እቲ መርገም  ናብ  ምርቓ ክቕየር

2019-10-17 19:03:09 Written by  ኣባል ሰዲህኤ Published in ጽሑፋት ትግርኛ Read 1471 times

ካብ ሃገሩ ተሰዲዱ ከርተት ክብል ዝመርጽ ሰብ የለን። ሃገር መንነትካ ዝግለጸላ፡ ታሪኽካ ዝንገረላ፡ ከቢርካ ከቢድካ እትነብረላ፡ ዜርካ ዜርካ፡ ውዒልካ ሓዲርካ እትምለሳ ዓባይ ገዛ ኢያ። እዚ ኮይኑ ግን፡ ነዚኣ ምዓስ ከምትምለሳ ከይፈለጥካ ተገዲድካ፡ ጠንጢንካያ ክትወጽእ እንተኾንካ ዓቢ ወደቓ እዩ። እምበር ብሃገር ተላኢኽካ፡ ካብ ሃገር ወጺእካ፡ ንሃገርካ ፍልጠትን ሃብትን ሸሚትካ እትምለሰሉ ሓያለ ዕድላት ውን ኣሎ እኮ ኢዩ።

መን'ሞ ንሃገሩ ዘየፍቅር ህዝቢ ደኣ ክህሉ ኮይኑ'ምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣፍቃሪ ሃገሩ ኢዩ። ክንድቲ ሃገሩ ንምርካብ ዝኸፈሎ ዋጋ መስዋእቲ ኢዩ፡ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ እንተበልና፡ ዋጋ መስዋእቱ መቑጸሪ ስለዘይብሉ፡ ኣብ ሃገሩ ዘለዎ ፍቕሪ ውን መቑጸርን መዐቀንን ዘይብሉ እምብዛ ብዙሕ ኢዩ።

ፍቕሪ ሃገር ግን ከም ኣተሓሕዝኡ ኢዩ። ኩስኮሳን ክንክንትን ዘድሊዮ ኢዩ። እዚ እንተዘይረኺቡ ይቕምስል፡ ነቲ ሃገር ሒዝዎ ዘሎ ፈትልታት ይልሕልሕ፡ ይበታተኽ። ዓቕሚ ናይ ምህናጽ ሃገር ይዝሮ፡ ይዳኸም። ድሌትካ ኣብ ውሽጢ ሃገር ምንባር የማህምን ከይፈተኻ ድማ ሃጽ የብል።

ኩነታት ሃገርና ንመልከት፡ ናጽነትና ክንጎናጸፍ ከሎና፡ ቅድሚ 28 ዓመት ዝነበረና ስምዒትን ሎሚ ዘሎናን ንምንጽጻሩ፡ ንውሽጣዊ ሕልናና ተወኪስና መልሲ ንርከብ። ኣብ ረፈረንዶም ዳርጋ ሚእቲ ካብ ሚእቲ “እወ ንናጽነተይ” ዝበለ ህዝቢ፡ ሎሚ ረፈረንድም እንተዝግበር መልሱ ከምኡ ዶ ምኾነ? ሕጂ ውን ንሕልናና ንወከስ። እዚ ፍልልይ'ዚ ክመጽእ ዝኸኣለ፡ ኣተሓሕዛ ሃገር፡ ኣመሓዳድራ ሃገር ግዕዙይ ስለዘሎን ንዝተቓለስናሉ ሕልምታት ስለዘበርዓነን  ጥራይ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ መንእሰይ ሃገሩ ገዲፉ ዝስደድ ዘሎ ሃገሩ ስለዝጸልአ ኣይኮነን። እቲ ምኽኒያት፡ ብኣነባባር ስለዘይተሓጎሰን ብሩህ መጻኢ ስለዘይርኢ ዘሎን ኢዩ። ንስደት ኤርትራውያን፡ ብቁጠባዊ ምኽኒያት ከምዝመጸ ጥራይ ጌሮም ክገልጽዎ ዝፍትኑ ኣለዉ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ሓቂ ጠንቂ ናይ ስደት እቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ብልሽውናን፡ ጭቆናን፡ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ስእነት ፍትሕን ኢዩ።

ኣብ ውሽጢ ዓማጺ ፖለቲካዊ ስርዓት፡ ራህዋ ዘሎዎ ቅሱን ናብራ ከተሕልፍን ንመጻኢ ብሩህ ተስፋ ክትርእን ዘይከኣል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጸልማት ኩነታት፡ መንእሰይ ንመጻኢኡ እንተሓሰበ ናይ ሕልና ዘለዎ ሰብ ገበረ። ብመሰረቱ ውን፡ ዲክታቶርነት ክትርዕመሉ ዘይግባእ ኣረመንያዊ ምሕደራ ስለዝኾነ ኢዩ።

መንእሰይ ዓዲ ገዲፉ ክወጽእ ከሎ፡ ካብ ባርነትን ዲክታትርያዊ ጭቆናን ብምምላጥ ንነብሱ ካብ ስቓይ የገላግል ኣሎ። እንተኾነ ግን፡ ተመሊሱ ነቲ ኣብ ስቓይ ዝገደፎ ህዝቢ፡ ኣብ ማእሰርቲ ዝገደፎ መዘና ሓራ ንምግባር ክዋሳእ እንተ ዘይክኢሉ ሰብኣዊ ሕልናኡ ከም ዝኸሓደን ተሓባባራይ ናይ ጨቆንቲ ከም ምኽዋንን ኢዩ ዝቑጸር።

ኣብ ዓዲ ዘሎ'ዶ ወይስ ኣብ ስደት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ይበዝሕ? ኢልና ብምግራም እንተሓተትና ካብዛ ንእሽቶ ሃገር ኣብ ዝኸድናዮ ክፍሊ-ዓለም ብዙሕ ዝተሰደደ ህዝብና ንርኢ ስለዘለና ኢዩ። ዓዲ ክትንበር ዘይትኽእል ረመጽ ሓዊ ኮይናቶ ኣብ ግዳም ዝነብር ህዝብና ካብ ሰላሳ - ኣርብዓ ሚእታዊት ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዘይውሕድ ኢዩ። ኩነታቱ ውን፡ ነቲ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዘሎ ገዲፍካ፡ እቲ ኣብ ምዕራባዊ ሃገራት ዝነብር ማለት ኣብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ኣብ ዝሓሸ ከምዝርከብ ዘየጠራጥር ኢዩ። ኣብ ዝነብሮ ሃገራት ኩሉ ዓቕምታቱ - ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ባህላዊ ከማዕብል ምቹእ ኩነታት ኣለዎ። ነዚ ኣብ ዓዲ እናነበረ ብሰንኪ ህሉው ዲክታቶርያዊ ስርዓት ከጥሪዮ ዘይከኣለ ዓቕሚ፡ ኣብ ጠቕሚ ሃገሩን ህዝቡን ከውዕሎ ናይ ሃገር ጸዋዒት ኣለዎ።

ምስጢር ምዕባለ ናይ ተሰዲድና፡ ኣዕቊበናና ዘለዋ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኽተለኦ ስርዓተ ምምሕዳር ኢዩ። ወሳንነት ናይ ህዝቢ፡ ግዝኣት ናይ ሕጊ፡ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ዝኽበረለን ስለዝኾና ኢየን ኣብዚ ደረጃ ምዕባሌ በጺሐን ዘለዋ። ንሕና ውን፡ ኣብአን እናነበርና ነዚ መሰላት'ዚ ማዕረቶም ደቀባት እናተጠቐምናሉ ኢና። ነዚ ባዕላትና ነስተማቕሮ ዘሎና ዓቢ ጸጋ፡ ኣብ ሃገርና ክዝውተር ከመይ ኣይንምነን? ኣብ ሃገርና ንከይዝውተር በየናይ ሕልናን መጎትን ኢና ክንቃወሞ እንኽእል? ንህዝብና ስለምንታይ'ዚ ይሕረሞ?

ሓንቲ ነገር ከዕልለኩም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብጉዳየይ ናብ ናይ ጡረታ ቤት ጽሕፈት ይኸይድ እሞ ሓደ ኤርትራዊ ዝፈልጦ ኣብኡ ይጸንሓኒ። ዕድሚኡ፡ ንጡረታ ይበጽሕ ኢዩ ኢለ ዝገመትክዎ ኣይነበረን። ድሕሪ ሰላምታ ምልውዋጥ እንታይ ድኣ ኣምጺኡካ? ኢለ እሓቶ። ብናይ ሕርቃን ቃና "ኣንታ ዚኦም ናይ ጡረታ ክፍሊተይ ደንጉዮምኒ" ይብለኒ። ብምቕጻል መዓስ ክበጽሓካ ኔርዎ ኢለ እሓቶ። እቲ እንራኸበሉ ዘለና መዓልቲ ሰኑይ ኢዩ ነይሩ። "ዝሓለፈ ዓርቢ ክበጽሓኒ ኔርዎ" ይብለኒ። ኣይ! እዚ ደኣ'ሞ እንታይ ደንጉዩ ዝበሃል ኮይኑ፡ ናይ ተክኒክ ጸገማት ክጓንፍ ዝኽእል ኢዩ ይብሎ። ንስኻ ኣብዚ ነዚ ደንጉይኒ ትብሎ ኣሎኻ፡ ኣብ ሃገርና ናይ ጡረታ መሰል ከምዘየለ ትፈልጥ'ዶ ኢለ እሓቶ። "ኣይፈልጥን ኢየ" ይብለኒ። እዚ ሰብ'ዚ ኣብ ዓመት እንተውሓደ ክልተ ግዜ ናብ ኤርትራ ዝመላለስ ኢዩ። እቲ ናይ ጡረታስ ኣይፍለጦ፡ ደሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ግዝኣተ-ሕጊ፡ ሰብኣዊ መሰላት ክምዘየለ ግን፡ ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ ኢዩ።

"ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ" ከምዝበሃል ደኣ ኮይኑ'ምበር፡ ናብ ኤርትራ ዝመላለሱ ኣሕዋትና ካብ ማንም ሰብ ንላዕሊ ህዝብና ዘሕልፎ ዘሎ ስቓይ ይፈልጡ ኢዮም።

ኣብ ትሕቲ ኣመራርሓ፡ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፡ እዚ ዘሎ ወለዶ ጥራይ ኣይኮነን ዝበርስ ዘሎ። ወለዶታት ኢዩ። እዚ ወለዶ'ዚ ተልእኾኡ እንተዘይፈጺሙ፡ ዝስዕብ ወለዶ በዚ ክትንከፍ ግድን ኢዩ።

ተቐሲብካ ካብ ገዛኻ፡ እትፈትዎ ሃገርካን ህዝብኻን ምስዳድ ብርግጽ መርገም ኢዩ። እንተኾነ ግን፡ ነዚ ናብ ጠቕሚ፡ ናብ ምርቓ ክቕየረሉ ዝኽእል ዕድላት ኣሎ።

ኣብ ዲያስፖራ ዝነብር ህዝብና፡ ብፍላይ መንእሰይ፡ ኤርትራ ካብዚ ዘላቶን እትጉዓዞ ዘላን ቀጻሊ ውድቀት ንምድሓን ክገብሮ ዝኽእል ሓያለ ጉዳያት ኣሎ።

ብመጀመርታ ነቲ መስደዲኡ ምኽኒያት ዝኾነ ዝለብለቦ ሓዊ ከጥፍእ ክሓስብ ኣለዎ። ናይ ደቂ ሰባት ባህርያት'ዩ ነብሶም ካብ ባርዕ ሓዊ ምስ ኣድሓኑ ተመሊሶም ብዘለዎም ዓቕሚ ነቲ ባርዕ ከጥፍኡ ክጽዕሩ። ተሓጋገዝቲ ክጽውዑን ክጥርንፉን።

ዉልቀ መላኺ ኢስያስ ምሁራትን ክኢላታትን ኣይፈቱን ኢዩ። ኤርትራ ካብዚኦም ዝበተኸት ሃገር ክትከውን ከምዝደሊ ኩሉ ተግባራቱ ዘመስክሮ ኢዩ። ኣብ ዲያስፖራ ዘሎ መንእስይ፡ ኣብ ዝነብሮ ዘሎ ሃገራት ዝረኽቦ ዕድል ናይ ምምሃር ብዕቱብ ክጥቀመሉ ኣለዎ። እቲ ኣብ ኤርትራ፡ ብኣመራርሓ ኢሰያስ ዝቕጽል ስምብራት በዚ ኣቢልካ ኢዩ ክቃለል ዝኽእል።

መንእሰያት ባህልን ምዕባለን ናይ ስልጡናት ሕብረተ-ስባት ክመሃርዎን ከዘውትርዎን ምኽኣሉ። ነዚ ድማ፡ ከምቲ ቁሳቁሳዊ ነገራት ናብ ሃገርና እንልእኮ፡ ነዚ ምዕቡል ባህሊ ድማ ናብ ሃገርና ንልኣኮ ናብ ህዝብና ነተኣታትዎ።

ገዚፍ ህልውና ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ፡ ኩነታት ሃገርና ኣብ ምቕያር ቀሊል ዘይኮነ ተራ ኢዩ ዘለዎ። እቲ ወሳኒ ለውጢ ብውሽጢ ክመጽእ ከምዘለዎ ዘየካትዕ ዋላ እንተኾነ፡ እቲ ፍሉይ ኩነታት ናይ ኤርትራ ግን ንግደ ኤርትራውያን ኣብ ዲያስፖራ ዓቢ ቆላሕታ ዝህብ ኢዩ።

Last modified on Thursday, 17 October 2019 21:05