዝውክልዎም ኣገባብ ናይ ፈላሚ ኣኼባ ይግበር፣ ነቲ ዝግበር ሰፊሕ ምርኻብ ውን ዘድሊ ምድላዋት ይግበር።
እዚ ምቛም ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ልክዕ ነቲ ብቕዋም ዝጸድቕን ነቲ ህዝብን ደላይ ለውጥ'ውን እንታይ ስእሊ ካብ ሕጂ ክንሕዞ ንማለት እዩ።
ከም ኣብነት ኣብ'ቲ ናይ 97 ቅዋም እንተሪኢና እቲ ፈጻሚ ኣካልን ሓጋጊ ኣካልን ኣብ ሓደ ሕውስውስ ዝበለ መልክዕ ፓርልያመንታዊ ስርዓት ዝመስልን፣ እቶም ኣባላት ባይቶ ብኣብዝሐ ድምጺ ( super majority) ንሓደ ፕረሲደንት ይመርጹ፣ ነቶም ዝመረጹዎ ድማ ተገልቢጡ ዘደስክልን ዝሰጉግን ይኸውን።
እዚ ባይቶ ከም ናይ ደለይቲ ፍትሒ መጠን ግን እቲ ፈጻሚ፣ ፕረሲደንት ንበሎ መታን ክንለምዶ ነቲ ደሓር ዝግለጽ ዝበዝሐ ድምጺ ህዝቢ ዝረኸበ ዝመርሕ፣ እቲ ሓጋጊ ኣካል ድማ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ባይቶ ተባሂሉዝተፈልየ ስራሕን ሓላፍነትን ኣቛቑማን ይህልዎም ምስኡ ካብ'ቲ ናይ ይኣክል ከተማታት ድማ ዝተመርጸንን ፖለትካዊ ጉጅለታት ብዝረኽቡዎ ግንዖ ይሳትፉ፡ እቲ ፈራዲ ኣካል በቲ ፕረሲደንት ተሓጽዩ እቲ ላዕለዋይ ባይቶ የጽድቖ፣ እዚ ነቲ ኣብ ኣሰራርሓን ናይ ሓላፍነት ምትእትታውን ዝፈርድ ወይ ዝዓርቕ ክኸውን፣ ሰለስተ ክሳብ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዋ ኣካል ክኸውን።
ላዕለዋይን ባይቶ እንብሎ ኣካል ካብቶም ውድባት ጥራሕ ዝምስረት ካብቶም ዝበልናዮም 3+1 ናይ ነፍሲ ወከፍ ውድብን ፣ እቶም ካልኦት ኣብ'ቲ ታሕተዋይ ባይቶ ይኣትዉ።
እቲ ጠለብ ናይ'ቲ ደላይ ለውጢ ህዝቢ ክስዕቦ ዝኽእልን እቲ ዝቓለስ ዘሎ እውን ተስፋ ዘቐምጠሉን ናተይ ዝብሎ ክኸውን፣ እቶም ናብ'ዚ ዝእትዉ እውን ኩሉ ፋሕ ኢሉ ዝጸንሐ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ኣኪቡን ሮድ- ማፕ ኣጽፊፉን ውሽጣዊ ሕግታትን ናይ ኣመኣቃቕላ መሪሕነት ቕጥዕታት የዳሉ፡በብእዋኑ የጸፍፍን የመሓየሽን።
ነዚ ናይ ምቛም ሃገራዊ ባይቶ መን ይጸዋዓዮ?
ብርእይቶይ ናይ እዚ ኣቕራባይ ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ተማሂርና ኣድላይ ኢዩ ሕጂ እቶም ዝፍለጡ ናይ መድያ (ወነንቲ) ሓለፍቲ ነዚ ምስቶም ነዚ ሓሳብ ዝደገፉ ፖለቲካዊ ውድባት/ ሰልፍታት፣ ምንቕስቓሳት፣ በርገሳዊ ማሕበራት ውዘተ ብኣዋጅ / ብግሉጽ ኣብ ውሱን ግዜ እወ ( ንቕበሎ) ክብሉ።
ዓወተ.ኮም……………………. ሳልሕ ጆሃር
ኣሰና.ኮም…………………….. ኣማንኤል ኢያሱ
ቶጎሩባ.ኦርግ…………………. ኣዱሊስ. ነት

ክኾኑ፣ ነዚኦም እውን ከም ኣማእካልን ፣ኣራኻብን፣ ዘርጋሕን ዝኸውን ጎይትኦም ኢማም ክኸውን ይሕጸ።
ሓው ጎይትኦም ኢማም ብጀካ እዞም መድያ ሓለፍቲ ዘበርክትዎ ሓደ ካብቶም ንጡፋት ተሳተፍቲ ኣብ ቓልስን ብጽሑፋትን ኣብ ቐረባ እዋን እውን ህዝባዊ ንምጥርናፋት ናይ ህዝቢ ንህግደፍ ንምምካት ዘበርከቶም ሰፋሕቲ መጽናዕትታን ብሞያ እውን ነዚ ስራሕ ዝሕግዝ ስለዘለዎ ንምዃኑ እዩ።
እቶም ነዚ ጻዋዒት ዝተቐበሉ ውድባትን፣ ምንቕስቕሳታትን ስቪክ ማሕበራትን ብሕጽር ዝበለ ዕላማ ውድቦም፣ ጉባኤ ዝገበሩሉ ግዜን ዝተመርጹ መሪሕነት ዝርዝር ኣስማቶም ከቕርቡ ይጽበዩ።እዚ ምናልባት ነቲ መን እዩ ውድብ ዝብልን ከመይ ኢሉ ኣብ'ቲ ባይቶ ንምምስራት ይውከልን ንኽሕግዝ ንማለት እዩ።ስዒቡ ነቲ ከም ነጥብታት ብጉሉጽነት በብእዋኑ ምስ ገደብ ግዜን መምርሒ ናይ'ዚ መድያ ጉጅለ ( ኣሳናዳዊት) እናቐረብ ናብ'ዘን ሰለስተ ወብሳይት ይዝርጋሕ፡ ብእኡ መንገዲ ድማ ህዝቢ ይፈልጦን፣ ይመያየጠሉን ሓሳቡ እውን ዝህበሉ ኣገባብ ይግበር።እዚ ሓደ ምእንቲ ከም'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣኼባታት ሓበሬታ ምስ ተደምደመ ዝንገር ፣ ከምዚ ገይርና ዘይኮነስ ዝድለ ንኸተጓዕዞ ዘለካ ብተኻእለ መጠን ፡ህዝቢ ዝወሳኣሉ ሃዋህው ምፍጣር ኣብዚ እዋን ብፍላይ።
በቲ ብሓባር ዝሰማምዕዎ መሰረት ነቲ መን እዩ ውድብ ዝብል ምስ ተመለሰ ንኽትዕ ዝቐርብ ርእይቶ
1
* ነፍሲ ወከፍ ውድብ 1+3 ኣባላት መሪሕነት ይሰድድ
* ምንቕስቓሳት ብ 2 ኣባላት
* በርገሳዊ ማሕበራት ድማ ብ 2 ኣባላት ይውከሉ

2
*ሓደ ውድብ 4 ሰባት ኣብዚ ነዊሕ ቓልሲ እጃሞም ዝገበሩን ኣብ ሓላፍነት ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ይሓጽዮም
*ምስቕስቓሳትን በርጌሳውያን ማሕበራት ከምኡ 2
3
*ውድባት 5
* ምንቕስቕሳት 2
* በርጌሳዊ ማሕበራት 2
እዚ ነቶም ምስኦም ኣብ ሓባራዊ ናይ ቓልሲ ጉዕዞኦም ኣብ ዕላማኦም ዝሰማምዑን ብሓባር ዝሰርሑን ዝብልዎም ምሁራትን ክኢላታን ውልቐ- ሰባት ይሓጽዩ
4
* እቶም ውድባት ካብዞም ዝሓጽዩዎም ( ዝቖርሕዎም) ዘለዉ ሓደ ን ፕረሲንደት ናይ'ቲ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ሓደ ሰብ ሓጽዮም ብሚስጢር ዓቒቦሞ ይጸንሑ፣ ኣብ ምርጫ ኣብ ዝስዕብ ዝግለጽ ከም ሕጹይ የቕርብዎ ።
5
* እቶም ውድባት ብፍላይ ንዘለዎም ፖለቲካዊ ዕላማን መርገጽን ምስ'ቲ ኣዳላዊ ሽማግለ ዝብጻሕ ስምምዓት በብእዋኑ ጽሕፋት ከቕርቡ ይሕተቱ፣ ብእኡ
ኣቢሉ'ውን እቲ ህዝቢ ሓበሬታ ንኽህልዎ ዕድል ይኽፈት።
ኣብዚ ምናልባት ልሉያት ምሁራትን ክኢላታን ከይተቖርሑ ክተርፉ ስለዝኽእሉ ሓደ ፍልይ ዝበለ መንገዲ ክፍጠር ይከኣል።ከም ኣብነት ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምሁራትን ክኢላታን ብዛዕባ ኤርትራን ፍታሑን ዝብል ተኣኪቢም መጽናዕናታዊ ጽሑፋት ዝዘርገሑ ተራእዮም ብ5 ኣባላት ይውከሉ ይኽእሉ። ምስ'ዚ ዝተሓሓዝ ጉዳይ ደቒ ኣንስትዮ ኤርትራን መንእሰያትን ብዝያዳ ኣቕልቦ ክግበረሉ ብዝያዳ ኣብ'ቲ ናይ ከተማታት ውክልና ኣብ ጸብጻብ ዝኣትወሉ መንገዲ ክርኤ ይከኣል።
ኣብ'ቲ ናይ ይኣክል ዝብል ሰፊሕ ተሳትፎ ደላይ ለውጢ ዝብገሰሉ ዘሎ በብከተማዊ ምትእክኻብ ጀሚሩን ዝቕጽል ዘሎን፣ ብዝያዳ ክሰፍዝሕን፡ ክምዕብልን ብእኡ ኣቢሉ እውን ከም ኣካል ናይ'ቲ ዝምስረት ኤሃባ መታን ክኸውን ኣብ ዘለዎ ከተማ ብሓደ ኩላትና እንሰማምዓሉ ተመሳሳሊ መልክዕ ቕጥዒ ተመሊኡ፣ ሓደ ከም ኣባል
* 5 ወይ 10 ዶልር ፣ ኤውሮ ፣ ኮሮና ወዘተ ንኣባልነት ከፊሉ ንወከልቱ ንኽመርጽ ንኽምረጽ መሰል ክህልዎ
* እቶም ተኣኪቦም ዝመርጹ ነቲ ዝተዋህቦም ናይ ሕጹያት ኣስማትን ፖለቲካዊ ውክልንኦም ዘዋህለልዎን ዝኣከቡዎን ሓበሬታ መሰረት ነቲ ባይቶ ዝመርሕ ፕረሲደንት ድምጾም ኣብ ሳንዱቕ የቐምጡ
*በቲ ስምምዕ መሰረት ከም ኣብነት 100 ዝተመዝገቡ ኣባላት ዘለዋ ከተማ ሓደ ሰብ ይውክሉ ናብ ጉባኤ ባይቶ
* እቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝተኣከበን ዝተረጋገጸን ድምር ቑጽሪ መሰረት፣ እቲ ዝበዝሐ ቑጽሪ ዝረኸበ ውድብ ወይ ሰልፊ ናይ ፕረሲደንት ስልጣን ይሕዝ፣ በዚ መሰረት እቲ ኣብ ትሕቲ ፕረሲደንት ወይ ፈጻሚ ኣካል ቤት ጽሕፈታት ቐዳማይ ሓለፍቲ፣ እቲ ካልኣይ ዝወጸ ድማ ምክትል፣ እቲ
ሰክሪታሪያ ይኸምን።
ኣብዚ ከም ተመክሮ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም እንተሪኢና እቲ ብተደጋጋሚ ብህዝቢ ዝኣክል ድምጺ እንተዘይረኺቡ ግድን እዩ ምስቶም ንዕኡ ዝመስል ክሓብር ምስ ግዜ፣ ምስኡ'ውን ዝተዓቐነ ቑጽሪ ዘየምጽኤ ኣብ ባይቶ ኣይእቱን ማለት 5% -10% ካብ'ቲ ዘድመጸ ዝብል እንተጸዲቑ ፣ እዚ እውን ነቲ ምብዛሕ ውድባት ወይ ምርባሕ ንምቑጽጻር ይሕግዘና።
ተመሳሳሊ ኣብ'ቲ ሓጋጊ ኣካል'ውን ኣፈ ባይቶ እቲ ዝሰዓረን፣ እቶም ኣብ ሓጋጊ ኣካል ዝህሉ ዝተፈላለዩ ኮሚቲስ (ሽማግለታት) ይቖርሕ።
እቲ ፈራዲ ኣካል ዝበልናዮ እውን ከምኡ መልክዕ ይህልዎ፣
እዚ ፈራዲ ኣካል ኣብ ሃገር ኣገዳሲ ምዃኑ ንሰማማዕ ኢና፣ ግን ኣብ'ዚ እዋን ኣገዳሲ እዩ፡ ምኽንያቱ ኣብ ተመክሮ ደንበ ደለይቲ ለውጢ ሓደ ካብቶም ዝኸበዱ ሽግራት ሓውሲ ነጻ ኮይኑ እዚ ብመሰረት ቕዋምና፣ ውሽጣዊ ሕግታትና ኣሰራርሓናን ፡እዚ ስልጣን ናይ'ዚ ኣካል ፣ እዚ ሽግር በዚ ምምሕያሽ የድሊ እናበለ ከተዓርቕ ዝኽእል ኣካል ስለዘይነበረና ነኣሽቱ ነገራት ኣብ ምፍንጫላት ውድባት ኣኺዱናን ብእኡ መሰረት ኣሕዚኑና ኣሳቕዩናን። ህዝብና እናተሳቐየ ካባና ተስፋ እናሰኣነ፣ መንእሰይ ኤርትራ ሃጽ ኢሉ ካብ ዝፈትዎም ወለዱ፣ ዓዱ ብሰንኪ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎት ባርነት መሪሩዎ፣ተስፋ ዝሰኣነሉ ጨካን ስርዓት ኢሰያድስ ዝተበደለ ክቕበሎን ንቓልሲ ከዕጥቖን ኣይከኣለን።
ኣብ መደምደምታ እዚ ኹሉ ህዝቢ ንኤርትራ ልዕላውነታን ክብራን ዝተኸፍለ መስዋእትን ምዝንባልን ንምድሓን ዝተላዕለ ናይ ደላይ ለውጢ ኣውያት ይኣክል ምብርባር ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ስለዘለና፣ ነዚ ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጽሖ ኩላትና ኢደይ ኢድካ ኢልና፣ እቶም ክመርሑ ዝኽእሉን እሞ ግዜኦም ዝወፈዩ ንኽመርሑ፣ እቶም ክንመርሕ ዘይንኽእል ድማ ተመራሕቲ ክንከውን ፍቓደኛታት ክንከውን ግዜ ይጠልበና ኣሎ።
ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውድቐት ስርዓት ኢሰያስ ቕዋማዊ ምሕደራ ዘለዋ ፣ ስልጣን ብሰላማዊ መንገዲ ምቕብባል፣ ኣብዝሐ - ሰልፍታት ዘለዋ ሃገር ክንብል እንከለና ወይ እንተተሰማሚዕና መብዛሕትና እንሳተፈሉን፣ ንድግፎን፥ ህዝቢ ተስፋ ኣንቢሩ ኣብ'ቲ ለውጢ ተጸንቢሩ ንኽሳተፍ ነዚ ከም ሓሳብ ምልጋስ ሕማቕ ኮይኑ ኣይረኤን።
እዚ ሓሳብ ከም ርእይቶ ንእንታይ ተገበርና ይሓይሽ ንማለት ስለ ዝቐረበ ክንጸግ፥ ክድገፍ፥ ክመሓየሽ ብዝበለጸ ንኽቐርብ ስለዝከኣል ጸገም የብሉን እናበልኩ ይፋነወኩም።

Last modified on Wednesday, 16 October 2019 21:05